ቤዛዊት ሻምናይ ክፋል

ኣኼባ ምስ ተወደአ ከም ወትሩ ቤዛን ሳምን  እናተጻወቱ ናብ ገዝኦም ኣምርሑ። ኣብ መንገዲ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ኣርእስቲ ክዛራረብሉ ጀመሩ።

ቤዛ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼባ ደኣ ከመይ ረኺብካዮⵗ
ሳሚ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርናዮ ዝፈለዮ ዋላ ሓድሽ ነገር  የለን። ሰለ ቤተ-ክርስቲያን ዕብያት ዘቲና።
ቤዛ፡ ሓቂ ዘይትዛረብ ቅድሚ ሕጂ በዛዓባ ንሓድሕድና ዘላና ርክብ ተዛሪብና ንፈለጥ ዲናⵗ ኣወዳት ምስ ኣዋልድ ክይሓብራ ዝብል ኣርእስቲ ከነልዕል ኣይዝከረንንⵗ
ሳሚ፡ ቤዛ ሓፍተይ ቅድሚ ሕጂ ሰለ ዘይተዛራረብናሉ ሎሚ ፍሉይ ዝኾነ ኩነት ተፈጢሩ ዝብል ግምት ክትሕዚ የብልክን። ከምቲ ድያቆን በረኸት ዝበሎ  ንማሕበርና ዝዕንቅፍ  ነገራት እንተ ኣጋጢሙ  እቲ ዝበለጸ መድኃኒት ቀልጢፍካ ምዕራዩ ኢዩ።
ቤዛ፡ እንታይ ይመስለካ ቅንዕና ዘመልኦ ኮይኑ ኣይተሰመዓንንⵗ
ሳሚ ፡ ከመይ ማለትኪ እስኪ ግለጽለይⵗ
ቤዛ ፡ ሰለምንታይ ግና እናተረደኣካ ትሓተኒ። ዝተሰመዓኒ ክዛራብ ምስ ደለኹ ምሽ ንኸይንዛረብ ብዓይንኻ ገኒሕካኒ። ናይ ሎሚ ብልሓቶም  ከኣ ተረዲኢኒ ኣሎ ንዓይ ካባኻ ክፍለዩ’ዩ ዕላምኦም።
ሳሚ፡ እዋእ ቤዛ!!  ተቃዳዲምኪ ኣብ መደምደምታ ኣይትብጽሒ። እዚ ኣርእስቲ ብዉዕዩ እንከሎ እንተ ዘቲናሉ ዘይተደልየ ጌጋ መረድኢታት ክይንሕዝ  ርግእ ምስ በለና ንዘራረበሉ። ቤዛ ሓፍተይ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዝግበር ነገራት ኵሉ ግዜ ብመንፈሳዊ መንገዲ ክንጥምቶ የግበኣና ። ንሓድነት ዝዘርግ ነገር ካባና ከነርሕቖ ይግባእ።
ቤዛ፡እንታይ ኢኻ ወደይ ንስኻ ኵሉ ሳዕ ንዝኾነ ነገር ብዓይኒ ፈተና ጥራይ ትጥምቶ። ንሓሚ ኣይኮናን ዘለና እኳ እቲ ዘነበረ መንፈስ ግና ድስ ሰለ ዘይበለኒ እየ።  ሕራይ ግና  ካብ በልካ ምስ ተረጋጋእና ንዘራረበሉ። ሓንቲ ሕቶ ግና ኣላትኒ።
ሳሚ ፡ እንታይⵗ
ቤዛ ፡ ክፍሊ-ትምህርቲ እንተ ተቀይርካ ከም ቀደምና ክንራኸብ ዲና ከምዚ ኵሉ መዓልቲ ንራኸቦⵗ
ሳሚ፡  እንታይ ኮይና ደኣ ዘይንራኸብ ። ከም ቀደምና እንተ ወሐደ ኣብ ሰሙን 3 መዓልቲ ክንራኸብ ኢና።
