እዛ ተኣምር ክትንበብ እንከላ እንታይ ይስመዓኩም ᎒

 

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

እዛ ተኣምር ክትንበብ እንከላ እንታይ ይስመዓኩም፥ ቁሩብ'ከ ኣብ ኅሊናኹም እንታይ ይመላለስ᎒

 

 

ካብ'ቲ ብዙሕ ትሕትናኣ ከም ትብሉኒ ኣይጠራጠር ኢየ በሉ ነታ ዝበልኩማ መሰረት ብምግባር ተኣምራ ክንበብ እንከሎ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተአምራ ንነፍስና ነዚ ዘክሪ ንበላ!!!

እቲ ዝበለጸ ዘገርም ትሕትናኣ ግን ንማይ ቐዲሓ ዕትሮኣ መሊኣ ክትምለስ እንከላ ዝጸምአ ከልቢ ማይ ደሊዩ እንዳ ሸተተ መጸ። ኣብኡ ዝነበራ ኣንስቲ ግን የእማን እንዳ ወርወራ ኣባረራኦ። ንሳተን እንተ ኣባረራኦ እኳ ንሱ ግን ተስፋ ብዘይ ምቁራጽ እንዳ ተመላለሰ ንምምጻእ ክፍትን እንከሎ፡ናታተን ጭካኔ ናቱ ጭንቀትን ርኢያ ንዕኡ ዝፈጠሮስ እግዚኣብሔር'ዶ ኣይኮነን᎒ ንምንታይ ዘይተስትያኦ እንተ በለተን «ንሕናስ ሥራሕ ኣለና ናብ ሥራሕና ክንከይድ ኢና'ሞ ንስኺ ኣስቲይዮ» በለኣ።

ንሳ ድማ ንዕትሮኣ ኣውሪዳ መስተይ ምስ ሰኣነት ናይ ወርቂ ጫማኣ ኣውጺኣ ኣስተየቶ። የግዳስ እዚ ካብ ሕሊና ንላዕሊ ዝኾነ ናይ ትሕትናኣ ሥራሕ ነስተውዕል። ኣብኡ ዝነበራ ኣንስቲ ንሕና ሥራሕ ኣለና እንክብላኣ ንሳ ግን ናተይ ሥራሕ  ንዝተሸገሩ ምርዳእ ኢዩ ብምባል ብተግባር መለሰትለን። ምሥጢሩ ካብ ዕትሮኣ ዝቀደሓቶ ማይ ነቲ ከልቢ ምሃባ ካብኣ ዝተረኽበ ናይ ኣምላኽ ሥጋን ደምን ንኃጥኣን ናይ ምሃቡ ምሳሌ እዩ። (ተአምረ ማርያም፡ተአምር 19)።

ከምዚ ከማይ ኃጢኣተኛ ዝኾንካ ዝተፈቀርካ ኦ ሓወይ/ሓብተይ ልብኻ ኣንጺህካ፡ኅሊናኻ ኣንቂሕካ፡ንእመ ብርሃን ከምዚ በላ፡ ኦ ወላዴት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ነቲ ጽሙእ ከልቢ ዘጽምእ ማይ ኣስተኺዮ፣ ንዓይ ግን ካብ'ቲ ከልቢ ዝኸፋእኩ ዋላ እንተ ኾንኩ እኳ ንዘለዓለም ዘየጽምእን ሕይወት ንዝኸውን ናይ ሕይወት ማይ ኣስተኽኒ። ነቲ ከልቢ ብወርቒ ጫማ ኣስተኽዮ፥ ንዓይ ግን ክሳብ ዓለም ፍጻሜ ንዘይውዳእ ናይ ሕይወት ማይ ኣስተኽኒ። ነቲ ከልቢ ማይ ጥራይ ሃብኪዮ፣ ንዓይ ግና ናይ ሕይወት ማይን ምስ ቅዱስ ሥጋኡን ሃብክኒ። ነዚ ለውሃትን ርኅራሄኽን ኣንክሮ ይግባእ።

