ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

እንቋዕ  ናብ  ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣብጸሓና!

ምስባክ

ይትዐየን መልአከ እግዚአብሔር ዐውዶሙ

ለእለ ይፈርህዎ ወያድኅኖም

ጣዕሙ ወታእምሩ ከመኄር እግዚአብሔር።

መዝ. 33 (34)7-8፣

ኤፊ.1፣13-ፍጻሜ።  ይሁዳ.1፣9-14። ግ.ሓዋ.1፣10-12። ማቴ. 25፣14-31።

ቅዳሴ ተንሥኡ አው ባስልዮስ

 

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ቅዱስ ሚካኤል “ መን ከም እግዚአብሔር ከም እግዚአብሔር ማንም የለን። ” ማለት እዩ።  ከም እግዚአብሔር ዝኣመሰለ ቅዱስ፣ ንጹሕ፣ ርኅሩህ፣ ኃያል፣ ረቂቅ መን ኣሎ መልሱ ማንም እዩ። ቅዱስ ሚካኤል ናይ ስሙ መግለጺ ዝዀኑ ተወሰኽቲ  ኣስማት ኣለው። እዚኦም ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህብዎ ንኽብሩ ዝገልጹ እዮም።

እዚኦም ከኣ መልአከ ኃይል፣ መልኣከ ምክሩ ለልዑል ፣ መጋቤ ብሉይ እዮም።

መልኣከ ኃይል ዝተባኅለ፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብኡኡ ጌሩ ብዙሕ ዓበይቲን ኣደነቕቲ ሥራሕ ብምሥራሑን፣ ኃይሉ ስለዝገለጸን ንዲያብሎስ ምስ ሠራዊቱ ስለዝስሰዓረ እዩ።

መጋቤ ብሉይ ዝተኅለሉ ምኽንያት፣ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ካብ እግዚአብሔር እንዳተላእኸ ብዙሕ ዓበይቲ ድንቒ ተግባራት ስለ ዝገብረ እዩ።

መልአከ ምክሩ ወይ ድማ ናይ እግዚአብሔር ኣማኻሪኡ ዝተባህለሉ ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ ፣

ንእግዚአብሔር ብምኽሪ ይሕግዞ ማለት ዘይኮነ፣ እግዚአብሔር ዝሰርሖ ኩሉ ሥራሕ ንፈተውቱ ብፍታዉ ይገልጸሎም እዩ ። ንፈታዊኡ ቅዱስ ሚካኤል ከኣ ይገልጸሉ ፣ ብእኡ ጌሩ ከኣ ሥርሑ ይሠርሕ ንምባል እዩ። እግዚአብሔር ሙሉእ በኩሉኄ፣ ይሕግዝ እምበር ሓግዙኒ ዝብል ኣምላኽ ኣይኮነን። ፍጥረታቱ ብዘይ ዋላ ሓደ ሓገዝ ዝፈጠረ ኣምላኽ እዩ።

 

ቅዱስ ሚካኤል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ

ቅዱስ ሚካኤል ምስ እዚ ኩሉ ልዕልና ትሕትና ደሪቡ ዝሓዘ ብጸሎት ተማኅጽኖ ብተራዳኢነቱ ኣሚኑ ዝልምን ኩሉ ፈጢኑ ብምብጻሕ ካብ ጸብኣ፣ ተንኮል ሠራዊተ ኣጋንንቲ ዘድኅን ቅዱስ መልኣኽ እዩ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ምስ እንርኢ  ቅዱስ ሚካኤል ብዝተዋኅቦ ክብርን ሞጎስን ዝገበሮም ኣደነቅቲ ተኣምራት ይነግረና ። እያ.5፣13-15። ከምዚ ይብል። << ኮነ ኸኣ እያሱ ኣብ ጥቓ ያሪኮ ኸሎ ኣዒንቱ ቛሕ ኣቢሉ ረኣየ እንሆ ድማ እተመልሔ ሴፍ ኣብ ኢዱ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ነበረ። እያሱ ኸኣ ናብኡ ኸይዱ  ንስኻ ናትናዶ ወይ ናይ ጸላእትና ኢኻ በሎ። ንሱ ድማ ኣይፋለይ ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚአብሔር ኮይነ ሕጂ መጺኤ ኣለኹ በለ። እያሱ ከኣ ብገጹ ኣብ ምድሪ ተድፊኡ ሰጊዱ ጐይታይ ንባርያኡ ዚብሎ እንታይ እዩ በለ። እቲ ሓለቓ ሰራዊት እግዚአብሔር ድማ ንእያሱ  እዛ ደው ኢልካያ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ እያ እሞ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ በሎ። እያሱ ድማ ከምኡ ገበረ።  >> ነዚ ጥቅሲ ምስ እንርእዮ ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ንእያሱ << …..እግዚአብሔር ኣምላኽካ  ኣብ  እትኸዱ ኩሉ ምሳኻ እዩ እሞ ኣይትፍራሕ ኣይተሸበር ከኣ። >> እያ.1፣1-9። ብምባል ማዕረ ክንደይ ከምዘኽበሮ ንርዳእ።

