ሓዋርያት ንክርስቶስ መን ምዃኑ መዓስ ፈሊጦሞⵗ

ሓዋርያት ንክርስቶስ መን ምዃኑ መዓስ ፈሊጦሞⵗ

ሰባት ሓንጎሎም ነጺጎም ፡ ብዓይኖምን ብእዝኖምሉ ብምሕሳብ ኣብ ዉሳኔ ዝበጽሑ  ሕማቅ እዋን ኣለና።ቃላ ወንጌል ረጊሓሞ ቦዶ ድሌታቶም  ንምርዋይ ፍረ ዘይብሉ ዘረባ  ከም ዝሰምዑን ግዜኦም መስዋዕቲ ከፊሎም ተንቃሳቀሲ ስእሊ( ድራማ፡ ፊልም፡ ድርፊ ...ወቦዘተረፈ) ብምዕዛብ ታህኖም ከም ዘውጹ  ዮቲብ(youtube) ሕያዉ ምስክር’ዩ። ቃላ ወንጌል ክሰምዑ ኣብ ዝህቅንሉ እዋን ትሕዝቶ ናይቲ ትምህርቲ ከይተገደሱ ፡ መልክዕን ኣከዳድናን ቀዳምነት ብምህብ ዓይኖም ዘምልኣሎም ንእዞኖም ባህ ዘብል ቃላት ዝምግብ ሰብ ይሓርዮ ። ንቃል ወንጌል ክመስልዎ ዘይኮነስ እቲ ቃላ ወንጌል ንዕኣም ክመስል ዝድግፍ  ትምህርቲ ኣብ  ምንዳይ ሃስስ የብሉ። ብፍላይ ጎራዙ  ደቂ ኣንስቲዩ ገጸን ብቀመማት መጸባበቂ ተዃሓሒለን ፡ ኣከዳድንኣን ንመንእሰያት ዝማርኽ ለቢሰን ኣብ ገጻት ፈይስቡክ(facebook) እንተ ተቀልቂለን ትሕዝቶ ናይቲ ትምህርቲ ከይገደሶም ኣብ ዉሽጢ ሒደት ሰዓታት ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰባት የከታተልወን።  ብኣንጻሩ  ንወንጌል ዕደመ ሓደ መንእሰይ ን20 ፡ 30  ዓመታት ዘተመሃርዎ ኣቦታት መምሃራን ቤተ-ክርስቲያን ፡ ብስለት ኣመሃህርኦም መዳርግቲ ዘይብሉ ፡ ጹሩይ ቃል ኣምላኽ ዘመሓላልፉ ዝከታተልዎም  ኣዝዮም ዉሓዳት  ሰባት’ዮም። ሰለዝ’ዩ ናይ ሎሚ ሰባት ብዓይኖምን እዝኖምን ዝሓስቡ ዘተባህለ።  መንፈሳዊ  መጽሓፍቲ ዘይምግንጻልን ዘይምንባብን ንጎደና መናፍቅነት ዝመርሕ ኣርሓ መሳርሒ ጸላኢ ሠናይት’ዩ ። ።

ኣብ ማቴዎስ፡ሉቃስ፡ ማርቆስ( ዮሐንስ ድሕሪና ክንሪኦ ኢና ) እንተ ተወኪስና ሓዋርያት ንክርስቶስ መን ምዃኑ ዝፈልጥዋ ድሕሪ ፋሲካ እዮም። እዚ ኵሉ ዓመታት ምስኡ እናተጓዓዙ ፡ ዝስርሖ ተኣምራት እናተዓዘቡ፡ ሓሙማት ክጥዕይ እናተመልከቱ፡ ሓንካሳት ብእግሮም ክኸዱ እናረኣዩ፡ ብርሃነ መሎኮቱ ኣብ ደብረ ታቦር ክግለጽ እናተሳተፉ ፡ ወላዲቱ ዛዕባ መንክር ልደቱ  እናኣዘንተወትሎም .... ወዘተ ረሲዖም ኣብ ሕማሙን ስቅለቱን ካብኡ  ርሒቖም። በቲ  ክቡር ሰሙ ተኣምራት ክገብሩ ስልጣን ዘሃቦም ጐይታ እንታይነቱ ኣይፈልጥዎን ነበሩ። እቲ ኣምላኽነቱ ዝመስከረ ጴጥሮስ እኳ ከይተረፈ ኣብ ግዜ ስቅለቱ፡ ክርስቶስ ኣይፍለጦን’የ በለ።

