ታቦትን ኢየሱስ ክርስቶስን

ኣብ ልዕሊ ታቦት ናይ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ተጻሒፉ ዘሎ ጽሑፍ እንታይ ኢዩ ⵗ ተባሂልኩም እንተትሕተቱ እንታይ ኢልኩም ምመለስኩም? “ዓሰርተ ትእዛዛት” እንተኾይኑ መልስኹም ቅኑዕ ኣይኮነን። ቅድሚ እቲ ቅኑዕ መልሲ ምምላስና ኣቐዲምና ብዛዕባ ታቦት ቁሩብ ነገራት ክንምልከት። ብዙኃ ግዜ ብዛዕባ ኣድላይነት ቅዱስ ታቦት ኣብ ዝለዓሉ መብርሂታት ብዛዕባ ናይ ብሉይ ኪዳን ታቦት ዝጥቐሱ ጥቕስታት ነቲ ዝሰፍሐ ክፋል ስለዝሕዙዎ ነቲ ብዛዕባ ታቦት ዝለዓል ሕቶ ንኻየቋርጽ ኣስተዋጽኦ ዝገበረ ይመስል። ስለዚ ኣብዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ነቲ “ንነገር ካብ ሱሩ” ዝብል ኣካይዳ ካይተኸተልና ብቐጥታ ብዛዕባ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ታቦት ጥራይ ክንምልከት ኢና።

ታቦት ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ንምንታይ ኣድለየⵗ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ጐይታ ኣብታ ናይ መወዳእታ ምሴተ ሐሙስ ምስጢረ ቁርባን ክምህር ከሎ ዝገበሮ ነስተውዕል። ጐይታ ቅዱሳን ሓዋርያት ተኣኪቦም ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ “ኢየሱስ እንጌራ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ቆሪሱ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ እዚ ሥጋይ ኢዩ እንኩ ብልዑ እንዳበለ ሃቦም። ጽዋእ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዝፈስስ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ደመይ ኢዩ እሞ ካብዚ ኩልኹም ስተዩ” ማቴ 26፡26። ገይታ ኣቐዲሙ “ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ ድማ ዝሰቲ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ኣለዎ” ኢሉ ብትምህርቲ ዝመስረቶ ምስጢረ ቁርባን ብተግባር ንደቀ መዛሙርቱ ኣርኣዮም ዮሓ 6፡56።  ቅዱሳን ሓዋርያት እውን ድሕሪ ዕርገት ጐይታ “ብምቑራስ እንጌራን ብጸሎትን ተጊሆም ነበሩ” ግብ 2፡42 ቅዱስ ጳውሎስ እውን “ነቲ ካብ ጐይታ ዝተቐበልኩዎ ኢየ ንዓኹም ኣሕሊፈ ዝሃብኩ”  ብምባል ሥጋኡን ደሙን ከመይ ኢልና ክንቅበል ከምዝግብኣና “ካይተገብኦ እንጌራ ጐይታ ዝበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዝሰቲ ኣብ ናይ ጐይታ ሥጋን ደምን ኢዩ ዝዕግብ” ብምባል ስርዓተ ቁርባን ሰርዓልና 1ይ ቆሮ 11፡23-30።

