ቤዛዊት 10ይ ክፋል

ሳሚ ናይ ዲቁና ማዕርግ ካብ ኣቡነ ማርቆስ ተቀበለ። ቤዛ "ናይ  ዲቁና ማዕረግ   ምስ ተቀበልካ መንፈሳዊ ማዕረግካ  ንምኽባር  ሻሂ ከስትየካ" ኢላ መብጽዓ ኣትየትሉ ሰለ ዘነበረት  ቤዛ ንሳሚ ናብቲ ኣብ ጋርደን ሲቲ ዝርከብ ዝበለጸ እንዳ ሙቁር ሕብስቲ  ወሰደቶ። ሳሚ ዓይኒ መድሪ ክጥቀም ሰለ ዝደለየ ቤዛ ደስ ዝበለኪ ንኽልቴና ኣዚዚ ኢልዋ ሽንት ቤት ከደ፡ እታ ሒዝዋ ዘነበረ ኣጀንዳ ድማ ክትሕዘሉ ንቤዛ ሃባ። ቤዛ ክልተ ካፕቺኖ ምስ  ኣርባዕተ ዶናት ኣዘዘት፤ ሳሚ ቁሩብ ሰለ ዝደንጎያ ነታ ሓዝለይ ዝበላ ኣጀንዳ  ናይ መዝሙር ከትገናጸል ጀመረት:: ኣብ መንጎ ናቲ ኣጀንዳ ድማ ነዛ ግጥሚ ረኸበታ።

ኣፍቂረኪ’የ መስለኒ

ነዛ ፀሓይ ይጥመታ እሞ

ንጽምዋ ጸጸኒሐ ይረግሞ

ንዓኺ ይዝክር ብኣርምሞ

ንቃላትኪ ከይተረደኣኒ ይደግሞ

በሓባር ክንጓዓዝ  ከለና

እቲ ኮኾብ ኣዒንቲኺ ክዉላዕ

ገጽኪ ብፍሽኽታ ክዉላዕ

ሽዑ’የ መስለኒ ተሰሪቀ

ኣብ ገዛኹም ቡን ክቅሎ

ሰሓቅን ጸወታን ዝዓብለሎ

ሽዑ’ዩ ልቦናኺ ንዓይ ዝደጎሎ

ሕጂ ሕጂ’ዩ ግና ዝርደኣኒ ዘሎ

ንዓኺ ክዝክር ሱቅ ኢለ ይሕጎስ

ጎኒ መንፈሰይ እናሻዕ ይሕደስ

ሕይወተይ ክምቅር በኣኺ ክርስርስ

ንዒ ምሳይ  መንፈሳዊ መግቢ ንቋደስ

ሳሚ

"ንመን ኮን ትኸዉን እዛ ግጥሚ ነታ ኣብ ኣስመራ ዘላ ሕጽይቱ’ዶ ትኸዉን ወይስ  ናይ ድራማ ግጥሚ፧ ንመንፈሳዊ ድራማ እኳ ክትከዉን ኣይትኽእል’ያ ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ ኣብ መንፈሳዊ ድራማ ጽሒፉ ኣይፈለጥን በቃ ነታ ኣብ ኣስመራ ዝገደፋ ሕጽይቱ’ያ ማለት’ዩ፤ ስለምንታይ ግን ብዛዕባ ሕጽይቱ ዘይሓበረኒ፧ ኣነ ናይ ዉሽጠይ ኵሉ ጓሕጊሐ እናነግርክዎስ ንሱ ግና በዛዓባ ሕይወቱ ዋላ እኳ’ዩ ተንኪፍለይ ዘይፈልጥ" ኣብ ዉሽጢ ሒደት  ደቃይቅ ማእለያ ዘይብሉ ሓሳብ ኣዝነመት፤ "ሎሚ ግና ብዛዓባ ነብሱ ክነግረኒ ከም ዘለዎ  ክዉከሶ’የ፤ ሙዃን'ኳ መንዶ ጠዊቁ ዝሓተተኒ ኣሎ’ዩ ደይ ባዕለየ ናይ ሕይወት ታሪኽ ዘዘንተኹሉ"፤ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪራ ኣብ ሓሳብ ተሸሚማ ከላ ሳሚ ደበኽ በላ።