እስራኤላውያን ንኣሞራውያን ኣብ ዝወግእዎም ግዜ እቲ መዓልቲ ስለዝመሰዮም ካብቲ ልሙድ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ወጻኢ ጸሓይ ከይትዓርብ መዓልቲ ክነውሕ እያሱ ንፈጣሪኡ እግዚአብሔር ብጸሎት ምስ ለመነ። እግዚአብሔር ድማ ጸሎቱ ሰሚዑ ንመዓልቲ ኣንዊሑ ካብ ሰማይ ኣእማን ዝኾኑ በረድ ኣዝኒሙ ንጸላእቱ ብምጥፋእ ዝፈጸሞ ኣደናቒ ተኣምር ከምዚ ክብል ጺሒፍዎ።

<< ሽዑ በታ እግዚ አብሔር ንኣሞራውያን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣሕሊፉ ዝሃበላ መዓልቲ እያሱ ንእግዚአብሔር ተዛረቦ: ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ በለ ኣቲ ጸሓይ ኣብ ጊብዖን ደው ኢልኪ ጽንሒ ኣቲ ወርሒውን ኣብ ለሰኣሎን። ሽዑ እቲ ህዝቢ ንጸላእቱ ሕነ ክሳዕ ዚፈዲ ጸሓይ ቈመት ወርሒ’ውን ደው በለት። እዝስ ኣብ መጽሓፍ ያሻር ዶክ ተጻሒፉ ኣይኮነን እታ ጸሓይ ኣብ ማእከል ሰማይ ኣስታት ሙሉእ መዓልቲ ቘመት ንምዕራብ ከኣ ኣይቀልጠፈትን ። እግዚአብሔር ንእስራኤል ተዋጊኡሎም እዩ እሞ ፣ እግዚአብሔር ደሃይ ሰብ ብምስማዕ ከምታ መዓልቲ እቲኣ ዝበለት ቅድሚኣ ዀነ ድሕሪኣ ኣይነበረትን። >> እያሱ 10-12-14። ብምባል ተገሊጹ።

ብሓፈሻኡ ካብ ያሪኮ ጀሚሩ ዓበይቲ ናይ ኣሕዛብ ዕርዲ ኣፍሪሱ  ንኣህዛብ ኣጥፊኡ፣ እግዚአብሔር ንኣብርሃም፣ ይስሓቅ፣ ያዕቆብ ዝኣተወሎም ቃልኪዳን ዝመሓለሎም ምድረ ተስፋ ንደቆም ዘውረሰ እያሱ እዩ።