እንበኣር ልቦናና ከፊትና ነስተውዕል! ናይ ጐይታ ሥጋን ደምን ክንወስድ ከም ዘሎና ዝኣምን ክርስቲያን ነዚ ክቡር ሥጋን ደምን ከም ሥጋዊ መኣዲ ኣብ ዝኾነ ቦታን ኣብ ዝኾነ ጣውላን ክቐርብ ይክእል ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ከቢድ ነገር ኢዩ። ስለዚ ድማ ቅድስት ቤተክርስቲያን ዘመነ ሰማዕታት ሓሊፉ ስደታ ክሳብ ዘብቅዓሉ እዋን በብጊዜኡ እናተመሃየሸ ብዝመጸ ናይ ቤተ-መቀደስ ስርዓት ነዚ ናይ ሓዲሽ ኪዳን መስዋእቲ ብኽብሪ ንምስዋዕን ንምእመናን ንምቕባልን በቒዓ ኣላ። ኣብቲ ናይ በጊዕን ናይ ጤልን መስዋዕቲ ዝስውዓሉ ዝነበረ ዘመነ ኦሪት እኳ ፡ ዓቢይ መሰውዒ ንበይኑ ተዳሊዩሉ፡ እቲ መሰውዒ ተቐዲሱ ሰብ ኣብ ዘይኣትዎ ድንኳን ንበይኑ ብኽብሪ ተቐሚጡ ነበረ። ኣብ ውሽጢ እቲ ድንኳን ዘገልግሉ ዝነበሩ ደቂ ኣሮን ውን ዝተፈለየ ክዳን ተኸዲኖም ነቲ ደም ናይቲ በጊዕ ኣብ ዙርያ እቲ ምስዋዕ ዘሎ ቀርነ ምስዋዕ እናቐብኡ ስርዓት ይፍጽሙ ነበሩ። ንመስዋዕቲ ናይ ጤልን በጊዕን እዚ ኩሉ ክብሪ ካብ ተዋህበ  ከም በጊዕ ስለ ናይ ኩልና ሓጢኣት ርእሱ መስዋዕቲ ገይሩ ዘቕረበ ኣማናዊ ናይ እግዚኣብሔር በጊዕ። ከም ሊቀ ካህንነቱ ኣእዳዉ ኣብ መስቀል ብምዝርጋሕ ንዝተሰውአ፡ ሥጋኡን ደሙን  እንኩ ብልዑ ኢሉ ናይ ዝሃበና ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋን ደምን መስዋእቲ ኮይኑ ዝቐርበሉ መሰውዕስ ክንደይ ኮን ይኸብር?

ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ‘ታቦት’ ኢላ ትጽውዖ ናይ ሥጋኡን ደሙን መሰውዒ ምስቲ እግዚኣብሔር ንሙሴ ዝሃቦ ታቦት ብቕርጺ ብኽብሪ ኮነ ብኣገልግሎት ሓደ ኣይኮነን። እቲ ናይ ኦሪት ታቦት ብኣርባዕተ ካህናት ዝጽወር ኣብ ውሽጡ ድማ ጽላት ዝቕመጦ ክኸውን ከሎ እዚ ናይ ሕጂ ታቦት ግን ናይ ጽላት(ሰሌዳ) ቅርጺ ዘለዎ ኢዩ። ቅድስት ቤተክርስቲያን ነዚ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ታቦት ብሠለስተ ዝተፈላለዩ ኣስማት ትጽውዖ:- ናይ ቃል ኪዳን ታቦት፡ ጽላት ከምኡ ድማ መሰውዒ።

1) ናይ ቃል ኪዳን ታቦት ዝበሃል እግዚአብሔር ንእስራኤል ስለዝሃቦም ናይ ቀደም ቃል ኪዳን ዘይኮነስ “ሥጋይ ዝበልዐ ደመይ ድማ ዝሰቲ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ኣለዎ” ተባሂሉ ስለዝተዋህበናን “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዝፈስስ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ደመይ ኢዩ እሞ ካብዚ ኩልኹም ስተዩ” ኢሉ ስለዝሃበና ሓዲሽ ኪዳን ኢዩ ማቴ 26፡26-30። ናይ ቃል ኪዳን ታቦት ዝበሃል ብሥጋኡን ደሙን ብዛዕባ ዝተዋህበና ሓዲሽ ኪዳን ኢዩ።

2) ታቦት እንብሎ ድማ እግዚአብሔር ብረድኤቱ ዝሓድረሉ፡ ብሥጋኡን ደሙን ድማ ብኣካል ዝግለጸሉ ስለዝኾነ ኢዩ።

3) ጽላት(ሰሌዳ) ዝበሃል እውን ዓሰርተ ትእዛዛት ስለዝተጻሕፉዎ ዘይኮነስ ናይ ሕግታት ኩሉ ፈጻሚ ናይ ዝኾነ መድኃኔዓለም ክርስቶስ “ኣልፋን ኦሜጋን” ዝብል ክቡር ሽም ኣብ ልዕሊኡ ስለዝተጻሕፈሉ ኢዩ።(ስርዓተ ቤተክርስቲያን/ሊቀ ካህናት ክንፈገብርኤል ኣልታየ/፥ የኢትዮጵያ ቤተክርስቲያን ታሪክ/ ብጹእ ኣቡነ ጎርጎርዮስ)