ቤዛ፡ ሰለስተ መዓልቲ ጥራይ ገዛና ምምጻእ ክትገድፎ ማለት ደዩ እናበአት ነታ ኣብ ኢድ ሳሚ ዝነብረት ዕፉን ምንጠለቶ ። ኵሉ መዓልቲ ገዛኹም ክመጽ’የ እንተዘይ ኢልካኒ ዕፉንካ ኣይመልሰልካን እየ።
ሳሚ፡ ኣይተዋጻክን ኢያ ምለስያ። እንተዘይ ኮይኑ ክልቲኣን ዕፉን ኣብ ኢድኪ ዘአዋ  ይሕዲገ በዛ ጸልማት በይንኺ ኣብዚ ጎደና ክሓድገኪ እየ። ሰለዚ ብፍትወትኪ ዕፉነይ ብቁልጡፍ ምልስያ።
ቤዛን ሳማ እቲ ዘነብረ ኣርእስቲ ከቋርጽዎ ድሕሪ ምርድዳእ ሕቶን መለስን  እናተጻዉቱ ናብ ገዞም ሰለይ እናበሉ ተጓዓዙ። ማማ ኣብርሃት እንታይ ደኣ ለሙስ ኣምስይ ኣቢልኩም ናይ ደሓን በልኦም። ናይ ደሓን ኢና ማሚተይ ሳሚ ገንዘብ ከይከፍል ክብል ብእግርና ኣምጺኢና። እዚ ወደይ ወሪድዎ ንስኺ  ዕላሉ ክትዕልሊ ደሊኺ ብእግርና ንኺድ ኢልኪዮ ትኾኒⵗ ኣንቲ ማማ ዘይናተይ እባ ኣይትሃብኒ ሳሚ ንዓኺዩ ዝስከፈኪ እምበር ሓንሳብ ዘረባ እንተ ጀሚሩ ኣየቋርጽ’ዩ። ማማ ኣብርሃት ኣነ  ኣቀዲመ ብሞቶ ወይ ታክሲ ንኪዲ ኢለ ሓቲተያ   ንሳ ግን ጥዑም ንፋስ ኣየር ሰለ ዘሎ ደሓን ክሳብ ፍርቂ ብሚንባስ ንኺድ ኢላትኒ። ማሚተይ ኣይትእምንዮ ባዕሉ ዑፉን ገዚእለይ  ድሕሪኡ ኣነ ከኣ ብእግርና እናበላዕና ንኺድ ኢለዩ። ኣብ ታኽሲ ደኣ ከመይ ጌርና ዕፉን እናበላዕና ክንመጽ ኣቲ ማሚ።
በልስኪ ዘረባኽስ ሰሚዓዮ ኣለኹ ሃየ ተደሩር በሉ በልኦም። ቤዛ ነታ ኣብ ቅድሜኣ ዝነበረት ፔርሙዝ ናብኣ ገጻ እናሰሕበት ሻሂ ክትስኽትት ጀመረት። ማማ ኣብርሃት ናይ ቅዱስ ሚካኤል ጸበል ንምዝካር ስዋ ኣዳሊየን ነበራ  እሞ ኣብ ኩባያ ቀዲሓን ንሳሚ ሃበኦ። ቤዛ ኣንቲ ማሚ መስተ ዝበሃል ዘይጥዕም ሳሚ ደኣ ተሰኪፉ’ዩ ተቀቢልኪ ዘሎ። ስዋ ዘይፈቱ ድያቆን ርእየ ኣይፈልጥን ስተይ ሳሚ ወደይ ዛረባ ቤዛ ኣይትስማዕ። ስዋ ስደት ደኣ ኣየናይ ስዋ ኮይኑ ኢዩ ቅዱስ ሚካኤል ድፊአዮ ክይዉዕል ካብ ዝብል እምበር እዚ ከኣ ስዋ ተቆጺርለይ። ደሓር ከኣ ሓንቲ ኩባያ ሓንቲ ኣይትገብሮን እያ። ቤዛ እንታይ ደኣ ደያቆን ትብልዮ ድሕሪ ሰሙን’ዩ እኳ ዲቁና ክቅበል። ጳጳስ ኣብ ክብረ በዓልና  ምስ መጹ ሕጂ ተማሃራይ ናይ ዲቁና እዩ ዘሎ። ደሓን ቤዛ ጓልይ ሓደ ሰሙን እሞ መዓስ ነዊሕ ኮይኑ።