ኣብ ማቴዎስ 16 ኣብ ቂሳርያ ናይ ፍሊጶስ  ደቂ ሰባት መን ይብሉኒ ኢሉ ንሓርዋያት ምስ ሓተቶም ቅዱስ ጴጥሮስ ጥራይ’ዩ ክርስቶስ መን ምዃኑ ዝመለሰሉ ።  በዘይካ ኣብዚ ዝጠቀስንዮ ምዕራፍ ኣብ  ካልእ ምዕራፍ  ናይዞም ሠለስተ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም  ወንጌላዉያን  ሰለ ክርስቶስ መንነት ዝገልጽ  ኵነት ኣይንረከብን ። ቅ.ጴጥሮስ ክርስቶስ ወዲ ሕያዉ ኣምላኽ ኢኻ ኢሉ መስኪሩ። ክርስቶስ ንሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ  ደመን ሥጋን ኣይገለጸልካ ሰማይዊ ኣቦይ ደእ እምበር  ብምባል መለሰሉ። ቅ.ጴጥሮስ መልክዕ ፡ቁመት፡ ዓይኒ፡ እዝኒ ፡ ቁመና ብምርኣይ  ኣይኮነን ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ  ክብል ዝበቀዓ።  እንታይ ደኣ ሰማያዎ ኣቦ ሰለ ዝገለጸሉ’ዩ።....... ሰለዚ እቶም ኣብ ቅርዓት ፈይስቡክ(facebook) መልክዕን ቁመናን  ብምርኣይ ትምህርቲ እንመርጽ ነስተዉዕል።..... . እንተ ዘይኮይኑ...........

ኣደዳ  ብቀጻሊ ብእዝንና እንሰመዖ ብዓይንና እርእዮን  ዘለና  ነቲ  “መድኃኔ ናይ  ዓለም “  ናይ  “ ግልዲ መድኃኔ”  ዝልዉጡ እነፍቅሮም ኣሕዋትና  ተጣቃዕቲ ክንከዉን ኢና። ወረ ጽንሕ ኢልናስ   እንዳ መድኃኔ-ዓለም ዝብል ስም ተሪፉ  እንዳ መድኃኔ-ወልቂ  ዝብል ስያመ ዝወሃቦ  ቤተ-ክርስቲያን  ክንስምዕ ኢና። መጸዊዒ ኣስማትና ከም በዓል ወልደ ኢየሱስ፡ወለተ ኢየሱስ፡  ግብረ ኢየሱስ፡ ተስፋ ኢየሱስ .... ወዘተ ዝብሉ ኣስማት  ቀቢርና ናይ ክርስቶስ ሰም  ዘጸባበቅና መስሊና የሱሰየ ናተይ፡ የሱሰይ ናይ ወልቀይ፡ የሱሰይ ምቁር ..ወቦዘተረፈ   ኣብ ፈይስቡክ(facebook) ዝጥቀመሉም ናይ ሳጓ  ኣስማት  መጸዊዒ ኣስማትና  ከነጠምቅ  ክንጅምር ኢና ። መድኃኔ-ዓለም የሰወረና እምበር እቶም ብስመ አቡነ-ኣረጋዊ እናጸዉዑ ዝምሕሉ ብደቂ ሹቅ ዝፍለጡ ስም ጐይታን መድኃኔን ኢየሱስ ክርስቶስ ከነቃልል ምስ ተመልከቱ ፡ ብወገኖም  በቲ ናቶም  ቋንቋ የሱስ ናይ ሕማማይ፡ የስሱ ያሆ፡ የሱስ ኣሞሮይ .... ወዘተ እናበሉ ኣስማት ክርስቶስ ክጽዉዑ ድፍረት ክንምህሮም ኢና። እቲ ስም እግዚአብሔር ብኾንቱ ኣይተልዕል ዝብል ትእዛዝ ሃደሽ ደሽ ካብ ምባል ሓሊፉ ሓደ ካብ ዓስረተ ትእንዛዝ ምዃኑ ክንፍሕቆ  ኢና ..ካብዚ ከምዝስ ይሰውረና ደኣ ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽና ብዓይነ-ምሕረቱ ይጠምተና  ። ናብ ኣርእስትና ንመለስ......

ድሕሪ ስቅለት ሓዋርያት ክርስቶስ ኣብ መቃብር ሰለ ዝወረደ ጉህዮም ነበሩ። ኣብ ሉቃስ 24  ክልተ ሓዋርያት ኣብ መገዲ ኤማሁስ ክኸዱ ከለዉ ኢየሱስ ተሓወሶም ይብል ። እዞም ክልተ ሓዋርያት ክርስቶስ ምዃኑ ኣየላለይዎን። ብጣዕሚ ዘገርም’ዩ ምስ ክርስቶስ ክንደይ ዝኣክእል ዓመታት ብሓባር ተጓዒዞም ኣብ ዝወዓሎ ዉዒሎም፡ ኣብ ዝሓደሮ ቦታ  ሓዲሮም ግና ንክርስቶስ ኣይፈለጥዎን። ኢየሱስ ክርስቶስ “ እዚ እናኸድኩም “  ንሓድሕድኩም እትዛረብዎስ ዘሎኹም ነገር እንታይ፡” ኢሉ ሓተቶም ።