ናይ እስራኤል መራሒ ዝኾነ እያሱ፣ ኣብ ኢዱ ሰይፊ ሒዙ ዝተገልጸሉ ቅዱስ መልኣከ እግዚአብሔር ቅዱስ ሚካኤል ምዃኑ ኣይፈለጠን። ካብ ቃሉ ከምንርዳእ ካብ ወገኑ ወይ ድማ ካብ ናይ ጸላእቱ ወገን ዝኾነ ሠራዊት መሲልዎ ኔሩ። ቅዱስ ሚካኤል ብሰብ ኣምሳል ስለዝተገልጸሉ ከኣ ኣይፈለጦን ኔሩ። ዘዛራረቡ ዝነብረ̕’ውን ብዘይ ፍርሕትን ጭንቀትን ራዕድን ንሠራዊቱ ከም ዘዛራርብ ኮይኑ እዩ ዝነበረ ። ጸኒሑ ግና ካብ ቅዱስ መልኣክ ዝተዋህቦ መልሲ  ነቢይን መራሒን እያሱ ኣተሓሳስቡ ለዊጥዎ። << ኣይፋለይ ኣነስ ሓለቓ ሠራዊት እግዚአብሔር ኮይነ ሕጂ መጺኤ ኣለኹ በለ። >> ዝብል ቃል ምስ ሰምዐ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዝበለ ተራ ሠራዊት ዘይኮነ ናይ ቅዱሳን መላእኽቲ ሓለቓ፣ ምስ ሙሴ ከይተፈለየ ንህዝበ እስራኤል ዝሓለውን ዝሕሉን ዘሎ ናይ እግዚአብሔር መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ምዃኑ ምስ ተረድአ፣ ንመልኣከ እግዚአብሔር ክብሪ ምኃብ ስለዝግባእ ናይ ኣኽብሮት ስግደት ሰገደሉ። << ብገጹ ኣብ ምድሪ ተድፊኡ ሰጊዱ ጐይታይ ንባርያኡ ዚብሎ እንታይ እዩ በለ። .>> ብምባል ብትሕትና ሓተተ።

ቀጺሉ ድማ ጐይታይ .. ቅዱስ ሚካኤል ንባርያኻ እያሱ ትነግረኒ ነገር እንታይ እዩ? በሎ። እዚ ብምባሉ ገለ የዋሃት ናይ እግዚአብሔር ክብሪ ንፍጡራቱ ምኃብ ኣይኮነን’ዶ ይብሉ እዮም ። ነዚ ቃል መብርሂኡ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።  ቅዱሳን መልኣኽቲ ጐይቶት ይብኃሉ እዮም ። ጐይትነቶም ግና ናይ ጸጋ ጐይትነት እዩ። ካብ እግዚአብሔር ዝረኸብዎ።

እግዚአብሔር ናይ ሠራዊት ጐይታ ተባሂሉ ይጽዋዕ ፣ እዚ ማለት ንመልኣኽቲ ፈጢሩ ዝገዝእ ፣ ዝእዝዞም፣ ዝቅድሶም ማለት እዩ። ናይ እግዚአብሔር ሓለቃ ሠራዊት ዝብኃል ትሕቲ ፈጣሪ ኣብ ልዕሊ መልኣኽቲ ብእግዚአብሔር ዝተሽመ ማለት እዩ

እያሱ ንመልኣከ እግዚአብሔር ጐይታይ ኢሉ ካብ ጸውዖ፣ ንሕና ሓጥያተኛታት ጐይታይ ቅዱስ ሚካኤል ንዓይ ንባርያኻ ጸልየለይ መጺኻ ኣድኅነኒ ብምባል ናይ ኣክብሮት (ናይ ጸጋ) ስግደት ብምስጋድ እንተለመናዮ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ኣይወጻናን ። ናይ ፈጣሪ ክብሪ ንፍጡር ኣይኃብናን። እዚ ከኣ መሠረት መጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ኣብነት አበው ብምኽታል እዩ።  ንፈታዊ እግዚአብሔር እያሱ ኣብነት ንገብሮ። ቅዱስ ሚካኤል እያሱ ዘቅረበሎ ናይ ኣኽብሮት ስግደት ብምቅባል ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህቦ መልእኽቲ ነጊርዎ። እያሱ̕ውን ትእዛዙ ፈጸመ።

