ሰብኣይ ርእሱ ኣይሸፍን እናተባህለ ከሎ ስለምታይ ካህናት(ኣቕሽሽቲ)፡መራግድ(መርጌታታት) ርእሶም ዝሽፍኑ ⵗ

ሰብኣይ ዘበለ ዂሉ ኺጽሊ ወይስ ትንቢት ኪንበ ኸሎ፡ ርእሱ እንተ ተጐልበበ፡ ንርእሱ የሕስር”1ቆር11፡4። ሰብኣይ ርእሱ ኣይሸፍን እናተባሃለና ከሎ ስለምንታይ ስልጣነ ክህነት ዘለዎም ( ጳጳስ፡ካህን(ቀሺ)፡መርጌታ፡ድያቆን) ክጽልዩ ከለዎ ቆቢዕ ዝገብሩⵗ እናበሉ ንቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን ክጸርፉን ክዘልፉን ሰባት ሰሚዓ ኣለኹ።

ሶሲ መሓዛይ ምስ ሓንቲ ምስኣ ትመሃር መሓዝኣን ስለምታይ ካህናት ቆቢዕ ኣብ ርእሶም ዘንበሩⵗ ክትብል ትሓታ ኣላ። ሶሲ ብዝከኣላ መጠን ነቲ ዝቀረበ ሕቶ ብሕጽር ብዘበል ትመልሰላ ኣላ። ንዓይዉን ኣብቲ ዘትአን ንኽጽንበር ሓተታኒ።ጳጳስ፡ቀሺ፡መርጌታ፡ድያቆናን ኣብ ርእሶም ቆቢዕ ምግባር ኣንጻር እቲ ቅዱስ ጳዉሎስ ዝመሀሮ ‘ዶ ኣይመስልንⵗ ኣንታይ ትፈልጥዮ ኣሎ ብዘዓባ እዚ ነገር ተሓተትኵ። ሓቂ ምዝራብ ከቢዳትኒ ሓንሳብ ክሓስበላ ብምበል ንሓደ ድያቆን ሓወይ ብ ቴክርስት(መልእኽቲ ብተሌፎን) ሓቲተዮ ፡ እንታይ ከም’ያ ተዋጻኒ  ፡ መልሲ ዘይትፈለጦ እንተ ኾንካ ምስ ጠበቃኻ ተጸጋዕ የብሉ ኣቦይ ቐሺ ኣሮን ።መልሱ ዘይትፈልጦ እንተ ኾንካ ብሃዉሪ ኣይትመልስ ንዝፈልጥ ሕተት ማለቶም እዮም። እቲ ካብ ድያቆን ዝረኸብክዎ መልሲ ኣቅረብኵለን። ዘተና ምስ ወዳእታና ኣብ መወዳእታ ምስ ሶሲ መሓዛይ መጽሐፍትን ኣቦታት ሊቃዉንቲ ቤተ-ክርስቲያን ሓቲትና ሓጺር ጽሑፍ ከነቅርብ ተሰማማዕና።

“ሰብኣይ ዘበለ ዂሉ ኺጽሊ ወይስ ትንቢት ኪንበ ኸሎ፡ ርእሱ እንተ ተጐልበበ፡ ንርእሱ የሕስር”1ቆር11፡4።

እዛ ነጸላ  ጥቅሲ ካብ መጽሐፍ ቅዱስ ወሲድካ ጳጵሳት ፡ መነኮሳት፡ ክህናት፡ መርጌታት፡ ድያቆናት ጸሎት ክበጽሑ ከለዉ ቆቢዕ ኣኽሊል ኣብ ርእሶም ሰለ ዘንበሩ ፡ ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣንጻር ቅዱስ መጽሐፍ ቅዱስ ዝብሎ ስርዓት ትኽተሉ ዝብል ክሲ ካብ ነፍቅሮም መናፍቃን ኣሕዋትና ሰሚዓ ኣለኹ። ብመጀምርታ እቲ ጥቅሲ ትሕዝትኡ እንታይ ይብል ኣሎ ⵗ ንመን ከ ተጻሒፉ ዝብል ሕቶ ከነልዕል ግቡእ’ዩ። እዚ ጥቅሲ ብመሰሩቱ ብዘዓባ ካህናት ወይ ጳጳሳት ዝወድይዎ ቆብዕ ፈጺሙ ኣይዛረብ’ዩ። ንኣከዳድና ካህናት ዝምልከት ዝሓዘለ መልእኽቲ ይብሉን ። ንተራ ወይ ጫዋ ኣመንቲ ደኣ እባ ይዛረብ ኣሎ ። ብሕጽር ዝበለ እዚ ጥቅሲ ንልብሰተ ክህኖ ዝገልጽ ትሕዝቶ የብሉን። ማዕርገ ካህነትን ድያቁናን ዘለዎም ኣሕዋትና  ኣብ ግዜ መንፍሳዊ ኣገልግሎት ዝለብስዎ ቆቢዕ ሓደ ካብ ንዋየ-ቅዳሰት ቤተ-ክርስቲያን’ዩ።”