ናባና እስኪ  ንመለስ  ምሳና ዝበልዑ፡ዝሰትዩ ደቂ ገዛዉትና ዝኾነ ሰብ ብዘዓባና ምስ ዝሓቶም እሞ እቶም እነፍቅሮም ኣዕሩኽትና ኣይፈልጦን’የ ዝብል መልሲ ምስ ዝህቡ እንታይ ኮን  ምተሰመዓናⵗ ብፍላይ ናይ ስራሕ ዕድል ምስ ዘገጥመና ዝፈልጠካ ሰብ መን ኣሎ ⵗ መንነትካ  ክገለጸልና  ዝኽእል ጥቡቅ ዝምድና ምስኻ ዘልዎ  ሰብ ሒዝካ ምጻእ ⵗ ተባሂልና ምስ ንሕተት።ንኣቦና ወይ ኣዴና ወይ  ሰበይትና  ወይ ሰብኣይና ወይ ንሓዉና ወይ ሓፍተና ወይ  ኣዕሩኽትና ሕዚና ኣብ ቅድሚ ሓታቲ እዚኦም መን ምዃነይ ክምስክሩ ደላዋት እዮም ኢልካ ምስ ነቅርቦም ፡ ንሳቶም፡  እቶም እኳ መቅርብና ዝበልካዮም   ኣብ ቅድሚ ሓታቲ  ኣይንፈልጦን ኢና ምስ ዝብሉኻ/ኺ እንታይ ምተሰመዓካ ⵗ ብጸርፍን ዘለፋን ምሸምጠጥካዮም’ዶ  ሓቀይ ⵗ ። መልሲ ንኣንበብቲ ይገድፈልኩም ...  ናብ ኣርእስትና ንመለስ

ክርስቶስ ግና ከሙ ኣይገበረን ። ክርስቶስ ዝሓተቶ ሕቶ ቀለዮጳ መልሲ ሂቢ.... “ ኣብ ኢዮርሳሌም ዝኾነ ኣይትፈልጥን ...... ናብ ሞት ፍርዲ ሂቦም ሰቀለዎ” ....... ። ክርስቶስ ከምዚ በሎም”..........ኣቶም ነብያት ዝተዛረብዎ ኵሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጎየ........ ካብ ሙሴን ኵሎም ነብያትን ኂዚ ከኣ ኪትርጕመሎም ጀመረ........”። ኣብዚ ጥቅሲ ንመሃሮ ነገር  ሓዋርያት ንክርስቶስ ክፈልጥዎ መጽሐፍ ሙሴን ነብያትን ይዉከሱን የንብቡን  ከም ዘይነበሩ ። መጽሐፍ  መሴን ነብያትን ዝገልጸልካ ዝትጉመልካን  መምሃርን ምዉካስ ከም ዘድሊ.....። እሞ ኸእ ደኣ እንታይ ተረኽበ ኣብ ዘመና  መጽሓፍ ቅዱስ ብስርዓት ዘይተማህረ ብስም መጽሓፍ ቅዱስ ሰለ  ዝዝሓዘን ዘንበብን ቃላ ኣምላኽ’ዩ ዝምህር እናበለና ዝዝመጸና ቃላት ኣብ ኣእዛና ክሶክዕ ንዉዕል  ። ክርስቶስ ዋላ እኳ መጽሓፍቲ ሙሴን ነብያት እንታይ ከም ዝብሉ እንተ ገለጸሎም እቶም ክልተ ሓዋርያት ምስኦም ዘሎ መን ምዃኑ  ጌና ኣይፈለጥዎን ዘለዉ። መዓስ ደኣ ፈለጥዎⵗ ... ... መኣዲ ምስኣቶም ምስ ተቀመጠ ድማ እንጌራ ኣልዒሉ ፡ ባሪኹ፡ ቆሪሱ ሃቦም ይብል ኣብ ልቃስ 24 . ...ሽዑ ዓይነ ልቦንኦም ተኽፈተ። ድሕሪ ምብላዕን ምስታይ መን  ምዃኑ ፈለጥዎ ።

እዚ ክርስቶስ ዝፈጾሞ ስርዓት  ሎሚ ኣብ ቤተ-ክርስቲይና  ቀጻሊ ይፍጸም ኣሎ ። ኣብ ግዜ ቅዳሴ ክልተ ድያቆናት ካብ መልኽትታት የንቡቡ ፡ ሓደ ካህን ካብ ግብረ ሓዋርያት የንብብ ድሒሩ ድማ ሳራይ ካህን ወንጌል ይንበብ። ድሕሪ ወንጌል መንባቡ  ነቲ ዝተነበ ጽሑፋት ምስ ወንጌል ኣተኣሳሲሮም መምሃራን ይምህሩና ። ጸሎት እግዚኦታ ምስ ዓረገ  ኣጋ መፈጸምታ ደምን ሥጋን መድኃኔ ዓለም ንቀመስ። እዚ ቅዱስ ስርዓት ክርስቶስ ንሓርዋርያት መሃሮም ሓዋርያት ከኣ ንቅዱሳን ንኣቦታትና ፡ ቅዱሳን ኣቦታትና ከኣ ንዓና ኣረኪቦሙና ። እዚ እግዚአብሔር ወልድ ዝሰርዖ ስርዓት ብዘይካ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት  ቤተ-ክርስቲይና ኣብ ካልእ ቦታ ኣይንረኾቦን።

ቤዛ-ናቱ(2017-04-03)

Comments are closed.