ሳሚ፡ "የቀኒየለይ ቤዛ ሓፍተይ ፤ ኣብ ካሕሳኺ የዉዕለኒ" በላ ኮፍ እናብለ።

ቤዛ፡ "እዚ’ዶ በዚሕካ ጽባሕ ባዕለይ ዝሰርሓ ደርሆ ኣብ ገዛና ምሳሕ ክጋብዘካ’የ"።

ሳሚ፡ "ጽባሕሲ ምስ በዓል ዲ.ክብሮምን ዲ.መርሃዊን ቆጸራ ሒዘ ኣለኹ። ሎሚ ከማን ብሓንሳብ ክንዉዕል ሓቲቶሙኒ ኣነ ግና ምስ ማማ ኣብርሀት ተቋጸረ ሰለ ዝለኹ ንጽባሕ ይኹነልና ኢለዮም፤ሰለዚ  ጽባሕ ኣይጥዕመንን ኢዩ። ደሓር ከኣ ቤዛ ደርሆ ክትሰርሒ !!! ሃሃሃሃሃ ሹጉርቲ ከማን ቀርዲድኪ ዘይትኽእልዮስ "።

ቤዛ፡"ዘረባ እሞ ይጽንሓልካ ሳሚ ሕጂ ባርኸልና ክንበልዕ ጠሚና ኣለና ። ጽባሕ ዋላ ምስና ብሓባር ንድረር ጸገም የለን"።

ሳሚ፡ ነቲ ዘተቀረበ መኣዲ ባረኾ። ነታ ብመኽደኒ ተዓሺጋ ዝነበረት ኩባያ ጥዕም ኣበላ እሞ ካፕቺኖ ሙዃና ፈለጠ።"ጥዕምቲ ካፕቺኖ ቤዛ  ግና ኣነ ብጣዕሚ ይገርመኒ’ዩ ካፒቺኖ ኣበይ ኢኺ ለሚድክዮ፧ ኣብ ዝኸድናዮ ካፒቺኖ ትእዝዚ።"

ቤዛ፡ "ኣብ ኣስመራ ምስ መሓዙተይ ድሕሪ ትምህርቲ ወይ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ሙጉ  ወይ ዳሜራ እኽየድ ኔይረ። ዝበዝሐ ግዜ ግና ጹማቅ ኣብ ካፕሪ ይሰቲ ኔይረ።"

ሳሚ፡ "እዞም ደቂ ሃብታማት ብጹማቅ ካፒቺኖ ክትዉነሱ ከለኹም በዓለ ኣነ ከኣ  ፋታ ምስ ኣርባዕተ  ነበልዕ ኔርና።"

ቤዛ፡ ሰሓቀት "ሃሃሃ ከነግረካ እንዶ ድሕሪ ሕጂ ሳሚ ምባል ተሪፉ ድያቆን ሳሚ ክብለካ’የ ማለት ደዩ"?

ሳሚ፡ " ኣቲ ግናይ ዲያቆን ከይትብልኒ ግና ጀማሪ እንደየ ዘለኹ። ኖእ ንስኺ ንዓይ ፍልይቲ ሰለ ዝኾንኪ ሳሚ ትብሊ ከም ቀደምኪ።ደሓር ከኣ እዛ ዲቁና ናተይ ናይ ማማ ኣብርሃት ኢያ እኳ ማማ ኣብርሃትያ ቀንዲ ደፋፊኣትኒ ድያቆን ክኸዉን። መዝሙር ዳዊትን ሰዓታትን ገዚኣ እዚ ናይ ዲቁና መምሃሪኻ'የን ምስ በለትኒየ ቀንዲ ንዲቁና ክመሃር ዝደፋእክሉ።"

ቤዛ፡ "እምቢ ድያቆን  ሳሚ እየ ዝብለካ" እናበለት ነታ ሒዛታ ዘነበረት ዶናት ከተኾልሶ ኢዳ ሓፍ ኣበለት።

ሳሚ፡ "ኢድኪ እስኪ ኣክብለይ ኣነ ምኹላስ ዝበሃል ኣይፈቱን’የ።"

ቤዛ፡ "ሓሳዊ ማሚተይ ከተኾልሰካ ከላ ደኣ ዘይትኣቢ ። ስለዚ እዚኣ ብሽም ማሚተይ ተቀበለኒ ። እንተዘይ ኮይኑ ኢደይ ከምዚኣ ኢላ ክትዉዕል ኢያ።"