ንዋየ ቅድሳት ክብንል ከለና፡

ንዋየ ፡ ዝብል ቃል ካብ ክልተ ናይ ግዕዝ ቃል ተናቢቡ ዝቖመ ኢዩ። ትርጉሙ ኣቕሓ ፣ ንብረት ፣ መሳርሒ ማለት እዩ ።

ቅድሳት ፣- ማለት ቅድስና ዘለዎ ዝተባረከ ዝተመረጸ ዝተፈለየ ማለት እዩ። ስለዚ ንዋየ ቅድሳት ማለት ኣብ ቤተክርስቲያን ናይ ኣምልኾ  ስርዓት ንምፍፃም ንምስጋና፣ንቅዳሴ፣ንመዝሙር፣ንጸሎት ኣገልግሎት ዝተመርጹ ዝተባረኩ ዝተቐደሱ ምስጢር ሓዘል ዝኾኑ  መሳርሒታት ኣቑሑ ማለት እዩ ።  ( 1ይ ዜና መዋ 26፣26 , 28፣12 , 2ይ ዜና. መዋ 5፣5)

ኣኽሊል

ኣኽሊል ማለት ኣብ ግዜ ቅዳሴ ካህናትን ዲያቆናት ዝለብስዎ ቆብዕ እዩ ። ንሱ ድማ ካብ ብሉጻትን ጽቡቃትን ኣጭርቕትን ካብ ዘብለጭልጭ  ፈትልን ይስራሕ ብተወሳኺ  ኣኽሊል ካብ ወርቂ ፣ ካብ ብሩር ይስራሕ / ዘካ6፣11 /  ኣብ ቅድሚትን ኣብ ላዕሊ ኣብ ማዕከል መስቀል  ።እግዚአብሔር ኣብ ቤተመቅደስ ንዘገልግሉ ንኣሮንን ንደቁን ኣኽሊል ክገብሩ ኣዘዞም /ዘጸ 29፣6-9 ዘሌ 8።9/ ብናቱ ተምሳል ቤተክርስቲያን  ኣኽሊል ይገብሩ ። ምስጢሩ ፣- ክሳብ ሞት እሙን ኩን ኣነ ድማ  ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ ከምዝበለ / ራእ 2፣10-11 /

ናይ ድያቆናት ኣኽሊል ኣብ ላዕሊ ኵሉ ሕቱም’ዩ እዚ ድማ ናይ ድንግልና ምሳሌ እዩ። ከምኡውን ናይ ድንግል ማርያም ናይ ድንግልና ተምሳሌት እዩ።እቲ ዝብለጭልጭ ነገር ምሳሌ ናይ ነብይ ሙሴ ነጽ እዩ ። ለቂ ነብያት ሙሴ ኣብ እምባ ሲና ምስ እግዚአብሔር ኣምላክ ክዝራአብ ከሎ ክወርድ እንከሎ ገጹ የንጸባርቅ ነበረ(ዘጽ34፡29-33)።

ናይ ካህን ኣኽሊል፡ እዚ ኣኽሊል ኣብ ላዕሊ(ጫፍ) እትዉ ወጽእ ዘበለ ቅርጺ ኣለዎ። እዚ ድማ እቲ ካህን በዓል ከም ዘተመርዓወ ዝግልጽ እዩ። ምስጢሩ ኣይሁድ ንጐይታ ንግስ ኣይሁድ ኢሎም እናኣላገጹ ኣብ ርእሱ ዝገበርሉ እሾኽ ኣኽሊል ይምሰል።(ማቴ 27፡29) ( ካብ መጽሐፍ ንዋየ-ቅድሳት ብ መርጌታ ዜናዊ)”

