ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብጹዕ ኣቡነ ኤልያስ ብብጹዕ ሊቀ-ጳጳስ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራን ብሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ቀሲስ በረከት ኪዳነን ተሰንዮም ኣብ ሀገረ ስብከቶም ብሰላም በጺሖም። ኣብ ዋሽንተን ዲሲን ከባቢኡን ዝርከቡ ካህናትን መእምናን ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ኣባላት ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከትን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን። ቃል ኣምላኽ ከም ዝነግረና ጸርፊ ኃጢኣት ኢዩ፡ ንገሃነመ እሳትውን የውርድ ኢዩ። [ማቴ 5፥22] ኣሽንኳይ ወዲ ሰብ እቶም ሰፈሮም ዝኃደጉ መላእኽቲ ብዝገበርዎ ዓመጽን ክሕደትን፡ ጸርፍን ጥልመትን ዓስቢ ክፍኣቶም ምእንቲ ክረኽቡ ኣምላኽ መዓልቲ ፍርዲ ኣዳልይሎም ኣሎ። [ይሁ ቁ 6] እቶም ዝዛረብዎ ዘይፈልጡ፡ ብሕልሚ ተገሊጽልና ኢዩ እናበሉ ንሰብነቶም ዘርክሱ፡ […]
ጦማረ ዘብጹእ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ሳልሳይ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና። “ ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ’ሞ ኣብ ብዙሕ ክሾመካየ ።” እዚ ማለት ኣብ ምድራዊ ዓለም ብነገራት ኩሉ እሙን እንተኾንካ ኣብ ሰማያት ክሸመካ እየ ማለት እዩ። ኣብዚ ዓለም እሙን ኮንካ ምርካብ ማለት ሽልማት ኣብ ዘልዓለምዊ ሕይወት ክሸመካ እየ። ማለት እዩ። እዚ መምርሒ ብብዙሕ ባእታት ተግባራዊ ክኸውን ይኽእል […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን። ንካልኦት ሰባት ካብ ዘየድኅን ክርስትያን ንላዕሊ ዝኸፍአ ምንም የለን። ኣንታ ሰብ! ድኻ ኢየ እትብለኒ ንምንታይ ኢዩ፧ ክልተ ዲናር […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። ማርያም መግደላዊት ብዕለት እሑድ(ሰንበት) ጌና ጸልማት ከሎ ናብ መቓብር ጐይታ ክትከይድ ተንሥአት። ርግጽ'ዩ ብጸልማት ምውጻእ ብፍላይ […]
እዛ ዓለም ብከባባ፣ ብገፋሓ ፣መዓስ ኣኺላ ጸቢባ። እቲ ሰማይ ሓዛሊ ደመና ምስ ጠሊ፣ እታ ምድሪ ኣፍራይት ኩሉ ተኽሊ ምስ ወይኒ።ሰማይን ምድርን መዓስ ንኣመሎም ይዋሱኡ ኮይኖም ፣ ምስ ፈጣሪኦ እንተ ዘይተቃድዮም። ክልቲኦም ሓለፍቲ ድሕሪ ምጽኣት ዘይነበርቲ። ኣይክሰሱ፣ ኣይሕረሱ፣ ኣይኩለሉ፣ ንዘልኣለም ኣይጽገቡ። ንዓለም ዝፈጠራ ብከባባ፣ ብኹሉ ዘወቀባ ዘልመዓ ብጽገረዳ ፣ማያት ከፋፊሉ ደመና ሰሪዑ፣ ብፍጡራት ዘማዕረጋ። ብርሃን ንበይኑ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን። ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ መዝ.64፣11(65፣11። እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ዮሐንስ ብሰላምን ጥዕናን ዓቂቡ ኣብጽሓና። ንዘመን ብዘመን ዚልዉጥ፥ ኣብ ዘዘመኑ ድማ ዲንቒ እጹብ ዝኾነ ህያባቱ ኣምላኻዊ ጥበባቱን ዝገልጽ ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ዘመነ ሉቃስ ናብ ዘመነ ዮሐንስ ዘሰጋገረና ስለ ኩሉ ግብሩ ይኽበር ይመስገን ኣሜን። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ብመንገዲ ማር ይስሓቅ ዘሶርያዊ፥ መበል 46 ስብከቱ እምነት ኣፍ ደገ ሚሥጥራት እያ። ከምቲ ናይ ኣካላትና ኣዕንቲ ንዝርምሰሱ ነገራት ዘርእየና ከምኡ ድማ እምነት ነቲ ሕብኡ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን:: ዘይሓምም ሓመመ፣ ዘይተሓዝ ተሰቕለ፣ ዘይመውት ሞተ። ፍቕረይ ደሪኽዎ! ኣየ ፍቕሪ! ነቲ ዘይሓምም ሕማሙ ነዘንቱ፣ ነቲ ዘይመውት ሞቱ ነዘንቱ፣ በታ ምስ ደቂ መዛምርቱ ዝተቐመጠላ ለይቲ፣ ብፍቓድ ኣቡኡን ብፍቓድ ገዛእ ርእሱን ነፍሱ ንሞት ወፈየ። ነቲ ኹሉ ዝሕዝ ሓዝዎ፡ ነቲ ገዛኢ ኹሉ ኣሰርዎ ነቲ ሕያው ወዲ ኣምላኽ ኣሰርዎ፡ ንሳቶም ብቑጥዓ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ሲጥና ፣ ብዕብራይስጥ ኮይኑ ጽልኢ ማለት እዩ፡፡ ዘፍ. ፳፮፥፳፩/26፥21 ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ መንፈሳዊት ቤት ትምህርቲ ንቆልዑ ንምዝንጋዕ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል […]