ካብ ጦማረ ብጹእ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ሳልሳይ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱአ አሐዱ አምላክ አሜን።

ኣርምሞ

 ኣብዚ ዓለም ብሕይወት ከለና ካብ ንሕጎሶ መዓልትታት ንላዕሊ ብሓዘን ተዓጂበና ንሕልፎ እዋናት ይበዝሕ። ነዚ ዩ ከኣ ኣበው ኣብ ዓለም ሓጎስና ከም ቛሕታ ሰም ዓይኒ እዩ ዝብሉ ። እዚ ማለት መዓልታት ሓጎስና ኣብዛ ምድሪ ኣዝየን ሓጸርቲ እየን። እናበለ እዩ ኵሉ ጊዜ ኣብ ዕላላቱ ዝጠቅስ። ዘማርያም ዓርከይ ።

ምስ ዘማርያም ዕርክነትና ካብ ንምስርት ነዊሕ እዋን ኮይኑ ኣሎ። ዕላሉ ኵሉ ግዜ ካብ ቃለ እግዚአብሔር ኣይወጽእን እዩ። ኣብ እንራኸበሉ እዋን ዕላልና ኵሉ ግዜ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሕይወት እዩ። ስለ መንፈሳዊ ሕይወት ቀጻሊ ዘማኽረንን ኩነትተይ ተገዲሱ ዝሓተኒ እሙን መንፈሳዊ ሓወይ እዩ ።

ዘማርያም ዓርከይ መስትያተይ እዩ ።ኣብ ግዜ ድኽመተይ የበራትዓኒ ። ንጌጋታተይ ብግልጺ ከየተሰከፈ ይነግረኒ። ስማዕ እሞ ቁስልኻ ንኸይትሕከም ፡ ተሓኪምካ ከይትጥዒሲ ፡  ከምቲ ሓደ ሓደ ሰባት ዝገብሮዎ ንስኻ ክትሕጎሰለይ  ደሓን ኢኻ ዘለኻ ኢለ ንጥፍኣትካ ምጥባረይ እንታይ’ዩ ጥቕሙ ብምባል። እታ ዘላ ኵላ ዘርዚሩ’ዩ ዝነገረኒ፡ ብወዓል ሕደር ክትሕከም ኣለካ ብንስሓ እናበለ  ሕውነታዊ ምኽሩ ይልግሰለይ። ፈለማ ይኸብደኒ ኔይሩ ፡ ኣይወሓጠለይን’ውን እናሓደርኩ  ግና እቲ ጥቕሙ ኣብ ሕይወተይ ርኡይ ለዉጢ ተዓዚበሉ። ብልቢ ፡ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ እሙን ዓርኪ ሰለዝሃበኒ ኣመስጊነ። ስለዝየ ምስ ዘማርያም ከዕለል ወትሩ ባህ ዝብለኒ ።

ምስ ዘማርያም ዓርከይ ነዊሕ ጊዜ ኣይተራኸብናን ዘለና። ካብ ምዝካሩ ግና ዓዲ ኣይወዓልኩን ።  ኣነ’ውን ሰኣን ስንፍናይ ደሃዩ ቀጻሊ ኣይገበርኩን። ክልተ ሠለስተ ግዜ ክረኽቦ ፈቲነ ፡ ግና ደሃዩ ክረክብ ኣይከኣልኩን ። ደሃዩ ምጥፋኡ ኣሻቂልኒ ።  ናይ ደሐንድ’ዩ ⵗ እንታይ ኮይኑ ጠፊኡ እዩⵗ ኢለ ንነብሰይ ሓቲተ እናተዛረብኩ ፡ መልእኽቲ ናይ ብኢሚለይ ይመጸኒ ። ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ዝተሰደት መልእኽቲ ካብ ዘማርያም ዓርከይ’ዩ።ተመስገን እንቋዕ ደሃይካ ሰምዓኩ ንምባል ናብቲ መልእኽቲ ተሃዊኸ ሓለፍኩ።

