ኪስዕበኒ ዚደሊ ...መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዓበኒ”

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን፡፡

 ሎቱ ስብሐት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ብዙሓት ህዝቢ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ይኽተልዎ ነይሮም  ክበልዕ ዝደለየ፥ ገደል ኣፉ ከም ዝበሃል እንጀራ ኣበርኪቱ ምስ ሃቦም በሊዖም ምስ ጸገቡ ብዙሓት ህዝቢ ኣብ ዝኸዶ ቦታ ይኸዱ ነይሮም “ንኢየሱስ ኬናድይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ ...ምስ ረኸብዎ ከኣ መምህር ! መኣዝ ደኣ ናብዚ መጺእካ በልዎ " ዮሓ. 6፡24-25። ደቀ መዛሙርቱውን ብዙሕ መከራ መስቀል ክቅበል ክቅተልን ክትንሥእን  ምዃኑ ምስ ነገሮም ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ  እዝስ ከቶ ኣባኻ ኣይውረድ በሎ፣ ንበረልና ደኣ ንስኻስ ዘስምዕ እዩ ፡፡ እዚ ማለት ጴጥሮስን ንዕኡ ዝመስሉን ኣብ መስቀል ዝኽፈል ናይ ድኅነት ሥራሕ ብዘይምስትውዐሎም እዩ ነይሩ፡፡ እምበኣር ኣነ ዝመጻእኩ ብመከራ መስቀል ድኅነት ንምግባር እዩ፡፡ ክስዕበኒ ዝደሊ ከኣ እዚ መከራ መስቀል ኣልዒሉ ይስዓበኒ፥ ኣነ  ምድራዊ መንግሥትን ፥ ምድራዊ እንጌራን ክሰርዕ ኣይመጻእኩን ንምባልን፥ ንዓይ ክመስል ዝደሊ ድማ በዚ ይከተለኒ ኢሉ ንዕኦም ንምርዳእ ዝተነግረ ቃል እዩ ነይሩ፡፡ ማቴ .16 ፡ 24 ፡፡

እምበኣር ህያዋን ክንከውን ዝገበረና፣ ነቲ ብሕግታት ዚቃወመናን ዝበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ ዝተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ  ብመስቀል ካብ ማእከልና ምስ ኣርሓቆ እዩ፡፡ ቅዱስ ዮሓንስ " ወበዝንቱ ተዐውቀ ፍቅሩ ለእግዚአብሄር " ኣምላኽ ንፍቅሩ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኽ ገለጸልና፥ ብምባል ከም ዝገለጸልና ኣምላኻዊ ፍቅሩ ብሕማማተ (ብመከራ) መስቀል ገይሩ ኣርእዩና እዩ ።1 ዮሓ. 4፥10 ፡፡

ስለዚ ናይ እግዚአብሔር ፍቅሪ ብመስቀል ከም ዝተገልጸ ደቂሰባት ከኣ ንዕኡ ዘለና ፍቅሪ እንገልጸሉ መስቀሉ ተሰኪምና ንዕኡ ምክታል ምዃኑ በዚ ምዕራፍ ገሊጹልና፥ በዚ መሠረት መስቀል ምሽካም ማለት ብክርስትና ምኽንያት ዝገጥመና መከራ ብጽንዓት ምሕላፍ ማለት እዩ፡፡ ድሕሪ መከራ ፥ ድሕሪ ጸባባ ምሕላፍ  ሰላም ከም ዘሎ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ኢልዎም ኣሎ፥ " ዝንቱ ውእቱ ዘነገርኩክሙ ከመ ብየ ሰላመ ትርከቡ ወበዓለምሰ ሕማመ ትረክቡ ወባሕቱ ጽንዑ እስመ አነ ሞእክዎ ለዓለም" ኣባይ ሰላም ምእንቲ ክትረኽቡ እዚ ነገርኩኹም ፥ ኣብ ዓለም ጸበባ ኣለኩም እንተኾነ ኣጆኹም ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ።" ዮሓ. 16፡33 ፡፡ ሓዋርያት እዚ ቃል ተኸቲሎም ስለ ክርስትና ብዙሕ መከራ ተቀቢሎም ኂዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም ፥ ኣብ መጋባእያ ደው ኣበልዎም፥ ብስሙ ከይምህሩ ኣጽኒዖም ከልከልዎም፥ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎም ብሰይፊ ሰየፍዎም ኣብ መወዳእታ ድማ እዚ ኹሉ መከራ ምስ ሓለፉ ከምቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣርኣያ ዝኾኖም ሓዋርያት ከኣ ንደቀ መዛሙርቶም  ብከመይ መከራ ከም ዝሓልፉ ብቃልን ብግብርን ኣርኣያ ገደፍሎም " ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ክንኣቱ ዚግብኣና ብብዙኅ ጸበባ እዩ" ዝብል ቃል ገደፍሎም። ግ.ሓዋ. 5፡18 ፡27  7፡58  12፡2  14፡22 ፡፡  ንሶም ብስሙ መከራ ምቕባል ብቑዓት ኮይኖም ብኣኮቴት፥ ብጸጋ ክቕበልዎ በቕዑ  " ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ውርደት ንምቅባል ብቑዓት ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ ካብቲ መጋባእያ እናተሓጎሱ ወጹ።" ዝብል ከም ዝተጻሕፈ ። ግ.ሓዋ. 5 ፡ 41 ፡፡

