ቤዛዊት 10ይ ክፋል

ሳሚ ናይ ዲቁና ማዕርግ ካብ ኣቡነ ማርቆስ ተቀበለ። ቤዛ "ናይ  ዲቁና ማዕረግ   ምስ ተቀበልካ መንፈሳዊ ማዕረግካ  ንምኽባር  ሻሂ ከስትየካ" ኢላ መብጽዓ ኣትየትሉ ሰለ ዘነበረት  ቤዛ ንሳሚ ናብቲ ኣብ ጋርደን ሲቲ ዝርከብ ዝበለጸ እንዳ ሙቁር ሕብስቲ  ወሰደቶ። ሳሚ ዓይኒ መድሪ ክጥቀም ሰለ ዝደለየ ቤዛ ደስ ዝበለኪ ንኽልቴና ኣዚዚ ኢልዋ ሽንት ቤት ከደ፡ እታ ሒዝዋ ዘነበረ […]

Continue reading

ቤዛዊት 9ይ ክፋል

ቤዛ ካብ ገዛ ካብ ዘይትወጽእ ካልኣይ መዓልቲ ኮይኑ፡ ሳሚውን ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልቲ ገዝኦም ኣይተቐልቀለን ። ቤዛ ናይ ሳሚ ነገር ከሰክፋ ጀመረ። እታ ቀጻሊ “ኣብ ሕይወት ተበዳሊ እምበር በዳሊ ኣይትኹን። ኣብ ክርስትና ሕይወት ንሰባት ዕንቅፋት ከይትኸዉን ቀጻሊ ነብስኻ ሕኸኽ ፡ ንመንፈሳዊ ሕይወትካ ደጋጊምካ ምዘን“ ዝብላ ዘነብረ ቃላት እናሻዕ ኣናተመላለሰ ንኣእምርኣ ቃጨሎ። ንመን በዲለ ደየⵗ ንመን […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ  አሐዱ አምላክ ኣሜን! ወበዛቲ ዕለት ኮነ ተዝካሩ ለዐቢይ ወክቡር አቡነ አረጋዊ ዘይሰመይ ዘሚካኤል። በዛ ዕለት ዓብዪን ክቡርን ኣቦና ኣረጋዊ ዘሚካኤል ዝብሃል ተዝካሩ እዩ። ፩. እዚ ካብ እንጦንስ፣  መቃርስ፣  ካብ ጳኵሚስ ናይ ምንኰስና  ወይ መንፈሳዊ ሓረግ ራብዓይ ትውልዲ ዝኾነ ናይ ኣባ ዘሚካኤል  (ኣረጋዊ ) ኣመጻጽኡ ከምዚ እዩ። ፪. ዳግማይ እዚ ናይ […]

Continue reading

ቤዛዊት ሻምናይ ክፋል

ኣኼባ ምስ ተወደአ ከም ወትሩ ቤዛን ሳምን  እናተጻወቱ ናብ ገዝኦም ኣምርሑ። ኣብ መንገዲ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ኣርእስቲ ክዛራረብሉ ጀመሩ። ቤዛ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼባ ደኣ ከመይ ረኺብካዮⵗ ሳሚ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርናዮ ዝፈለዮ ዋላ ሓድሽ ነገር  የለን። ሰለ ቤተ-ክርስቲያን ዕብያት ዘቲና። ቤዛ፡ ሓቂ ዘይትዛረብ ቅድሚ ሕጂ በዛዓባ ንሓድሕድና ዘላና ርክብ ተዛሪብና ንፈለጥ ዲናⵗ ኣወዳት […]

Continue reading

ፈጣን ደመና

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናይ ስደታ ምሳሌ ኣብ ቤተክርስቲያና ኣገልግሎት ካብ መስከረም 26 ስጋብ ሕዳር 5 ዘሎ ናይ  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝክረሉ ናይ ስደት ዘመን እዩ።  ኣብዚ እዋን በብሰሙኑ ሰንበት ለይቲ ብሙሉእ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም […]