ብድጋሜ እቲ ከልቢ ሕጂስ ክሶጉኒ ኢዮም ሕጂስ ክሃርሙኒ ኢዮም እንዳ በለ ብስግኣትን ብጭንቀትን ኮይኑ ንዝሃብክዮ ማይ ሰተየ።  ኣነ ግን ካብ ብዝሒ ደስታይ ዝተላዕለ እግዚአብሔር ይሕልወኒ ኢዩ፣ ዝጎድለኒ የብለይን እንዳ በልኩን እንዳ ዘመርኩን ሰተኹ። ነቲ ከልቢ ንሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ዘርዊ ማይ ሃብኪዮ። ንዓይ ግን ንዘለዓለም ጽምዓ ነፍስ ናይ ነፍሲ ጽምዓት ዝወግድ ናይ ሕይወት ማይ ኣመንጪኽለይ።እቲ ንከልቢ ዝሃብኪዮ ማይ ንዘይኸብረሉ ሰተዮ። ኣነ ግን ካባኺ ንዝተረኽበ ማየ ሕይወት ናይ ኣምላኸይ ደም ክብረ ሥጋ ክብረ ነፍስን ክጎናጸፈሉ፣በረከተ ሥጋ በረከተ ነፍስን ንክረኽበሉ ሰተኽዎ።

እቲ ከልቢ ኣብ ዕትሮኺ ንዘሎ ማይ ዝሃብኪዮ ስለ ዝጸምአን ክሰትይ ስለ ዝደለየን ከምዝኾነ ኩሉ፣ ኣነ'ውን ካባኺ ንዝተረኽበ ቅዱስ ሥጋን ክቡር ደምን ንምብላዕን ንምስታይን ንስሐ ኣቲየ ንፍቅርኺ ጸሚአ ንኽቖርብ ዝግባእ ከም ዝኾነ መጻሕፍቲ መላሊሶም ይነግሩኒ ኢዮም። ኮይኑ ግን ኣብ ውሽጢ ተጽዕኖ ሥጋ ዝነብር ኃጢኣተኛ ስለ ዝኾንኩ ካባኺ ንዝተረኽበ ናይ ሕይወት ማይ ምእንቲ ኪሰቲ ኣማላድነትኪ ኣይፈለየኒ። ካብ ከልቢ ዝኸፋእኩ ስለ ዝኾንኩ ማለተይ ግን ከልቢ ንዋንኡ ይፈልጥ ኢዩ፣ንቤት ጐይትኡ ይሕሉ ኢዩ፣ ሠናይ ንዝገበረሉ ኣይርስዕን ኢዩ፣ ኣነ ግን ናይ እግዚአብሔር ቤት ንዝኾነ ልቦናይ ካብ ክፉእ ነገር ኣይሕሉን፣ ሠናይ ነገር ኩሉ ንዝገበሩለይ ወገናተይ ይርስዕ ኢየ። ከልቢ ንቁስሉ ብመልሓሱ የድርቆ። ኣነ ግን ንቁስሊ ኃጢኣተይ ብመልሓሰይ የለምልሞ ኣለኹ። ካብ ከልቢ ምንኣሰይ በዚ ይፍለጥ፣ስለዚ ኣማላድነትኪ ንከይፍለየኒ ናይ ኣደነትኪ ፍቅሪ ከይፍለየኒ ይምሕጸነኪ ኣለኹ በልዋ ምሳይ ኬንኩም ።

እምገነተ መጽሐፍ እቀሥም ተአምረኪ ለነቢብ፣

 ለገቢረ መዓር ጽጌ በከመ ይቀሥም ንህብ።

በአሣዕንኪ ማየ ዘአስተይኪዮ ለከልብ።

ታስትይኒ እምሮማንኪ ጊዜ ሰዓተ ጽምእ ዕፁብ።

ኣዘክሪ ድንግል! ኣዘክሪ ድንግል! ኣዘክሪ ድንግል!!!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

#ታኦዶኮስ #ታኦዶኮስ #ታኦዶኮስ

ካብ ዘንበብክዎ

ዲን. ማቴዎስ

 

 

 

Comments are closed.