ዘመነ ጽጌ

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

ዮሴፍ ወማርያም ህጻኑ ወሴሎሜ፣በዛቲ ዕለት ሖሩ ብኄረ ግብፅ።


ኣብ ሃገርና መስከረም 25 ዘመነ ክረምቲ ሓሊፉ መስከረም 26 ዘመነ ጽጌ ይጅምር። ጽጌ ማለት ዕምበባ ማለት ክኸውን ከሎ ዘመኔ ጽጌ  ማለት ናይ ዕንበባ ዘመን ማለት እዩ። ዘመኑ ዕንበባ ዝዕንብበሉ መሬት ብዕንበባ ትምዕርገሉ እዩ።

 

       እዚ እዋን ብቅድስቲ ቤተክርስቲያና ናይ ፍቓድ ጾም ተባኂሉ ይጽዋዕ ። ካብቶም ሸውዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ወጻኢ ኮይኑ፣ ምእመናን ንበረከት ብፍቓዶም ዝጾምዎ ጾም ማለት እዩ።  ብዙሓት ምእመናን'ውን በረከት ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንምርካብ ብጾምን ጸሎትን እዮም ዘሕልፍዎ ። 

ዘመነ ጽጌ

ኣብ ሃገርና ወርሓ ኣብ መስከረምን ጥቅምትን ናይ ኣበባ ዕንበባ (ዘመነ ጽጌ)  ወርሓት እዮም። እዚ እዋን ኣኽራናት ብዕንበባ ዝምዕርግሉ ንዓይንኻ  ዝማርኹሉ እዋን እዩ።  ኣብዚ ዘመን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ << ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቁ ንዕንባባት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ተመልከቱ፣ ኣይደኽሙ ፣ ኣይፈትሉ፣ ምስ ናይዚ ግና ሰሎሞን እካú በቲ ኩሉ ኽብሩ ከም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ እብለኩም ኣለኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ ግና ናብ እቶም ዝድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ጌሩ ዝኸድኖ ካብ ኮነ ደኣ ኣቱም ጉዱላት እምነት ንዓኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን። እምበኣርከ እንታይ ንበልዕ እንታይ ንሰቲ እንታይ ንኽደን ኢልኩም ኣይትጨነቁ። ነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፣ ንዓኻትኩም እዚ ኹሉ ከም ዘድልየኩም ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።>> ማቴ.5፣-28-33።  ብምባል ዝተዛረቦ ቃል ብምዝካር ክንጭነቅ ዝግበኣና መንግስተ ሰማያት ንምእታው እምበር ኣብዚ ዓለም  ብዘለዉ ነገራት ከምዘይኮነ ንዕንበባ መሮር ዘማዕረገ ኣምላኽ ብኣርኣያኡን ኣምሳሊኡን ዝፈጠረና፣ ንዓና ንናብራ ዘድልዩና መግብን ክዳንን ከምዘይከልኣና ንዝክረሉ እዋን እዩ።  

ቅዱስ ዳዊት << ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ ሰብእሰ ከመ ሳዕር መዋዕሊኁ ወከመ ጽጌ ገዳም ከማኁ ይፈሪ፣ “ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ ፣ ሰብሲ መዓልትታቱ  ከም ሳዕሪ እዩ፣ ከም ዕንበባ መሮር ይዕንብብ፣ ንፋስ ኣብ ልዕሊኣ ይሓልፍ እሞ ከቶ ኣይትርከብን እያ>> መዝ.102 (103)፣14-16። ኢሉ ከምዝተዛረቦ ናይ ሰብ ሕይወት ብሳዕሪ ይምሰል።  ሳዕሪ ምስ ዓበየ ይዕንብብ ድኅሪኡ ነቒጹ  ምስ ረገፈ እቲ ርጋፉ ብንፋስ ይውሰድ ዝነበረሉ ቦታ እኳ ስጋብ ዝጥፍእ ይኸውን። ሰብ ድሕሪ ምዕባዩ ብሕማም ብጸሓይ ይነቕጽ ብሞተ ንፋስ ከኣ ይወሰድ። ድሕሪኡ ናብ መቓብር ምስ ወረደ ዝነበሮ ቦታ ይርሳዕ። ስለዚ ዘመኔ ጽጌ ሰብ ዘመኑ ከም ዕንባባ ቀልጢፉ ዝረግፍ ምዃኑ ብምሕሳብ፣ እዚ ዘመን ከይኃለፎ ንእግዚአብሔር ደስ ዘብል ጽቡቅ ግብሪ ብመንፈሳዊ ሕይወቱ ኮነ ሥጋዊ እንዳገበረ ትንሣኤ ኅሊና ዝትንሥኣሉ እዋን እዩ።  