Continue reading

ናይ መናፍቓን መዝሙር ክንሰምዕ ይፍቀድ ዲዩ፧ ንምንታይ ኢና ናይ መናፍቓን መዝሙር ዘይንሰምዕ፧ ብዙሕ ጊዜ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ክመላለስ ይረአ ኢዩ። እዚ ሕቶ መሰረቱ ክልተ ኢዩ፡ እቲ ቀዳማይ ናቶም መዝሙር ኮነ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ጽልዋ ዘሕደረሎም ሰባት ንጌጋኦም ሕጋውነት ከልብሱዎ ካብ ዘለዎም ባህጊ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ገለ ገርህታት ኣመንቲ ኩልና ሓደ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ወዲ ሰብ ካብ ፈተና ምእንቲ ክድኅን ኩሉ ግዜ ከየቋረጸ ናይ ኣምላኹ ክጽሊ ይግባእ። ነዚ እዩ ከኣ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብ ማቴ.26፣41። << ናብ ፈተና ከይተኣይዉስ ንቅሑን ጸልዩን።>>  ዝበሎም ንኣቦታትና ሓዋርያት።  ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ንምእመናን ደቃ በብዕለቱ ተጊሆም ናብ ኣምላኾም ምእንቲ ክጽልዩ መዓልታዊ ጸሎት ሸውዓተ ሰዓታት ክጽልዩ ሥርዓት […]

Continue reading

ቤዛዊት ሻብዓይ ክፋል

ነታ ደብዳቤ ምስ ኣንበብዋ ዲ.በረኸት ግብረ መልሲ ናይ ዲ.መርሃዊ ካብ ገጹ ንምንባብ ናብ ዲ.መርሃዊ  ገጹ ጠመተ። ዲ.መርሃዊ ክልቲኣን ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ዝን በለ። ስምዓኒ መራ ዘይተጸበኻዮ መልሲ ኣይኮነን ደሓር ከኣ ዓይንኻ ኣንቈሕ ኣብ ቤተ ክርስቲያና ክንደይ ካብዛ ጓል ዝበልጻ ኣለዋ። ፈጺሙ ኣይርደኣንን ዘሎ ናይ ቤዛ ነገር፡ ደሓር ከኣ መልሳ እወ ወይ ኣይፋል ዝብል ብንጹር ኣብዚ ዳብዳቤ […]

Continue reading

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን፡፡ ኣምላኽናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተስቀለሉ መስቀል ኣበይ ኣሎ᎒ እዚ ሕቶ እዚ ንብዙሓት ተማራመርትን ጭዋታትን መልሲ ዘይተረኽቦ ግድል እኳ እንተኾነ ንቤተ ክርስትያንን ኮነ ንደቃን ግና ህላውነቱ ፈሊጣስ ዓመት ዓመት ኣብ መስከረም 17 ብክብ ዝብለ ብዓለት ተብዕሎ ኣላ። እዚ ብዓል እዚ ዝብዓለሉ ቀንዲ ምኽንያት ሕጂ መስቀል ኣብዚ ኣሎ ብምባል ዘይኮነስ […]

Continue reading

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን፡፡  ሎቱ ስብሐት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ብዙሓት ህዝቢ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ይኽተልዎ ነይሮም  ክበልዕ ዝደለየ፥ ገደል ኣፉ ከም ዝበሃል እንጀራ ኣበርኪቱ ምስ ሃቦም በሊዖም ምስ ጸገቡ ብዙሓት ህዝቢ ኣብ ዝኸዶ ቦታ ይኸዱ ነይሮም “ንኢየሱስ ኬናድይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ ...ምስ ረኸብዎ ከኣ መምህር ! መኣዝ ደኣ ናብዚ መጺእካ በልዎ " […]

Continue reading