ንሕና’ኸ ብኸመይ ንጎዓዝ
ናይ ክርስትና ጉዕዞ ከም ናይ ቀራንዮ መንገዲ ብመከራ ዝተከበ እዩ፥ ንዐና ኣብነት ክኾነና ዝተጻሕፈ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ናይ ዲያብሎስ ፈተና እስከ  ንመልከት፥ ንዓይ ተሰጊድካ ተተገዚእካ ዝብል ብናይ ዓለም ፍትወት ካብ እግዚአብሔር ከርሕቀና ኩሉ ጊዜ እዩ ዝጋደል ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንመስሎ ግና መስቀሉ ተሸኪምና ብዝተፈላለየ ፈተና ዝመጸና መከራ ብምዕጋስ ንክንስዕር ድልዋት ክንከውን ይግብኣና ፥ ነፍስ ወከፍ ሰብ ብገዛእ ትምኒቱ እዩ ዝፍተን ከም ዝበለ ቅዱስ ያዕቆብ ብመንፈስ ምስዝሓልና ብኃጢኣት ምጉዓዝ ንጅምር። /ያዕ 1፥14። ንክፉእ ፍትወት ዝተቃልዐ ሕልናና ብምግዛእ (ብምቁጽጻር) ግብረ ጽድቂ ንምሥራሕ ምግዳል ርእሱ ዝኸኣለ መስቀል ምስካም ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን፡፡  ነዚ ፈተና ክንሰግር ብጾምን ብጸሎትን ረድኤተ እግዚአብሔር ሓገዝ ብምግባርን እዩ፡፡

 መደምደምታ
ክርስትና ብዙሕ መከራ እኳ ዘኽፍል እንተኾነ ዋግኡ ግና ኣዝዩ ዝበለጸ እዩ ፥ ኽብሩ ምስ ዘሎና መከራ ክመዛዘን እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ " ስቓይ እዚ ዘመን’ዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ እኣምን እየ። " ይብል። ሮሜ . 8 ፡ 18 ፡፡  ጸበባ ዘይኮነስ ኽብሩ እናዘከርና መስቀሉ ተሰኪምና ብትዕግስቲ ፥ ብፍቕሪ ፥ ብጽንዓት ምስ እንጉዓዝ ናይ ክብሪ ኣኽሊል  ክንሽለም ኢና፡፡ " ንስኻ ግና ክሳዕ ሞት እሙን ኩን ኣነውን ኣኽሊል ሕይወት ክህበካ እየ።” ራእ. 2 ፥ 10  ፡፡ ከም ዝተባህለ ክሳብ መወዳእታ እሙናት ንሙኻን ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነትን ኣይፈለየና ፡፡

                                                                                                                                                ወስብሐት ለእግዚአብሔር ፡፡

                                                                                                                                                  ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                                                                                                  ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን. ሙሉእብርሃን

ዘደብረሠላም

Comments are closed.