ሰብ ምስ ደኸመ ክዕርፍ እምበር ክድቅስ ኣይተፈጥረን !!

ግዜ ምንቃሕ እዩ ፡ ዚብል ድምጺ ከም መቃልሕ ኣብ እዝነይ ምስ ተደወለ ፤ ከምዘይ ሰማዕኩ  ደጊመ ክድቅስ አንተ-ፈተንኩ ፣ ካብቲ መጀመሪያ ዝነበረ ድምጺ ብዝሓየለ  መልክዑ፤ ግዜ ምስጋና’ዩ ፣ እዋን ጸሎት ምስ ፈጣሪኻ ትራኸበሉ ሰዓት’ዩ ፡ ንምንታይ ከ ኣብ ግዜኡ ዘይግዜኡ ኣብ እምነትካ ዝይትጸዕ ዝብል ድምጺ ደጊመ ሰማዕኩዎ “ እቲ ብተግባረይ ዚተማረረ ነብሰይ” ምኻኑ'ዩ ። ኣይጸናሕኩን ካብቲ ደቂሰሉ ዝነበርኩ ዓራት ብድድ በልኩ። ኣእጋረይ ንቅድሚት ክስጉማ ተቃለሳኒ ፡ ረሸሽ በላኒ ፡ ተመሊሰ ኣብ ዓራተይ ኮፍ በለኩ ። አግዚአብሔር ኣምላኽ  ኣብ ኵሉ ቦታ ኣሎ እንድዩ  ዝበሃል ፡  ኢሉ ስጋይ ሃንደበት ሕቶ ዱብ ኣበለ። ጽቡቅ ሕቶ እዩ ነይሩ፡ ነዚ ከምዚ ከማይ፡  ነዛ ትሕቲ ምድሪ  ትቅበር ስጋ ተገዚኡ ዝነብር ፍጥረት ድማ ዓቢ ዕድል ምብኳር ካብ ጉዕዞ ቀራንዮ ይኽሰተሉ። ነብሰይ ጨደረት .....ካብ ንዓለም ኢድካ ምሃብሲ  ንፈጣሪ ዓለም  ምግዛእ ይበልጽ ። ነዛ ትሓልፍ ዓለም  በታ ብመስዋእቲ ደም ክርስቶስ  ዚተዓደገት ሰብነትኪ እተማዕርግያ ግና ስለምንታይ  ፤ ንሳስ ሓላፊት’ዶ ኣይኮነትን ፤ካብ ዓለም ንላዕሊ ንእምነቱ ዝመርጽ ሰብስ ክንደይ እካ ብጹእ አዩ ፤እቲ ምንታይስ ድሕሪ ሞት ዘሎ ሕይወት ምስዚ ኣብ ዓለም ትነብሮ ፈጺሙ ዘይወዳደር፡  ጣዕሙ መዳርግቲ ምስ ማንም ከተነጻጽሮ ዘይትኽእል  ኣርያማዊ ሕይወት ኣዚዩ  ዝበርሃሉ ሰብ  ሰለ ዝኾነ።

ስጋይ ኣይተዋሕጠላን ብሰንበት በታ እንኮ ዕረፍታ መሓዛ ዓራት ኮይና ክትዉዕል በሃገት። ሰንበት መዓልቲ ፡ ባሕሪ እኳ ካብ ምጋሽ  ዝዕረፍ ፡ ስለዚ ሰንበት ዘይዕረፍኩ መዓስ ክዕርፍ ዝብል ሓሳባት ዉትፍ ዉትፍ በለኒ።ኣብ ሞንጎ ሓሳባት ተቀርቂረ ንዉሳነይ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ  ኣእትየ እንታይ ከም ዝዉስን ተንጠልጢለ ከለኹ  ናይ ቅዳሴ ሰዓታት ተዘከረኒ፣ ገና ብድድ ከይበልኩ  ድኻም ሕሹኽ በለኒ  ፤ ነፍሰይ በተን ዘለውና መንፈሳዊ ጸዓት ብኽንደይ ጻዕሪ ታተ ኢላ ብምትንሳእ ፡ በቃ ክኸይድ ኣለኒ ኢለ ወሰንኩ ኣብ ሞንጎ ቅዳሴ ክኣቱ ፤ ግዜይ ኣብ ሙጉት ወዳአኩዎ ። ሕልናይ ቃልሱ ቀጸለ ።

