ማኅሌተ ጽጌ ካበይ መጸ(2ይ ክፋል)፧

ማኅሌተ ጽጌ ካበይ መጸ(2ይ ክፋል)፧

እስከ መነነቶ ሜልኮል ቅድመ ታቦተ ሕግ ከመ ዘፈነ፣
ንጉሠ እስራኤል ኪያኪ ዘጸገየ ስነ፣
ቅድመ ገጸ ሥዕልኪ ድንግል እዘፍን አነ፣
ዘይሜንን ተአምረኪ ወስብሐተኪ ቁርባነ፣
በአፈ መላእክት ወሰብእ ለይኩን ምኑነ፡፡
ቅዱስ ዳዊት ታቦተ ጽዮን ካብ ቤት ኣሚናዳብ ናብ ከተማ ክኣቱ ከሎ ብሙሉእ ኃይሉ ኣብ ቅድሚ ታቦተ እግዚአብሔር ክዝምር  ሜልኮልምስ ረኣየቶብልባ ኒዒቓቶ። በዚ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ስለዝበደለት ውላድ ከይወለደት ሞይታ(2ይሳሙ.6፣12-23)። ኣባ ጽጌ ድንግል ነዚ ታሪኽ ምስዘከረ “ ቅድሚ ገጸ ሥዕልኪ ድንግል እዘፍንአነ “” ቅዱስ ዳዊት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብነት ዝኾነት ታቦተ ጽዮን ኣብ ቅድሚኣ ከም ዝዘመረ ኣነ'ውን ኣብ ቅድሚ ስእልኺ ክዝምር እየ”።
”ዘይሜንን ተአምረኪ ወስብሐትኪ ቁርባን በአፈ መላእክት ወሰብእ ለይኩን ምኑነ “ ትርጉሙ ” ሜልኮል ቅዱስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ዘቅርቦ ዝነበረ ምስጋና ብምንዓቓ ከምዝተረገመት ናትኪ ምስጋናኽን ተኣምርክን ዝንዕቅ ሰብ ኩሉ ብኣፈ መልኣክትን ሰብን ዝተረግመ ይኹን” ዝብል እዩ።  ሜልኮል  ንቅድስት  ድንግል ማርያም ምኅድሪ እግዚአብሔር  ዝኾነት ታቦተ ጽዮን ምስጋንኣ ብምንዓቓ ከምዝተረገመት ሎሚ ኣማናዊት ታቦተ ጽዮን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስጋንኣ ዝንዕቁን ብጽእንኣ  ዝነቕፉ ሰባት ዝተረግሙ ይኹኑ።  እዚኦም<< እተን ንጻድቅ ብትዕቢትን ንዕቀትን ደፊረን  ዚዛረባኦ ሓሰውቲ ኸናፍርሲ ይተዓበሳ ደኣ።>>  መዝ.31፣18። ብዝበሎ ርጉማን ዝተረገሙ እዮም።
እንበይነ አውሎጊስ ለዳኒኤል አመ አርአዮ ስቅለተ
ከመ እገሪሁ ሰዓምኪ ወሰአልኪዮ ምሕረተ
ለተአምረ ሣህል ወልድኪ በእንተ ፍቅረ ሰብእ ዘሞተ
እንዘ ታዘክሪዮ ድንግል ይምሐረኒ ሊተ

