በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናይ እምባ ስብከቱ ካብ ዘምሃሮም ትምህርቲ ሓደ “ ንጸላእትኹም ፍተዉ ዝረገምኹም መርቑ ፣ ንዝጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ ዝበደልኹምን ዘሳደድኩምን ጸልዩ። ” ዝብል ይረከቦ። ማቴ.5፣43-44፣ ብዙሓት ነዚ ቃል ዋላ እንተፈለጥናዮ ጸላእትና ክንፈቱን፣ ክንምርቖምን ብዛዕብኦም ንጽልየሉ ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ብዘይምስትውዓልና ነዚ ነገር እዚ ክንገብሮ ንጽገም። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እዛ ተኣምር ክትንበብ እንከላ እንታይ ይስመዓኩም፥ ቁሩብ'ከ ኣብ ኅሊናኹም እንታይ ይመላለስ᎒ ካብ'ቲ ብዙሕ ትሕትናኣ ከም ትብሉኒ ኣይጠራጠር ኢየ በሉ ነታ ዝበልኩማ መሰረት ብምግባር ተኣምራ ክንበብ እንከሎ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተአምራ ንነፍስና ነዚ ዘክሪ ንበላ!!! እቲ ዝበለጸ ዘገርም ትሕትናኣ ግን ንማይ ቐዲሓ ዕትሮኣ መሊኣ ክትምለስ […]
ቅድሚ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ምእታወይ እዘን ምክረ አበው ከቀድም ዘሚኬኤል ዓርከይ ብምባል ድሕሪ ሰላምታ ናብ ጽሑፉ ኣስጊሩኒ ። ሠናይ ንባብ። † ሓደ ኣቦ አበምኔት ገዳም ኣብ ሓደ እዋን ንአባ ባይሞን ዝበሃሉ ኣቦ “ ፍርኃት እግዚአብሔር ከመይ ጌረ ኣብ ሕይወት ኩሉ ግዜ ክኅልወኒ ይኽእል።” ኢሎም ሓቲቶሞም። እሶም ክምልሱ ከለዉ “ ሰብ ከመይ ብጽቡቕ ጥዕሙን ብልዕን መስተን […]
“ሰብኣይ ዘበለ ዂሉ ኺጽሊ ወይስ ትንቢት ኪንበ ኸሎ፡ ርእሱ እንተ ተጐልበበ፡ ንርእሱ የሕስር”1ቆር11፡4። ሰብኣይ ርእሱ ኣይሸፍን እናተባሃለና ከሎ ስለምንታይ ስልጣነ ክህነት ዘለዎም ( ጳጳስ፡ካህን(ቀሺ)፡መርጌታ፡ድያቆን) ክጽልዩ ከለዎ ቆቢዕ ዝገብሩⵗ እናበሉ ንቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን ክጸርፉን ክዘልፉን ሰባት ሰሚዓ ኣለኹ። ሶሲ መሓዛይ ምስ ሓንቲ ምስኣ ትመሃር መሓዝኣን ስለምታይ ካህናት ቆቢዕ ኣብ ርእሶም ዘንበሩⵗ ክትብል ትሓታ ኣላ። ሶሲ ብዝከኣላ መጠን […]
