ኣብ ሓዲሽ ዓመት እንታይ ክትልወጥ ትደሊ᎒

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን።

ንገዛእ ነብስና እንተፈሪድና እግዚአብሔር ብኣና ይሕጎስ ” አባ እንጦስ።

ሓዲሽ ዓመት ክበሃል ከሎ ሓዲሽ መስከረም :ሓዲሽ መዓልቲ ኣይኮነን፥ እንታይ ደኣ ሓዲሽ ናይ ምብርባርን ምንቃሕን፡ ምጽራይ፡ ናይ ቀደም ገዲፍካ ሰብነትካ ምስትኽኻል ማለት እዩ። ኮታ ብኹለንተናኻ ኣሰረ ፍኖት እግዚአብሔር ምስዓባ፡ ነፍስኻ ብንስሓ ምጽራይ ማለት እዩ።

“አእትቱ እምላዕሌክሙ ግዕዘክሙ ዘትካት በእንተ ብሉይ ብአሲ ዘይማስን በፍትወተ ስሒት፤ ሐድሱ መንፈሰ ልብክሙ፡፡ ወልበስዎ ለሐዲስ ብእሲ ዘሐደሶ እግዚአብሔር በጽድቅ ወበርትዕ ወበንጽሕ”

“ ነቲ ቐደም እተመላለስኩሙሉ ብትንቢት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፣ በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተለብሰ ሓድሽ ሰብ ልበሱ። ” ኤፌ. 4፣22-24።

ሰብ ገና ፍጥር ክብል  ንጽቡቅ ግብሪ ፣ ንጽድቂ ፣ ንቅድስና ተፈጥረ። ከይኣርግ ፡ ከይበሊ እናተሓደሰ፡ ሕያው ኮይኑ ክነብር። ኣብቲ ማሙቅ ሕቅፎ እግዚአብሔር፣ ኵሉ ዝርከቦ፣ ጎደሎ ዘይብሎ፣ ሰላም ብውሽጢ ኮነ ብደገ፣ ቅሳነት ዝዓሰሎ፣ ሩፍታ ተሰሊሙ፣ ፍርኃት ዝርሓቆ፣ ስኒት ተቀኒቱ፣ ተስፋ ዝተሰንቆ ብሩህ ራእዩ፣ ድሙቅ ዝብርሃኑ ጸልማት ዘይስዕሮ ፣ ራህዋ  ዝኸበቦ ፍቕሪ ዝኽደኖ። ዝተዋኅቦ ፀጋ ገሊጽካ ኣይውድኣን ፣ በዚ ድኹም ክእለትና ክዝርዝር’ውን ኣይከኣልን። እግዚአብሔር ካብ ውኅበቱ ከይነገፈ  ዘድልዮ ንሰብ ኂቡ ብኽብሪ ኣብ ዝፋን ገነት ኣቐመጦ።

እንታይ’ሞ ይዓብስ ፣ ንኽብሪ ናብ ሓሳር ፣ ንልዕልና ናብ ውድቀት ፣ መሪጹ ኣበደን ካብ ፍቕሪ እግዚአብሔር ፣ ዓለም ትሕሸኒ ኢሉ ሰብ.  እወ እዚ ክቡር ሰብ ዘይበሃግ ፡ ሓሰራ መከራ መሪጹ። ካብ ብርሃን ንጸላም ኣዳላዩ። መገዲ ውድቀትን ጥፍኣትን ተመኒዩ ፣ ኣብ መንገዲ ጥፍኣት ተጋዒዙ ፣ ብናይ ገዛእ ልቡ ሓሳብ ተመሪሑ።

 ንድምፂ እግዚአብሔር ጽን ክብል ኔርዎ ፣ ክዕገስ ኔርዎ፣ ዓይኒ ዘይረኣዩ፣ እዝኒ ዘይሰምዖ፣ ልቢ ዘይሓስቦ ዓቢ ደስታ እዩ ሰብ ተዋኂብዎ( 1ይቆረ.2፣9)።። 

