ነገረ ቅዱሳን ንነገረ ክርስቶስ ሸፊንዎ (ካልኣይ ክፋል)

ነብይ ኤርምያስ “ ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ከይሃነጽኩኻ ፈለጥኩኻ ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ከኣ ቀደስኩኻ” ኢሉ ኣሎ ኤር 1:4 ። ናይ መላእኽቲ ሓለቃ ዝኾነ ቅዱስ ገብርኤል ብዛዕባ ምውላድ መጥመቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ከበስር እንከሎ “ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ መንፈስ ቅዱስ ክሓድር እዩ” ኢሉ አዩ ። ሉቃ 1፡15  ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኮይኖም ዝተወልዱ ኣለዉ ሰባት ዝሰለብዎም ስሉባት ውን ኣለዉ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባት ውን(ካብ ዓለም ተፈልዮም ብድንግልና ከገልግሉ ዝተመርጹ) ኣለዉ ማቴ 19፡12  ብምባል ምሂሩና ኣሎ።  ገድለ ቅዱሳን  ቅዱሳን፡ ኵሉ ገዲፎም ንክርስቶስ ከም ዝሰዓቡ ይነግረና “ ብኡ ንብኡ ጸውዖም ነብኦም ዘብዴዎስ ምስ ግዙኣቱ ኣብ ጃልባ ሓዲጎሞ ሰዓብዎ ” ማር 1፡20 ቅዱስ ጴጥሮስ  “እንሆ ንሕና ኩሉ ገዲፍና ተኸተልናካ እንታይ ኮን  ክንረክብ ኢና  ” ዝበሎ ነዚ እዩ ። ጐይታ ድማ “ ንስኻትኩም  ብሓድሽ ልደት (ኣብታ ናይ መጨረሽታ ግዜ )በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቅመጠላ ግዜ ንስኻትኩም  ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ ኢሉ አዩ ማቴ 19፡27 ።በዚ ድማ እቲ ናይ ብባህሪኡ ፈራዲ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ነዓታቶም ውን ብዝህቦም ፀጋ ፈረድቲ ከም ዝኾኑ ነጊርዎም እዩ ።

ብኣጠቃላሊ ገድሊ ቅዱሳን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝመሃሩ ብስሙ መከራ ከም ዝተቀበሉ ኣደነቅቲ ተኣምራት ከም ዝገበሩ ኣብ መወዳእታ ድማ ቃል ኪዳን ተዋሂብዎም ብሰማዕትነት ከም ዝሓለፉ ይነግር ። መጽሓፍ ቅዱስ ውን ብናይ ቅዱሳን ገድልታትን  ተኣምራትን ዝተመለአ እዩ ። ንምሳሌ ቅዱስ ሉቃስ ፡ ቅዱሳን ሓዋርያት ንኢየሱስ ክርስቶስ ብኸመይ መንገዲ ከም  ዝመሰልዎ  ክዛረብ ፡ ንሓዋርያት ጸዊዖም  ገረፍዎም ብስም እየሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ከኣ ሓደግዎም ። ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ክሓስሩ ብቁዓት ኮይኖም ስለ እተቆጽሩ ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሓጎሱ ከዱ ኣብ ቤት መቅደስን ኣብ ገዛ ገዛን እናዞሩ  ብስራት እየሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኩሩን ነበሩ  ብምባል ጽንዓቶም ብዝግባእ ገሊጽዎ ይርከብ ግብ፡ሓዋ 5፡40።  ዝሰርሕዎ ተኣምራት እንተ ተመልኪትና ፡ዝገብርዎ ተኣምራት ኣብቲ መድኃኔ-ዓለም ዝኮነ ስም እየሱስ ክርስቶስ  ተወኪሎም እዮም ብዙሕ ተኣምራት ዝገብሩ ዝነበሩ “ ጴጥሮስ ከኣ ወርቅን ብሩርን የብለይን እቲ ዘሎኒ ግን እህበካ ብስም እየሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ተንስእ እሞ ኪድ በሎ። ብየማናይቲ ኢዱ ሒዙ ድማ ኣተንስኦ ብኡ ንብኡ ውን ኣእጋሩን ዓንካርዓንካሪቶኡን ጸንዔ  ግብ፡ሓዋ 3፡6 ።

