ሓዲሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግበሩ ። ሕዝ. 18-31።

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!
          

እንቋዕ ናብ በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ሓድሽ ዓመትን ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ዮሓንስ ወንጌላዊ 2008 ዓ.ም ግእዝ (2015/16 ዓ.ፈ)

 ምስባክ

ወይትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ
ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም
ወይረውዩ አድባረ በድው። መዝ 64(65)፣11

2ይቆሮ.6፣1-11። ያዕ.5፣8-13። ግ.ሓዋ.5፣12-17። ወንጌል.ማቴ.11፣1-20።

ቅዳሴ ዘሐያዋርያት (ነአኵተከ)

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ዘመነ ሰላም፣ ዘመነ ፍቕሪ፣ ዘመነ ቅሳነትን ራህዋን ዘመነ ንስሓ  ይግበረልና። ኣሜን።

ሓዲሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግበሩ ። ሕዝ. 18-31።

ወዲ ሰብ ንሥጋውን መንፈሳዊን ምንቅስቃሳቱ ብዝጥዕሞ መገዲ እግዚአብሔር ንዝኃቦን ንዝለወጠሉን ዘመን ቀመር እንዳውጸአ ይጥቐም። ንጊዚያት ካብ ሽራፍ ደቂቅ ስጋብ ሺሕ ዘመናት ኸፋፊሉ ይጥቀመሎም። ኣብዚ ዘመን ቀመር ንትማሊ የእርግ ንሎሚ ድማ ሓድሽ ይገብር። ዘመናት ምልውዋጦም ሰብ ናይ ሥራሕ እግዚአብሔር  ከድንቅን መግቦቱ ከይርስዕን ይገብሮ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ቃልኪዳኑን ፍጥረቱን ከምዘይርስዕ መግቦቱ ኩሉ ግዜ ንፍጥረታቱ ከምዘይፍለይ ንርኢ። 

ቅዱስ ዳዊት << ኣዕንቲ ኹሎም ንዓኻ ይጽበያ፣ ንስኻውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም ኢድካ ትኸውት እሞ ንህያው ዘበሉ ኹሉ ብበረኸት ተጽግቦ።  >> መዝ.144 (145) -15። ከምዝበለ ኣዋርሕን እንዳለዋወጠ፣ ብዝናብ እንዳብቆለ፣ ብጸሓይ እንዳኣብሰለ ንፍጥረታት ምግቦም ይህብ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ዓመታት ኣይኣርግዎን ኣይልውጥዎን እዮም። << ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ ዓመታትካ ከቶ ኣይውዳእን። >> መዝ.102-27። ስለዚ ዓመታት ዝቐያየሩን ዝለዋወጡን፣ ዝውዱኡን ዝጅምሩን ንዓና ንደቂ ሰባት ጥራሕ እዮም። 

ሓድሽ ዓመት ክረምቲ ተወዲኡ ዘራእቲ ዝፈርዩሉ፣  ዝናብ ክራማት ተወዲኡ  ሲዒቡ ዝመጽእ ዝኽበር ሓድሽ ናይ ተስፋን ብሥራትን በዓል እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ሰለሙን ከምዚ ይብል። << እንሆ ክረምቲ ሓሊፉ ዝናብ ዛርዩ ተወዲኡ፣ ዕምባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ ጊዜ መዝሙር በጽሐ ድምጺ ባሬቶ ኸኣ ኣብ ምድርና ተሰምዔ።   >> መኃ.2፣11። ኣብ ሓድሽ ዓመት ዓመታት ጥራይ ዘይኮኑ ምድርውን ገጽታኣ ትልውጥ እያ። ዝነቀጸ ኣግራብን ዝነቀጸ መሬትን ሓምላይ ለምለም ይኸውን፣ ኣዝራትን ዕጽዋትን ብዕንበባ ንዘርኢ ፍረ ይበጽሑ። እዚ ከኣ ነዚ በዓል ምዕርጉን ድሙቅን ይገብሮ።  መግቦቱ ከይንርስዕን  ቃልኪዳኑ  ከነኽብርንን ኣምላከ ቅዱሳን  እግዚአብሔር ኣዚዙና እዩ።   