ኣንቲ ሳሚ ወደይ ዲ.መርሃዊ ቪዛ ናይ ኣሜርካ ረኺቡ ።  ኣምላኽ ይመስገን ብጣዕሚ ተሓጊሰ ክንደይ ይጥዒ መስለካ ነዛ ቤተ-ክርስቲያን መቸመ ኣገልጊልዋ’ዩ። ሳሚ ብሓቂ ናይ መወዳእታ ጥዑይ ሰብ ናዕናዉን ብቃል ኣምላኽ ጹብቅ ጌይሩ መጊብና እዩ።ብምህሮ ዓለም ከኣ ሊቅ’ዩ  ዝወጾ የብሉን  ለይትን መዓልትን ስራሕ ኣይዕርፍን ተመን ጓቲቱ’ዩ ዝኣቱ ክብላ ሰሚዓ። ቤዛ ኣንፈት ናይቲ ዘረባ ናበይ ገጹ ይኸይድ ከም ዘሎ ሰለ ዝተረደአት ማማ ኣብራህት እንታይ ክብላ ከምዝደለያ ድሮ ተረዲእዋ ነበረ። ሳሚ ሓቅኽን ማማ ኣብርሃት ብኵሉ ነገሩ ጎዶሎ የብሉን።ንሱ ምስ ከደ ንሱ ዝሰርሖ ዘነበረ ስራሕ ዝትክኦ ሰብ የብልናን በቃ ባዶ ክተርፍ ኢዩ። ቤዛ ኣብ መንጎ ዘረባ ናይ ሳሚ ብምእታዉ ኣምላኽ ንቤቱ ይሓሊ ሰለዝኾነ ኣብ ክንድኡ ካልእ ድያቆን ክሰደላን ምዃኑ ይኣምን እየ።
ማማ ኣብርሃት ብመልሲ ከይተገረማ ኣይተረፋን ገለ ነገር  ከም ዝተረደኣ ድማ ኣስተዉዓላ። ግና ቀስ ብቀስ እቲ ዘደለየኦ መልእኽቲ ክሕብራ ሰለ ዝደለያ፡ ወረ ታራኺባና  ኔርና እኳ ምስ በላ ቤዛን ሳምን ተጠማመቱ።  ማማ ኣብርሃት ንጓልን ከሰንብድኣ ሰለ ዘይደለያ እቲ ዝሓሰብኦ ጉዳይ ብኸመይ መገዲ ከም ዝሕብርኣ ሰለ ዝሓርበተን  ናይ ሕይወተን ታሪኽ መበገሲ ይኸዉን ኢለን ብምግማት፤ እግዚሄር ዘይፈቀዶ ግዲ ኮይኑ ናይ ኣቦይ ወርሻ ኣይወስድናን ደቁ። ካብ ኣሕዋተይ ዋላ ሓደ እኳ ምስ ካህናት ዝተዋሰብ የለን። ማሚተይ እንታይ ኢኺ ክትብሊ ደሊኺ ኣሕጽር ኣቢልኪ እንዶ ንገርኒ በለት ቤዛ። እንቲ ቤዛ ጓልይ ህዉኽ ህዉኽ እንዶ ኣይትበሊ ዲ.መርሃዊ ንቤዛ ጠሚተያ ኣለኹ እሞ ጓልክን ሃባኒ ክብል ሰባት ክሰድድ ኢሉኒ ኣሎ እሞ እንታይ ይመስለኪ። ቤዛ ንስኺ ከ እንታይ ኢልክዮⵗ ምስ ጓለይ ክንላዘብ: ሱቅ ኢልካ’ዶ ደኣ ሕራይ ይበሃል ኮይኑ ፡ መቸም ዕደለኛ’ኪ  ብሓቂ በልኣ።
ማሚተይ ምሽ ናተይ ሕልሚ ትፈልጥዮ ኢኺ ቤዛ ጓለይ ቅድም ትምህርታ ክትዉድእ እየ ትደሊ ዘይትብልዩ ። በዛዓባ መርዓ ዝበሃል ነገር ኣብዚ ግዜ ኣይትሓስብን’ያ ዘይትብልዮ። ኣንቲ ቤዛ ጓለይ ከመይ ጌይረ ከምኡ ክብሎ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕድል ካልኣይ ግዜ ከም ዘየጋጥመኪ ርግጸኛ’የ ሰለዚ ቤዛ ጓልይ እዚ ዕድል ክትጥቀሙሉ ኣለኪ ። ደሓር ከኣ ድያቆን ኣብ ገዛና ክኣቱ ማዕረ ክንደይ ዕድለኛታት ኢና። ንስኺ ብሰላም ትነብሪ ዘርእና ከኣ ይባረኽ፡ሕይወትኪ  ሙሉእ ምስ እግዚአብሔር ዝተተሓሐዘ ይኾነልኪ ። ኣብዚ እዋን ጥዑይ መንእሰይ ከም በዓል ዲ.