እቲ ናይ መጀመርታ ፍጡር ኣቦና ኣዳም ግና  መቐረቱ ገነት ድዩ ዘይተረድኦ ኮይኑ ᎒ ዝሓዞ ዝገደፈ፣ ካብ ሕይወት ንሞት ዝመረጸ ፣ ሄዋን እኳ እያ ኣስሕታትኒ እዩ ዝበለ። ኣቦና ኣዳም ᎒ ዘቕረቦ ምኽንያት ፣ ንሔዋን ዝወቅስ እዩ። ኣዴና ሔዋን ከኣ እንተ ተሓተተ ተመን እዩ ኣስሒቱኒ  ኢላ’ያ ᎒ ዘቕረበቶ ምኽንያታ፣ ግና እቲ ምኽንያት ንኽልቲኦም ኣይጠቀመን።

ርቱዕ ብፍርዱ ዝኾነ ኣምላኽና እግዚአብሔር ንሱ ብዝወሰኖ መሠረት  ፈሪድዎም፡ ካብ ዝፋን ገነት ተሰዲዶም ወጹ ካብ  ፍቕሪ እግዚአብሔር ረሓቑ።  

ሽዑ  ኣቦና ኣዳም መሬት ጸሊሚታቶ፣ ተስፋ’ውን ኣይነብሮን፣  ብምንታይ ክምልስ ᎒ ናበይ ከብል ᎒ ድሕሪ ደጊም ኣዕይንቲ እግዚአብሔር ብኸመይ ክርኢ።

ኣዳም ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ከሎ ፣ ኣምላኽና እግዚአብሔር ንተስፋ ብሙሉእ ተስፋ ኣብ ውሽጢ ልቡኡ ኣለሚሊሙሉ። በዓል ሙሉአ ምሕረት ዝኾነ ኣምላኽና ተስፋ ትንሣኤ ውድቀቱ ኂብዎ። ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድኅነካ እየ። ካብ ኣዴና ቅስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ተወሊዱ ከምዘድኅኖ ነጊርዎ። ነዚ ተስፋ ሊቅ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም “ አንቲ ውእቱ ተስፋኡ ንኣዳም አም ይሰደድ እም ገነት ዝበሎ። ” “ ኣዳም ካብ ገነት ክስደድ ከሎ ተስፋኡ ንስኺ ኢኺ ኔርኪ” ። ኣምላኽና እግዚአብሔር ነዚ ዓቢ ተስፋ፣ ሰኒቑ ክኸይድ መርኆ ኂብዎ።

ካብ ሞተ ሥጋ፣ ሞተ ነፍሲ ዝድኅነላ፣ ተስፋ፣

ኣቦና ኣዳም ካብ ውድቀቱ ዝደኃነላ ፣ ንተስፋኡ ብሩኅ ዝገብረቶ በዚኣ ተስፋ ተበራቢሩ። ተቀላጢፉ ናብ ንስሓ መጺኡ። ብናቱ መገዲ ዘይኮነ ብናይ እግዚአብሔር፣ ብናቱ ሓሳብ ዘይኮነ ብናይ ኣምላኹ ሓሳብ፣ ካብ ፍቕዱ ከይወጽእ ብንስሓ ተንሢኡ ናብ ኣምላኹ መጺኡ። ነታ ኣማዕድዩ ዝረኣያ ተስፋ እናተጸበየ። በኅየ ትበዝኅ ጸጋ እግዚአብሔር ፣ ካብ ውድቀት ዲኂኑ ። ወዲቅካ ምትንሣእ ኣዳማዊ፡ ወዲቅካ ምትራፍ( ሰይጣናዊ )ዲያብሎሳዊ ከምዝብልዎ አበው።

ዕድመ ንንስሓ። ተዋኂብዎ። ተተቒምሉ ከኣ።

ንገዛእ ነብስና እንተፈሪድና እግዚአብሔር ብኣና ይሕጎስ ” አባ እንጦስ።

መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ ተነስሑ !!!  ነስሑ እስመ ቀብረት መንግሥተ ሰማያት። ናይ መጀመርታ ስብከቱ ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እያ ዝነበረት።  ቃለ ኣዋዲ ዝተባኅለ ቅዱስ ዮሐንስ’ውን ናይ መጀመርታ ስብከቱ እዚኣ እያ ዝነበረት።  ኵሉ ግዜ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ትንገር ናይ ኣዋጅ ቃል እያ። ኣእዛንና ክንደይ ጊዜ ሰሚዕዋ ኣሎ ᎒  ቆጺርና ኣይንውዶኦን። እዛ ቃል መርኆ ናይ ሕይወትና፡ ኣንፈትና ሲሒትና ከይንጠፍእ ተቕነዓና፣ ኣበይ ምኅላውና ትሕበረና፣ መበራበሪት ቃል እያ ።

