እግዚአብሔር ነቲ ዝሓሰቦ ክገብሮ እዩ።

እግዚአብሔር መደምደምታ ክገብረልና ስዝለ ዝፈተወ፣ ንሓድነትና ድማ ስለ ዝበሃገ፣ እቲ ኣብ ደምቤና ዝሰርሖን ዝሃንጾን ዘሎ ክብሪ ብዙሕ እዩ። መቐጸልታ ናይቲ ወትሩ መደምደምታ ንኽረኽብ እንምነዮ ዝነበርና ንሓድነት ቤተ-ክርስትያንና ዝቕውድ ድርዒ ሰላም ከልብሰና ለሚንናዮስ፣ ንመጻኢና ዘበስር ኣንፊ ብርሃን ዝሓዘ ሓድሽ ናይ ዕርቕን ሰላምን ታሪኽ ሰሪቱልና ይርከብ።

እዚ ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ተጻብኦን መንቀኝነት ኣጽራረ ቤተ-ክርስትያንን ዝከናወን ዘሎ ጻዕሪ፣ ምእምኡን ብዘይድኻምን ጻዕርን ዝፍጸም ዕማም ምስ ዘይ ምኳኑ ትዕግስቲ ብዙሓት ክፍትን ግድን'ዩ። ኣብዚ ሰሙናት ዘቑጸረ ዛዕባ ብውሽጥን ብደገን ብዙሕ ተዘሪቡሉን ዝዝረበሉ ዘሎ እዋናዊ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ። ርግጺ'ዩ ከምቲ ኣጀማምርኡ፣ ኣፈጻጽምኡ'ውን ቀሊል ከም ዘከውን ብእዋኑ ሱር ከይሰደደ ግሁድ እዩ ዝነበረ። እቲ ዓሰርተ ዓመት መመላእታ ብዉሑዳት፣ ምስ ብዙሕ መከራ ክዕየየሉ ዝጸንሐ ዕርቒ ሎሚ ኣብ ዕሸል ፍረ ምብጽሑ፣ ክምስገን ዝግብኦ ናይ ህልዋት ስጉሚ እዩ። ኣብዚ ሰሙናት ዘይደፈነ ንእሽቶይ ጅማሮ፣ ብኡ ብኡ መደምደምታ ክንጽበ ብፍጹም ኣይግባእን፣ ኣይንጽበን'ውን። ምኽንያቱ ብኸምኡ ብቐሊል ዝተኸስተ ኣጋጣሚ ስለ ዘይነበረ። እንተ ኾነ፣ ተራእዩ ዘይዓርብ፣ እቲ ሓንሳብ ዝሰረቐ ብርሃን ምልኣት ረኺቡ ጸሓይና ኮይኑ ክነብር፣ ግደ'ቶም ነዚ ተስፋ ዝጽበዩ እንታይ እዩ ክኸውን ዝግብኦ'ቢልና ክንሓትት ጣቋ እዩ።

ነቲ እንጽበዮ ንክሰርሓሉን ክንዓየሉን እዩ ዝግብኣና፣ ብመጠን'ቲ ዝሰጎምናዮ ድማ፣ ነቲ ዘጋጥም መሰናኽል መሊኽና፣ ናብ'ቲ ሓሊንና ዝተበገስናሉ ስፍራ ንበጽሕ።