መርሃዊ ሰብ ኣበይ ይርከቡ። ቤዛ ገጽ ሳሚ እናጠመተት ኣንቲ ማሚ ብዙሓት ጥዑያት ኣለዉ እንዶ። ደሓር ከኣ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ ንእግዚአብሔር ካብ ድያቆናት ንላዕሊ ዝገልግልዎ። መምዘኒ ሓደ ሰብ ማዕረገ ክህነት ኣይኮነን። እግዚአብሔር ኣምላኽ ንኵሉ ሰብ ነናቱ ጸጋ ሂብዎ ኢዩ። በጃኺ ማማ እዛ ኣርእስቲ ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ ትኹነልና።  ኣንታ ሳሚ ወደይ በጀኻ እስኪ ኣረደኣያ ኣዕሚቋ ክትሓስበሉ። ሳሚ፡ ቤዛ ዘረባ ወልድኻ ምስማዕ ትእዛዝ እግዚአብሔር ኣምላኽ ምዃኑ ኣይትዘንግዒ ማማ ኣብርሃት ዝብላኺ ዘለዋ ሓቂ’ዩ ከምዚ ዓይነት ወርቃዊ ዕድል ካልኣይ ግዜ ከጋጥመኪ ኣይክእልን ይኽዉን በላ።
ኣነስ ዝሓሊ ዝድግፈኒ ሓዊ ኣለኒ  ኢለ ይሓሰብ ኔይረ ። ሳሚ ማማ ትብሎ ከመይ ጊርካ ትድግፎ ኣለኻ። ንዓይ ንሓፍትኻ ኣብዘይ ባህገይ ነገር ክሽመም ትደሊየኒ። ደሓር ከኣ ትምህርትኺ ከይወዳእኺ ዝኾነ ነገር በዘዓባ መርዓ ዝበሃል ነገር ከይትሓስቢ ኣይደልየክን’የ ኢኻ ትብለኒ ኵሉ ሳዕ ምሽ እንታይ ሓሲብካ ድኣ ሎሚ ትብሎ ዝነበርካ ኵሉ ደምሲስካ ምስ ማማ ጸግዒ ትሕዝ። ከምዚ ካባኻ ኣይተጸበኹን ሳሚ። ማማ ኣብርሃት ቤዛ ጓልን ማዕረ ክንደይ ምስ ሳሚ ዘለዎም ርከብ ንኽፈልጣ እምበር ንዲ.መርሃዊስ ንቤዛ ጓልይ ኽሓታ ምስ ጓለይ ክመክር ‘የን  ዝበልኦ። ናይ ቤዛ ድሌት ኣጸቢቀን የፈልጣ’የን። ቤዛ ጓልን ምስ ሳሚ  ማዕረ ክንደይ ምቅርራብ ከም ዘለዎም ክፈልጣ ደጋጊመን ንሳሚ ጠመትኦ። ናይ ሳሚ ግብረ መልሲ ከንብባ ሰለ ዝደለያ እምበር ንጓለን ንኽትምርዖ ጸቅጢ ክገብረላ ፍጹም ኣይደልያን።
ሳሚ ናይ ቤዛ መልሲ ልቡ ሰለ ዝኳሕኮሖ  ኣብ መዋጥር  ኣቲወ ዝብሎዉን ጭነቆ። ጎሮርኡ እሕ እሕ ድሕሪ ምባል ቤዛ ሓፍተይ ናትኪ ጽቡቅ ሰለ ዝደላያ ማማ ኣብርሃት ነዚ ዕድል ክትረብሕሉ ይደፋፍኣኺ ኣለዋ ኣነዉን ከም ማማ ኣብርሃት ናትኪ ሰናይ ነገር ክርእይ ስለዝደሊ’የ ብኻልእ ዓይኒ ኣይትጠምትዮ። ደሓን ቀስ ኢልኪ ሕሰብሉ ብሃታ ሃታ ዝዉድእ ነገር ኣይኮነን ምስ ማማ ኣብራሃት ደጋጊምኪ ተማያየጣሉ በለ።

ታሽዓይ   ክፋል  ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ቤዛ ናቱ

Comments are closed.