ማኅሌተ ጽጌ

ኣብ ቤተክርስቲያና ኣገልግሎት ካብ መስከረም 26 ስጋብ ሕዳር 5 ዘሎ ናይ  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝክረሉ ናይ ስደት ዘመን እዩ።  ኣብዚ እዋን በብሰሙኑ ሰንበት ለይቲ ብሙሉእ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ግብጺ ምስዳዶም እንዳተዝክረ ዝግበር ጸሎት እዩ።

ዘመነ ጽጌ

 ንዝተሰድ አዳም ናብ ገነት ንኽመልሶ፣  ካብቲ ዝቐደም ክብሩን መንበሩን ካብኡ ዝበልጽ ክብሪ ኂቡ ንኽመልሶ ዝተወልደ ጐይታና ኣምላኽናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገና ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ስደትን መከራን ተቐቢሉ እዩ።

 ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደ ሰብአ ሰገል << እንሆ ሰብ ጥበብ እቲ ዝተወልደ ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይ  ኣሎ?  ኮኾቡ ኣብ ምብራቅ ሪኢና እሞ፣ ክንሰግደሉ መጺእና እናበሉ ካብ ምብራቅ ናብ ኢዮርሣሌም መጹ። >> ማቴ.2፣1-2። እንዳበሉ ብኮኾብ እንዳተመርሑ ኣብ ዝመጽሉ  እዋን ኣብ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ናይ ሮማውያን ተወካሊ ዝነበረ ንጉሥ ሄሮድስ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንግሥና ምድራዊ ንግሥና መሲልዎ መንግሥተይ ኪምንጥለኒ እዩ ኢሉ ሰንበደ። ፈሪሳውያንውን << መሲሕ ተወሊዱ ካብ ናይ  ሮማውያም መግዛእቲ ነጻ ከውጸኣና እዩ።>> ኢሎም ይኣምኑ ከም ዝነበሩ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፣ እዚ ዝተፈጸመ መሲልዎ ጭንቀቱ ኣዝዩ ጥርዚ በጽሐ። ነዚ ዝተወለደ ህጻን'ውን ንኽቀትሎ ተበገሰ።

 

 ንሰብኣ ሰገል ኣጸዊዑ << ኪዱ እሞ ነቲ ህጻን ምስ ረኸብኩምዎ ኣነ ከኣ መጺኤ ክሰግደሉ ኣፍሉጡኒ ።>> ብምባል ናይ ምምሳል ቃል ተዛረቦም። 

 ሰብአ ሰገል'ውን ካብ ሄሮድስ ምስ ተፈለዩ ኮኾብ እንዳመርሖም ጉዕዞኦም ቀጺሎም ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣዲኡ ረኸብዎ፣ ተንበርኪኾም'ውን ሰገድሉ። ዕጣን፣ወርቂ፣ ከርቤ’ውን አምኃ ኣቅረብሉ። ናይ እግዚአብሔር መልኣኽ ናብ ሄሮድስ ንኸይምለሱ፣  ብኻልእ መገዲ ቀይሮም ናብ ሃገሮም ክኸዱ ብዝነግሮም መሠረት በቲ ዝመጽዎ ዘይኮነ ብኻልእ መገዲ ናብ ሃገሮም ተኃቢኦም ተመልሱ።   

 

<< ንሳቶም ምስ ኃለፉ እንሆ መልኣኽ እግዚአብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዩ ሄሮድስ ነቲ ህጻን ኪቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ ተንሥእ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም ክሳዕ ዝነግረካ ከኣ ኣብኡ ጽናሕ በሎ >> ማቴ.2፣13-14።

ዮሴፍ'ውን ተንሢኡ፣ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ንህጻን ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቒፋ ትቕመጠላ ኣድጊ ኣዳለወ። ብለይቲ ጉዕዞም'ውን ጀመሩ። ካብ እስራኤል ናብ ግብጺ ብእግሪ ንምዃድ ናይ ሲና ምድረበዳ ግድን ምሕላፍ ኔርዎም እዩ። 