ሓደ ሓደ ሰባት “እዚ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ታቦት ምስ ናይ ኦሪት ታቦት ኣይመሳሰልን ኢዩ” ብምባል ከም ዓቢይ ናይ ክርክር ነጥቢ ከልዕሉዎ ምርኣይ ኣዚዩ ዘገርም ነገር ኢዩ። ባህ እንክብሎም “ኦሪታዊት ኢያ” ባህ እንክብሎም ድማ “ንምንታይ ከም ናይ ኦሪት ዘይኮንኪ” ኢልካ ንቤተክርስቲያን ምክርኻር ኣዚዩ ኢዩ ዘደንጹ። ገሊኣቶም ድማ “ብናይ ታቦት ኪዳነይ ኣይክዛረቡን፡ ኣይክሓስቡዎን ኣይክዝክሩዎን ድማ ኢዮም” ኤር 3፡16 ዝብል ጥቕሲ ብምጥቃስ ንናይ ሓዲሽ ኪዳን ታቦት ክቃወሙ ይረኣዩ ኢዮም። እቲ ቃል ዝተነግረ ንቤተ እስራኤል ክኸውን ከሎ ብርግጽ ድማ እስራኤላውያን ነቲ ናይ ቃልኪዳን ታቦት ኣይደልዩዎን ኢዮም። ነቲ ኣብ ኦሪት ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን ብሓዲሽ ኪዳን ተተኪኡ ኢዩ። እዚ ምስቲ ናይ ሓዲሽ ኪዳን መሰውዒ ዘራኽብ ስለዘይብሉ “እወ እስራኤል ኣይክዝክሩዎን ኢዮም” ኢልና ንምልሰሎም።

እዚ ናይ ሕጂ ታቦት ነቲ ናይ ኦሪት ታቦት ዘይመሰለ ድማ ሕጂ ዘለናዮ ዘመን ሓዲሽ ኪዳን ስለዝኾነን ናይቲ ታቦት ኣገልግሎ ድማ ዝተፈለየ ስለዝኾነን ኢዩ። እዚ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ታቦት ኣብ ክንዲ ከም ናይ ኦሪት ሓደ ጥራይ ምዃን ብቑጽሪ በዚሑ ክርከብ ዝተኻእለሉ ምኽንያት እውን እቲ ናብ ብዙሓት ክበጽሕ ዝግብኦ ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ክስውኣሉ ዝግብኦ መሰውኢ ስለዝኾነን ኢዩ። ቤት መድሓኒት ብመጠን ደለይቲ መድሓኒት እንዲዩ ዝበዝሕ ሓቐይⵗ ታቦት ዝበዝሓሉ ምኽንያት እውን ኣብቲ ታቦት ብዝስዋዕ መስዋዕቲ ንብዙሓት ምእንቲ ሓጢኣት ዝፈስስን ንብዙሓት ድማ ካብ ቁስሊ ሓጢኣት ዝፍውስን  ብዘይ ብእኡ ሕይወት የብልኩምን ዝተባሃልናዮ ሥጋን ደምን ነዞም ናይ ሓጢኣት ሕሙማት ስለዘድልየና ኢዩ።

ብጹእ ኣቡነ ጎርጎርዮስ ከምዚ ብምባል የብርሁልና “ናይ ኦሪት ጽላት እግዚኣብሔር ብደመና ተጎልቢቡ ንሙሴን ኣሮንን ዘዘራርበሉ ንእስራኤል ጥራይ ድማ ብረዴት ዝግለጸሉ ዙፋን ነበረ። እዚ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ታቦት ግን ናይ ኣምላኽ ስጋን ደምን ዝፍተተሉ ‘ሥጋይ ዝበልዐ ደመይ ድማ ዝሰቲ ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ፡ ሥጋይ ብልዑ ደመይ ድማ ስተዩ እንዳበለ ነቶም ዝኣመኑ ዝጽውዓሉ ናይ ምሕረት መሰውኢ ኢዩ’ ነዚ ኢና ድማ ንሰግደሉ”(የኢትዮጵያ ቤተክርስቲያን ታሪክ ገጽ 109)።

ብመሰረት ስርዓት ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኣብ ኩሉ ታቦት ዝጸሓፍ “አልፋን ኦሜጋን” ዝብል ናይ መድሃኔዓለም ክርስቶስ ስም ኢዩ። ምስኡ ድማ ከምዚ ዝብል ጥቕሲ ብግእዚ ተጻሒፉ ኣሎ። “ከመ ለስሙ ለኢየሱስ ክርስቶስ ይስግድ ኩሉ ብርክ ዘበሰማያት ወዘበምድር/ ስለዚ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድሪን ኣብ ትሕቲ ምድሪን ዘሎ ኩሉ ፍጥረት ብብርኩ ክምብርከኽ ኢዩ” ፊሊ 2፡10 እቲ ኣብ ቅድሚ ታቦት ዝሰግድ ሰብ ንምንታይ ኣብ ቅድሚ ታቦት ከም ዝሰግድ እቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ዝጸሓፍ ጥቕሲ የረድኣና። ምኽንያቱ “ብርኪ ኩሉ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ ክሰግዱ” ስለዘለዎም ኢዩ። ሥጋ ናይ ክርስቶስ ከም ዝቑረስ ደሙ ድማ ከም ዝፈስስ ዝኣምን ሰብ ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውዒ ብፍርሓት ንክርስቶስ ይሰግድ። ሥጋኡን ደሙን “መዘከርታ ጥራይ ኢዩ” ኢሉ ዝኣምን ሰብ ግን ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ ክሰግድ ኮነ ነዚ መሰውኢ ከኽብሮ ብፍጹም ኣይንጽበን ኢና። ንሕና ግና ደቂ እታ ስም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ታቦታ ጽሒፋ ክብሪ ትህብ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ቤተክርስቲያን ስለዝኾንና ንእግዚኣብሔር ነመስግን።

ናይዚ ታቦት ካልእ መጸውዒ ስሙ ናይ መሰውኢ ታቦት (ታቦተ ምስዋዕ) ዝብል ክኸውን እንከሎ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ መሰውኢ “ንሕና መስውዒ ኣሎና፡ እቶም ነታ ድንኳን ዘገልግሉ ግና ካብኡ ክበልዑ መሰል የብሎምን” ዕብ 13፡10 ብምባል ብዛዕባ እዚ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ታቦት ይነግረና። እዚ መሰውዒ ኣብቲ ናይ ኦሪት ድንኳን ዘገልግሉ ደቂ ኣሮን ካብኡ ክበልዑ መሰል ዘይብሎም፡ ንዓና ንክርስቲያን ጥራይ ኣብቲ መሰውኢ ዘሎ ሥጋን ደምን ክንበልዕ ዝተዋህበና ታቦተ ምስዋእ (Christian alter) ኢዩ።

ብዛዕባ ኣገልግሎት ታቦት ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ክለዓል ከሎ ተቓወምቲ ሰባት ካብ ዘልዕሉዎ ነቐፌታታት ሓደ “ብጀካ ናትና ቤተክርስቲያን ታቦት ኣብ ካልኦት ኣሃት ኣብያተ ክርስቲያናት የሎን” ብምባል ፈሊካ ናይ ምጥቃዕ ስልቲ ኢዮ። ብፍላይ ናይ ግብጺ ቤተክርስቲያን ብምጥቃስ “ግብጻውያን ታቦት የብሎምን” ዝብል ዘረባ ዝውቱር ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንሕና ካብ እንምልሶ ናይ ባዕሎም ናይ ግብጻውያን መልሲ ምቕማጥ ጥራይ እኹል ኢዩ። ግብጻውያን ከም ናትና ቤተክርስቲያን ንተመሳሳሊ ኣገልግሎት ትጥቀመሎም ክልተ ንዋያተ ቅዱሳት ኣለዋ። እቲ ሓደ ናይ መሰውኢ ጽላት /Alter Board/ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ታቦት/ARK/ ኢዩ።