ቅዱስ ሚካኤል ንህዝበ እስራኤል ካብ ናይ ግብጺ ባርነት ዘውጸኣ፣ ኣብ ምድረ በዳ በረኻ̕ውን ንኣርብዓ (40) ዓመት ዝመርሖምን ምድረ ርስቲ ከንኣን  ዘውረሶም እዩ።  <<…. እቲ ብቕድሚ ሰፈር እስራኤል ዚኸይድ ዝነበረ መልኣኽ እግዚአብሔር ድማ ተላዒሉ ንድሕሪኦም ከደ ። እቲ ዓንዲ ደመና ከኣ ካብ ቅድሚኦም ተላዒሉ ኣብ ድሕሪኦም ደው በለ። ኣብ መንጎ ሰፈር ግብጽን እስራኤልን ኣተወ። ኣቡኡ ከኣ ደበናን ጸልማትን ነበረ ፣ነታ ለይቲ ከኣ ኣብርሃ። ለይቲ ብምልእታ እቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣይቀረበን። >> ዘጻ.14፣15-20። በዚ መሠረት ንእስራኤል ዝመርሖም ዝነበረ ናይ እግዚአብሔር መልኣክ ቅዱስ ሚካኤል እዩ።

v ከምእ̕ውን ኣብ እምባ ሆሬብ እግዚአብሔር ንሙሴ ኣብ ሐምልማላዊት ዕፅ ብተዋህዶ ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን መልኣክ ቅዱስ ሚካኤል ኣይተፈለዮን ኔሩ። ዘጻ.3፣1-6። ግ.ሓዋ.7-30-34።   ኣብ ኦሪት ናይ እግዚአብሔር መልኣኽ እንዳተባኅለ ዝጥቐስ መብዛሕትኡ ቅዱስ ሚካኤል ምዃኑ ሊቃውንቲ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና የምህሩ። ኣብ ድርሳነ ሚካኤል’ውን ተጻሒፉ ንረኽቦ። መዝ. 34፣7። << መልኣኽ እግዚአብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ። >>  ።

ኢሳ.37፣36። <<መልኣኽ እግዚአብሔር መጺኡ……..  >> ብሓፈሻኡ ቅዱስ ሚካኤል ዘይሓገዞ ማንም የለን እንተተባኅለ ምግናን ኣይኮነን።

ኣብ ዳኒ.10፣13።  ናይ ቅዱስ ሚካኤል ተራዳኢነት ገሊጹ እዩ።

ዳኒ.10፣21። << ብጀካ ሚካኤል መስፍንኩም ሓደ እካ ዚሕግዘኒ የብለይን። >> ብምባል ክገልጽ ከሎ ንርእዮ። ብተወሳኺ  ትን.ዳኒ. 12፣1። << በቲ ዘመን̕ቲ ሚካኤል እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ ዚቐውም… .>> ንደቂ ሰባት ኩሎም ብኣማላድነትን ተራዳኒነትን ዝቀውም ምዃኑ ተገሊጹ ንረኽቦ።

v ካልእ̕ውን ዲያብሎስ ምስ ሠራዊቱ ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔር ምስ ዓመጹ ካብ ክብሮም ዘዋረዶም ናብ ምድር̕ውን ዝደርበዮም ቅዱስ ሚካኤል እዩ። ንቅዱሳን መልኣኽቲ ብምምራሕ ምስ ዲያብሎስን ሰራዊቱን ብዝገበሮ ኩናትን ዝረኸቦ ዓወትን ቅዱስ ዮሓንስ ክገልጾ ከሎ። ራእ. 12፣7-9። << ኣብ ሰማይ ውግእ ኮነ ሚካኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበል ምስ መላእኽቱ ተዋግእዎም፣ ኣይሰዐርዎንም ከኣ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን።  >>

ሎሚ̕ውን ቅዱስ ሚካኤል ሰዳዴ ኣጋንንቲ ንኣጋንንቲ ዘሳጉግ ብምዃኑ ካብ ሰይጣንን ሠራዊቱን ከምዘድኅነና፣ ብጸሎት ተጊሆምን ብቃልኪዳን ኣሚኖም ዝልምኑ ኩሎም ፈጢኑ ይራድኦም እዩ። ካብ ኩሉ ክፋእ ነገር የድኅኖም። መዝ.34፣7።

ኣብ መልእክቲ ይሁዳ ቁ.9። << ሚካኤል ሊቐ መላእኽቲ ግና ብዛዕባ ሥጋ ሙሴ ምስ ድያብሎስ እናተኸራኸረ ምስ ተማጎተ ፣ እግዚአብሔር ይግናሕካ ደኣ በሎ እምበር ፍርዲ ጸርፊ ኺዛረቦ ኣይደፈረን።  …>> ምባሉ ትዕግስተኛ ምዃኑ የረድኣና።