ኣርእስቲ ናይቲ ጽሑፍ ጦማረ ዘብጹእ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ሳልሳይ እዩ ዝብል። ኣስዒቡ ዘሚካኤል ዓርከይ  ይቕረታ ደሃይ ኣይገበርኩልካን ብመገሻ ዓዲ ስለ ዝርሓቅኩ’የ። ብዝኾነ ምስ ተመልስኩ ብሰፊሑ ከነነዕል ኢና። እዛ ጽሕፍቲ ዝሰደልካ ዘለኹ ናይ ብፁእ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ሳልሳይ መጽሓፍ መንፈሳዊ ቃላት ዝሓዘለት’ያ ። እዚ ዝልእከለካ ዘለኹ  ረብሓ ካብ መንፈሳዊ ቃላት (Words of Spiritual Benefi)  ዘንብባ ዘለኹ ዝረኸብክዎ ‘ዩ እሞ ንስኻ’ውን ኣንቢብካ ክሰበላ ፡ ኣብ ምርትጓም ዝተጋገኽዎ ቃላት እናኣረምካ ኣንብቦ። ሠናይ ንባብ። ከም ኣምላኽ ፍቓድ ክሳብ ዝምለስ ብተኻታታሊ ክሰደልካ ክፍትን’የ። ከምቲ አባ ሄሮኒመስ  “ ክንጽሊ ከለና ንእግዚአብሔር ነዛርቦ፣ ከነንብብ ከልና ድማ እግዚአብሔር ንዓና ነዘራርበና።”   ዝበልዎ  ንሕና’ውን ቃል እግዚአብሔር ኣምላኽ ነንብብ፡  ምስ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብጸሎት ንዛረብ፡  ከምዚ ምግባርና ንሕና’ና ተጠቀምቲ ንኸዉን።

ኣነ’ዉን ብወገነይ ናባይ ዝተላእከ ጽሑፍ ኣንቢበ፡ ጠቓሚ ኮይኑ ስለ ዝረኸብክዎ ንኣሕዋተይ ከከፍለኩም ብምባል ፍቓዱ ሓቲተዮ። ንሱ’ውን ንኣሕዋተይ ንመንፈሳዊ ዕበየት ዝበቕዕ’ዩ እንተ ኢልካዮ ሠናይ ብምባል ጽቡቕ ድሌቱ ገለጸለይ። ኣልግብ ኣቢሉው’ን ከምታ ቀጻሊ ዝብለኒ ሓደራ ቃላት ኣሪምምክሙ ኣንብብዋ በሎም ብምባል ተላበወኒ።

ናይ ሎሚ ዝሰደደለይ ክፋል እነሆ

 ካብ ጦማረ ዘብጹእ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ሳልሳይ     

  1. ኣርምሞ

ሓደ መንፈሳዊ ሰብ ካብ ክህልውዎ ዝግባእ ኣደነቕት ክእለታት ሓደ ኣርምሞ ( ስቕታ ፣ትም ምባል) እዩ። እዚ ድማ ናይ ልቢ ናይ ነርቪ፣ ናይ ሓሳብ፣ ናይ ስምዒት፣ ናይ ጠባይ ሰብነት የጠቓልል። ልባዊ ኣርምሞ ዘለዎ ሰብ ዝኾነ ነገር ዋላ እንተኣጋጠሞ ልቡ ኣይህወኽን (ኣይርበሽን) እዩ። ዝኸበደ ጸገም ዋላ እንተጋነፎ ካብቲ ዘለዎ ሕይወት ኣርምሞ ኣይወጽእን እዩ። ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ እዚ ክዛረብ ከሎ መዝ.26 (27)፣3 “ ኪቓወመኒ ኢሉ እካ ሠራዊት እንተ ዚሰፍር ልበይ ኣይፈርህን እዩ። ኩናት’ውን እንተዝለዓለኒ እምነት ኣሎኒ። ” ካብ ሱር ዝሰደድ ድልዱል እምነት ዝምንጩ ከምዚ ዓይነት ኣርምሞ እዩ።

