ኣብ ሓዲሽ ዓመት እንታይ ክትልወጥ ትደሊ᎒

ካልኣይ ክፋልን መወዳእታን

ዕድመ ንንስሓ !!!

ንገዛእ ነብስና እንተፈሪድና እግዚአብሔር ብኣና ይሕጎስአባ እንጦስ።

 ናይ ሰብ ኃያልነቱ (ጥንካሬኡ)  ንደጋዊ ገጽታ ዝመዘን ኣይኮነን። ካብ መዓሙቕ ልቡ ዝነቐለ፣ ካብ ሓሳቡን ካብ ፈቓዱን ዝተበገሰ’ዩ እምበር። ሰብ ጌጋኡ ክሳብ ዘይኣመነ ክጣዓስ ማለት ዘበት እዩ። እዚ ከኣ ናብቲ ናይ መጀመርያ ናይ ንስሓ ደረጃ ከይበጽሕ ይዓግቶ።  ናብ ንስሓ ክትበጽሕ መጀመርያ ኃጥያትካ ምእማን ኣለካ። ኣበው ከም ዝብሉና።

“ ኩሉ ግዜ ንንስሓ ድልው ኩን።  ”  

ንገዛእ ነብስና እንተፈሪድና እግዚአብሔር ብኣና ይሕጎስአባ እንጦስ።

 ምስ እግዚአብሔር ዝነብር ሕይወት ንቅድስናን ንለውጢ ውሽጣዊ ሕይወት ዝተበገስ ኅሊና እዩ ዘለዎ። እዚ ኅሊና ብሩኅ ዝኾነ  ። ካብ ጌጋኡ ዝእረም፡ ትዕግሥቲ ተዓጢቁ ካብ ጌጋ ካብ ዓመጽ ፣ ንኻልኦት ካብ ምጥቃምን ምጥቓዕን ፣ ካብ ኣነነት ትምክሕቲን ኃይሊ ዝረሓቐ እዩ። ትሕትና ዝሰንቕ በቲ ካብ ልቡ ዝነቀለ ንስሓ እዩ። ሽዑ ከኣ ከምቲ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 7፣16። “ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም ።” ዝበሎ እዩ ዝፍለጥ።

ስለዚ ምእመናን ኣነ ኣበይ እዩ ዘለኹ᎒ ንሕና ኣበይ ኢና ዘለና ኢልና እስኪ ንሩፍታ ነብስና፡ ብጽሞና ምስ  ነፍስና ንዘራረብ።

እንተ ኣብ ዓለም ከም ቓሕትና ከይንስጉም ጸላማ ንብርሃና ጋሪዱዎ። ንኸይነለሊ ኣዘናጊዓ ተታልል’ያ። ከይተበልጸትልና ንበለጸላ፣ ከይቀደመና ንቀድማ። ኃየ……. ንጉየይ ፣ ጉያ ቅዱሳን ጉያ ሓዋርያት ፣ ጉያ ቅዱስ ጳውሎስ ወጴጥሮስ ፣ ጉያ ኣበው፣ ነታ ኣኽሊል ጽድቂ ንኽንዓትራ፣ እንሆት ኣብ ቅድሚና። ባና ብርሃና ይረአ። ብርሃን ዝመልአ ናይ ሕይወትና ተስፋ። ንኺድ ንቅድሚት ኣይንበል ንድሕሪት። ንቅድሚት።  

ዕድመ ንንስሓ ኣይትኽኣኒ ኣምላኸይ ። …………

  ንገዛእ ነብስና እንተፈሪድና እግዚአብሔር ብኣና ይሕጎስአባ እንጦስ።

                                                               ሕይወት ዓለም እኳ…….. 