ኣብ ልዕሊ ታቦት ናይ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ተጻሒፉ ዘሎ ጽሑፍ እንታይ ኢዩ ⵗ ተባሂልኩም እንተትሕተቱ እንታይ ኢልኩም ምመለስኩም? “ዓሰርተ ትእዛዛት” እንተኾይኑ መልስኹም ቅኑዕ ኣይኮነን። ቅድሚ እቲ ቅኑዕ መልሲ ምምላስና ኣቐዲምና ብዛዕባ ታቦት ቁሩብ ነገራት ክንምልከት። ብዙኃ ግዜ ብዛዕባ ኣድላይነት ቅዱስ ታቦት ኣብ ዝለዓሉ መብርሂታት ብዛዕባ ናይ ብሉይ ኪዳን ታቦት ዝጥቐሱ ጥቕስታት ነቲ ዝሰፍሐ ክፋል […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱአ አሐዱ አምላክ አሜን። ኣርምሞ ኣብዚ ዓለም ብሕይወት ከለና ካብ ንሕጎሶ መዓልትታት ንላዕሊ ብሓዘን ተዓጂበና ንሕልፎ እዋናት ይበዝሕ። ነዚ ዩ ከኣ ኣበው ኣብ ዓለም ሓጎስና ከም ቛሕታ ሰም ዓይኒ እዩ ዝብሉ ። እዚ ማለት መዓልታት ሓጎስና ኣብዛ ምድሪ ኣዝየን ሓጸርቲ እየን። እናበለ እዩ ኵሉ ጊዜ ኣብ ዕላላቱ ዝጠቅስ። ዘማርያም ዓርከይ ። […]
ዓርቢ ዕለት ፲፭ ኅዳር ፳፻ወ፲ ዓ. ም. (24-11-2017 ዓ. ም. ፈ.) ምእታው ሓደ ካብ ሾብዓተ ኣጽዋማት ዝኾነ ጾመ ነቢያት እዩ። እዚ ጾም ን44 መዓልታት ተጾይሙ በዓለ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዕለት ፳፱ (29) ታኅሣሥ ዝውዕል እዩ። ጾም ትፌውስ ቁስለ ነፍስ፡ ወታጸምም ኩሎ ፍትወታተ ዘስጋ፡ ወትሜህሮሙ ለወራዙት ጹሙና፡ ጾም ቁስሊ ናይ ነፍሲ ትፍውስ፡ድሌታት ናይ ስጋ […]
ካልኣይ ክፋልን መወዳእታን ዕድመ ንንስሓ !!! “ ንገዛእ ነብስና እንተፈሪድና እግዚአብሔር ብኣና ይሕጎስ ” አባ እንጦስ። ናይ ሰብ ኃያልነቱ (ጥንካሬኡ) ንደጋዊ ገጽታ ዝመዘን ኣይኮነን። ካብ መዓሙቕ ልቡ ዝነቐለ፣ ካብ ሓሳቡን ካብ ፈቓዱን ዝተበገሰ’ዩ እምበር። ሰብ ጌጋኡ ክሳብ ዘይኣመነ ክጣዓስ ማለት ዘበት እዩ። እዚ ከኣ ናብቲ ናይ መጀመርያ ናይ ንስሓ ደረጃ ከይበጽሕ ይዓግቶ። ናብ ንስሓ ክትበጽሕ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን። “ ንገዛእ ነብስና እንተፈሪድና እግዚአብሔር ብኣና ይሕጎስ ” አባ እንጦስ። ሓዲሽ ዓመት ክበሃል ከሎ ሓዲሽ መስከረም :ሓዲሽ መዓልቲ ኣይኮነን፥ እንታይ ደኣ ሓዲሽ ናይ ምብርባርን ምንቃሕን፡ ምጽራይ፡ ናይ ቀደም ገዲፍካ ሰብነትካ ምስትኽኻል ማለት እዩ። ኮታ ብኹለንተናኻ ኣሰረ ፍኖት እግዚአብሔር ምስዓባ፡ ነፍስኻ ብንስሓ ምጽራይ ማለት እዩ። “አእትቱ እምላዕሌክሙ ግዕዘክሙ […]
2. ክብሪ ገዛእ ርእስኻ ምድላይ፥ ኣብዚ ኣዋን እዚ ወዲ ሰብ ንኣዚያ ንእሽቶ ዕዮ'ኳ ከይተረፈ ስምን ዝናን ከትርፈላ ላዕልን ታሕትን ዝብለሉ ናይ ፍለጡንን ረእዩንን ዘመን ምዃኑ ካብ ማንም ዝተሰወረ ኣይኮነን። "ወኩሎ ገቢረክሙ በሉ አግብርት ጽሩአን ንሕነ ( ንሕናስ ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዝግበኣና ኢና ዝገበርና በሉ) ሉቃስ 17፡10" ዝብል ናይቲ ሕያዋይ ጓሳናን ብሉጽ ኣገልጋሊና ዝኾነ […]