ጦማረ ዘብጹእ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ሳልሳይ  ጾምን መንፈሳውነትን

ቅድሚ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ምእታወይ እዘን ምክረ አበው ከቀድም ዘሚኬኤል ዓርከይ ብምባል ድሕሪ ሰላምታ ናብ ጽሑፉ ኣስጊሩኒ ።  ሠናይ ንባብ።  

ሓደ ኣቦ አበምኔት ገዳም ኣብ ሓደ እዋን ንአባ ባይሞን ዝበሃሉ ኣቦ “ ፍርኃት እግዚአብሔር ከመይ ጌረ ኣብ ሕይወት ኩሉ ግዜ ክኅልወኒ ይኽእል።” ኢሎም ሓቲቶሞም። እሶም ክምልሱ ከለዉ “ ሰብ ከመይ ብጽቡቕ ጥዕሙን ብልዕን መስተን ከርሱ እንዳመልአ ፈሪኃ እግዚአብሔር ክውንን ይኽእል᎒ ስለዚ ጾም ንእግዚአብሔር ክንፈርሖ ፣ኣብ ውሽጥና ፈርኃ እግዚአብሔር ክሓድረና ምእንቲ መገዲ ይኸፍተልና። ጾም ዕላማ ፍጻሜኡ ንሰብ ናብ ፈሪኃ እግዚ አብሔር ምምጻእ እዩ።” ኢሎም መለስሉ።

ሓደ እዋን ከኣ ሓደ ጸማዊ ብንግሁ ጥሜት ይስምዖ እሞ ክበልዕ ይደሊ። ቅድሚ ሰዓት 9 ንኸይበልዕ ምስ ኅልናኡ ይማጎት እሞ ይሓልፋ።  ፍርቒ መዓልቲ ምሰ በጽሐ ከኣ ክበልዕ ይብል እሞ መኣዲ ቀሪቡ ስጋብ ሰዓት 3 ዘይጸንሕ ብምባል ካብ ምብላዕ መግቢ ይሕረም። ድሕሪ ናይ ሰዓት 3 ጸሎት ኣብጺሑ ነፍሱ ክፈቅድ ኢሉ ምስ መጸ ሰይጣን ከም ትኪ ካብ ሰውነቱ ወጺኡ ክወጽእ ተራእይዎ ፣ ድሕሪኡ እቲ ጥሜት ጠፊኢሉ።  

ጾም ክኣቱ ከሎ መንፈሳዊ ወርሓት ከምዝኣተወ ብልብና ነስተውዕል ። ስለዚ ናውትና ነዳሎ፣ ከምቲ ሓረስታይ ምህርቱ ክሓፍስ ማዕጺዱ ስሒሉ ዘዳሉ፣ ከሙኡ ከኣ ዓመታዊ ስንቅና ንሕዘሉ ብነፍስን ሥጋን ንዳለወሉ ስለዝኾነ ኣንፈትና ናብ እግዚአብሔር ፣ መንገድና ናብ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ንምግባር ብኹለንታና ተዳሊና ንኸዱ ጉዕዞ መንፈሳዊ እዩ። ናብ መንግሥቲ እግዚአብሔር ትወስድን መገዲ ቀጣንን ጸብብን እያሞ ኣስተዊዕልና ጉዕዞና ንጋዓዞ ። ጉዕዞ ለባማት ዘይትና ዝመልአ ክኾነልና። ንድኅሪት ምልስ ዘይብሉ ከም ሰይቲ ሎጥ፣ ናውትና ንስሓል። ስለዚ ንሥጋን ብምሕራም ነፍስና ነዐንግል።  

ጾምካ ብተግብር ግለጾ ብምባል አበው ምኽሮም ዝለግሱለይ ከካፍለኩም ፈተየ።  ኢሉ ዘማርያም ዓርከይ። 

ናብ ጦማረ ዘብጹእ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ሳልሳይ ኣስጊሩና ።

  1. ጾምን መንፈሳውነትን

ጾም ሥጋዊ ሥራሕ ኣይኮነን። ጾም ንዝተወሰነ እውን ካብ መግቢ ምኽልካል ፣ ጥሉላት ውጽኢት መግቢ ካብ ዝመጭው ሥጋን ጸባን ምፋላይ ኣይኮነን። ጾም መንፈሳዊ ኣገልግሎት’ዩ ።

† ኣብ ግዜ ጾም መጀመርያ ፍቓድካ ወይ ድሌታትካ ምግታእ እዩ።

ካብ ሥጋዊ ድሌትና ክንሕረም ከሙኡ ድማ ብተዛማዲ ካብቲ ንምገቦ መግቢ ክንቆጻጸሮ ንኽእል። ብተወሳኺ ሓደ ብዘይ ኣግባብ መገዲ ንኻልእ ትእዛዝ ክህቦ ከምዘይብሉን ንስምዒቱን ሓሳባቱን ክንቋጽጻር ኣለና። “ ኣንደበትካ ካብ ምክልኻል መልሓስካ ምሕላው ይበልጽ፣ ንልቢ ምእርናብ ግና ካብ ክልቲኦም ምክልኻል ዚበለጸ እዩ።” ብምባል ማሪ ይስሓቅ ኣብ መጽሓፉ ይነግረና።   