ቀሲስ ታድሮስ ማላቲ ፍሉጥ ናይ ግብጺ ቤተክርስቲያን ጸሓፊ /Church The House of God/ ኣብ ዝተባህለ መጽሓፎም ብዛዕባ ኣሰራርሓ ናይ መሰውኢ ሰሌዳ/ጽላት (Alter Board) ክዛረቡ ኮለው “እዚ መሰውዒ ሰሌዳ ሓደ መስቀል ወይ ብዙሓት መሳቅል ይሰኣሉዎ፡ ኣልፋ ወኦሜጋ ተባሂሉ ድማ ይጸሓፈሉ፡ ሽዑ ኣብ መዝ 87፡1 መሰረታቲሃ ውስተ ኣድባር ቅዱሳን ዝብል ናይ ዳዊት መዝሙር ይጸሓፈሉ” ይብሉ ብምቕጻል እውን “ናይ ግብጺ ቤተክርስቲያን ብዛዕባ እቲ መሰውኢ ዝስርሃሉ ንጥረ ነገር ዝተደንገገ ሕጊ የብላን፡ ክሳብ ራብዓይ ክፍለዘመን ካብ ዕንጨይቲ ጥራይ ይስራሕ ነበረ፡ ካብ እምነበረድን ካብ እምኒን እውን ክዳሎ ይኽእል ኢዩ” ብድሕሪ እዚ ብዛዕባ ናትና ቤተክርስቲያን ታቦተ ምስዋእ ከምዚ ኢሎም “እቲ ካብ ዕንጨይቲ ዝስራሕ ታቦተ ምስዋእ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተክርስቲያን ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት ይርከብ”( Wooden Alters continue in use in the Ethiopian Church at the present time) ሓሳቦም ይዛዝሙ።

እዚ ብዛዕባ መሰውኢ እንበር ብዛዕባ ታቦት ኣይኮነን ዝዛረብ ዘሎ። ብዛዕባ ታቦት ከኣ እዞም ካህን ኣብቲ ናይታ ቤተክርስቲያን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ጽሒፎም ኣለዉ “In the middle of the Alter, there is a wooden box, called in Coptic 'pi totc' which means 'a seat' or 'a throne', and is used as a Chalice-Stand. Usually, it is cubicle in shape, about thirty centimeters high and twenty-five centimeters wide, the top is closed with high flaps. The beautiful carving is inlaid with ebony and ivory and is decorated with four small icons. It can be only the Lord in the last supper, St Mary, Archangel Michael, St. Mark and then the Patron Saints.

It is called 'the Throne' for it represents the presence of the Crucified Lord. Its name also corresponds to the 'Ark of the Old Testament', for it contained the Tablets of Law written with the finger of God to declare God's covenant with man. The new Ark now contains the true Blood of Christ, as the New Covenant, that fulfills the Law and the prophets.” ኣብ ማእከል እቲ መሰውኢ ዝቕመጥ ብዕንጨይቲ ዝስራሕ ሳንዱቕ ኣሎ፡ እዚ ብኮፕቲክ/ቅብጥ/ ቲቶስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክኸውን ከሎ ትርጉሙ ድማ መንበር ወይ እውን ዙፋን ማለት ኢዩ። እቲ ጽዋእ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ይቕመጥ። ቅርጹ ከቢብ ኮይኑ መጠኑ 13/25 ሴንቲሜትር ኢዩ። ብላዕሊ ብጨርቂ ይሽፈን። ብጻዕዳን ጸሊምን ሕብረቀለማት ዘለዎ ጨርቂ ዝወቀበ ኮይኑ ኣብ ዙርያኡ ድማ ኣርባዕተ ኣሳእል ይግበረሉ ንሳቶም ድማ ናይ ጎይታ ናይ ምሴተ ሃሙስ፡ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ናይ ቅዱስ ሚካኤልን ናይቲ ታቦት ዝተሰምየሉ ቅዱስን ኣሳእል ኢዮም።

ዙፋን ኢልና ንጽውዖ ንህላወ ናይቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ስለዘመልክት ኢዩ። እዚ ስያሜ ምስቲ ‘ናይ ብሉይ ኪዳን ታቦት’ ዝመሳሰል ኢዩ። እቲ ታቦት እግዚኣብሔር ምስ ህዝቡ ዝኣተዎም ቃልኪዳን ዝተጻሕፎ ናይ ሕጊ ጽላት ዘለዎ ነበረ። እዚ ሕጂ ዘሎ ታቦት ግና ነቲ ኣማናዊ ዝኾነ ደም ክርስቶስ ዝሓዘ ኮይኑ ንሱውን ክርስቶስ ሕግን ነብያትን ፈጺሙ ሓዲሽ ኪዳን ዝሃበና ኢዩ” http://www.stmarkdc.org/coptic-sanctuary  እዚ መግለጺ ምስቲ ኣቡነ ጎርጎርዮስ ብዛዕባ ናትና ቤተክርስቲያን ታቦት ዝሃቡዎ መግለጺ ምንም ኣይፈላለን ኢዩ። ነዚ ከም መርኣዩ ደኣ ጠቒስናዮ እንበር ብጀካ ብሓደሓደ ስርዓታትን እቲ ታቦት ዑደት ብዘይምግባሩን ቤተክርስቲያንና ንናይ ሥጋኡን ደሙን መሰውኢ ኢዩ ኢላ ምስ ተኽብሮ ታቦት ብኽብሪን ብኣገልግሎትን ሓደ ዝኾኑ ብቅብኣ ሜሮን ዝኸብሩን ኣብቲ መንበር ዝቕመጡን ንዋያተ ቅዱሳት ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣለዉ።