ርእሲ ተባሂሉ ክዝረብ ከሎ ብዘልማድ  ካብ ክሳድ ንላዕሊ እንኮላይ ንገጽና ዘማልአ’ዩ። ደቂ ኣንስትዮ ርእስና ክንሽፍን ከለና እንኮላይ ክሳድናን ክፋል ገጽናን (እዝንና፡ ዓይንና፡ኣፍንጫና፡መንጋጋና) ኢና እንሽፈን ።ስልጣነ ክህነት ዘለዎ ማዕረግ ግና እቲ ጸጉሪ ዘብቁል ላዕለወይ ክፋል ርእሶም ጥራዮም ዝሽፈኑ። ደቂ ኣንስትዮ ንኽዶኖ ኣገባብ ምስቲ ካህናት ዝወድይዎ ቆባዕ ፈጺሚ ኣይመሳሰልን  ኣይረኻብውን።ንጨጉርኻ ምኽዳንን ንርእስኻ ምኽዳን ብፍጹም ዝመሳሰል ይኹን ዘራኽብ ኣመር የብሉን ። ክልተ ዝተፈላለየ ኣርእስቲ’ዩ። ( ንኣብነት 2ሳሙ9፡4 ዘሎ እቲ ንጉስ ገጹ ኪድኑ ዘበሎ ቅኑዕ ኣገባብ ኣከዳንና  ከም ዘይኮነ ክብርሃልና ይኽእል።

ሞነኮሳት ዝመልስዎ ቆቢዕ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ሕይወቶም ከም ዝወፈዩ ዝገልጽ’ዩ ።ታሪኽ ኣቦና እንጦንስ መስራቲ ምንኩሳና እንተ ተወኪስና እቲ መልኣኽ እግዚአብሔር ናይ ሞንኵስና ኣኽሊ ከም ዝመጠወሎም ተጻሒፉ ኣሎ። እቲ ኣኽሊ ተምሳል እቶም 24 ካህናት ኣብ ርእሶም ዝመለስዎ ቆባዕ’ዩ “ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ከኣ ዕስራን ኣርባዕተን ዝፋናት፡ ኣብቲ ዝፋናትውን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ እተኸለሉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ተቐሚጦም ርኤኹ”ራኢ4፡4። ይትረፎ’ዶ ኣብዛ ዓለም ስልጣነ ክህነት ዘለዎ እቶም ኣብ ሰማይ ዘለዎ ካህናትካ ቆባዕ ይለብሱ እዮም።

መርጌታት(መራግድ) ፡ ካህናት ሰለምታይ መጠምጠምያ ኣብ ርእሶም ዘዘውትሩ ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን’ዩ። ዘዓባ ኣለባብሳ ካህናት ዝምለከት ኣብ ኦሪት ዘጸኣት 28 ብሰፊሑ ገሊጽዎ ኣሎ። ብፍላይ ሰለ መጠምጠምያ ዝምልከት “37፡ብሰምያዊ ፍሕሶ ጌርካ ኣብ መጠምጠምያ ኣልግቦ። ኣብቲ መጠምጠምያ ከኣ ብሸነኽ ቅድሚት ግበሮ። ነዚ ኣብ ግንባር ኣሮን ግበሮ። ኣሮን ድማ ነቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚአብሔር ዝተቀደሰ ህያብ ኵሉ ከቅርቡ ከለዉ ዝገብርዎ በደል ይጹር.።ኣነ እግዚአብሔር ክቅበሎ ከኣ ወርትግ ኣብ ግንባሩ ይፁሮ’ ዘጽ28፡37-38። ካብዚ ተበጊሶም እዮም ኣብ ርእሶም መጠምጠምያ ዝገብሩ።

“ኣቱም ብቓሉ እትርዕዱ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ እቶም ዚጸልኡኹምን ብዛዕባ ስመይ ዚሰጉኹምን ኣሕዋትኩም፡ ሓጐስኩም ምእንቲ ኽንርእስ፡ እግዚኣብሄር ይኽበር፡ ይብሉ፡ ግናኸ ኪሐፍሩ እዮም”ኢሰ66፡5። ንሕና ደቂ እዛ ቅድስቲ እምነት ወትሩ ከም ቅዱሳን ኣቦታትና ብቃሉ እናረዓድና ኣብ ቤቱ ንቀዎም እምበር መጽሐፍ ቅዱስ እናጠዋወና ንሰባት ኣይነጋግን። ቁንጣሮ ፍልጠት ተሰኪሞም ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ንዝግበር ስርዓት ዝነቅፉ ኣሕዋትና ሓደ ነገር ክንሕብሮም ንደሊ ቤተ-ክርስቲያና ካብ መሰረታ ክሳብ ጉሉላታ ካብ መጽሐፍ ቅዱስ ዝትወስደ ምዃኑ’ዩ ።

ሶስና ቐሺ ግርማይ ፡

ራህዋ-ተስፋይ

2018-03-10

 

Comments are closed.