ኣብ ግዜ መንፈሳዊ ጾም እቲ ብኻልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ንስሓ ምእታው እዩ።

ሰብአ ነነዌ ኣብ እዋን ጾሞ ካብ መግቢ ጥራሕ ኣይኮኑን ዝተኸልከሉ። ንሳቶም ካብ ኵሉ ክፋእ ተግባሮም ረሓቁ፡ኣእዳዎም ካብ ግፍዒ ሙሉእ ብሙሉእ እዮም ተመሊሶም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕብኦም ከምዚ ክብል ተጻሒፉ ነንብብ “ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከም እተመልሱ ግብሮም ረኣየ፣ ኣምላኽ’ውን ነቲ ኼውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፣ ኣይገበሮን ከኣ” ዮና3፣8-10። በዚ ቃል መሠረት ካብ ጾም ንላዕሊ ኣምላኽና ንስሓ ከምዝቅበል የረደኣና።

ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝግበር ጾም: ብትሕትናን ብፍጹም ጣዕሳን ክኸዉን ኣለዎ። ልክዕ ከም ሰብአ ነነዌ ዝፈጸምዎ። ንሶም ምስ ትሕትና ተወሳኺ ማቕ (ክሻ) ተኸዲኖም ሓመድ ነስኒሶም እዮም ናብ ኣምላኾም እግዚአብሔር ተመሊሶም ። እዚ ዓይነት ኣገባብ ጾም ነቢይ እዮኤል ገሊጽዎ ኣሎ “ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ ፣ጾም ቀድሱ፣ ኣኼባ ጸውዑ።” ኢዩ.2፣15-17።

ኣብ ውሽጢ ጾም ንመንፈስና ምምጋብ ኣውንታዊ ጎኒ ስለዘለዎ ጾም ክብል ከለና ንሥጋ ካብ መብልዕ ምሕሳም ማለት ኣይኮነን።

ጾም ምስ ጸሎት ዝተተሓዘ እዩ። ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉጣት ዝኾኑ ኣጽዋማት ማለት ናይ ነህምያ፡ እዝራ፡ ዳኒኤልን ሰብአ ነነዌን፡ ምስ ናይ ቤተ ክርስትያና ጸሎት ዝተተሓዘ እዩ ። እዚ ከኣ “ ጾም ቀድሱ ጉባኤ ኣውጁ።” ብዝብል ብግቡእ ንርእዮ።

ንነፍስና ብምምጋብ ልዕልና ከነርእያ ከለና፣ ንሥጋን ብምሕራም ንመንፈሳውነትና ክንዕቢ ዕድል ይህበና።

ንስጋና ምሕራም ምኽንያት ኣለዎ። እቲ’ቀንዲ ዕላማ ግና ንመንፈስና ብጸሎት ብተመስጦ ብንባብ ብኹሉ ናይ ፀጋ ተውህቦ ልዕል ንምባል እዩ። እዚ ከኣ ካብ ስጋዊ ፈተናታት ብምርሓቅ ክትግበር ኣለዎ።

ኣብዚ ክንርድኦ ዘለና እግዚአብሔር መንፈሳዊ ዘይኮኑ ጾም ከምዘይተቅበል ክንዝክር ይግበኣና። እግዚአብሔር ኣምላክ ካብ ዘይቅበሎም ጾማት ሓደ ናይ ዕቡያት ጾም’ዩ (ማር.6፣2። ጾመ ፈሪሳዊ ፣ ሉቃ.18፣11)። ነብዩ ኢሳይያስ ዝገለጾ ግጉይ ናይ ጾም መገዲ፣ (ኢሳ.58፣3-7) ካብቶም ቀንዲ ዘይቁቡላት ኣጽዋማት ተባሂሎም ክጥቀሱ ይኽእሉ።

ንሕናኸ እንዳጾምና ዲና ᎒ ጾምካ ብሥራሕ ብተግባር ኣርእይና’ዶ ፣ ድኻ ሓገዝና ደልዩ እንተዘይሓገዝናዮ። ምስ ዝተጻለናዮ እንተዘይተዓሪቕና። ሠናይ ናይ መንፈስ ተግባራት ኣብ ግዜ ጾምና እንተዘይተጌርና። ጾምና ጾም ፈሪሳውያን መሲሉ መሲሉዶ ኣየበለናን ።  ስለዚ ምእመናት ሕዝበ ክርስትያን ኣፍና ጥራሕ ኣይጹም ፣ ዓይንና እግርና እዝንና ኢድና ኩሎም ሕዋሳትና ካብ ክፋእ ተግባራት ይጹሙ ። ሽዑ እዩ ጾምና ብተግባር ዝግለጽ ፣

ጾም ክሰምረልና ኣምላከ ቅዱሳን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይሓግዘና። ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።  

  1. ምስ ሰባት ጽቡቅ ዝምድና ምፍጣር

ይቅጽል…………………..

    

ብሰላም የጽንሓና።

ዘማርያም

Comments are closed.