ከምኡውን  ኣብ ግብረ ሓዋርያት 5፡3 ተጻሒፉ ከም ዘሎ “ ጴጥሮስ ከኣ በል ሃናንያ ንመንፈስ ቅዱስ ክትሕሱ ካብ ዋጋ እቲ ምድሪ ከኣ መቂልካ ክትሓብእሲ ስለምንታይ ሰይጣን ንልብካ መልኦ ? ከይተሸጠስ ናትካ’ዶ ኣይነበረን ምስ ሸጥካዮስ ኣብ ኢድካ’ዶ ኣይነበረን ከመይ ጌርካ’ኸ ነዚ ነገር እዚ ብልብኻ ሓሰብካዮ ንኣምላክ እንበር ንሰብ ኣይሓሰኻን በሎ ሃናንያ ነዚ ቃል ምስ ሰምዐ ወደቐ ነፍሱ ውን ወጸት ።  ድሕሪ ኣስታት ሰለስተ ሰዓት ሰበይቱ እቲ ዝኮነ ከይፈለጠት ኣተወት ። ጴጥሮስ ድማ ቀጺሉ “እስኪ ንገርኒ ንመሬትኩም ዶ በዚ ክንድዚ ናይ ኢኹም ዝሸጥኩም” ኢሉ ሓተታ ንሳ ድማ “እወ ክንድዚ እዩ ኢላ መለሰት ጴጥሮስ ድማ ፡ “ ከመይ ከ ንመንፈስ እግዚአብሔር ንምፍታን እተሰማማዕኩም ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቀበሩ እንሆ ኣብ ኣፍደገ ኣለዋ ነኣኺ ድማ ከውጽኡኺ እዮም ፡በላ። ብኡ ንቡኡ ኣብ ጥቃ እግሩ  ወደቀት ነፍሳ ውን ወጸት ። እቶም ኣጓብዝ ውን ምስ ኣተዉ ወዲቃ ጸንሓቶም ፡ ተሰኪሞም ኣውጺኦም ድማኣብ ጥቃ ሰብኣያ ቐበርዋ ። ግብ፡ሃዋ 5፡1 ። ካብዚ ኣብ ልዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ቅዱሳን ብድፍረት ምዝራብ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ብድፍረት ምዝራብ ምኳኑ ትምህርቲ ንወስድ ስለዚ ናይ ቅዱሳን ገድልን ተኣምራትን ክበሃል እንከሎ ከምዚ ማለት እዩ ።

ግብሪ ሓዋርያት ዝበሃል ክፋል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት ናይ ገድሊ መጽሓፎም እዩ ። ስለዝኮነ ድማ ነገረ ቅዱሳን ናይ ጐይታ ስም ብዝበለጸ ይገልጹ እንበር  ኣይሽፍንዎን እዮም ። ካብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዝጸንሐ ከሰስቲን ንቅዱሳን ዝኸሱን ዘላግጹን ኣብ ልዕሊኦም ውን ሕማቅ ቃላት ዘውርዱን ናይ እግዚኣብሄር ተግሳጽ ከም ዝወድቆም ኢና ንርዳእ ብካልእ ወገን ድማ ዋላ እኳ ኣብ ጎኒ ሰይጣን ብምስላፍ ዘለዎም ጸርፊ ይኹን ሕማቅ ቃላት እንተደርደሩ  ቅዱሳን ግን ካብ ክብሮም ብ ማንም ይኹን ብምንም ክወርዱ ከም ዘይክእሉ ንመሃር ቅዱስ ጳውሎስ ውን ነዚ ኣመልኪቱ “ ነቶ ሕሩያን ኣምላኽ(እቶም ዝተመርጹ ቅዱሳን) መን እዩ ዝኸሶም ?” ዝበሎ ነዚ እዩ  ሮሜ 8፡13።ሕናውን ኣምሳል ክርስቶስ ንምሓዝ ኣሰሮም ምኽታል ከም ዘድሊ ኣሚና ፡ብኣማላድነቶም ኣሚንና ዝተሰከምዎ መስቀል ክንጸውር፡ ኣብ ዕላማና  ሓዋርያት ክንሰምር እግዚአብሔር ኣምላኽ ይደግፈና።

ተፈጸመ

ጸሓፊ ፦ ዲ. ዳንኤል ክብረት

ትርጉም፦ ዮስኣብ የማነ

Comments are closed.