ኣብቲ እዋን ካብ እስራኤል ናብ ግብጺ ንምዃድ ሰለስተ ዝተፈላለዩ መንገድታት ነበሩ። ብሸፋቱ ንኸይጥቅዑ መንገደኛታት ብጉጅለ እንዳኾኑ በዚአን መገዲ ይኸዱ ኔሮም። ንሶም ግና ሄሮድስ ተኸታቲሉ ክሕዞም ስለ ዝኽእል፣ በቲ ኣዘውቲሩ ኩሉ ሰብ ዝጥቐመሉ መገዲ ምዃድ ከምዘይብሎም ግልጺ እዩ ኔሩ። ስለዚ ብናይ  እግዚአብሔር መልኣኽ እንዳተመርሑ ብዘይፍለጥ መገዲ ክኸዱ ኔርዎም። ንብዙሕ መዓልታትን ሳምንታትን ኣብቲ በረኻ ሩባታትን ጎቦታትን ላዕልን ታሕትን ኣጸጋሚ ጉዕዞ ተጋዕዙ። ኣረጋዊ ዮሴፍ ብቅድሚት ልም ኣድጊ ሒዙ ነቲ ዘይምቹእ ኣድካሚ ናይ በረኻ ጉዕዞ ይመርኅ ኔሩ። ሰሎሜ'ውን ስንቆም ሒዛ ድድሕሪኦም ትስዕብ ነበረት። ብጣዕሚ ኣሸጋርን ኣድካምን ጉዕዞ እዩ ኔሩ። ብመዓልቲ ዘቓጽል ጸሓይ ምስ ሃሩሩ፣ ብለይቲ ድማ ኣስሓይታ ዘለዎ ቁሪ በረኻ እንዳተጻወሩ መግቦም ብተኣምራት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  እንዳተመገቡ ይጎዓዙ ነበሩ። 

 

ኣብ መወዳእታ መጽሓፈ ስንክሳር ከም ዝነግረና ግንቦት 24 ኣብ ግብጺ በጽሑ። ኣብ ግብጺ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዞሩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ'ውን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝተፈላለየ ተኣምራት ገበረ። ሓደሓደ ሰባት ብጽቡቅ ፍሕሹም ገጽ ተቐቢሎም ዘድሊ ክገብርሎም ከለዉ ካልኦት ከኣ የሳድድዎምን መከራ የብዝሕሎም ነበሩ። ኣብዚ እዋን ስደት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ናብ ሃገርና ኤርትራ ብሙሉእ ምድረ ኣግኣዚ መጺኣ ባሪኻቶ እያ። 

 

  ንሰለስተ ዓመትን መንፈቅን ኣብ ስደት ድኅሪ ምንባሮም ሄሮድስ ሞተ። ሄሮድስ ድሕሪ ምማቱ እንኆ ናይ እግዚአብሔር መልኣኽ ንኣረጋዊ ዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዩ።  << እቶም ሕይወት እዚ ህጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፣ ተንሥእ ነዚ ህጻንን ነዲኡን ኂዝካ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ በሎ። ንሱ ድማ ተንሢኡ ነቲ ህጻንን ነዲኡን ሒዙ ናብ ምድሪ እስራኤል መጸ።   >> ማቴ.2፣19-21።

ቅዱስ ዮሴፍ እዚ << ናብ እስራኤል ኪድ..>> ዝብል ናይ መልኣኽ ቃል ዝሰምዓሉ ቦታ ቁስቋም ትብሃል ኣብ ግብጺ ትርከብ እያ።

 ዳኅራይ ኣብዚ ቦታ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ቤተክርስቲያን ተሰሪሑ ቅዳሴ ቤቱ ኣብ ዕለት ሕዳር 6 ኸቢሩ። መበል 23 ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ ቴዎፍሎስ (384-412 ዓ.ም ) ድማ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ኣዲኡ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናይ ስደቶም እዋን ዝነበረ ንኽግለጸሉ ንብዙሕ እዋን ብጸሎት ድሕሪ ምልማን ሕዳር 6  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ተገሊጻ ኣብ እዋን ጉዕዞ ስደት ኩሉ ዝኾነ ነገር ነጊራቶ እያ። ስለዚ ሕዳር 6 ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያናን ኩለን ኦርየንታል ምስራቅያውያን ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዝኾና ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ጻድቅ ዮሴፍን ሰሎሜን ካብ ስደት ዝተመልስሉ ንዝክረሉ እዋን እዩ።  

 ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ምሕረቱን ሳህሉን የብዝሓልና። ናይ ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም በረከታን ረአታን ኣማላድነታን ኣይፈለየና።

                                               

                                                                                                  ወስብሓት ለእግዚአብሔር!

                                                             ወለወላዲቱ ድንግል!

                                                           ወለመስቀሉ ክቡር!

 

ዘተወልደ ብርሃን

Comments are closed.