ከናፍሪሁ ጽጌ አንኂ ስዕመተ።

   ኣውሎጊስ ዝበሃል ምጥሓን እምኒ  እናጸረበ ብምሻጥ በቲ ዝረኽቦ ውሑድ እቶት ዝመሓደር ሓደ ድኻ ነበረ። ካብቲ ዝረኽቦ እቶት ንዕዑ ዝኾኖ ንእሽቶ ንዕለት ድራሩ ምስ ኣትረፈ እቲ ዝተረፈ ንዝተሸገሩ እናሓገዘ ይነብር ነበረ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ ስርሑ ከሎ አባ ዳኒኤል ዝበሃል ባሕታዊ ይርእዮ። እዚ ባሕታዊ  ኣውሎጎስ<< በዚ ናይ ድኽነት ናብርኡ ከምዚ ንድኻታት ዝሕግዝ ካብ ኮነ ብዙሕ ገንዘብ ምስ ዝረክብ ድኣ ክንደይ ብዙሕ ሰብ ምስ ሓገዘ  ኔይሩ ጽቡቅ ስራሕ’ውን ምስ ሰርሐ ኔሩ። >>ኢሉ ንእግዚአብሔር ነዚ ሰብ ብዙሕ ሃብቲ ክህቦ ምእንቲ  ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሱባኤ ሓዘ። እግዚአብሔር ሃብቲ ነዚ ሰብ (ንኣውሎጊስ) ከምዘይጥቅሞ እንተነገሮ'ውን አባ ዳኒኤል ብናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳብ ጥራሕ ብምጒዓዝ ሃብቲ ክህቦ ኣጥቢቁ ስለዝለምኖ እግዚአብሔር  ኣምላኽ ጸሎቱ ሰምዖ ። ድሕሪ'ኡ ኣውሎጊስ ከምቲ ልማዱ እምኒ ደልዩ ኪዂዕት ከሎ ኣብ ዕትሮ ዝተቀበረ ወርቒ ረኸበ። ነቲ ወርቒ  ንንጉሥ ሃቦ። እቲ ንጉሥ  ወርቒ ረኺቡ ብዘይ ስስዕቲ  ንንጉሥ ዘምጽእ ሰብ ማዕረ ክንደይ እሙን እዩ፣ ብምባል ኣብ ቤተ-መንግሥት ሓላፊ ጌሩ ሾሞ። ኣውሎጊስ ድሕሪ ምሻሙ ክብሩን ሃብቱን  በዝሐ፣ እቲ ዝገብሮ ዝነብረ ትሩፋት ኣብ ክንዲ ዘዛያዶ ክገድፍ ጀመረ፡፡ ፈጺሙ ከኣ እቲ ናይ ቐደም ስርሑ ገደፎ። ኣብቲ እዋን ኣባ ዳንኤል ብሕልሚ እግዚአብሔር ክቁጥዖን ክፈርዶን ረኣየ። ዘይግባእ ልመና ለሚኑ ንኣውሎጊስ እቲ ናይ ቀደም ትሩፋቱ ንኽገድፍን ክብድልን ምኽንያት ኮንክዎ በለ። ኣባ ዳንኤል በደሉ ተረዲእዎ ኣብ ትሕቲ ስእለ ማርያም ወዲቁ ስለዝለመነ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናብ ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ለሚና ይቅሬታ ኣውሂባቶ።
ኣባ ዳንኤል ብሕልሚ ዝረኣዮ ነገር ስለ ዝኸበዶ ምናልባት ኣውሎጊስ ንድኻ በዲሉ ፍርዲ ኣዳልዩ ከይከውን ኢሉ ክርእዮ ምስ ከደ ንዕዑ'ውን ንኸዛርቦ ፍቃደኛ ኣይኮነን ። << ስለ ደቂ ሰባት ፍቕሪ ኢሉ ካብ ዝሞተ ወድኺ ንኣባ ዳንኤል ለሚንኪ ዘስመርኪዮ፣ ንዓይ'ውን ይቕረ ክብለለይ ካብ ወድኺ  መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕረት ለምንለይ።>> ብምባል፣ ንሕና'ውን ኣብ ዘይንፈልጦ ጥፍኣት እናኣተና እና ፈረድና ካብ ዝመጽኣና መቕጻዕቲ ንኽትስወርና ካብ ወድኺ ምሕረት ለምንልና ክንብል ከምዝግበኣና ዘመልክት እዩ።
ኦ ረዳኢተ ድኩማን ዘይረድአኪ ኢትሐሥሢ
እመንበረ ላእክኪ በምዕር ከመ ገፍታዕኪዮ ለወራሲ
ለገፍትዖ ፀርየ ድንግል ኃይለ ጽጌኪ ልበሲ
ዘይሳለቅ ተአምረኪ እንዘ ሐሰተ ይሬሲ