“ንስሓ” ካብ ውሽጢ ልቢ ዝነቀለ ጣዕሳ፣ ብሙሉእ ልብኻ ናብ ኣምላኽ ብሙሉእ እምነት ምምላስ ፣ ንገዛእ ርእስኻ ጥፍኣተኛ ጌርካ ነብስኻ ምውቃስ። ። ኃጥያት ጌይረ፣ ኢልካ ምዝራብ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ልብኻ ንኃጥያት ምጽላእ ፣ ብዝገበርካዮ ምጥዓስ። ሓጥያት ካልኦት ዘይኮነ ኃጥያትካ ምርኣይ።  

ከምቲ ታሪኽ ሓደ ካብ አኃው መንኰስ ዘጋንፎ ታሪኽ ዝነግረና፡-

ኣብ ሓደ ገዳም ዝነብሩ ንኡስ መንኰሰ ኣቦ እዮም። ምስቲ ናይ’ቲ ገዳም አበምኔት ብዛዕባ መንፈሳዊ ሕይወቶም እናዕለሉ ከለዉ ነቶም አበምኔት ከምዚ በልዎም ኣቦና ኣነ ሎሚ ናይ ዓለም ኃጢኣትን ግፍዕን በደልን ርእየ። ስለዚ ዝበቃዕኹ ኮይነ እየ ማለት እዩ።” እቶም አበምኔት'ውን  “ ዝወደይ  እስከ በርቲዕካ ጸልይ ገና ኢኻ።” ብምባል መለሱሉ።

ካልእ ግዜ'ውን ቲ'መንኰሰ ናብቶም አበምኔት ከይዱ “ ኣቦና ሕጂ'እሞ በቂዐ እየ ቅዱሳን መልኣኽቲ ካብ ሰማይ ክወርዱን ኪድዩቡን ናይ ሕዝቢ ኃጥያት ከስተስርዩ ርእዮም ።” ኢልዎም። እቶም ኣቦ ከኣ “ ዝወደይ ገና ኢኻ ሕጅ'ውን በርቲዕኻ ጸልይ ” ኢሎም ኣፋነውዎ። እቲ መንኰሰ'ውን ናብ በዓቱ ብምምላስ ኣበርቲዑ ይጽልን ይጸውምን ይሰግድን ነበረ።

እቲ መንኰሰ ንሣልሳይ ግዜ ዝረኣዮ ራእይ ከምዚ ኢሉ ነቶም አበምኔት ነገሮም “ ኣቦና ሎሚ ዝረኣይክዎ ራእይ ኣነ ኣብ ዓለም ከለኹ ዝሠራሕክዎ ኃጥያት ኵሉ ሓደ ብሓደ ተራእዩኒ።” ኢልዎም፣ እሶም'ውን “ ዝወደይ  ዝበቃዕኻ ሕጂ ኢኻ ።” ብምባል ነገርዎ።  ብምቅጻል በቂዔ'የ  ዝበኃል መዓስ እዩ ᎒

ክርስቲያናዊ ሕይወት ምድራዊ ድሌታትና ገቲኢና፣ ፈተና ጸላኢ ሠናይት ዲያብሎስ ብምቅዋም ንሰማያዊ መንግሥቲ ንወርሰሉ  ምሥጢር ብምኻኑ ፈተናኡ'ውን ብኡ መጠን ክብድ ይብል እዩ። ብዙሓት ሰባት  ቃል እግዚአብሔር ምምሃር ምስ ጀመርና  ናይ  ገዛእ ርእሶና ኃጥያት ብምሕሳብ ብሓዘንን ብብኽያትን ኣብ ክንዲ ናብ ንስሓ ንቐርብ ናይ ካልኦት በደል ክንቆጽር ንጅምር።  ናትና ገዲፎም ብዛዕባ ካልኦት ኪንዛረብ ንጅምር። እከለ ከምዚ በዲሉ፡ እከሊት ከምዚ ገይራ ምባል ነብዝሕ።

ኣንፈትና ኣብ ክርስቲያናዊ ሕይወቶና ኣብ ክንዲ ዝቀንዕ  ናብ ካልእ ወገን  ስለዝዛዙ እቲ ክድኅንሉ ዝግባእ ወርቓዊ ናይ ንስሓ ግዜና ከይተጠቐምናሉ ብኸንቱ ነሕልፎ። 1ጢሞ.4። 7  “ ግናኸ ንነገር ቅለትን ንዕላል ኣንስትን ካባኻ ኣርሕቆ ንርእስኻ ግና ኣምልኾ ኣልምዳ ።”  ይብለና። ብምባል እቶም ኣቦ መኸርዎ።

እቲ መንኩሴ ብዝተገለጸሉ ራእይ ንምድኅኑ ዝተጠቀመ ናቱ ናይ  ገዛእርእሱ ሓጥያት ምስ ረኣየ ምኻúኑ ካብቲ ታሪኹ ሪኢና ኢና። ካብታ ዕለት  ጀሚሩ ንነብሱ እንዳወቀሰ ብትግኃት ኣብርቲዑ ጸሎትን ጾምን ቀጸሎ ።

 ንሕናስ ዝረኣየና ናይ መን ሓጥያት እዩ? ናትና ወይስ ናይ ካልእ᎒

ዕድመ ንንስሓ!!!

ንገዛእ ነብስና እንተፈሪድና እግዚአብሔር ብኣና ይሕጎስ ” አባ እንጦስ።

ክንደይ ዝኸውን ናይ ንስሓ ዕድመ ተዋኂብኒ ኣሎ᎒ ቆጸራ’ኸ ኣለና’ዶ ይኸውን᎒ ምናልባት እንተዝኾነ እቲ ዝሓለፈ ግዜ መጢጠ ሲሒበ እንተዘምጽእ ኣብ ምንታይ መዓላ ምስ ኣውዓልክዎ ነይረ። ምረባሕክሉ ወይስ ምኸሰርኩሉ፣……….. እንድዒ  ነፍሰይ ባዕልኺ ትፈልጢ። ሎሚ ንነብራ ዓለማ ሓሳባትና ኣብ ድንግርግር ኣእትያቶ። ሥራሕ ጽድቂ ጠፊኡና ፣ ኣንፈት ቅድስና ሲሒትና ፣ ሠናይ ግብሪ ሪሒቕዎ፣ ነቲ ኃጥያትን ክፋኣትን ከም ጽድቒ ተቒጺሩ ፣ ብእንታይ ኣለዎ ንነብሮ ሕይወት እናነብርና፣ መዓስ ነብስና ወቒስና ንስሓ ንኣቱ።  ኣብ ኣለኹ ንነብራ ሕይወት መልክዕ ዓለም ደሚቁ ዓብሊሉና ፣ ደድሕሪና ክንጎይ ፣ ዘይጭበት ተስፋ እናሰነቕና ፣ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ክንብል ዝተዋኅበና ግዜ ከይተጠቀምና’ሲ  ካልእ ግዜ ይወኃበና ይኸውን’ዶ᎒ ካልእ ዕድል’ከ ኣለና’ዶ ᎒  

ግዜ ዘለና ይመስለና ይኸውን ፣ ሕይወት ብቆጸራ ኣይኮናን ንነብራ።  ንዘክር ሰብኣ ትካእ ኣብ ዘመነ ኖህ ዝነበሩ ፣ እከይ ግብሮም ሰማይ ዓሪጉ፣ ንሕይወቶም ሸለል ኢሎም ንጥፍኣቶም ዝተመንዩ፣  ኣዕይንተ ኣእምርኦም ተደፊኑ። ምርኣይ ሲኢኖም ምርጫኦም ካብ ሕይወት ንስሓ ናብ ሞት ኮይኑ። ሰኣን ግዜኦም ብግቡእ ዘይምጥቃም፡ ጊዜ ኣለኒ ብዝብል ተታሊሎም። ግን መን  ኣታሊልዎም። ብነጻ ምርጫኦም  ንነብሶም፡ መን ተጎዲኡ ፡ ንሶም።

ዘኬዎስ ብጣዕሳ ዝተነስሖ ንስሓ ንርአ።  ሉቃ.19፣8 “ ዜኬዎስ ከኣ ተንሢኡ ንጐይታ ጐይታይ እንሆ ፈረቓ ጥሪተይ ንድኻታት እህብ፣ ገለ ዝዓመጽክዎ እንተኃልዩ’ውን ኣርባዕተ ዕጽፊ ጌረ፣ እፈድዮ በሎ። ” መመለሲ ዘይብሉ ጣዕሳ ቆራጽ ውሳኔ፣ እምቢ ንኃጥያት እምቢ ንጸላኢ ሠናይት ፣ እምቢ ንዓለም። ክርስትና ከምዚ ልቢ ይደሊ ፣ መንፈሳዉነት ዕቤቱ ዝግለጽ ብኸምዚ መገዲ እዩ።