ቤተ-ክርስትያን ምልኣት እትረክብ ንመከርኣ ዝጾሩ ውሉድ ምስ ዝህልውዋ፣ ብደሞምን ብምስክርነቶምን ደሚቓ ኣዕኑድ ሓረጋ እንዳ ሰወደን እንዳ ለምለመን ይነብር።  እዚ ግና ናይ ውሑዳት ሓለፋ ኮይኑ ክነብር ኣይግባእን። እዚ ኣብ ቤተ-ክርስርያንና ተበጺሑን ተራሕዩን  ዘሎ ርሁዉ ተስፋ ድማ መደምደምታ ክረክብ ኩልና ክንደፍኣሉ ይግባእ። ኣብዚ ሰዓት'ዚ ብዝተፈላለዩ ንቤተ-ክርስትያን ዘይድግፉ ብውልቅን ብማሕበርን ኣብ በበይኑ ጫፋት ተኾይጦም ወግሐ ጸብሐ ነቲ ከም ኣስሓይታ ዝፈርህዎ ንዕላምኦም ዘበርዕን ዕርቂ ክዉን ንኸይከውን ብዘለዎም ሓይሊ ክጽዕቱን ነቲ ብቤተ-ክርስትያን ዝተረኽበ ኣንፊ ሰላም ዓይነት ከውጽኡሉ ይውዕሉን ይሓድዱን ኣለዉ። ምስዚ ኹሉ መሰናኽላት ግና፣ ከነዕርፍ ከይበሉ ዕድመ ዝደፍኡ ኣበው ጳጳሳትን እቶም ዝርካቦም ጉባኤ ሊቃውንትን ብዝዓቕማም መራሕቲ ገዳማትን ነዚ ጉዳይ ኣብዚ ደረጃ'ዚ ከም ዘብጽሕዎ ንርእዮ ዘለና ምስክር ዘየድልዮ ሓቒ'ዩ።

እንተ ኾነ፣ ግደን እጃምን ብፍላይ ድማ መራሕቲ'ተን ኣብዝተፈላለያ ሃገራት  ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናት እንታይ እዩ ክኸውን ዝግብኦን ዝነበሮን? ድሕሪ'ቲ ብቤት ጽሕፈት መንበረ ፖትርያርክ ዝተዋህበ ሓበሬታ፣ ኣብ ቤተ-ክርስትያናት ዝነበረ ዘስደምም ናይ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያናት ስቕታ ዘይነኣድን ዘተሓሳስብን'ዩ።

1ይ . እዚ ህዝቢ ሕጂ ክዕገስን ብተስፋ ኣብ ዘዘለዎ ኮይኑ ብህድኣት ክጽብን እቲ ዝደልዮ ክዉን ከም ዝኸውን እንታይ መርትዖ ስለዝሓዝናሉ እዩ?

2ይ. እቲ ብቤት ጽሕፈት መንበረ ፖትርያርክ ዝተላእከ መልእኽቲ እቲ ዝበዝሕ ክፋል ናይ'ዚ ህዝቢ ኪኖ'ቲ ብ መራኸቢ ብዙሃን ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናቱ ኮፍ ኣቢሉ ብዝግባእ ዘረድኦን ብወግዒ ዝነገሮን ኣሎ'ድዩ? ዶ ውይስ ኣዴታትና ኣቦታትና'ውን ኣብ internet እዩ ተስፍኦም ክኸውን?

3ይ. እዚ ጉዳይ'ዚ ኪኖ ኣብ ደገ ሰላም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከም ዘይተዘርበሉ እተን ከቢበናና ዘለዋ ኣብያተ-ክርስትያናት ምስክር እየን።

እምበኣር ኪኖቲ ኣጽራረ ቤተ-ክርስትያን ዝገብርዎ ዘለው ዘመተ፣ ካብኡ ብዘይ ሰንፍ ሸለልትነት ዝወለዶ ፍርህና ይዛይድ። ካህናትናን ድያቆናትናን ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ብዝግባእ ፈሊጥና ከነረድእን፣ ድሕሪ'ቲ ፍጻሜ ምስ ምእመናንና ክንዘራረብን፣ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ዕርቀ ሰላም ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ እዋን መደምደምታ ክግበረሩ ክንጽዕርን ኣፍና ከፊትና ክንዛተን ይግባእ። ኣቦታት ንዝበጽሕዎ ደረጃ ንህዝቢ ናይ ምንጋርን ምጽንናዕን ምጽናዕን፣ ካብኡ ሓሊፍና ጸለውቲ ብምኳን ተሳተፍቲ'ዚ ታሪኻዊ ለውጢ ክንከውን ይግባእ። ጽባሕ ኣብ ዘይወዓልናሉ፣ ሳላኹም እዩ'ሞ እንቋዕ ሓጎሰኩም እንተ ተበሃልና፣ ዘሕፍር ውዳሴ ከምዘሎ ሽዑ ከይስወጠና።