መፍትውኑ ከም ይሕየው ከይሲ።

ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ተኣምር ኣኪቡ ዝጸሓፈ ቅዱስ ኣቦ ኣባ ድቅስዮስ እዩ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ነዚ ውዕለት'ኡ ሰብ ዘየቅመጦ ሰማያዊ መንበርን ሰብ ዘይለብሶ ልብሲ ሂባቶ እያ።  ቅዱስ ኣቦና ድቅስዮስ ድሕሪ ምዕራፎም ኣብቲ ናቶም ቦታ ዝተሾመ ኤጲስቆጶስ ኣብዚ መንበር ንኽቅመጥን አጽፉ ክለብስን ኢሉ ምስ ፈተነ << ግደፍ እዚ ንድቅስዮስ ዝተዋህበ እዩ፣>>እንተ በልዎ << ኣነ'ውን ከሙኡ ኤጲስቆጶስ እየ ብምንታይ ይንእሶ።>>ኢሉ ብድፍረት ኣብ መንበር ምስ ተቀመጠ ኣብኣ ከሎ ሞይቱ።  ኣብ ላዕሊ ዝተጻሕፈ ድርሰት ነዚ’ዩ  ዘረድእ ነ።<< ንዝደኸሙን ዝተሸገሩን ትሕግዚ ንስኺ ግና ሓጋዚ ዘይትደልይ ኣብቲ ናይ ፈታውኺ ደቅስዮስ መንበር ብትዕቢትን ድፍረትን ዝተቀመጠ ከምዝቀጻዕክዮ ናተይ ጸላእተይ'ውን ኣጋንንቲ እኩያት፣ ኃጣውእ ንኸተርሕቅለይ ናይ ጽጌኺ ኃይሊ ማለት ናይ ወድኺ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኃይሊ ሒዝኪ ተሥኢ። >>ብምባል ንፈተውታ ኵሉ ግዜ ጸግዒ ዝኾነት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ጸላኢና ከተድኅንነና ካብ ታሪኽ ኣንጻር ዝቀረበ ጸሎት እዩ።
በጌጋየ አዳም ወሔዋን ሱራፊ ዘዐፀዋ
እንበለ ጽጌኪ መኑ ለአንቀጸ ገነት ዘአርኃዋ
ተፈሥሒ ድንግል መያጢተ አዳም እምፄዋ
በተአምርኪ ውስተ ምድረ ጽጌ አቲዋ
ከመ ጣዕዋ አንፈርዓፀት ሔዋ።

ኣዳምን ሔዋንን ብዝፈጸምዎ በደል  ካብ ገነት ተባሪሮም ናብ ምድረ ፋይዳ ንኽወርዱ ተገዲዶም ኢዮም። ገነት ከኣ  ብቅዱስ መልአክ እግዚብአሔር ሱራፌል ብዘንበልብል ናይ እሳት ሰይፊ ትሕሎ ነበረት። ብኸምዚ ኩነታት ዝተዓጽወት ገነት<< እንበለ ጽጌኪ መኑ ለአንቀጸ ገነት ዘአርኃዋ፣ ብዘይ ወድኺ ክርስቶስ ብዘይ ብኣኺ ጽጌ ብሱራፌል ትሕሎ ዝነበረት ገነት ክኸፍታ ዝኸኣለ ማንም የለን።>>ዘፍ.3፣-24።  ካባኺ ብዝተወለደ ክርስቶስ ናብ ናይ ቀደም ክብራ ዝተመልሰት ሔዋን ከምቲ ጡብ ኣዲኡ ጠቢዩ ተሓጊሱ ዝዘልል ብተይ ደስ ኢልዋ። ብሓፈሽኡ እዚ ዘረድኣና ብዛዕባ ክርስቶስ ሰብ ምዃኑን ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቂሉ ቤዛ ኩሉ ፍጥረት ምዃኑን ዝኾነ  ክኸፍቶ ዘይከኣለ በሪ (ማዕጾ) ገነት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝኸፈቶን ፣ደቂ ሰባት ዝሰኣንዎ ናይ ውልድነት ፀጋ ዝመለሰልና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝተወልደ ምዃኑ እዩ። እግዚአብሔር ብነብዩ ኢሳይያስ ኣቢሉ “ ምድኃነይ  ከኣ  ኣይድንጕን  ምድኃን ኣብ ጽዮን  ክብረይ'ውን ንእስራኤል ክህብ እየ።  ”ኢሳ.46-13። ከምዝበለ ዝተዋረደ ወዲ ሰብ ዝኸበረሉን ዝደኃነሉም መድኃኒት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበ ጽዮን ካብ ዝተባህለት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እዩ። ነዚ መድኃኔ  ዓለም ኣብ ከርሳ ዝጾረት ንሳ እያ።

 3. ተግሣጽ.
ኣባ ጽጌ ድንግል ነዚ ማኅሌተ ጽጌ ከብጽሕ ከሎ ንመስቀልን ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ክብሪን ስግደትን ኣይግበኣን እና በሉ ጸረ ማርያም ዝሰብኩ ዘነብሩ ፣  ደቂቀ እስቲፋኖስ ዝበሃሉ መናፍቃን ተሲኦም ነበሩ። ኣብቲ ዘመን ዝነብነ ንጉሥ አጼ ዘርአ ያዕቆብ ጉባኤ ሰሪዖም  ስለ ኣዴና ቅድስት ድንግለ ማርያም ምስክሮም ክህቡ ኣብ ዝሓተትዎ ግዜ  እቶም መናፍቃን ተረትዑ። አባ ጽጌ ፡ኣብ ማኅሌተ ጽጌ ድርሰቱ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ተኣምርን ክብርን ንምግላጽ ንመናፍቃን ብምግሳጽ ኣብዚ ናይ ተግሳጽ ድርሰቶም ገሊጾም ኣለዉ። ንኣብነት ምስ ንርኢ
ከመ ይትፌሣሕ ጻድቅ ሶበ ይሬኢ በቀለ
በተበቅሎ ፀር ያርኢ ዘተአምርኪ ኃይለ
እፎ የሐዩ እመአምላክ እንተ ኪያከ ፀዓለ
አኮኑ በፍትሐ ጽጌኪ ይሙት ተብህለ

ላዕለ አቡሁ ወእሙ ዘአሕሰመ ቃለ።

ንጻድቅ እግዚአብሔር ንጸላእቱ ሕነ ክፈድየሉ ናይ እግዚእብሔር ትግሳጽ ሰለ ዝግለጽ ይሕጎስ። እዚ ከኣ ናትኪ ኃይልን ተኣምርን  ከርኢ ምእንቲ እዩ። ከምዚ ካብ ኮነ ናትኪ ተኣምር ዝንዕቁን ንዓኺ ዘየኽብሩ ከሓድቲ ከመይ ብሕይወት ክነብሩ ይግብኦም፣ ምኽንያቱ “ብናይ ወድኺ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትእዛዝ”  “ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝረገመ ሞት ይሙት”(ዘጽ.21፣17)ተባሂሉ ተፈሪድዎ እንድዩ። ኣዲኡን ኣቡኡን ዝጸረፈ ሞይ ዝግብኦ ካብ ኮነ ንክርስቶስ ሰማያዊ ኣምላኽ ወሊዳ፣ ጡባ ኣጥቢባ። ሓዚላ ዝተሰደት ዘዕበየት ንዓለም ኩሉ ሕይወት ዘበርከተት ኣብ ልዕሊ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሕማቅ ቃል ዝተዛረበ ከመይ ዝበለ መከራ ይጽበዮ ይኸውን?
4. ምሥጢር።
ኣብዚ ኣርእስቲ ንርእዮ ኣብ ብሉይን ሓዲሽ ኪዳንን ዝተነግረ ብምስጢር እናገለጸ፣ ብብዙሕ ኣምሳልን ትንቢትን ዝንገር ዝነበረ ናይ ኣምላኽ ካብ ቅድስት ድንግል ምውላድ ትንቢት ምስ ፍጻሜኡ እንዳዛመደ ዝነግር እዩ።
ዘብኪ ተባረኩ ወተቀደሱ አሕዛብ
ትእምርተ ግዝረቱ ወዘርዑ ለአብርሃም አብ
ጽጌ ድንግልናኪ በግዕ ለቤዛ ይስሐቅ ውሁብ
ማርያም ዕፀ ሳቤቅ ወምሥራቅ ዘያዕቆብ
ወላዲቱ ለሥርግው (ለሥግው) ኮከብ።
 ይቕጽል……  ።

Comments are closed.