ሓድሽ ዓመት ምስ ሓድሽ ሰብነት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስን ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ወትባርክ ኣክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ፥

ንዓመት ብሣህልኻ ትኽልላ፥  መዝ 65፡11

እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብበረኸት እናኸለለ ዘንበረና ነዞም ብኣምሳሉ ዝተፈጠርናን  ኣቦ ኢልና ክንጽውዖ ውልድነት ዝሃበናን፥ ንጉእዛን  ፍጥረታቱ’ውን ከማን ብሓልዮትን ብበረኸትን እናኣጽገበ ከም ዝሕልዎም  መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል :- ንምድሪ ትሓልየላ ዝናም ሰዲድካ ኸኣ ተጽግባ ፍርያምን ሃብታምን ትገብራ ንሩባታት ብማይ ትመልኦ ንምድሪ ድማ ኣዝርእቲ  ኸም እተብቊል ትገብራ፡፡ ንነግሕታታ ተስትዮ ንድንኲላታ ትድምድሞ ብዝናም ተለምልማ  ንቡቕላ ትባርኾ፡፡ ሰውሕታታ ብኸብቲ ይመልእ ኮረቢትውን ብሓጎስ ይመልእ ግርሁታት ብእኽሊ ይጒልበብ  ኲሉ ኽኣ እልል ይብልንን ይዝምርን ፡፡ መዝ 65፡9-13 ብናይ እግዚአብሔር ግብርታት ፍጡር ዘበለ ካየመስገነ ኣይተርፍን  “ተግባራትካ ድማ ንምድሪ ኻብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ እልል የብላ”  ከም ዝበለ ነብየ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት መዝ. 65፡8 ፡፡

ኣብ እግዚአብሔር ኲሉ ሙሉእ’ዩ  ኣብኡ ዝቕጸሩ ዘመናት የለዉን ዝሓለፈ ዓመት ሎሚ ዓመት ዝመጽእ ዓመት ዝብሉ ቃላት ንደቂ ሰባት እዮም ዝሰማምዑ ፥ እምበር ንዕኡስ ቅዱስ ዳዊት ከምዚ ኢሉ ተቐንይሉ እዩ “ኦ እግዚአብሔር ፥ ንስኻ ንውሉድ ወለዶ ትነብር ንምድሪ ቐደም ፈጠርካያ ፥ ሰማያት ከኣ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም፡፡ ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም ንስኻ ግና ኽትነብር ኢኻ ኲሎም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም ከም ልብሲ ኽትልውጦም ኢኻ  ኪልወጡውን እዮም ፥ ንስኻ ግና ዂሉ ጊዜ ንስኻ ኢኻ ዓመታትካውን ከቶ ኣይውዳእን እዩ፡፡” መዝ 102፡25-27 ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን ኣልፋን ኦሜጋን ንሱ እዩ ዘመናትና እናባረኸ ብመግቦቱ እናኣጽገበና ካይተታኸሰ ዝነብር እዩ ፡፡ ካባና ዝደልዮ ተሃልዩ ሓደ ነገር ጥራሕ “ንስኻ ኣብ ዘለኻዮ ጽጋብ ኣሎ”  ኢልና ከም ነቢይ ዳዊት ከነመስግን ጥራሕ እዩ፡፡