ስለዚ እዩ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና ንበዓለ ቅዱስ ዮሓንስ ኣወደ ዓመት ብዝደመቀን ዝኸበረን ተኽብሮ ንምእመንኣ ከኽብርዎ ተምህሮም። ግና ሎሚ ሎሚ ዝርኣ ኣከባብራ በዓላትና ፍጹም መንፈሳዊ ዝተፈለዮ ፣ መንፈስ ሥጋዊ ክኸውን ግብረ እግዚአብሔር ፣ መግቦተ እግዚአብሔር ካብ ምሕሳብ ንላዕሊ ነገረ ሥጋ ጥራሕ ብምሕሳብ ከነኽብር ዝገቡሩና ብዙሕ ነገራት ይረኣዩን ይሰተውዓሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሽ ዓመት ከመይ ከም ነኽብሮ ዝነግረና ነገር ኣሎ። ኣብ መገዲ ክርስትና ዘሎ ሰብ ነዚኦም ነጥብታት ብምርኣይ ንገዛእ ርእሱ ከመይ ምስትኽኻል ከምዝግባእ፣ ንሓድሽ ዓመት ከመይ ምቅባል ከምዝግበኣ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘምህረና ቁምነገራት ከም እግዚአብሔር ፍቓድ ዝተወሰኑ ንርአ።

      << ሓድሽ ልቢ ልበሱ።>> ኤፌ.4፣22
ናይ ዓመታት ምቅይያር ኣባና ኣብ ክርስቲያን ሕይወት ውሽጢ ለውጢ እንድሕር እንተዘይ ኣምጺኡ ፣ ከምዘለናዮ በቲ ኣረጊት ሰውነትና ንሓድሽ ዓመት እንድሕር ተቀቢሊናዮ ሎሚ ካብ ትማሊ ብምንታይ ይሓይሽ? ቅድም ዝነበሩና  ልምድታት ሓጥያት እንተዘየወገድናዮም ሓድሽ ዓመት መጺኡ ማለት እንታይ እዩ ጥቅሙ? ሓድሽ ዓመት ክመጽእ ከሎ ኣብ እእምሮናን ክንሓስቦን ከነሰላስሎን ዝግበኣና ነገር ንመንፈሳዊ ሕይወትና ክንምሓየሽን ክንልወጥን ብመንፈሳዊነትና ክንዓቢ እዩ። 

 እዚኦም ሓሳባት ተግባራዊ ንምግባር ኣረጊት ኣነነትና ኣውጺእና ሓድሽ ሰብ ምልባስ የድልየና። << ንስኻትኩም ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም ከምቲ ምስሊ እቲ ዚፈጠሮ ጌርኩም ነቲ ንፍልጠት ዚሕድስ ሓድሽ ሰብ ዚለበስኩም ።>> ቆላ.3፣10። 

ኣረጊት ሰብ ምስ ኣረጊት ሥራሑ ምስ እንገፎ ሓድሽ ሰብ ምስ እንለብስ እዩ ንዓመት ሓድሽ ንገብሮ ። ኣረጊት ሰብ ብምኽንያትን ብሰበብን ዝተመልአ እዩ። ጊዜ ንዝኃበ ኣምላኽ ከማን ጊዜ ንኽንኅቦ ንጥቅምና ንበረከት ንዓና ከሎ ፣ ብምቅድመ ኩነትን ላዕልን ታሕትን እዩ። ኣረጊት ሰብ ንንስሓ ክንገሮ ከሎ << እዚኦም ድኣ ካብ ሕጻንነተይ ሓልየዮም እየ።>> ይብል። ብዛዕባ ቅዱስ ሥጋን ክቡር ደምን ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክንገሮ ከሎ << እዚ ዘጨንቅ ዘረባ እዩ መን ክሰምዖ ይኽእል።>> ይብል።ዮሓ.6፣60። ናብ ቤት እግዚአብሔር ንኺድ ምስ ዝበሃል << ንኣቦይ ክቐብሮ ቅድም ፍቀዱለይ።>> ይብል። ሉቃ.9፣59። ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ብምኽንያት ይኽበብ። እዚ ምስ እግዚአብሔር ዝፈላለዮ ኣረጊት ሰብነቱ ብሓድሽ ምቅያር ይግብኦ ። ኣረጊት ሰብነትና ነፍስና ንኽትጸምእ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። << ዎ ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ ኣንጊሄ ይደልየካ ኣለኹ፣ ነፍሰይ ንዓኻ ትጸምእ ኣላል ሥጋይ ማኡ ኣብ ዘይብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ዀይኑ ይናፍቀካ ኣሎ።  ..>> መዝ.63፣1። ስለዚ ነፍስና ካብ ጽምኢ ክትረዊ  ብቃል እግዚአብሔር ክትርስርስ ምእንቲ ሓድሽ ሰብ ንልበስ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ <<  ነቲ ቐደም እተመላለስክሙሉ ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ ፣ እቲ ብናይ ሓቒ ጽድቅን ቅድስናን ብመልኽዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ።  >> ከምዝብለና። ኤፌ.4፣22-24። 

ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግበሩ። ሕዝ.18፣31።
ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና ውሽጢ እቲ ዝዓብየ ፈተና ዘለና ነገር ብግቡእ ሓሊናን ዓቂብናን ምንባር እዩ። መንፈሳዊነትና እናዛሕተል ምስ ዝመጽእ ዕቤት ክርስቲያዊ  ሕይወትና እንዳንቆልቆለ ይመጽእ ቀጻልነት ዘይብሉ ዘይዓቢ ይኸውን። መንፈሳዊ ዕብየት ዘርእይ ሰብ ግና ንመንፈሳዊ ዝሕታለ ኣይቃልዓን እዩ።  ብሓድሽ ልብን ብሓድሽ መንፈስ ሕይወቱ ዝመርሕ ክርስቲያን  ክርስትና ኣይስልችዎን እዩ። ንዑኡ ክርስትና ኩሉ ግዜ ሓድሽ እዩ። ሓንሳእ ጀሚሩ ዝፍጽሞ ዘይኮነ ስጋብ መወዳእታ ዘመኑ ሕይወቱ እዩ። ስለዚ ክርስትና ብሓድሽ ልብን ብሓድሽ መንፈስን ዝነብር ሓድሽ ሕይወት ፣ ናይ ቀደም እንዳረስዑ ወትሩ ብንስሓ ነብሱ እንዳሓጸበ ናይ ጽባሕ ንምሓዝ ዝገብር ናይ ተስፋ ሕይወት እዩ። << ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ ኣልዩ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ። እቲ ብሉይ ሓሊፉ እንሆ ኩሉ ሓድሽ ኰይኑ እዩ።  …>> 2ይቆሮ. 5፣17።

ሓድሽ ዓመት ሓድሽ ንገብሮ ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ክንሕዝ ከለና ጥራሕ እዩ። ናይ ለውጢ መጀመርታ ናይ ልቦና ምልዋጥ ስለዝዀነ።  ብስምዒት ዝመጽእ ለውጢ ዘሰጎም ኣይኮነን። ቁሩብ ንፋስ ክነፍስ ምስ ጀመረ ንየማን ጸጋም ክወዛወዝ ይጅምር። ነዚ እዩ ነብየ እግዚአብሔር ናይ ቀደም መንነትና ለዊጥና  ሓድሽ ልብን መንፈስን ክኅልወና ዝመኽረና። << ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግበሩ። > ሕዝ.18፣31።