ናይ ቅዱስ ሚካኤል ክብሪ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ንማንም ዘይተዋህቦ ዓቢ ክብሪ ከምዝተዋህቦ ተጻሒፉ ንረኽቦ። እዚ’ውን ኣብ ዕለተ ምጽኣት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን መልኣኽቲ ኣስዒቡ ብክበበ ትሥብእት ብግርማ መለኮት ኣብ ዝመጻሉ እዋን ካብ እግዚ አብሔር ኣብ ልዕሊ ሙታን ሥልጣን ዝተዋኅቦ ነዚ ሓያል መላኣኽ ቅዱስ ሚካኤል እዩ።

ነዚ̕ውን ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ እዩ። 1ይ ቆረ.15፣51-52።

ካብዚ ብተወሳኺ  <<   ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታት ብድምጺ ሊቐ መልኣኽቲን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ ።  >> 1ተሰ.4፣16-16። ብምባል ኣብ ዳግማይ ምጽኣት ከመይ ዝበለ ክብርን ጐይትነትን ከምዝተወኅቦ ይገልጸልና።

ናይ ቅዱስ ሚካኤል ክብረ በዓል፣

ናይ ቤተክርስቲያን ቅዱሳን ኣቦታት ኣብ ወወርሑ ብ12 መዘከርትኡ ክንገብር ኣዚዞምና። እዚ ዘይከኣለ ኣርባዕተ ዓበይቲ በዓላት ዋላ ብዝሑል ማይ ብዝተኻእለ መጠን ከንኽብሮ ይግብኣና። እዚኦም’ውን  ሕዳር 12፣ ሰኔ 12 ነሓሰን ታሕሳስን 12 እዮም። ካብ ኩሉ ዝበልጽ በዓሉ ሕዳር 12  ዕለተ ሢመቱ እዩ  ።  ኣብዚ ዕለት እግዚአብሔር ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ ካብ ኩሎም ንላዕሊ ጌሩ ሽሞ። ስለ ትሕትንኡን ተኣዛዝነቱን።

ንኹሉ ጽቡቅ ሥራሕ ተጻባኢ ዝኾነ ንጐይቱኡን ፈጣሪኡን ኣምላኹን ዝኸሓደ  ንጸላኢ ሠናያት ዲያብሎስ  ንኽስዕሮ ሥልጣን ተዋኂብዎ። ኣብዚ ዕለትዚ’ውን ቅዱስ ሚካኤል ብተወሳኺ ብዓቢ ክብሪ ኰይኑ ብኣምሳል ንጉሥ ምስ ሰዓብቱ  ንወዲ ነዌ ንእያሱ ዝተራእየሉ ዕለት እዩ።

ኣብ ቅዳሴውን << ተውህቦ ምሕረት ለሚካኤል ፣ ንሚካኤለ ምሕረት (ርኅራኄ) ተዋሂብዎ።>>  ንብል። ነብዩ ሄኖክ'ውን ንቅዱስ ሚካኤል ምሕረት ከምዝተዋኅቦ  ገሊጹ እዩ። ትሕትንኡን ተኣዛዝነቱን ኣረዲኡ እዩ። ሄኖክ.6፣5። 10-12።

ናይ ሰማያውያን ሠራዊት ሓለቃ ንደቂ ሰብ ኩሉ ዝርኅርህኅን ንደቂ ሰባት ብዘይ ምቁራጽ  ናብ ፈጣሪኡ ዝልምን ርኅሩኅ ትሑት ዝኾነ ኃያል ቅዱስ ሚካኤል ዝስርሖ ሥራሕ ተኣምሩን ክብሩን ተጻሒፉ ክውዳእ  ዝከኣል ኣይኮነን ። በረከት ቅዱስ ሚካኤል ኣይፈለየና።

 

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ኣማላድነት ኣይፈለና። ናይ ቅዱስ ሚካኤል ጸሎቱን በረኸቱን ረዲኤቱን ኣይፈለየና።

 

ወስብሓት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር!

Comments are closed.