ሓድሽ ዓመት ምስ ሓድሽ ሰብነት

ሓድሽ ዓመት ክበሃል መቸም ኣብ ጒዕዞ  ናብራና ብዙሕ መደባት ሰሪዕና ከም እንደገና ሓድሽ ምዕራፍ እንጅምረሉ እዩ ፡፡ ብዘይ ፍሬ ንዝሓለፍናዮ ጊዜና ዓመት  ዓመት መሊስና እንፍትሸሉ እዩ ፡፡ እንታይ ሰሪሐ ከመይ ተዓዊተ እናበልና ፥ እሞኸ ድኣ ነዛ ንዘልኣለም ህያዊት ዝኾነት ነፍስና  ከመይ ዝበለ ክንክን ምቅጽጻርን የድልያ᎒ ጥበበኛ ሰሎሞን ናይ ምድሪ ትርፉ ድኻም  ምዃኑ ተረዲኡ ሰብ ስለነፍሱ ኣዝዩ ክደክምን ክጽዕርን ከም ዘለዎ ከረድእ ከምዚ ይብል “ኣብ ዓለም ዚግበር ኲሉ ተግባር ረኣኹ እንሆ ኸኣ ኲሉ ኸንቱ እዩ፥ ደድኅሪ ንፋስ ከም ምጒያይ እዩ”፡፡  ብርግጽ ኣብ ምድሪ ሓድሽ ነገር የለን “ጸሓይ ትበርቕ ጸሓይ ትዓርብ ከም ብሓድሽ ክትጅምር ናብቲ ዝበረቐትሉ ቦታ ኽትምለስውን ትቕልጥፍ”  ኲሉ ዝነበረን ዝተገብረን እዩ ፥  እቲ ቕድም ዝነበረ ንሱ መሊሱ ይመጽእ እቲ ቕድም ዝገበርካዮ ሕጂ ኸኣ መሊስካ ትገብሮ ኣብ ዓለም ሓድሽ ነገር የልቦን፡፡ ይብል እቲ ንዓለም ብጥበቡ ዝመርመረ ቅዱስ ሰሎሞን  መክ.1፡14  1፡5 1፡9 ፡፡

እሞ ደኣ ኣየናይ እዩ ክሕደስ ዘለዎ እስከ  መንእዩ ኸ ክሕድሶ᎒ ብኸመይ᎒ ሎቱ ስብሐት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ብኃጢኣት ኣሪጉ ዝነበረ ሰብነትና ብደሙ ሓዲሽ ሰውነት ገዝኣልና “. . .ማለት ብኽቡር ደም ክርስቶት ኢኹም ዝደኃንኩም. . ." 1. ጴጥ 1፡18-19 ፡፡ ዓለም ካብ ኃጢኣት ዝነጽሐት (ዝተሓደሰት)፥ እቲ መንጽሔ ኃጢኣት ምስ መጸ እያ፥ ነዋ በግዑ ለእግዚአብሔር ዘያኣትት ኅጢኣተ ዓለም “እንሆ ኃጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ" ዮሓ. 1፡29። ተባሂሉ ዝተነግረሉ ምስ መጸ እያ ዓለም ፥ ዓመተ ዓለም፥ ዓመተ ኲነኔ ዝበሃል ዝነበረ ሓድሽ ናይ ምሕረት ዓለም (ዓመተ ምሕረት)፥ ኢላ ብፍሉይ ስም ክትጽውዕ ዝኸኣለት፡፡

ኣብ መወዳእታ ብዋጋ ዝተሓደሰት ሰብነት ብኃጢኣት እንተ ኣርሲሕናያ ብንስሓ ከነጽርያ ዝሓለፈናዮ ክፉእ ዘመን ብምልዋጥ ሓዲሽ ሕይወት ክንላበስ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይነግረና “ ነቲ ቐደም  ትነብርሉ ዝነበርኩም ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ ፥ በተሓሳስባኹም እውን ተሓደሱ፥ ነቲ በርኣያ እግዚአብሔር ብጽድቅን ብቕድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከኣ ልበስዎ” ፡፡  ኤፌ.4፡22-25

ሕዝበ እግዚአብሔር እምበኣር ከምቲ ነብየ እግዚአብሔር ዳዊት ኢትሰደኒ በመንፈቀ ዓመትየ ፥” ኦ ኣምላኸይ ኣብ ፈረቓ ዕድመይ ኣይትውሰደኒ” መዝ.102፡24። ኢሉ ዝለመነ። ንገቢረ ጽድቂ  ዝተጋህና፣  ንዕኡ ዘስምር ልቢ፣ ናብ ንስሓ ዘብጽሕ  ዕድመ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ክህበና  ከም ቅዱስ ዳዊት ክንልምን  ይግበኣና ፡፡ ንሱ ካባና  ፍረ ደልዩ ዓመት ዓመት እዩ ዝመላለሰና ቊረጻ ስለምንታይ መሬት እተባኽን ᎒ ከይተባሃልና ሰብነትና ብናይ ንሰሓ ዱዂዒ ኣለሳሊስና  ነዛ ዝተዋሃበትና ዓመት ፍረ ክንፈሪ፥  ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና።

 ወስብሐት ለእግዚአብሔር ፡፡

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

 

ዲን. ሙሉእብርሃን  

Comments are closed.