እሙንን ለባምን ኣገልጋሊ-2ይ ናይ መወዳእታ ክፋል

2. ክብሪ ገዛእ ርእስኻ ምድላይ፥
ኣብዚ ኣዋን እዚ ወዲ ሰብ ንኣዚያ ንእሽቶ ዕዮ'ኳ ከይተረፈ ስምን ዝናን ከትርፈላ ላዕልን ታሕትን ዝብለሉ ናይ ፍለጡንን ረእዩንን ዘመን ምዃኑ ካብ ማንም ዝተሰወረ ኣይኮነን። "ወኩሎ ገቢረክሙ በሉ አግብርት ጽሩአን ንሕነ ( ንሕናስ ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዝግበኣና ኢና ዝገበርና በሉ) ሉቃስ 17፡10" ዝብል ናይቲ ሕያዋይ ጓሳናን ብሉጽ ኣገልጋሊና ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ቃል ግን፡ ማንም ሰብ ስለቲ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ልዕልና ይኹን ካልእ ናይ ኣንነት መንፈስ ንኸየሕድር ኢዩ ዝምዕድን ዝግስጽን። ኵሉ ኣገልጋሊ ንምዃን ዝተጸውዐ ሰብ፡ ፍቓድ ኣምላክ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝዓዘዘ ደኣ እምበር ብክእለቱ ወይ ከኣ ብብልሑ ኣይኮነን ነዚ መዝነት ዝተረከበ። ሓደ'ኳ ብብልሒ ቃላቱን ኣተሓሳስብኡን ተመዚኑ መልእኽተኛ ናይ ኣምላኽ ንምዃን ዝተመዘዘ የልቦን።
እቲ ሓቂ እዚ እናኾነ ግን ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ ኣገልገልቲ ዝርአ ዘሎ ናይ ዝናን ህቡብነትን ሕማም ኣዚዩ ኣሰካፊ ኢዩ። ምናልባት ኣገልገልቲ ክንብል ከሎና ንሓደ ውሱን ማእዝን ማለት ናብቶም ብስብከተ ወንጌል ንቤተክርስቲያን ዘገልግልዋ መማህራን ወይ ከኣ ብማዕርገ ክህነትን ዲቁናን ዘገልግሉ ኣቦታትን ኣሕዋትን ጥራይ ከነቋምት የብልናን። ነፍስ-ወከፍ ኣብ ኣጸድ ቤተ ክርስቲያን ይኹን ካብኡ ወጻኢ፡ ብስም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝካየድ ንጥፈታት ዝዋሳእ ሰብ ተኻፋሊ ናይዚ እንዘራረበሉ ዘለና ኣርእስቲ ኢዩ። በዚ ኾይኑ በቲ፡ ዋግኦምን ዓስቢ ድኻሞምን ካብ ሰማይ ምዃኑ ዘንጊዕም፣ ኣብ ቅድሚ ሰባት ኣዚዮም ብሉጻትን ተፈተውቲን ኮይኖም ንኽርከቡ ለይትን ቀትርን ዝጽዕሩ ኣገልገልቲ ብብዝሒ ዝፈረይሉ ዘመን እንተሎ እዚ ዘመን እዚ ኢዩ።
ከም ውጻኢቱ ከኣ ቀዳምነት ዝወሃቦ ንኣምላክ ምፍራህ ዘይኮነስ ንሰባት ምሕጓስ፡ ንኣምላኽ ምእዛዝ ዘይኮነስ ጠለባት ሰባት ንምምላእ ምጉያይ ብግህዶ ይንጸባረቕ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር ኣብ ናይ ኣገልግሎት ዝመንካ ካብቲ ከተገልግሎ ዝመረጽካዮ ኣምላኽን ካብተን ክትጓስየን ዝተዋሃብካየን ነፍሳትን ኣብሊጽካ ስለ ክብርን ዝናን ገዛእ ርእስኻ ትጭነቕን ትሓስብ እንተ ኣሎኻ ኣገልግሎትካ ነቓዕ ፈጢሩ ናብ ባሕሪ ሓጢኣት የስጥመካ ኣሎ'ሞ ኣዚኻ ምጥንቃቕ ከድልየካ ኢዩ።
3. ሸለልትነትን ዘይተገዳስነትን፥
ብዛዕባ ሕይወት ካልኦት ኣብ ኢዱ ብሓላፍነት ዝተረከበ ኣገልጋሊ ኢና ንዘራረብ ዘሎና። ንሱ ንጎኒ ገዲፍና ብደረጃ ውልቀ ሰብ ምሕሳብ እንተ ፈተንና'ኳ፡ "ሸለልትነት ወይ ዘይምግዳስ" ቀንዲ ውድቀት ናይ ደቂ ሰባት ኮይኑ ኢና እንረኽቦ። እሞ'ኸ ደኣ፡ ሸለልትነትን ዘይምግዳስን ኣብ ሕይወት ሓደ ውልቀ ሰብ እኳ ማዕረ ክንድዚ ሃስያ ካብ ሃለዎ፡ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ሕይወቱ ሕይወት ብዙሓት ተሰኪሙ ዝኸይድ ኣገልጋሊ ደኣ ኣዚዩ ክንደይ ኮን ኪኸብድ ኢዩ? " ንስኻ ግና ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ከም ዝግባእ ጌርካ ንገር" (ቲቶ 2፡1) ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንቲቶ ወዱ "ከምቲ ዝግባእ ጌርካ" ኢሉ ኣጥቢቑ ክእዝዝ ከሎ፡ ሓንቲ ነገር እኳ ብሸለልትነት ኪሓፋ ከም ዘይግባኦ ኢዩ ዘጠንቅቖ ዘሎ።
ነፍስወከፍ ናይ ሓደ ኣገልጋሊ ስጉምቲ፡ ኣብ ሕይወት ናይቶም ንሱ ዘገልግሎም ምእምናን ዝገድፎ ጽልዋ ኣዚዩ ዓቢ ምዃኑ ኵሉ ኪፈልጦ ዘለዎ ሓቂ ኢዩ። ስለዝኾነ እምበኣር ኣገልጋሊ ኣብ ኩሉ ጉዕዞኡ ንሕይወት ሰዓብቱ ክጭነቕን ኪሓስብን ግዴታኡ ኢዩ። እንተ ዘይኮይኑስ ብሰንኪ ናቱ ሸለልትነትን ዘይምግዳስን፡ ብዝሒ ዘለዎም ናብ ድሕነት ኪመጹ ዝግብኦም ምእመናን ተዓንቂፎም ንድሕሪት ኪምለስሉ ዘለዎም ተኽእሎ ኣዚዩ ዓቢ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ኣሰከፍቲ ጎንታት ናይ ኣገልገልቲ እምበኣር እዚ ኢዩ። ሳዕቤኑ ከይመመኻ ኣብ ኣፍካ ዝጸንሓካ ቃል ምስንዳው፡ እርኑብን ቅርጡውን ኣካይዳ ምውናን ተሪፉ፣ ክትርከቦን ክትከዶን ኣብ ዘይግበኣካ ቦታታት ምርካብ፡ ምንጩ ዘይተረጋገጸ ካበይ ምዃኑ ዘይተፈልጠ ጽሑፋትን ትምህርታትን ከም ዘለዎ ናብ ምእመናን ምቕራብ፣ ንስርዓትን ቀኖንን ቤተ ክርስቲያን ሸለል ኢልካ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ርድኢት ምምራሕ፣ ብዓበይቲ መምህራንን ኣቦታትን ዘይተመመየ ጽሑፋትን ሓበሬታትን ንእግረ መንገድኻ ምብታን (ብፍላይ እኳ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን) ወ.ዘ.ተ...... ንክብሪ ኣገልግሎት ኣዚዮም ባይታ ኣዝቢጦሞ ዘለዉ ክስተታት ኢዮም።