ሓደ ሰብ ውሽጣዊ ሰላሙ ክስእን ከሎ ብኣዕይንቱ ዝርእዮም ነገራት ኵሎም ይርብሽዎ፣ ብቀሊሉ’ውን ይርበሽን ድንግርግር‘ውን ይብሎ። ትህዋጽ ዝፍልፍል ካብ ግዳማዊ ኣካል ዘይኮነ ካብ ውሽጣዊ እዩ። ልቡ ርጉእ እንተኾይኑ ብደጋዊ’ውን ስምዒቱ ርጉእ ይኸውን’ሞ በዚ ምኽንያቱ ስምዒቱ ስለዝቆጻጸር ኣብ ዝሓርቀሉ እዋን ሕርቓኑ ንደገ ገንፊሉ ኣይወጽእን እዩ። ንነገራት ብርግኣትን ብትሕትናን ይፈትሖምን ይኣልዮምን።

ናይ ሓደ ሰብ ኣእምሮ ንጸገማት ንምቅላል ዓቕሚ እንተሲኢኑ ነርቭታቱ ንምሕጋዝ ኣብ መንጎ ይኣትዉ። እቶም ነርቭታት ሕጽረት ፍታሕ ከምዘሎ ይሕብሩ። ብዝለዓለ ነድሪ ይትንሥኡ ።

ዝተረጋግአ ልቢ ዘለዎ ሰብ ግና ኵሉ ተግባርን ሓሳብን ብኣርምሞ ይውንን። ሓሳባቱ ዋላ ሓንቲ ረብሻ ዘይብሎም ዝተመጣጠኑ ይኾኑ። እዚ ስለዝኾነ ዝገብሮም ነገራት ብህድእታ ካብ ሓሳብን ጭንቀትን ዝረሓቐ፣ ብዝተረጋገአ መንፈስን ብቅኑዕ መገዲን ኣርምሞን እዩ።

ንሰብ ካብ ደጋዊ ሰላሙ ዉሽጣዊ ርግኣቱ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ እንተኾይኑ ኣብ ውሽጡ ዋላ ሓደ ነገር ዝህውኽ ዘይብሉ ሰላማዊ ዝኾነ ከባቢ ይፈጥር። በዚ ምኽንያት እዮም አበው መነኰሳት ካብ ህውከትን ዕግርግርን ካብ ዋዕዋዕታን ካብ ናይ ወረን ባእስን ናይ ሰባት፣ ኣብ ምድረበዳ፡ በዓቲ እምባ ብሰላም ዝነብሩ። ከምዚ ዓይነት ኣርምሞ ተለማሚዶም ስለዝወነኑ እዩም።  

ብሕትውና ተፈሊኻ ምንባር ሕይወት ኣርምሞ ይመርጹ።  ምኽንያቱ ንስምዒትና ስለዘረጋጉ እዮም። ቅዱሳን አበው ስምዒት ናይ ሓሳብ መግለጺ እዩ ይብሉ። ትርእዮም ትሰምዖን ትድህስሶን ኵሉ ኣብ ሕልናኻ ሓሳባት ንኽትፈጥር በሪ ይህቡኻ እዮም። ስምዒታትና ካብ ምእካብ ወረ ተኣልዮም እንተ-ኣዕሪፎም ሓሳባትና ኣዕሪፉ እፎይ ይብል።

ጸጥታ ዘለዎ ቦታ ንስምዒትና ንምርግጋእ ይሕጉዙና እዚ ናይ ሓሳባትናን ነርቭናን ምርግጋእ የምጽኣና። ብዙሓት ሰባት ካብ ዕግርግርን ረበሻን ዘለዎ ቦታ ሪሒቆም ዝኸዱ ሰላመ ኣእምሮ ንምርካብ እዩ። ብዝዉንንዎ ኃይሊ ኵሉ ንኣርምሞ ንኽረኽቡዋ ብፍቕሪ ይጽዕሩ።

ረበሻን ዕግርግርን ዘይብሉ ስፍራ ክነብሩ ዘይክእሉ ሰባት ከምዘለዎ ክንዝንግዕ የብልናን። ምኽንያቱ ንዕዖም ኣርምሞ ስለ ዘሰልችዎም።

ኣርምሞ ንኽንለማመድ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ኣብ ድኻምና ይደግፈና ። ወላዲት ኣምላክ ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

2.ጾምን መንፈሳዊነት ………… ይቅጽል።

ብሰላም የጽንሓና።

ዘማርያም

Comments are closed.