ናይ መናፍቓን መዝሙር ክንሰምዕ ይፍቀድ ዲዩ፧

ናይ መናፍቓን መዝሙር ክንሰምዕ ይፍቀድ ዲዩ፧ ንምንታይ ኢና ናይ መናፍቓን መዝሙር ዘይንሰምዕ፧ ብዙሕ ጊዜ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ክመላለስ ይረአ ኢዩ። እዚ ሕቶ መሰረቱ ክልተ ኢዩ፡ እቲ ቀዳማይ ናቶም መዝሙር ኮነ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ጽልዋ ዘሕደረሎም ሰባት ንጌጋኦም ሕጋውነት ከልብሱዎ ካብ ዘለዎም ባህጊ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ገለ ገርህታት ኣመንቲ ኩልና ሓደ ኣምላኽ እንዲና ነምልኽ ንሶም ኢየሱስ ይብሉ ንሕና ኢየሱስ ንብል ስለዚ እንታይ ጸገም ኣለዎ ዝብልዎ ሕቶ ኢዩ። ክልቲኦም ሕቶታት ብኣግባብ ክበርሁን ፍልልያትናን ስነ ኣምልኾናን ንምንታይ ይፈላለ? ዝብል ሕቶ ንጽር ብዝበለ ክበርህን ሠናይ ኮይኑ ይስምዓኒ። እንተኾነ ግን ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ብሰፊሑ ክሳብ ንመሃሃር ኣብዛ ናይ ሎሚ ኣርእስትና ንኢሽቶ ክንዘራረብ እሞ ንዝመጽእ ጊዜ ክንሪኦ ኢና።

ኣብዛ ሕጂ ሒዘያ ዘለኹ ኣርእስቲ ማለት ንምንታይ ምስ መናፍቓን ኣምልኾ ዘይንሓብር ዝማሬኦም ዘይንዝምር ስብከቶም ዘይንሰብኽ ኣገልግሎቶም ዘይንሳተፍ ንዝብሉ ነጥብታት ሰለስተ መሠረታውያን ነጥብታት ክንድህስስ ኢና ።

፩ . ሓደ ስለዘይኮንና ኢዩ፦  ቤተ ክርስትያን ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ክልተ ዝተመቅለት ኣብ 451 ዓ.ም ኢዩ። እዚ ዝኾነሉ መሠረታዊ ምኽንያት ድማ ትምህርቲ ብዘዓባ  ባህርየ ክርስቶስ ዘይምስምማዕ ስለዝነበረ ኢዩ። ምንም እኳ ነቲ ጉባኤ ዘየስመሮ መንግሥታዊ ጎንጺ እንተ ተፈተነ  እቲ ቀንዲ ግን እቲ ዝተላዕለ ናይ ቀዳሞት ኣቦታት ኮነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኮነ ትምህርቲ  ናይ ምቕባልን ዘይምቕባልን ጉዳይ ኢዩ። እዚ ጉዳይ ኣብ ሕጂ ኮይንና እንተተዓዚብናዮ ምናልባት ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳብ ዝተጠቀሙ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ናይ ባህሪ ኣገላልጻ ዋላ እንተተፈላለየ ኣምላኽነቱ ኣይከሓዱን እሞ ሓቢሮም ከምልኹ ነይሩዎም ክንብል ንኽእል ኢና። ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ግን ከምኡ ኣይገበረን እኳ ደኣ “ስለዚ ሓደ እኳ፡ ንሕና ዘይሰበኽናዮ፡ ካልእ ኢየሱስ እንተ ሰበኸ፡ ወይስ ንስኻትኩም ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፡ ወይስ ዘይረኸብኩምዎ ኻልእ ወንጌል እንተ መጻኩም፡ ጽቡቕ ትዕገስዎ ኣሎኹም᎒” 2 ቆሮ 11፡4 ዝብል ተግሳጽ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ብምዝካር ኢዩ ነቲ ሕብረትን ነቲ ትምህርቲን ዘወገዞ።

መናፍቓን ኢልና ንጽውዖም በዓል መን ኢዮም ንምንታይ ኢልና ክንግንዘብ ግድን ኢዩ። ኣብ ኦርቶዶክሳዊ ቤተ ክርስትያን ዘሎ ሥነ ኣምልኾ ኣስተምህሮ ዶግማን ቀኖናን ትውፊትን ክቕበል ዘይከኣለ ኩሉ መናፍቕ ኢዩ። ዝኾነ ሰብ ንመጀመርያ ጊዜ ናብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ክመጽእ ከሎ መጀመርያ ዶግማኣን ቀኖናኣን ሥርዓተ ኣምልኾኣን ኣስተምህሮኣን ብምልኣት ክቕበል ይግባእ፣ ደሓር ድማ ይጥመቕ እዚ ክሳብ ዘይገበረ ኢኣማኒ ወይ ድማ መናፍቕ ኢዩ፣ ነዚ ከምዚ ዓይነት ሰብ ድማ ስም ክርስቶስ ስለዝጸውዐ ጥራይ ኣብ ኣምልኾ ንሓብሮ ማለት ኣይኮነን። ሎሚ ደኣ ኣባና ወዲቑ እንበር ቀደምሲ ዋላ ኣሚኖም ገና ኣብ ትምህርቲ ዘለው ዘይተጠመቑ ሰባት “ፃኡ ንኡሰ ክርስቲያን” ክበሃል ከሎ ይወጹ ነይሮም እሞ እዚኣቶም እኳ ኣብ ናይ ቁርባን መሥዋእቲ ክሳተፉ ካብ ዘይከኣሉ እቶም ብደገ ዝመጹ ደኣ ከመይ። ናይ ክርስትናና እምነ መኣዝን መሠረትናን ፍጻሜናን ኢየሱስ ክርስቶስ እኳ እንተኾነ ስም ክርስቶስ መድኃኔ ዓለም ስለ ዝጸወዐ ኩሉ ሰብ ምሳና ሓደ ኢዩ ማለት ኣይኮነን ።

 ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብተወሳኺ “ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ አሎ። እዚ’ውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን። ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን። ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂ’ውን ከም ብሓድሽ፥ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል አሎኹ” ገላ 1፡6-9 ብምባል ካብቲ ናይ ቀዳማይ ኣስተምህሮና ኮነ ኣምልኾና ኣቐዲምና ካብ ዝሰማዕናዮ ብሥራት ወንጌል ወጻኢ ካልእ ወንጌልን ካልእ ኣስተምህሮን ዝሰብኽ ዘበለ ንሱ ውጉዝ ክኸውንን ንሕና ድማ ከይንቕበሎን ምዒዱና ኣሎ። ነዚ ዝኣመሰሉ ምዕዶታትን ኣስተምህሮታትን ብዙሓት ኢዮም። ሓዋርያ ቅዱስ ዮሐንስ እውን ምንም እኳ ንሓድሕድና ክንፋቐር ኣብዚሑ እንተመዓደን ፍቕሪ ብዘይ ግብዝና ክትከውን ኣስፊሑ እንተዓየየን ከምዚ ካብ ምባል ኣይገትኦን “እቲ ጐቦ ዚዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብቲ ምህሮ ዚጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን አለውዎ። ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላምውን ኣይትበልዎ። እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ።” 2 ዮሐ 1፡9-11 ሰላም ኣይትበሉዎ ኣብ ቤትኩም ውን ኣይትቀበሉዎ ማለቱ ንእንገብሮ ሥጋዊ መንብሮን ምትሕግጋዝን ዘይኮነስ ኣብ እምነትና ብዘይ ሕቶን መኣረምታን ብሰላማዊ መንገዲ ከይንቕበሎን ኣብ እምነቱ ድማ ኣብታ ማኅደር ክርስቶስ ዝኾነት ቤትና (ልብና) ከስፋሕፍሕ ከይንሓብሮን ኢዩ። ስለዚ ምስ ፕሮቴስታት፡ ኬኒሻ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ወዘተ ብሓፈሻ ምስ ኩላቶም ሕብረት ስለዘይብልና ሓደ ስለዘይኮንናን ኣምልኾኦም ኣይንቕበልን ኣብ ጸሎቶም ኮነ ኣብ ኣስተምህሮኦም ኣብ ዝማሬኦም ኣይንሓብርን እቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዘለዋ ኣስተምህሮ ዶግማ ከይተቐበሉ ድማ ክሓብሩና ኣይነፍቅድን።

፪ ዝማሬኦም ኣካል እምነቶም ስለዝኾነ፦ ኦርቶዶክሳዊ ዝማሬያትና ኦርቶዶክሳዊ ኣስተምህሮታትና ኢዩ ዝገልጽ። ብዝተፈላለዩ መንገድታት እንገብሮም ኣገልግሎት ኩላቶም ነዚ ዘሎና ኣስተምህሮ ኮነ ዶግማ ናይ ቤተክርስቲያንና ዝገልጹ ኢዮም። ናትና ዝማሬ እዚ ክሳብ ዝኾነ ድማ ናይ ዝኾነ ይኹን ቤተ እምነት ካብዚ ዝተፈለየ ዓላማ ከም ዘይብሉ ምግንዛቡ የድሊ። ኣብ ትምህትና ሃይማኖት ንፈላለ ካብ ኮንና ኣብ ኣገልግሎታትናን ኣብ ኣምልኾናን ድማ ሓደ ካብ ዘይኮንና ዝማሬያትና ሓደ ዓይነት መልእኽቲ ክህልዎም ዘይከኣል ኢዩ። ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ኢሉዎም ነይሩ “ ቅሩብ ማይ ብሑቝ ንብዘሎ እቲ ብሑቝ ከም ዜብኲዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” 1 ቆሮ 5፡6 ስለዚ ድማ እቲ ናታቶም ዝማሬ ንናታቶም ኣስተምህሮ ኣብ ቤትና ዘምጽእ ካብ ኮነ ኣብ ክርስትና ንዘሎና ኣመለካኽታ ብናቶም ዝማሬ ዝቕይር ካብ ኮነ ኣርሒቕና ክንዓጽዎ ክንግደድ ኢና ምኽንያቱ ሕብረት ስለዘይብልና ኢዩ።