ብሓፈሻ ሓድሽ ዓመት ንሓድሽ ክርስትና ሕይወትና መበገሲ ጌርና ከነኽብሮ ከለና በዓልና ሓቀኛ ናይ ሓድሽ ዓመት በዓል ይገብሮ። << ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ።..>> ሮሜ.13፣12። ከምዝብለና ቅዱስ ጴጥሮስ ብኸንቱ ዘሕለፍናዮም ዓመታት ብምእራም ናይ ብርሃን ዕጥቂ ለቢስና ካብ ጸልማት ሕይወት ወጺና ክንቕበሎ ይግባእ። ብዝሓልፍ ብልዕን ብልብሲን ካልእን ጥራይ ዘይኰነ ብልብና ምሕዳስ ምልዋጥ'ዩ ዝግበኣና፣ ፍሉይ ግዜ እንተዀነ ዝህልወና እዚኣ ሓድሽ ዓመት እያ። ብዛዕባ ጽባሕ ሕይወትና ርግጸኛ ኮይንና ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና።  ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝብለና መዓልቲ ድኅነት ሎሚ እያ። ነቂሕኩምን ተጊህኩምን ተዳሊኹም ጽንሑ እዩ ዝብለና። 

እምበኣር ነዚ  ዘምጽእ ዓመት ንኽንቅበል ዓመተ ጥዕና ንክኾነልና ሕይወትና'ውን በቲ ሓቐኛ ዝኾነ ሰላም ምእንቲ ንኽትምላእ ነዚ እንቕበሎ ሓድሽ ዓመት ኣብ ሕይወትና ከምቲ ሓድሽ ዝተባህለ ሓደስቲ  ሰባት ኮይንና ክንቕበሎ፣ ነቲ  ዝነበረና ድኽመት  ወይ  ኣሊና ኣብ ሕይወትና መንፈሳዊ ለውጢ ገይርና ከምቲ ዘመን ንሕና'ውን ብመንፈስ ተሓዲስና ነዚ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ክንቅበል ይግብኣና። 

ናብ እግዚአብሔር ብንጹኅ ልቢ ቀሪብና በደልየ ብምባል ንስሓ ክኣቱ ክንብል ይግበኣና። ከምቲ ጥፋእ ወዲ ናብ ቤት ኣቦይ ክምለስ ዝበሎ፣።ሉቃ. 15።  ንሕናውን ብሓጥያት ካብ ኣምላኽና እግዚአብሔር ሪሒቕና ዘለና ብንስሓ ክንምለስ ይግበኣና።

ነዚ ክንገብር ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ምሕረቱን በረከቱን ይሃበና። ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና። ናይ ቅዱሳን መላኣኽቲ ተራዳኢነት ናይ ጻድቃን ሰማእታት ኣማላድነት ኣይፈለየና።

 

                                                                                 ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣
                                                                              ወለወላዲቱ ድንግል ፣
                                                                                ወለመስቀሉ ክቡር።

                                           

መጥምቐ መለኰት ቅዱስ ዮሓንስ

  በስመ እግዚአብሔር እሳት በሐቅለ ኅሊና ነዳዲ። 
ወበስመ ማርያም ድንግል መጥበቢተ ዓለም አባዲ። 
ማኅቶተ ጸዳል ዮሓንስ ጽልመተ አበሳ ሰዳዲ። 
ከመ እዜኑ ኂሩትከ ዕዳ ኀጣውእየ ይፈዲ።
በአየረ ሰማይ ዘይጸርሕ ቃልከ ዐዋዲ። 

  ሰላም ለሥዕርተ ርእስከ እንተ ደለዎ አቴ።
ወለርእስከ ሰላም ዘተመትረ ከም ናቡቴ። 
ርእሰ ዐውደ ዓመት ዮሐንስ ወላዴ መጥቅዕ ወአበቅቴ።            
መብልዕ ዜና ፍቅርከ ወነገረ ጽድቅከ ስቴ። 
ያስተፌሥሕ መላእክተ ወሰብአ መዋቴ።

ሰላም ለከናፍሪከ ንባባተ ሉ ዘኢኀሠሣ። 
ወለአፉከ ሰላም ዘኢጥዕመ እክለ አበሳ። 
ዮሓንስ ድንግል ለእምከ በውስተ ከርሣ። 
እፎ አንፈርዐጽከ እንዘ ትሰግድ ለንግሣ። 
አመ ሐወጸተከ ማርያም አምላከ ፀኒሳ። 

                                            መልክአ ዮሐንስ መጥምቅ

ዘተወልደብርሃን

Comments are closed.