ደብረ ቁስቋም

ሕዳር ፮ (6)  በዓታ እግዚእነ ወማርያም ወላዲተ አምላክ ውስተ ደብረ ቁስቋም

ምስባክ

ዖፍኒ ረከበት ላቲ ቤተ

ወማዕነቅኒ ኀበ ታነብር እጐሊሃ

ምሥዋዒከ እግዚኦ እግዚአ ኃያላን መዝ. 83-3 (84-3)

2ይቆረ.8፣1-6። 2ይዮሓ.1፣9። ግ.ሓዋ. 1፣12-1።

ወንጌል. ማቴ. 2፣19።

ቅዳሴ.  ዘእግዚእነ (ነአኲተከ)

 

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን።

 

ኅዳር ሽዱሽተ ኣብዚ ዕለት እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎቱ ስብሐት፣ ምስ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ኣረጋዊ ዮሴፍን ሰሎሜን ሓቢሩ ካብ ስደት ኣብ ዝመለስሉ እዋን ኣብ ድኅሪ ነዊሕ ኣድካሚ ጉዕዞ ደብረ ቁስቋም ካብ ዝነብሮም ድኻም (እምጻማ ፍኖት ) ዘዕረፍሉ ዕለት እዩ።

ደብረ ቁስቋም ኣብ ግብጺ ትርከብ ቦታ ኮይና ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣረጋዊ ዮሴፍን ሰሎሜን ንነዊሕ እዋን ዝተቐመጡላ ቦታ እያ። ብድሕሪኦም እዛ ቦታ ተቀዲስና ከቢራን መኅደሪ ቅዱሳን ገዳም ኮይና ስጋብ ሕጂ ብዙኅ ተኣምራት ዝግበረላ ማኅደር ቅዱሳን ኣበው መንነኮሳት እያ።

ኣብዚ ቅዱስ ቦታ እዚኣ ዳግማይ በደኃሪ መዋዕል (ኣብ ዳሕራይ ዘመን) ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ቁስቋም ቅዱሳን ሓዋርያት ኣኪብዎም፣ ታቦቱን ቤተክርቲያኑን ኣኽቢሩ፣ ናይ ቁርባን መሥዋእቲ ሠሪዑ ቅዱስ ሥጋኡን ደሙን ንኹሎም ወገናቱ ኂብዎም። ነዚ ከኣ ናይ እስክንድርያ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱሳን ኣቦታትና ቂርሎስን ቴዎፍሎስን ምስክር እዮም። ይብለና መጽሓፈ ስንክሳር ዘወርኃ ኅዳር ሽዱሽተ።

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላክ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብዚ ቅዱስ ቦታ ምስ ክቡር ወዳን ምስ ቅዱሳኑን ብፍሉይ ተኣምር እናተገልጸት ንምእመናን በረከታን ረዲኣታን ትህቦም ።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወበረከታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ አምላክ የሃሉ ምስሌነ ለዓለመ ዓለም ኣሜን።

አርኬ

ሰላም ለአእጋሪከ ውስተ ደብረ ቂስቃም እለ ጌሣ። ሕፃነ ማርያም ክርስቶስ አመ ጐየይከ ደወለ ንሒሳ ። ወአመ በጽሐ ህየ እንዘ ይነሥእ ኃይለ አንበሳ። እንተ ሠመርከ በኅድዓት ለነፍሱ ታፍልሳ። ሰላም ሰላም ለወልደ ዮሴፍ ዮሳ።

ምንጪ ተአምረ ማርያም

መጽሓፈ ስንክሳር

 

 

እስከ ማዕዜኑ እግዝእትየ ማርያም ውስተ ምድረ ነኪር ትሄልዊ

ሀገርኪ ናሁ ገሊላ እትዊ

ለወልድኪ ሕፃን ዘስሙ ናዝራዊ

ለክብረ ቅዱሳን በከመ ይቤ ኦዝያን  ዜናዊ

እምግብጽ ይጼውዖ አቡሁ ራማዊ።

ተመየጢ እግዝእትየ ማርያም ሀገርኪ ናዝሬተ

ወኢትጐንድዪ በግብጽ ከመ ዘአልብኪ ቤተ

ዘያመጽእ አልቦ በላዕሌኪ ሁከተ

ለወልድኪ ዘየኃሥሦ ይእዜሰ ሞተ

በከመ ነገሮ መልአክ ለዮሴፍ ብሥራተ።

ሶበ ሐለይኩ ፍልሰትየ ርኁቀ ብሔረ

ወሑረትየ እምዝ ኀበ ኢይገብእ ድኅረ

ብካየ ንግደትኪ ድንግል ኮነኒ መዝሙረ

ረስይኒ ወትረ ማርያም ውስተ አፉኪ ዝኩረ

በሕሊናኪ ህልወ ወበልብኪ ኅዱረ

እስመ ዘእንበሌኪ ባዕድ አልብየ ማዕምረ።

ሰቆቃወ ድንግል

Comments are closed.