ፈጣን ደመና


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!

ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናይ ስደታ ምሳሌ

ኣብ ቤተክርስቲያና ኣገልግሎት ካብ መስከረም 26 ስጋብ ሕዳር 5 ዘሎ ናይ  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝክረሉ ናይ ስደት ዘመን እዩ።  ኣብዚ እዋን በብሰሙኑ ሰንበት ለይቲ ብሙሉእ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ግብጺ ምስዳዶም እንዳተዝክረ ዝጽወም ናይ ፍቓድ ጾም እዩ።

ነብዩ ኢሳይያስ ብመንፈሰ እግዚአብሔር ተቃኒዩ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናይ ባሕርይ ኣምላኽ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ሒዛ ናብ ግብጺ ምስዳዳ ነገር ተገሊጽሉ።

<< እንሆ እግዚአብሔር ብቕልጡፍ ደመና ይመጽእ ናብ ግብጺውን ይመጽእ፣ ጣኦታት ግብጺ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም ፣ ልቢ ግብጺ ኸኣ ኣብ ውሽጣ ኺመክኽ እዩ። > ኢሳ.19፣1። ብምባል ካብ ገነት ዝተሰደድና ንዓና ናብ ናይ ቀድም ርስትናን ክብርናን ክመልሰና ከምዝመጸ ክገልጸልና ፣ጸላኢና ዲያብሎስ ካብ ልቢ ደቂ ሰብ ኣውጺኡ ከሳድዶ ፣ ክብሪ ይኹኖ ወልደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ብወላዲቱ << ፈጣን ደመና >> ዝተባኅለት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ዝባና ተሓዚሉ ናብ ምድረ ግብጺ ምስዳዱ ኣቀዲሙ ገሊጽዎ እዩ።

እዚ ከኣ ኣባ ቅዱስ ወንጌል ከምዝተጻሕፈ ንጉሥ ሄሮድስ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምቕታል ኣብ ዝደለየሉ እዋን ቅዱስ ገብርኤል ንኣረጋዊ ዮሴፍ ብሕልም ተገሊጽሉ << ተንሥእ ወንሣእ ሕፃነ ወእሙ ወጉየይ ውስተ ብሔረ ግብጽ። ንህጻኑን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም። ኢሳይያስ ዝበሉ ትንቢት ክፍጸም ምእንቲ ንምልጃኣ ፈጢኑ ዝበጽሓላ << መፍጠኒተ ደመና>> ዝተባህለት ኣብ ናይ ኣዲኡ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝባን ተሓዚሉ ናብ ግብጺ ምስ ከደ ናብ ግብጺ ጣኦታት ኩሉ እንዳተሰባበሩ ክወድቁ ፣ኣብ ልዕሊኦም ሓዲሮም ዘስሕቱ ዝነበሩ ኩሎም ኣጋንንቲ ኃዲሞም። እዚ ምዃኑ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም << ደመና መፍጠኒት>> ወይ ደመና ኢሳይያስ ተባኂላ ተጸዊዓ።

 ናይ ነገረ ማርያም ሊቅ ዝኾነ አባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ነዚ ናይ ትንቢት ኢሳይያስ ትንቢት ኣዕሚቁን ኣስፊሑን ክትርጎሙ ከሎ << ሄሮድስ ኅሠሠ ዘኢይትረከብ ወእግዚእ ትግሕሠ ውስተ ምድረ ግብጺ ተጽዒኖ ዲበ ደመና ቀሊል በከመ ይቤ ኢሳይያስ ናሁ እግዚአብሔር ይወርድ ውስተ ምድረ ግብጽ ተጺዒኖ ዲበ ደመና ቀሊል አንቲ ክመ ኦ ቅድስት ድንግል ሄሮድስ ፈተወ ይዕዱ ነፋስ ውስተ ጽርሑ በአይቴ ይትከሀል ዐዲወ ነፍስ …። ሄሮድስ ብዘይረኽቦ መገዲ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብፈጣን ደመና ተጻዒኑ ናብ ግብጺ ኸደ፣ ነብዩ ኢሳይያስ  እንሆ እግዚአብሔር ብፈጣን ደመና እንዳበረረ ናብ ግብጺ ክመጽእዩ፣ ናይ ግብጺ ጣኦታት ኣብ ኣቅድሚኡ ይርዕዱ፣ ናብ ግብጺ ልብውን ክምኽኽ እዩ።>> ኢሉ ከምዝተዛረበ ቅድስት ድንግል ማርያም ፈጣን ደመና ዝኾንኪ ንስኺ ኢኺ፣ ሄሮድስ ኣብ ኣደራሹ ውሽጢ ኮይኑ ንንፋስ ክዓጹ ፈተወ፣ ንንፍስ ሞዕጋት ከመይ ይከኣል? ሄርድስ ናይ ጸሓይ ብርሃን ብኣእዳዉ ክጭብጥ ደለየ። ናይ ጸሓይ ብርሃን ከመይ ኢሉ ክጭብጥ ይከኣሎ? እግዚአብሔር ኣብ ዝባንኪ ተሓዚሉ ናብ ምድረ ግብጺ በጽሐ።>> ብምባል ንምሥጢሩ ኣስፊሑን ኣጊሊሑን ኣብዚሑን ተንቲኑን ገሊጽዎ።

ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ መሥዋዕት መጽሓፉ ነዚ ምሥጢር ክትርጉም ከሎ << ዮሴፍ ካን ድቃሱ ኣብ ዝነቅሓሉ እዋን መልኣኽ እግዚ አብሔር ከምዝኣዘዞ ገበረ። ንህጻኑን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ምድረ ግብጺ ኪድ ። << ካብ ነብያት ናብ ኣበይት ነብያት ዝኾነ ኢሳይያስ ኣሸናፊ እግዚአብሔር ናብ ምድረ ግብጺ ክወርድ እዩ ኢሉ ኣስሚዑ ተዛሪቡ። ( ኢሳይያስ ቀላል ደመና ኢሉ ዝተዛረበላ ናይ እግዚአብሔር  አብ ናይ ባሕርይ ወዱ ኣብ ማኅጸና ዝወሰነት ድንግል ማርያም እያ። ብምባል ሙሉእ ትርጉም ሂብዋ።

አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ረዲአቱን የብዝሓልና። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ረዲአትን በረከትን ምስ ኩላትና ይኹን። ብኣማላድነታ ከኣ ኣይትፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ለዘበቅዱሳኒሁ ይሴባሕ ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለም ዓለም አሜን። ወአሜን ለይኩን ለይኩን ።

ዘሚካኤል

 

Comments are closed.