እቶም ውሑዳትን ሓድጊ ኣምካኽ ዝኾንኩም ኣበው ቅዱሳንን ኣዕይንተ እግዚአብሔር ካህናትን ድያቆናትን ንርእስኹም ጸኒዕኩም ከምቲ ዝሓለፈ፣ ኣብ ጽባሕ ዘሎ ትእምርቲ ኣምላኽ እሙን እዩ'ሞ፣ ምእመናን ብትዕግስትን ነተን እግዚአብሔር ዝመደበን መዓልታት ክርእዩ ሃረር ክብሉ ነበስሮም። ኣብ ቤተ-ክርስትያን ይዘረበሉ፣ ሽዑ ምእመናን ነቲ ብደገ ዝመጾምን ዝውረን ዘሎ ደብዛዝ ሓሶት ከለልይዎ እዮም።

ሕቶታት ህዝቢ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ደኣ እምበር ኣብ መራኸቢ ብዙሃን (ማስሜድያ) ዝምለስ ኣይኮነን። ብቤተ-ክርስትያን ጀሚርና ናብ መራኸቢ ብዙሃን  እንተ ኸድና ግና ግቡእ ኮይኑ ይስምዓኒ።

እግዚአብሔር ነቲ ዝሓሰባ ክገብሮ እዩ፣ ንሓዋሩ ዘየሕፍር ሓድነት ድማ ክነግስ እዩ። ኣብዚ ቃልሲ'ዚ ሰብ ምስ ሰብ ኣይኮነን ዝቃለስ ዘሎ፣ ስጋ ዝለበሱ እሞ ድማ ብዕድመ'ኳ ዘይ ደኸሙ  ብመንፈስ'ውን ዝተመልኡ ኣበው ቅዱሳን እዮም ምስ ሰይጣን ዝፋለሙ ዘለዉ።  ስለዚ ኩልና ብዝግባእ ንስዓቦም። ነቶም ክንጓስዮም  ዝተዋህቡና ነፍሳት ናብ'ዚ ሓድሽ ብስራት ንክበጽሑ ንበጀዎም። ቤተ-ክርስትያን ኣይትሰዓርን እያ፣ ንኹሉ ድማ መደምደምታ ክግበረሉ እዩ። ኣብ'ዚ ሓድሽ ዓመት ነቲ እግዚአብሔር ዘዳለወልና ህያብ ክንቅበል ድልዋት ንኹን። እቲ ዘየሕፍር መንፈስ፣ ኣብቲ ጽባሕ ዝተኽሎ ዳስ ሓጎስ ክንሕጎስ፣ ንሎሚ ብዓቕልን ትዕግስትን ንሕለፋ። እቶም መላገጽትን ናይ ነቐፋ መንፈስ ዝተዋረሶም ሰብ ቀለልቲ ሕልና ግና፣ ጽባሕ ንዕኦም ዘይትኸውን መዓልቲ ትመጽእ ኣላ'ሞ ወይልኦም። ቤተ-ክርስትያን ዓቕሉ ዘዘጽበበ ዝሃድመላ መድረኽ እንተ ትኸውን፣ ክርስትና ኣብቲ መጀመርትኡ ምተቖጽየ። ኣባና'ውን ኣይምበጽሐን። ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ዘሎ መንፈሳዊ ለውጢ እግዚአብሔር እንተ ዘይቀሊስዎ መደምደምታ የብሉን፣ ነባሪ ዝኾነ ነቐፋ ናብ ዘይብሉ መደምደምታ ንኽንበጽሕ ንእግዚአብሔር ኣብ ግዝይኡ ክዓዪ ንጸበዮ። እቲ ምሕረትን ለውጥን ካብ ኣምላኽ