እሞ ድኣ ካብ ዓሚ ሎሚ እንተዘይሓሽኩ እንታይ  ድኣ’ዩ ናይ ምንባር ትርጉሙ።

ንገዛእ ነብስና እንተፈሪድና እግዚአብሔር ብኣና ይሕጎስ ” አባ እንጦስ።

ከምቲ ሓደ ሶርያዊ ዝበሎ ። ብ1970 (1983 ዓ.ም) ሓደ ደብዳቤ ጽሒፉ ነይሩ ፡ ናብ ሓደ ብጹእ ኣቦ ከኣ ሊእኽዋ ። እቲ ክርስታስ ክታቡ ከምዚ ይብል። ዝተወልድክሉ 1943 ዓ.ም “ ብቅድስቲ ቤተክርስቲያን ትምህርቲ መሠረት ሥጋ ወደሙ እቅበል ነይረ። ኣሥራት ቡኩራት እኅብ  ፣ ንገዳማት ኣብ ምሕጋዝ ዝተዋደዳ ማኅበራት ኣባል ኮይነ ለይትን መዓልትን ብትግኃት እሰርሕ ። ኵሉ ግዜ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወተይ ለውጢ ንምምጻእ እጽዕር ነበርኩ። ንምምኃር፣ ንምጻም ፣ ንምጽላይ፣ ዝነበረኒ ትግኃት እዝክሮ። ይኹን እምበር 1970 ዓ.ም መንፈሳዊ ሕይወተይ ኣብ ዘለዎ ቆመ። ኣሽንካይዶ እቲ ዝነበረኒ ዝሓሸ ሕይወት ክለብሶ፡ እቲ ዝነብረኒ እናሃሰሰ መጺአ። ድኻምን ስንፍናን ኣብ ሕይወተይ ማሕዘል ኮይኖምኒ። ራእይ ተሓዋዊሱ ራእይ ኣልባ ኮነ። ራኢ ዘይብለይ ባዶ ኮንኩ። ተጋሪዱኒ። ቤተ ክርስቲያን ንምግላል ዝነበረኒ ሙሉእ ድሌትን ተስፋን ማኅሚኑ ፣ ተስፋ ኣልቦ ኮይኑ ሞይቱ። ካብዚ እዋን ጀሚሩ ኣብ ዝኾነ ግዜን እዋንን ኣብ ዝኾነ ዝጽሕፎ ክርስታስ  ዓመት ምሕረት ዕለቱ 1970 ኢለ ክጽሕፍ ጀሚረ። (1983 ዓ.ም) 1970 ዓ.ም እዩ። ምኽንያቱ ድሕር’ዚ ኣብ ሕይወተይ ኮነ ናብራይ ዝተለወጠ ነገር የለን። ፍረ ኣልቦ ኮይነ። ዝተለወጠ ፣ ዝዓበየ ። ዝተስተኻኸለ ነገር የለን። ብጹእ ኣቦና፣ በጃኹም ምኽርኹም ብምልጋስ ብጸሎትኩም ብምድጋፍ ናብ 1971 ዓ.ም ኣሰጋጉሩኒ።

ብምባል ጽሒፉ። ሕይወት እንተዘይለወጠ፣ እንተዘይዓበየ፣ ሃይማኖት እንተዘይደልደለ፣ ምግባር እንተዘይጸንዐ፣ ትማሊ ንዝሥዓረና ኃጥያት ሎሚ እንተዘይሢዒርናዮ ፣ ዝደኸመ ኣበርቲዕና ፣ ዝተሰብረ ጸጊንና፣ ዘመን ተለዊጡ ዘመን እንተተተከአ፣ ናይ ምድሪ ዕድመ ንቆጽር እምበር ፣ ንሕና እንተዀና ከምዝቖምናዮ ኢና ዘለና። እወ ብሓቒ ኣብ ዘለናዮ ደው ኢልና።

ዕድመ ንንስሓ !!!

ንገዛእ ነብስና እንተፈሪድና እግዚአብሔር ብኣና ይሕጎስ ” አባ እንጦስ።

2ክፋል ይቅጽል።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ፣

ወለወላዲቱ ድንግል፣

ወለመስቀሉ ክቡር።

 

 

 

ዘሚካኤል

   

Comments are closed.