መደምደምታ፥

ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ካብቲ ኣዚያ እትምስገነሉን እትድነቐሉን ነገራት ሓደ፡ ሕግን ስርዓትን ትውፊትን ቀዳሞት ኣቦታት ዝሓለወ እርኑብ ኣካይዳኣ ኢዩ። እዚ ክብሪ እዚ ግን ብስቕ ኢልካ ወይ ብኸምኡ ዝተረኽበ ዘይኮነ፣ ቀዳሞት ኣቦታት፡ ጣዕምን ንዋይን ናይዛ ዓለም ከይሓነቖም፡ መከራን ሕሰምን ፈተናን ናይ ዲያብሎስ ከየሕመቖም፡ ንመጓሰኦም ቀጥ ኣቢሎም ኣጽኒዕም ስለ ዝሓዙ ኢዩ። ክብሪ ገዛእ ርእሶም ኣብ ጎዱፍ ደርብዮም፡ ብዝጠቕሙን ዘይተቕሙን ተጸሪፎምን ተዋሪዶምን፣ ስም ኣምላኾምን፡ እተን ብሓደራ ዝተዋህብእም ነፍሳት ልዕል ንኽብል ዋጋ ስለ ዝኸፈሉ ኢዩ ሎሚ ቤተ ክርስቲያንን ብኽብርን ግርማን እትጽዋዕ ዘላ። ስለዚ እምበኣር ንሕና እዞም ኣብ ኣሰር ናይዞም ኣቦታት ኣለና እንብል ዘለና ናይዚ ግዜ እዚ ኣገልገልቲ፣ ነቲ ናቶም ኣገልግሎት ብስም (ብቃል) ጥራይ ዘይኮነ ብግብሪ'ውን ክንለብሶ ግዴታ ኣሎና። ትምሊ ነቶም ቅዱሳን ኣቦታት ዝፍትን ዝነበረ ጸላኢ፡ ሎሚ'ውን ንዓና ንምውዳቕ ለይትን ቀትርን ይጽዕር ምህላዉ ምግንዛብ ከድልየና ኢዩ። ስለዚ ነዚ ተጸዊዕናሉ ዘለና ኣገልግሎት ብምልኣት ልቢ ክንዓየሉን ተጊህና ክንሰርሓሉን ኢዩ ዝግበኣና። ነዚ ንምግባር እግዚአብሔር ብምሕረቱ ይደግፈና ኣሜን።
ዘነገደ ባህር

Comments are closed.