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ብዛዕባ ናይቲ ሥጋን ደምን ኣማናዊነት ምስ ዘይኣምኑ ሰባት ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይቲ መሰውዒ ብዙሕ ዘየድሊ ክርክር ክግበር ይረአ ኢዩ። ነቲ ስም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጻሕፈሉ ታቦት ‘ጣኦት’ ኢዩ ዝብሉ እንዳረኣና ንድነቕ። “ኩሉ ብርኪ ድማ ንስም ኢየሱስ ይንበርከኽ” ዝብል ቃል ዝተጻሕፈሉ ‘ጣኦት’ ከመይ ኢሉ ክርከብ ይከኣል? ኣልፋን ኦሜጋን ዝብል ቃል ዝተጻሕፈሉ ታቦትዶ ኣሎ ኢዩ? ወንጌል ኣብ ልዕሊኡ ዝቕመጠሉ፡ ብቅብኣ ሜሮን ዝከበረ፡ ሥጋኡን ደሙን ዝፍተተሉ ታቦት ከመይ ኢሉ ጣኦት ተባሂሉ ይጽዋዕ? አሐዱ ኣብ ቅዱስ አሐዱ ወልድ ቅዱስ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ ተባሂሉ ብስም ቅድስት ሥላሴ ንዝቕደሰሉ ታቦት ኣምልኾተ ባዕዲ ክሳዕ ምባል ምድፋር ማዕረ ክንደይ ዘየፍርሕ።

ገሊኣቶም ድማ “ታቦት ተሰሪቑ ተሸይጡ” ዝብል ዜና ብምግዋሕ ታቦት ሓይሊ የብሉን ክብሉና ይፍትኑ ኢዮም። ኣይኮነንዶ ስመ ክርስቶስ ዝተጻሕፈሉ ታቦት ክርስቶስ ንባዕሉ ብሰላሳ ብሩር ተሸይጡዶ ኣይኮነን ካብ ሊቶስጥራ ክሳብ ቀራንዮ እናተገርፈን ፡እናተዋረደን ምራቖም እናተፍኡኡን እናጎተቱዎ ዝተጓዕዘ። /ለጸውኦቱ ሰጊድ/ እሞከ ደኣ ሃይሊ የብሉን ክንብሎ ዲና ⵗ “ነቲ ታቦት ቀሊዕና ከነርእየኩም ኢና” ብምባል ንቤተክርስቲያን ዘዋረዱ ዝመስሎም፡ ብታቦት ገይራ ንእግዚኣብሔር ንእተምልኽ ቤተክርስቲያን ንሳ ፈጺማ ዘይበለቶ ንታቦት ኢያ ተምልኽ ኢሎም ክነቕጹ ኮለዉ ርኢና ካብ ምሕዛን ንላዕሊ እንታይ ክንብሎም ንኽእል? ቤተክርስቲያን ነቲ ታቦት ትሽፍኖ ንኽብሪ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝስዋእ ሥጋን ደምን ደኣ እንበር እንተተኸፈተ ትሓፍረሉ ነገር ስለዘለዋ ኣይኮነን። እንተተከፈተ እቲ ኣብኡ ዝረአ ናይ ስም መድኃኔዓለም ክርስቶስን ናይ ቅዱሳኑ ኢዩ። ጎይታ ዕርቃኑ ተሰቒሉ ዘይሓፈረት ቤተክርስቲያን በቲ ስሙ ዝተጻሕፈሉ ታቦት ፈጺማ ኣይትሓፍርን ኢያ።

ዲያቆን ሄኖክ ኃይሌ

ጥር 10 2009(01/18/2017) ኣዲስ ኣበባ

ትርጉም ዲያቆን ዮሃንስ ዘደብረ ቁስቋም

Comments are closed.