ነቲ ሰዓታት ግዜ ዚሃበ እግዚአብሔ ኣምላኽ  ቅዳሴ ነዊሑ ብምባል መረረይ እናኣስማዕኩ ፤ ተንስኢ፡  "ሰብ ምስ ደኸመ ኪዕርፍ እንበር ክድቅስ ኣይተፈጥረን"  ንዓለም ምግዛእ ማለት ከምቲ ንሰይቶበይስ ሰይቶብኣ ሞይታ ኢልካ ዳስ ምትካል አዩ ። ስጋይ ወላ እኮ አንተዘይተዋሕጠሉ ፡ነብሰይ ኣኽሊል ዓወት ጨበጠት። ስለምንታይሲ እቲ ዘይማስስ ኣየተሓድርን ደዩ ዝበሃል ሓቀይ  አቲ ሓቀኛ  ሕይወት ዝርከብ ብስጋኻ ተጠቂምካ ንዓለም ምስዓር ስለ ዝኾነ ። ኣብ ዓለም ምንባር ንዓለም ምጽባቅ ኣይኮነን ፤አንታይ ደኣ ንነብሲ ሚምዕራግ እምነበር ። ኣይጸናሕኩን ተንሲአ  ናብ ቤተ-ኣምላኽ  ኣምራሕኩ ፤ ንሕልናይ ስለ ዚተገዛእኩ  ባህታ ኣብ ዉሽጠይ ከም ፀሓይ ተኾለዓ ። ነቲ ሰሙን ሙሉእ ናፊቀዮ ዝቀነኹ  ጣዕሚ ሽታ ዕጣን ኣስተማቀርኩ ፣ መንፈሳዊ ጸሎት  ንኣካላት ከብሒ ልበይ  ወሮሮ አንቋዕ ኣብ ዓራተይ ኣይወዓልኩ እናበልኩ  ነቲ ናይ ዓራት ማእሰርቲ እናተጸየፍኩ ንሕይወተይ ቃላ ኣምላኽ መገብክዋ። ከምቲ መድራዊ እንጌራ ኣብ ኣፈይ ኣስተማቂረ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ካብ ኣካላተይ ዝግሕፎ ዘይኮንኩስ ንዘልዓለም ኣብ ሕልናይ ወሪቁ ዝሰፍር ካብ መግዛእቲ ሓጥያት ዝገላግለኒ ኣብ ደረት ልበይ ጽዒነ ናብ ቤተይ ተመለስኩ።

ከም ታራ  ሰብ ዝገብሮ ደኺመ ክድቅስ ፡ ክብደይ ኣብ ዝጠመየሉ ብመግብን መስተን ክዝቅብብ እንተ ዉዒለ ደኣ ክርስትያንነተይ  ኣበይ ኣሎ። እዚ ደኣ ዋላ እንስሳታት እንደዮም ኣብ መዓልታዊ ንብርኦም ዝፍጽምዎ። መግቦም ማእሪሮም ድሕሪ ምብላዕ  ድቅስ ይዉዕሉ። ክርስቲያን ምዃን ግና  ፍሉይነት ኣለዎ ፡ ኣብ ግዜ ናይ ስዓት ድቃስ ንጸሎት ምንቃሕ ፡ ኣብ ግዜ ብልዒ ምጻም ፡ ኣብ እዋን ጸጋም ንሓዉኻ ኣቐዲምካ ምርዳእ።

ልዋም ሰሎሞን

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

Comments are closed.