ርሒብ መገዳ፣

ምቹእ ንኽትሓልፋ፣

ቀሊል ንኽትቀጥፎ፣

ድኻም ዝተረፎ፣

መከራ ዘይብሉ ፈተና ዘይፈቱ፣

ብደገ ዘብለጭልጭ ድጉል ሓዊ ሥርሓቱ።

ምድሪ ቤቱ ዝርሓሰ ፣

ውሻጥኡ ዝጠስጠሰ ፣

ናይ ምድራዊ ስፍራ፣

ልቅሉቅ መቃብር ፈጠራ።

 እወ !!! ሕይወት ዛ’ዓለም እዚ ልቅሉቅ መቓብር እዩ ።

ንመን ንምረጽ። ኣለና’ኮ ተስፋ ፣ ዘይቅህም። ኣለና ‘ኮ ኣምላኽና ኩሉ ዝኅብ። ከምቲ ገጣመይ ዝበሎ።

ንዝለምንዎ ዝሰምዕ።

ጥውይዋይ መገዲ ዘቕንዕ።

እንተካሕካሕካ ዝኸፍት።

እንተዘራእካ ዘሸውት።

ኩሉ ፈጻሚ ኩሉ ገባሪ።

ንዝለመኖ ብትዕግሥቲ።

እቲ ፍርኃት ዝነበረ ኣወጊዱ

ኦሮማይ እንዳበሉ ከይከዱ፣

ከይበታተን ክርስቲያን ሰንቢዱ፣

ክንጠራነፍ መልእኽቱ ኣውሪዱ፣

ከንፈላለየ ዓለባ ሰይጣን ቀዲዱ፣

ኣብታ ውሻጠ ቤቱ ኮይንና ከነምስግን፣

እንሆ ኣጨቢጡና ሕያው ዘልዓለም።

ኩሉ ኂቡና ብዘይ ቀልዓለም።

ተስፋ ከይቆርጽ ሓቦ ዘስነቀ፣

ኣብ ማእከል ከይንተርፍ መንገድና ዘጸበቀ፣

ኣብ መንጎና ኮይኑ ጸሓይ ዘብረቐ፣

ተበቲኖም ከይበኃሉ ፍቕርና ዘማሞቐ፣

መኣዲ ሰላም መርኆ ጽድቂ፣ ዝኃበ።

እዩ’ኮ  ኣምላኽና እግዚአብሔር፣

ኣምላከ ቅዱሳን መድኃኒ ዓለም።

ናይ ነፍሲ ሞት ረሲዕና ከይንዝራዕ ። ግዜና ንጠቀመሉ ።  ዕድመ ንንስሓ ዘመን ንፍስሓ።

ዕድመ ንንስሓ ንጥቐመሉ ንሕና ባዕልና ኢና። ዘመነ ፍስሓ ዝምለሰና ንሕና ብንስሓ ምስ እንመላለስ ምስ እግዚአብሔር ምስ እንራኸብ እዩ።

ንስሓ ናቱ ክብሪ ዘለዎ ቅዱስ ምሥጢር እዩ። ንንስሓ ተግባራዊ ክንገብሮ ከለና ዝሠራሕናዮ እከይ ሥራሕ ይወቅሰና። ስለዚ ዝኾነ ምኽሪ ካህን እናሰምዓና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኃጥያትና ንናዘዝ። ዝተጣዕሰ ልቢ ሒዝና ናብ ኣበ ንስሓ ንመላለስ።

ንገዛእ ነብስና እንተፈሪድና እግዚአብሔር ብኣና ይሕጎስአባ እንጦስ።

ሉቃ.15፣7” ንስሓ ብዝኣቱ ብሓደ ኃጥእ ሰብ ኣብ ሰማያት ዓቢ ሓጎስ ይግበር። ብምምላስና ኣብ ምድሪ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ሰማይውን ዓቢ ደስታ ይግበር እዩ፡  ናይ ድኅነት መዓልቲ ሎሚ እያ።

ዕድመ ንንስሓ ኣይትኽልኣኒ ኣምላኸይ።

እሞ ነዛ ሓዲሽ ዓመት ብምንታይ ንቐበላ ፣ ብሓዲሽ ልቢ ብንስሓ ዝተሓጽበ’ዶ ᎒ ወይስ ፍትወት ዓለም ኣይመነኹን᎒ እቲ መልሲ ኵላትና ባዕልና ሕልናና ወቓሲ ጌርና ንምልሶ እዩ።

ሕርያና ክጸብቅ።

ኣምላከ ቅዱሳን ንንስሓ ዝኸወን ልቢ ይሃበና። ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና፣ ናይ ቅዱሳን መልኣኽትን ተራዳኢትነቶም፣ ናይ ጻድቃን ሰማእታት ጸሎቶም ኣይፈለየና።

 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ፣

ወለወላዲቱ ድንግል፣

ወለመስቀሉ ክቡር።

ዘሚካኤል

 

 

Comments are closed.