እቲ ዝጉዳእ መን እዩ᎒

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናይ እምባ ስብከቱ ካብ ዘምሃሮም ትምህርቲ ሓደ “ ንጸላእትኹም ፍተዉ ዝረገምኹም መርቑ ፣ ንዝጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ ዝበደልኹምን ዘሳደድኩምን ጸልዩ። ” ዝብል ይረከቦ። ማቴ.5፣43-44፣

ብዙሓት ነዚ ቃል ዋላ እንተፈለጥናዮ ጸላእትና ክንፈቱን፣ ክንምርቖምን ብዛዕብኦም ንጽልየሉ ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ብዘይምስትውዓልና ነዚ ነገር እዚ ክንገብሮ ንጽገም። “ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ክንገብር ስለዘምሃረና እዩ። ” ብምባል ከም ትእዛዝን ግዴታን ጥራሕ ጌርና ንምልከቶም’ውን ኣይንጠፍእን ኢና።

ኮይኑ ግና ኣብ ላዕሊ ለዝተጠቅሰ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ከምዚ ዝተባሃለሉ ዓሚቕ ምኽንያት ኣልዎ።

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቒ ብሕቶኣዊ ዝኾነ ኣመኽንዩ ከምዚ ብምባል የብርሃልና።

“ ደቀይ መቕርበይ ዝኾነ ሰብ ጉዲኡኒ እትብልዎ እንታይ እዩ᎒  ሓሪቑ ጸሪፉኒ ፣ ዘስመይ ሂቡኒ ዝብል ድዩ ᎒ እዚ ጉድኣቱ እንታይ እዩ᎒ ብፍጹም ጉድኣት የብሉን። ምኽንያቱ እዚኦም እዚኦም ነገራት ጉድኣት ዘይኮኑ ትዕግስተኛታት እንተዀንኩም ጥቅሞም ዝበዝሐ እዩ። ክጅምር ኣብ ልዕሌኹም ጉድኣት ንምብጻሕ ዝደሊ ዝገብሮ ኣይፈልጥን። ዝገብሮ ኩሉ ፈትዩን ፈቒዱን ኣይኮነን። ዋላ እካ ንዓኹም ዝጎድአ እንተመሰሎ ንገዛእርእሱ እንዳጎድአ እዩ።

ናይ ብዙኃት ጸገም ጎዳእን ተጎዳእን መን ምዃኑ ፈሊኻ ዘይምፍላጥ እዩ። ምኽንያቱ ነዚ ፈሊና ንፈልጥ እንተንኸውን ንገዛእ ርእስና ንምጉዳእ ኣይምተበገስናን ኔርና፣ ካልኦት ጸገም ምእንቲ ከጋንፎም ኣይምጸለናና ኔርና። ንማንም ምጉዳእ ከምዘይንኽእል ምስ ፈለጥና ምስ ተረደኣናን ኔሩ። እቲ ዝዓበየ በድል ድማ ክፍኣት ምቅባል ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክፍኣት ምፍጻም እዩ። ስለዚ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንኻልእ ስወብ በዲልኩም እንተኾንኩም ንገዛእ ርእስኹም ውቐሱ። ካልእ ክፋእ ጌርኩም እንተኾይኑ ግና ንዓኹም ዝገበርኩም ጽቡቕ ነገር እዩ እሞ ጸልዮሉ። ዋላ እካ እዝቲ ሰብ ንዓኩም ክክጥቅም ኢሉ ዚገብሮ እንተዘይኮነ ብምዕጋስኩም ግና ዓቢ መንፈሳዊ ረብሓ ትረኽቡ። ክፋእ ጌሩኒ ትብልዎ ሰብ ተግባሩ ክፋእ ከምዝኾነ ሰባት ናይ እግዚአብሔር ክፋረዶም እዩ። ንሳኻትኩም ግና ምስትዕገሱ ንግዚኡ ዋላ እንተተጎዳእኩም እንተመሰለኩም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝተዛረቦ ዓስብኹም ኣብ ሰማይ ብዙሕ እዩ።” ይብል ።

/Homily on the Gospel of St. Matthew, Hom.18/፡፡

ካብዚ እንታይ ክንርዳእ ንኽእል ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሌና ክፋእ እንተገበረ ቅድሱ ከምዝተዛረቦ ትዕግስተኛታት እንተኾይና ናብ ሹመት፣ ናብ ሽልማት ልዕል እንዳበና ኢና ንኸይድ ማለት እዩ። ኮይኑ ግና እሱ ዝረአ ናይ ቀረባ ማለት ንዓና ንምጉዳእ ስለዝኾነ ንሕና ንረኽቦ ሽልማት ኣይረኣየናን።  እንተዝረኣዮ ኔሩ (እዚ ናይ ኣኽሊል ሽልማት ስለንረክብ ስለዝርዳእ።) ዝገብሮ ነገር ኣይምገሮን ኔሩ። ስለዚ ኣብ ልዕሌና ከምዚ ዝገብር ሰብ ንጽልየሉ ሓደ ምረረ ገሃነም ጣዕመ መንግሥተ ሰማያት ካብ ዘይምፍላጡ ዝተላዕለ እሱ ንገዛእ ርእሱ እንዳጎድአ ስለዝኾነ። ካልኣይ ድማ ንዓና ናብ ሹመትን ሽልማትን እንዳደፍኣና ስለዝኾነ  ማለት እዩ።

ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ሓደ ዝንገር ታሪኽ ኣሎ።  ሓደ ዓላዊ ሰብ ንሓደ ክርስቲያን መከራ የጽንዓሉ። እቲ ክርስቲያን’ውን “ ጐይታን ምረረ ገሃነም ጣዕመ መንግሥተ ሰማያት ስለዘይፈልጥ እዩ’ሞ በጃኻ ነዚ ክፈልጥ ግበሮ።” እንዳበለ ይጽልይ። ኣብ ዳኅራይ ዘመን ዓላውያን ሓሊፉ ዘምን ክርስቲና ይኸውን። እቲ ዓላዊውን ( ነቲ መከራ ዘጽንዓሉ ዝነበርኩ ክርስቲያን ) ሎሚ እንተዝረኽበኒ ብተራኡ (ብግዲ) ከመይ ምስ ገበረኒ᎒ ይብል። ነዚ ዝሰምዑ ሰባት “ እሱስ ዋላ ቀደምንውን ከምዚ እንዳበል እዩ ዝጽልየልካ ዝነበረ።” በልዎ። እቲ ዓላዊውን “ እዚኦም ክርስቲያን ምግባሮም ዝቀንዐ ሃይማኖቶም ቅኑዕ ስለዝኾነ ስለዝኾነ ዶ ኣይኮነን።” ኢሉ ተመሊሲ  ኣሚኒ፣ ተጠሚቑ። (ወንጌል ኣንደምታ)። 

ስለዚ ንዓና ከምዚ ዝገብሩና ሰባት ክንወቅሶምን ክንከሶምን ኣይግበኣናን እዩ ማለት እዩ። ኮይኑ ግና ክንዕገሶምን ክንጽልይሎምን ከለና ኣብ ላዕሊ ከምዝተገልጸ ክርስቲያን ንድኅነቶም ምኽንያት ንኸውን።

እግዚአብሔር ኣምላኽና ነዚ ክንገብር ክርእ ከሎ ኣዝዩ እዩ ደስ ዘብሎ። ምኽንያቱ ናይ ባህርይ ዝኾነ ከሙኡ ናይ ምፍቃር ልምምድ ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ዝተፈጠርና ደቁ ስለዝምልከት ። እግዚአብሔር ካብ ባህርዩ ዝተላዕለ ኣብ ልዕሊ ኃጥኣንን ጻድቃንን ዝናብ የዝንብ። ዳግም’ውን ካቡኡ ዝተወልድና ደቁ ንዕዑ መሲልና ንኹሉ ከነፍቅር ይግበኣና እግዚአብሔር ከኣ እዚ እዩ ዝደሊ።  እዚ ከኣ ከም ሕግን ትእዛዝን ጥራሕ ዘይኮነ ኣቀዲሙ ከዝተገልጸ ብዙሕ ረብሓ ንረኽበሉ ስለዝኾነ እዩ።

ሳኦል ኣቀዲሙ ንቤተክርስቲያን ኣብዚሑ ዘሳድድ ፈሪሳዊ ኔሩ። ቅዱስ እስቲፋኖስ ብዳርባ እምኒ ክውገር ከሎ ምስኦም ሓቢሩ ናይ ኣይሁድ ክዳን ይሕሉ ኔሩ። ክርስቲያን ግና ብዛዕቡኡ ኣጸቢቖም ይጽልዩ ኔሮም። ናይ ጻድቅ ሰብ ጸሎት ብሥርሓ ኣዝያ ኃይሊ ትገብር ስለዝኾነት ሳውል ምስዳዱ ገደፈ። ምግዳፍ ጥራሕ ኣይኮነን። ነታ ዘሳድና ዝነብረ ቅድስቲ ቤተ ክርስትናያ ቅዱስ ጳውሎስ ተባኂሉ ከገልግላ ጀሚሩ። ባዕሉዉን ከምዝተዛረቦ ካብ ካልኦት ሓዋርያት ንላዕሊ ኣዝዩ ደኸመ። ንዘሳድድዎ ኣብዚሑ ይጽሊ ነበረ። ሮሜ.9፣3።

ስለዚ ሕዝበ ክርስቲትያን ምውቃስ ምኽሳስ ምስ እንደሊ ንዝጸርፉና ፣ንዝረግሙና ፣ዘሳዱድና፣ ዘይኮነ ንገዛእ ርእስና ምውቃስ እዩ ዝግበኣና። ስለ ዝሠራሕናዮ ኃጢኣት ንገዛእ ርእስና ምኽሳስ ጥቕሚ እምበር ጉድኣት የብሉን። ክንጽልይ ከለና ስለገብረናዮ ኃጢያት እምበር ብዛዕባ ክፍኣት ካልኦት ብምሕሳብ ክኸውን የብሉን። ብቅጥነተ ኅሊና (ብምስትውዓል) ምስ እንርእዮ፣ ንሕና ንገዛእ ርእስና እንተዘይጎዲእናያ ንዓና ክጎድእ ዝኽእል ማንም የለን።

ነዚ ክንገብር ንሰብ ብምፍታው ሰብ ዝኾነ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይሓግዘና። ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።  

አዘክሪ ድንግል

Comments are closed.