፫ ካበየናይ መንፈስ ከም ዝመጸ ስለንግንዘብ፦ ምስትውዓል ካብ ኃጢኣት ምርሓቕ ኢዩ ይብል ቅዱስ ቃል ኣምላኽ። ብዝኾነ ይኹን መንገዲ መልእኽቲ ክመጽእ ከሎ ካበይ መጺኡ ዝብል ነገር ቀዳማይ ሕቶና ክኸውን ይግባእ። ኣዴና ሔዋን ዲያብሎስ ንዝሃባ ዘረባ ካበይ ከም ዝመጸ ከየስተውዓለት ነቲ መልእኽቲ ሠናይ ምዃኑ (ምምሳሉ) ብምርኣያ እታ ዕጽ ድማ ንምብላዓ ኣዝያ ባህ ተብል ምዃና ጥራይ ስለዝተገንዘበት ኢያ። ቁሩብ ኣማዕድው ኣቢላ ነዚ ምንጪ ናይዚ መልእኽቲ እንተትዕዘብ ኣብ ናይ ዲያብሎስ መፈንጠርያ ኣይምወደቐትን። ብተመሳሳሊ ንሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ዓይነት መድረኽ ኣጋጢሙዎ ኔይሩ ኢዩ። ኣብ  ግ.ሓዋ.ብ16፡17 “ንሳ ኸኣ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ባሮት ልዑል ኣምላኽ እዮም፡ መገዲ ምድኃን ከኣ ይምህሩኹም ኣለዉ፡ ኢላ እናጨደረት፡ ኣስርኣሰር ጳውሎስን  ሰዐበት።” እንበኣር እዛ ሰበይቲ ግደ ሓቂ ቅኑዕ ነገር ኢያ ዝተዛረበት ምኽንያቱ ጳውሎስን በርናባስን ባሮት ኣምላኽ ክኾኑ ከለዉ ምህሮኦም ድማ መንገዲ ምድኃን ኢዩ ዝነበረ። እዚ ግን ንዓዓቶም እቲ ቀዳማይ ነጥቢ ኣይኮነን እቲ ቀዳማይ ነጥቢ ምንጪ ናይቲ መልእኽቲ ኢዩ። እቲ ምንጪ ድማ ካብ ርኹስ መንፈስ ኢዩ ዝነበረ ምኽንያቱ እዛ ሰብ ብናይ ጥንቆላ መንፈስ ኢያ ትመሓደር ነይራ፡ ነዚ ዝተረድአ ጳውሎስ ገሲጹ ነቲ መንፈስ ሰደዶ። ስለዚ እቲ ምንጪ  ናይዚ ዝማሬ ካበይ ኢዩ ዝብል ሕቶ እቲ ቀንዲ ሕቶ ኢዩ። ሓዋርያ  ቅዱስ ዮሐንስ “ካባና ወጺኦም፡ ግናኸ ካባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ምሳና ጸኒዖም ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ ኵላቶም ካባና ዘይምዃኖም ምእንቲ ኺገሀድ እዮም ዝወጹ።” 1 ዮሐ, 2፡19  ብምባል ካባና ዘይምንባሮም ሕብረት ከም ዘይብልናን ይሕብረና ኣሎ። ስለዚ እቲ ናይ ዝማሬኦም ጣዕሚ ናቶም ሙዚቃዊ  ህርመት ድምቀት ዘይኮነስ ናይ መልእኽቶም ምንጪ ኢዩ። እቲ ምንጪ ድማ ከም ጳውሎስ “ከምዚ እናበለት ከኣ፡ ብዙሕ መዓልቲ ገበረት። ጳውሎስ ድማ ጒህዩ፡ ግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስ፡ ካብኣ ኽወጽእ፡ ብስም ኢየሱስ እእዝዘካ ኣሎኹ፡ በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወጸ” ግብ 16፡18 ብምባል እንግስጾ ደኣ እንበር እንስዕቦ ኣይኮነን እሞ በዚ እውን ዝማሬኦም ኣይንሰምዕን ወይ እውን ኣብ ቤተ ክርስትያንና ኣይንዝምርን።  እዚ እቲ ቀዳሞት ዝስርዑ ምኽንያታት ደኣ እንበር እዚኣቶም ጥራይ ኢዮም ማለት ኣይኮነን፡ ምስ ጊዜ ብሰፊሑ ዝምህሩና ክሳብ ዝርከቡ ግን ነዚ ክንግንዘብን ነቲ ናይ ቤተ ክርስትያንና ግቡእ ኣስተምህሮ ክንፍይሾን ይግባእ ኢዩ እሞ ነዚ ክንገብር ኣምላከ ቅዱሳን ይሓግዘና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር።

የሐንስ-ዘደብረ ቁስቋም

 

Comments are closed.