እቲ ግዜ ግና ካባና ብምባል ንእግዚአብሔር ንማጎቶ እንተ ድኣ ኼንና፣ ምናልባት ናብ ትውልዲ ዘይሓልፍ ግዝያዊ ኢድ ኣምላኽ ዘይብሉ ብሰብ ዝተነድቀ ሰላም ከይንፈጥር። ስለዚ ግዝያዊ ዘይኮነ ነባራዊ ረብሓ ክንሓፍስ ንእግዚአብሔር ኣብ ግዚኡ ክበጽሓና ንጸሊ።

✔️ይትረፍ ዓሰርተ ዓመት፦ ኣርባዕተ ሚኢትን ሰላሳን ናይ ደም ዓመታት ስደት እስራኤላውያን'ውን ሓሊፉ እዩ።

✔️ይትረፍ ዓሰርተ ዓመት፦ ሰብዓ ዓመት ምርኮ ናይ ባቢሎን'ውን ንቕዱሳን ኣድሚቑ ተወንዚፉ እዩ።

✔️ይትረፍ ዓሰርተ ዓመት፦ 350 ዓመታት ናይ ጸልማት ዘመን፣ ዘመነ ድዮቅልጥያኖስን ድምጥያኖስን ንቤተ-ክርስትያን ካብ ክበበ-ዓለም ኣይሰወራን።

ናይ ኣትናቴዎስ ግርማ፣

ናይ ድዮስቆሮስ ሓድጊ፣

ናይ ኣግናጥዮስ ጻማ፣

ናይ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ዘውዲ፣

ናይ ያእቆብ ትርኢት፣

ውሉድ ዘእልበረዲ፣

ናይ ሳዊሮስ ጳጳስ፣

ነገር ዘቴዎዶስዮስ፣

ናይ ቄርሎስ እሳት፣

 ናይ ኤጲፋንዮስ ምስጋና፣

ናይ ጎርጎሬዎስ ጻዕሪ፣

ናይ ኣቡሊዲስ ትሩፋት፣

ናይ መቃርስ፣ ቆዝሞስ፣ ፊላታዎስ፣ ዮሃንስ፣

ትሩፋቶም እንድያ ዘይትበሊ መርዓት።

ቤተ-ፍሊጶስ ሰላማ፣

ቤተ-ብጹኣ ኣምላክ፣ ሰይፈ ሚካኤል፣

ህርያቆስ፣ ኤፍሬም ያሬዳዊት ዜማ።

ጸበለ ቅዱሳን ዝስልማታ ሃገረ ቅዱሳን ዝኾነት ምድሪ፣ ናይ መካሰስን ሰንደልደልን ቅርዓት ኮይና ከም ዘይትነብር እቲ ናይ ትማሊ መንፈስ ባዕሉ ምስክር እዩ።

ብርግጽ! ዓሰርተ-ዓመት እኳ ንዓና መዋእል እንተ ኾነ፣ "ስቃይ እዚ ዘመን'ዚ ግና ነቲ ኣብ ልዕሌና ክግለጽ ኢሉ ዝመጽእ ዘሎ ክብሪ ከም ዘይመዓራረዮ ይኣምን እየ" (ሮሜ፣8) ብዝብል መንፈሳዊ ደበስ ተጸናኒዕና ንጽባሕን ክብርታታን ብሃንቀውታ ንጽበ ኣሎና'ሞ፦ ንቁም በበህላዌነ በለ ገብርኤል ነቲ ዝሓሸ ክርኢ፣ ረኣየ ድማ። ..... ካብ ታህዋኽ ዘይሓይሽ ትዕግስቲ ስለ ዘየለ።

ርሑስ  ሓድሽ ኣውደኣመትን ሓድሽ ዓመትን።

ዲ/ን መሪሕ ጠዓመ

ኦክላንድ ካሊሮርንያ

ጳጉሜ 4 ናይ 2008

Comments are closed.