በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ወዲ ሰብ ካብ ፈተና ምእንቲ ክድኅን ኩሉ ግዜ ከየቋረጸ ናይ ኣምላኹ ክጽሊ ይግባእ። ነዚ እዩ ከኣ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴ.26፣41። << ናብ ፈተና ከይተኣይዉስ ንቅሑን ጸልዩን።>> ዝበሎም ንኣቦታትና ሓዋርያት። ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ንምእመናን ደቃ በብዕለቱ ተጊሆም ናብ ኣምላኾም ምእንቲ ክጽልዩ መዓልታዊ ጸሎት ሸውዓተ ሰዓታት ክጽልዩ ሥርዓት […]
በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን፡፡ ሎቱ ስብሐት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙሓት ህዝቢ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ይኽተልዎ ነይሮም ክበልዕ ዝደለየ፥ ገደል ኣፉ ከም ዝበሃል እንጀራ ኣበርኪቱ ምስ ሃቦም በሊዖም ምስ ጸገቡ ብዙሓት ህዝቢ ኣብ ዝኸዶ ቦታ ይኸዱ ነይሮም “ንኢየሱስ ኬናድይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ ...ምስ ረኸብዎ ከኣ መምህር ! መኣዝ ደኣ ናብዚ መጺእካ በልዎ " […]
እግዚአብሔር መደምደምታ ክገብረልና ስዝለ ዝፈተወ፣ ንሓድነትና ድማ ስለ ዝበሃገ፣ እቲ ኣብ ደምቤና ዝሰርሖን ዝሃንጾን ዘሎ ክብሪ ብዙሕ እዩ። መቐጸልታ ናይቲ ወትሩ መደምደምታ ንኽረኽብ እንምነዮ ዝነበርና ንሓድነት ቤተ-ክርስትያንና ዝቕውድ ድርዒ ሰላም ከልብሰና ለሚንናዮስ፣ ንመጻኢና ዘበስር ኣንፊ ብርሃን ዝሓዘ ሓድሽ ናይ ዕርቕን ሰላምን ታሪኽ ሰሪቱልና ይርከብ። እዚ ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ተጻብኦን መንቀኝነት ኣጽራረ ቤተ-ክርስትያንን ዝከናወን ዘሎ ጻዕሪ፣ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስን ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ወትባርክ ኣክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ፥ ንዓመት ብሣህልኻ ትኽልላ፥ መዝ 65፡11 እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብበረኸት እናኸለለ ዘንበረና ነዞም ብኣምሳሉ ዝተፈጠርናን ኣቦ ኢልና ክንጽውዖ ውልድነት ዝሃበናን፥ ንጉእዛን ፍጥረታቱ’ውን ከማን ብሓልዮትን ብበረኸትን እናኣጽገበ ከም ዝሕልዎም መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል :- ንምድሪ ትሓልየላ ዝናም ሰዲድካ ኸኣ ተጽግባ ፍርያምን […]
ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር ዝምስገነሉ ንዕኡ ዝኣምኑ ምእመናን ስርዓተ ኣምልኾኦም ዝፍጽሙሉ ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን በረከትን ንደቁ ዝዕደለሉ ቤት እዩ። ደቂ ሰብ ቤተመቅደስ ሰሪሖም ሥርዓት ብዘለዎ መንገዲ ንፈጣሪኦም ንኸመስግኑ ዝኣዘዘ ዝመሃረ ልዑለ ባህሪ እግዚአብሔር እዩ። ሰማይ ዙፋኑ ምድሪ ከአ መርገጺ እግሩ ዝኾነት ኣብ ኩሉ ዝርከብ እግዚአብሔር ነቶም ንዕኡ ዝግዝኡ ምእንቲ ክሕልዎምን ክባርኾምን ስለዝፈቀደ "ኣብ ሞንጎኹም ምእንቲ ክሓድር መቅደስ […]
ይእዜ እትነሣእ ይቤ እግዚአብሔር እሬሲ መድኃኒተ ወአግህድ ቦቱ ቃለ እግዚአብሔር ቃል ንጹሕ። መዝ.። 16፣ 5። ወንጌል ሉቃ.24፣13-33 ግ.ሓ.21፣31-ፍጻሜ ።2ይቆረ.2፣11-ፍጻሜ። 2ይጴጥ.3፣14-ፍጻሜ። ቅዳሴ. ዲዮስቆሮስ ወበይቲ ዕለት እንዘ ይሀውሩ ክልኤቱ አርድዕት እምውስቲቶሙ ። ወንጌል ሉቃ.24፣13-33። “ወተእኅዘ አዕይንቲሆሙ ከም ኢያእምርዎ ። ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተሰዊረን ነበራ።” ሉቃ. 24፣16። እንሆ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽልተ ክልተ ካብ ቅዱሳን አርድዕት ካብ ኢዮርሳሌም ስሳ እስታድዮስ ዝምርሓቑ ወጺኦም ካብኤማሁስ እትብኃል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ። ዕላሎም ከኣ ብዛዕባ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ምትንሥኡ፣ ካብቅዱሳት ኣንስት ናብቲ መቓብር ከይደን ዝረኣዮኦን ዝሰምዖን፣ ቅዱሳን መልኣኽቲ ሕያው ከምዝኾነ ከምዝተንሥአ ዝነግሮምን ኩሉእቲ ዘጋነፈ ነገራት ነሓድሕዶም እንዳተዘራረቡ እዮም ዝጎዓዙ ዝነበሩ። ቀልዮጳን እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ ትርጓሜ ወንጌል ከምዝነግረና ባዕሉ ወንጌላዊ ሉቃስ እዩ ይብለና። እዞም ክልተ ቅዱሳን ካብታብቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን እትምሰል ኢዮርሳሌም እንዳረሓቑ እዮም ዝኸዱ ኔሮም። ዕላሎም ሓሳባቶም ግና ብዛዕባ ኣምላከ ቅዱሳንመድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዝነበረ ። ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብቲ መገዶም ሓቢሩ ምስኣታቶም ክኸይድጀመረ። ከምቲ ። “ ብስመይ ክልተ ወይ ሰለስተ ኮንኩም ብስመይ እንተተኣከብኩም ኣነ ከኣ ምሳኻትኩም እየ።” ኣብ ማቴ.18፣20።ዝበሎ። ዕላሎም ሓሳባቶም ብዛዕባ እግዚአብሔር ወልድ ስለዝነበረ ኣብ ማእለሎም ተረኺቡ። ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተሰዊረንነበራ ። ወኃቢ ህይወት ዝኾነ ክርስቶስ ብሞቱ ናትና ሞት ናብ ትንሣኤ ከምዝለወጠ ኣይኣመኑን። ብሞቱ ትንሣኤ ከምዝገለጸ’ውንኣይተረድኦምን ። በኩረ ትንሣኤ ንዝዀነ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣየለለይዎን። ኩሉ ግዜ ምስኦም ዝነበረ ብሥጋንብነፍስን ንዝመገቦም ክፈልጥዎ ኣይከኣሉን። ኣብ መገዲ ከለዉ እንታይ እዩ ዘዛርበኩም ዘሎ ኢሉ ምስ ሓቶቶም መድኃኒ ዓለምኢየሱስ ክርስቶስ “ንሕና ግና እቲ ንእስራኤል ዘድኅን ንሱ እዩ ኢልና ተስፋ ንገብር ኔርና።”ሉቃ. 24፣21። ብምባል እዮም ናይ ተስፋምቁራጽ ዘረባ ዝተዛረብዎ ። እዚ ከኣ እምነቶም ስለዝደኸመ ንክርስትና ይሰብክዎ እምበር ክነብሩዎ ኣይጀምሩን ። ቀዲሙውን ንኹሎም ሓዋርያት ከምዝትንሥእ ብዝተፈላለይ መገዲ ሓቢሩዎም እዩ። “ ካብ ሙሴን ኩሎም ነብያትን ሒዙ ከኣ እቲ ብዛዕብኡ ኣብ ኩሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጎመሎም ጀመረ።” ሉቃ.24፣27። ብዘይምስትውዓሎም ንምእማን ልቦም ዝደንጎየ ድኽመት እምነቶም እንዳረደአ ኩሉ ኣብርሂ ምስ ደጊሙ ገሊጽሎም። ባዕሉኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ከምዝትንሥእ ብዙሕ ግዜ ኣምኂርዎም እዩ። ዮሓ.16፣16።ዮሓ.16፣17። ቅዱሳንኣንስቲ ኣብ ኣፍ መቓብር ዝተረኸብኦ ቅዱሳን መልኣኽቲ ከምዝተንሥ ነጊሮመን መጺኤን ከምዝነገርኦም። ሉቃ. 24፣1 – 11። ናይቅዱስ ጴጥሮስ ወሪዱ ኣብ መቓብር ምስክርነት ቅዱሳት ኣንስቲ ከምዝጽንዐ። ሉቃ.24፣12። እዚ ኽሉ እንዳፈለጡ ግናእምነቶም ግና ድኹም እዩ ዝነበረ። ነዚ እዩ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ዝደኸመ እምነቶም ከበርትዖ ምስኦም ዝነበረ። “መሰዩ እዩ እሞ ጸሓይውን ዓሪባ እያ እሞ ምሳና ሕደር ኢሎም ተጋደልዎ። ንሱ ከኣ ምሳኣታቶም ኪሕእደር ኣተወ። እቶ ኢሎምዓዲሞሞ እሞ። ኣትዩ ነቲ እንጌራ ባሪኹ ቆሪሱውን ምስ ሃቦም። ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ ኣለለይዎ። ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ።” ሉቃ.24፣32። ሙሉእ መዓልቲ ተጓዒዞም ኣብ ጸሓይ ዕራብ እዮም ኣላልየሞ። ቅዱሳን መጽሓፍቲ ኪትርጉመሎም ከሎ ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን ። በታ ሰዓት እቲኣ ተላዒሎም ናብ ኢዮርሳሌም ከኣተመልሱ ይብለና። ኩሉ ነገር ምስ ተረድኦም ብዘይ ወዓል ሕደር እዮም ናብ ኢዩርሳሌም ተመሊሶም። ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን […]