እሙንን ለባምን ኣገልጋሊ -ቀዳማይ ክፋል

ሓደ እዋን ቅዱስ ኣባ መቃርስ ዓቢ፡ ኣብ በዓቶም ብጸሎት ተጸሚዶም ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ገዳም ዝነበሩ ተማሃሮ ናብኦም ቀሪቡ፡ "ኣባ ኵሉ ነገር መኒነ ንክርስቶስ ከገልግሎ እንታይ ክገብር ኣሎኒ" ብምባል ሓተቶም። ኣባ መቃርስ "ዝወደይ ብሓቂ’ዶ ንክርስቶስ ኪትስዕቦ ወሲንካ ኢኻ " ብምባል ንሕቶኡ ብሕቶ መለስሉ። እቲ መንእሰይ ብዘይምምታእ "እወ ኣቦና ወሲነ ኢየ " ኢሉ መለሰ። "በል ገዛእ ርእስኻ ካብ ሰባት ኣግልል" መልሲ ናይ ኣባ መቃርስ ኢዩ ዝነበረ። ብኸመይ መንገዲ ካብ ሰባት ተነጺሉ ክርስቲያናዊ ኣገልግሎቱ ከሰላስል ከም ዘለዎ ዘይተረድኦ መንእሰይ ሕጂ'ውን ደጊሙ "ግን ኣባ ካብ ሰባት ተነጺልካ እንታይ ዓይነት ሕይወት ክትመርሕ ትኽእል" ብምባል ሓተተ። ኣባ መቃርስ ካብ ብቓላት፡ ነቲ መንእሰይ ብግብሪ ክምህርዎ ስለ ዝፈተዉ፡ "ወደይ ብሩኽ ኣብዚ ዓዲ ናብ ዝርከብ ዝኾነ መቃብር እሞ ኺድ ዓቕምኻ ብዘፍቅዶ መጠን ክሳብ ዝምነወካ ነቲ መቓብር ኮነ ነቲ ኣብኡ ዓሪፉ ዘሎ ሬሳ ጽርፎም" ኢሎም ለኣኽዎ።

እቲ መንእሰይ ከምቲ ዝተኣዘዞ ገይሩ ተመልሰ። "እሞ እንታይ ደኣ በለካ እቲ መቃብር" ኣባ መቃርስ ብሕቶ ተቐበልዎ። እቲ መንእሰይ ብምሒር ድኻም ተሰኒፉ እናላህልሀ "ሓንቲ ቃል እኳ ኣይመለሰለይን" በሎም። ኣባ መቃርሰ "በል ንዓ ሕጂ  ገለ እንተ ሰምዓካ ውድሶ፡ ኣመስግኖ፡ ንኣዶ   እንታይ ግበረ መልሲ ከም ዝሃበካ ንገረኒ" ኢሎም ለኣኽዎ። ኣብ ኣጋ ዕራርቦ እቲ መንእሰይ ተመሊሱ መጸ። ምንም ዝረኸቦ ፣መልሲ ከም ዘየልቦ ነገሮም።

"ርኢካ ዝወደይ፡ ምዉት፡ ምዉት ስለ ዝኾነ ዝበልካ እኳ እንተ በልካዮ ምንም ቃል ኣይመለሰልካን። ንስኻ ድማ ካብታ ንክርስቶስ ክትስዕብ፡ ናቱ ኣገልጋሊ ክትከውን ዝወሰንካላ ዕለት ኣትሒዝካ ነዛ ዓለም እዚኣ ምዉት ምዃንካ ከተረጋግጽ ይግበኣካ። ናይዛ ዓለም እዚኣ ጸርፍን ናእዳን ስፍራኻ ከም እትለዋውጥ ኪገብረካ ኣይግባእን። እንተ ዘይኮይኑስ ብዝተጸረፍካዩ ቁጽሪ፡ ብዝተናኣድካዮ መጠን፡ ዓቀን ኣገልግሎትካን ተኣማንነትካን ክብን ለጠቕን ዝብል እንተ ደኣ ኮይኑ ሕይወት ኣየውህበካን ኢዩ" ኢሎም ብምምካር ኣፋነውዎ። ዘለናዮ ዘመን ኣዚዩ ኣሸጋርን ረቂቕ ብልሓት ዝሓትት እዋን ምዃኑ ካብ ነፍስ-ወከፍና ዝተሰወረ ኣይኮነን።  ዓለምና ብኣዚዩ ዝተራቐቀ ሰክዔት ተጠቕሊላ ናብ ኣጻድፍ ጥፍኣት ተንከባልለሉ ዘላ ወቕቲ፡ እሙንን ለባምን እገልጋሊ ጐይታ ኴንካ ከም ምርካብ ዝኣመሰለ ጸጋ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን፡ ኣብዚ ንክስትያናዊ ኣገልግሎት ዝስለፉ ምእመናን ብፍላይ እኳ መንእሰያት ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሖምሉ ዘለዉ እዋን፡ ንልቢ ሰዓብቲ ዘረስርስ፡ ብቓልን ብግብርን ኣርኣያ ዝኸውን ኣገልጋሊ እናሰሓወ ዝኸደሉ ደረጃ በጺሕና ንርከብ። "ኣብ ማእከልኩም ለባምን ኣስተውዓልን መን ኢዩ ንሱ ብሰናይ ኣካይድኡን ብለውሃት ጥበቡን ጌሩ፡ ግብሩ የርኢ" (ያዕ 3፡13) ተባሂሉ ንዝተነግረ ቃል ብግብሪ ዝትርጉም ኣገልጋሊ ምንም እኳ ጠቕሊሉ የልቦን ክንብል እንተ ዘይደፈርና፡ ብኣዚዪ ኣሰካፊ ፍጥነት ናይ ከምዚኦም ዓይነት ኣገልገልቲ ቁጽሪ እናኣንቆልቆለ ይኸይድ ከምዘሎ ግን፡ ምስከር ዘየድልዮ ሓቂ ኢዩ። እምበኣር እዚ ካብ ኮነ፡ ኣገልግሎትን ኣገልጋልን ኣብ ከምዚ ዝበል ኣሰካፊ ደረጃ ወሪዶም ከም ዘለዉ ካብ ተሰቆረና፡ ጠንቅን ሳዕቤንን ኣለሊና፡ መፍትሒ'ውን ከነናዲ ግዴታና ስለ ዝኾነ፡ እግዚኣብሔር ብዝረድኣና መጠን ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ብዛዕባኡ ገለ ኪንድህስስ ኢና።

ኣብ መእተዊ ናይ ጽሑፍና ከም ዝተዓዘብናዮ፡ ቅዱስ ኣባ መቃርስ ነቲ መንእሰይ ብዝመኸርዎ መሰረት፡ ኣገልጋሊ ናይ ክርስቶስ ንምዃን ካብ ዝሕተቱ ቀንድን ኣገዳስን ረቑሒታት ገዛእ ነፍስኻ ነዛ ዓለም ምውት ምግባር ኢዩ። ከመዮ 'ቲ ሬሳ ጸርፍን ናእዳን ናይቲ መንእሰይ ንህልውንኡ ኪቀያይሮ ዘይከኣለ፡ ከምኡ'ውን ንሓደ ኣገልጋሊ ክስመ ዝበቐዐ ሰብ፡ ጸርፍን ናእዳን ሰባት፡ ከምኡ'ውን ምቾትን ሕሰምን ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ሕይወት ኣገልግሎቱ ጽልዋ ክህልዎም ኣይግባእን። እቲ ሓቂ እዚ እናኮነ ግን ከምቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ፡ ሕይወት ኣገልገልትን ኣገልግሎቶምን፣ ካብቲ ዝተጸውዑሉ ጽውዓ ኣዚዩ ዝረሓቐ ኮይኑ ኢና እንረኽቦ። ንምስትውዓሉ ምእንታን ክጥዕም እቲ ከም ቀንዲ መሓንቖ ናይ ንጹሕ ኣገልግሎት ክጥቀስ ዝኽእል ነገራት ብኸምዚ ዝስዕብ ከፋፊልና ክንሪኦ ይምረጽ።

  1. ንጹር ዕላማ ወይ ራኢ ዘይምህላው፥

ጐይታናን ኣምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ዘመነ ስብከቱ ብዛዕባ ኣገልግሎትን ኣገልጋሊን ከስተምህ  ከሎ፡ " እቲ በብግዚኡ መግቦም ኪህቦም ኢሉ ጐይትኡ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤቱ ዝሸሞ ኣገልጋሊ መን ኢዩ" (ማቴ፡ 24፡45) ብዝብል ኣርእስቲ መሂሩ’ዩ ። እምበኣር ኣገልጋሊ ተባሂልካ ኪትሽየም ከለኻ ኣብተን ክርስቶስ ገዛእ ርእሱ በጃ ክሳብ ምሃብ ዘፍቀረን መጓሰ ትሽየም ከምዘለኻ ዓሚቕ ኣፍልጦ ክህልወካ ይግባእ። ነተን ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዓደጋ ነፍሳት ብሓላፍነት ትርከበን ከም ዘለኻ ምስትብሃል፡ ነቲ ኣብ ዘመነ ኣገልግሎትካ ክህልወካ ዝግባእ ዕላማን ራኢን ብንጹር ንኽተለሊ ሓጋዚ ኢዩ። ንጹር ዕላማን ራኢ ዘይብሉ ኣገልግሎት ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ኪኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ምኽንያቱ ንመንን ስለምንታይን ተገልግል ከም ዘለኻ ከይፈለጥካ ዝግበር ኣገልግሎት ካብቲ ቀንዲ ዕላምኡ ኣንደልሂጹ ናብ ካልእ ኣንፈት ኪኸይድ ግድን ስለ ዝኾነ። እምበኣር እቲ ቀንዲን ኣተሓሳሳብን ናይ ዘመንና ኣገልገልቲ ሽግር እዚ ኢዩ።

ቃል ኣምላክ እናጠቐስካ ንምእመናን ምምሃር እምበር፣ እቲ እትምህሮ ቃል ንዓኻ'ውን ከም ዝምልከተካ ብምእማን ገዛእ ርኣኻ በቲ ቃል ከም እትምለኽ ዘይምግባር፣ ናይዚ ግዜ'ዚ ዝዓበየ ማሕንቖ ኢዩ። ካብታ ኣገልጋሊ ተባሂልካ ዝተሰመኻላ ዕለት፣ ከምቲ ጥበበኛ ኢያሱ ወዲ ሲራክ "ወደየ ንእግዚኣብሔር ከተገልግል እንተ ደኣ ኴንካ ገዛእ ርእስኻ ንፈተና ኣዳሉ" ዝበሎ፣ ነቲ ምስ ኣገልግሎትካ ዝጻረር ብየማነ ጸጋምካ ዝውሕዝ ፈለግ ፈተና ብትብዓት ንምቅዋሙ፣ በርቲዕካ ምቅላስ ከም ዝግበኣካ ንጹር ናይ ዘመነ ኣገልግሎትካ ዕላማ ምስ እትገብሮ፡ "እቲ እሙንን ለባምን ኣገልጋሊ" ተባሂልካ ንኸይትስመ ዝዕንቅጸካ ነገር ኣይህሉን። እንተ ደኣ ዘይኮይኑስ፡ ምስ ዝመጸ ማዕበል ፈተና ኣንፈት ኣገልግሎትካ ዝቀያየር ምስ ዝኸውን፡ ጸርፍን ብድዐን ዓያሹ (ዘያኣመንቲ) ሰባት፡ ንዓንዲ ኣገልግሎትካ ነቕነቕ ምስ ዘብሎ፡ ብኣንጻሩ ኸኣ ናእዳን ምርቓን ሰባት ናይ ኣገልግሎት ህይወትካ ዕዉትን ውጽኢታዊን ምዃኑን ከም እትኣምን ምስ ዝገብረካ፡ ንስኻ ገና ነዛ ዓለም ኣዚኣ ኣይሞትካን ኣሎኻ። ገና ትርጉም ኣገልግሎት ኣይተሰወጠካን ዘሎ'ሞ፡ ብጸሎትን ልማኖን ናብ ኣምላኽ ምቕራብ የድልየካ ኢዩ። ነተን ዝተሾምካየን መጓሰ ኣባጊዕ ዝበቅዕ ናይ ኣገልግሎት ሕይወትን፡ ምእንቲ እቲ ዝተሓሬኻዮ ሕርየት፡ ክሳብ ሞት ዘቋምት ጽኑዕ ዕላማ ንኽህልወካን ወትሩ ብጸሎት ምስ ኣምላኽ ምዝርራብ እቲ እንኮ መፍትሒ ኵሉ ሽግራት እዩ።.............

ዘነገደ ባሕር

Comments are closed.