ሳሚ፡ "ቤዛ ዘረባ ሰብ እባ ስምዒ ኣብ ሕይወተይ ምሉእ ጓል ትብሃል ኣኾሊሳትኒ ኣይትፈልጥን’ያ ።"

ቤዛ ፡" እሞ ኣነ ኣይመልሳን’የ ሓንሳብ ኣልዒለያ እንደየ። ኣነዉን ንዝኾነ ወዲ ኣኾሊሰ ኣይፈልጥን’የ።"

ሳሚ፡ "እንታይ መዓት ወረደና ወደይ" ኢሉ ምእንታን ከይተስሕቶ ነተን ልምሉማት ኣእዳዋ ኣትሪሩ ብመሓዝ ነታ ዶናት ምስ  ኢዳ ሓዊሱ  ኣብ ኣፉ የእተዎ።

ቤዛ፡ "እዋእ ኣታ ነኺስካኒ ኔርካ  ክንዳይ’ከ ይተርር እቲ ኢድካ።"

ሳሚ፡ "ብቀደሙ እንዶ ግዳ ገደፊ ኢልኪ ኣይነብረኩን ። ዘረባ ሰብ ዘይምስማዕ እሱ ዉጽኢቱ።"

ቤዛ፡ "ክሓተካ እንዶ  ሳሚ ሓወይ ኣነ ምሽ ኣብ ሕይወተይ ኵሉ ዘጋጥመኒ ይነግረካ’የ ። በዘዓባ ታሪኽ ሕይወትካ እባ ይዕልለኒ ንስኻ ከኣ ።"

ሳሚ፡"ኣብ ሕይወተይ ብዙሕ ነገር’ዩ ኣጋጢሙኒ ። በዘዓባ እንታይ ክዕልለኪ ትደልያ፧"

ቤዛ፡ 'እእእእ' ቤዛ እና ሰሓቀት ሓዉሲ ናይ ቀልዲ ገይራ "ዓርኪ ኔራትካ’ዶ ኣብ ኣስመራ ወይ ዘተሓጸካያ ጓል ኣላዶ  ወይ ብዛዕባ ጉዕዞ ስደት ናብ  ዩጋንዳ ከመይ ኢልካ ከም ዘመጻኻ ይዕልለኒ። ወይ ከኣ ሎሚ ድያቆን ኣለኻ ጽባሕ ንግሆ ካህን ክትከዉን ኢኻ እሞ ከመይ ዘኣመሰለት ጓል ኢኻ ክትምርዖ፧"

ሳሚ፡ ዘይተጸበዮ ሕቶ ደበኽ በሎ:"ብዙሕ ሕቶ ሓቲትክኒ ኣለኺ በየናይ ክጅምሮ ይሕሸኪ፧" በላ

ቤዛ፡" ብደስ ዝበለካ"

ሳሚ፡"በታ ሕጽይቲ ኣለትካ’ዶ ዘበልክኒ ክንጅምር መስለኒ። አወ ሕጽይቲ ኣላትኒ"

ቤዛ፡" ብሓቂ!"ገጻ ናብ ትኪ ተቀየረ

ሳሚ፡"ይገርመኪ’ዩ ኣቦይ ምስ ሓደ ዓርኩ ኣዝዩ ይፋተው ሰለ ዝነብሩ ዕርክነቶም ዝያዳ ንኽድልድል ንዓይ ገና ብንኡሰይ ከለኹ ምስ ጓል ዓርኩ ብዘይ ድሌተይ ይሕጺኒ። ነቦይ ብጣዕሚ’የ ዝፈትዎ ካብ ትእዛዙ ከወጽእ ፍጹም ኣይደልን’የ: ኣቦይ ነጋዳይ ኢዩ: ኣቦይ ምስ ዓርኩ ኣብ ዱባይ ብመኪና እናተጓዕዙ ከለዉ ናይ ሓደጋ መኪና የጋጥሞም። ዓርኪ ኣቦይ ኣዝዩ  ሰለ ዝተጎድአ ብዙሕ ኣይጸነሐን ካብዛ ዓለም ብሞት ይፍለ ኣቦይ ሓላፍነት ናይ ዓርኩ ተሰኪሙ ንገዛናን ንናይ ዓርኩን ስድራን ከይፈላለየ ይናብየና። ኣቦይ ምስ ሰይቲ ዐርኩ ብምርድዳእ ንስድራ ዓርኩ ናብ ኣሜርካ ይሰዶም። ዝኣተዎ መብጽዓን  ሕድር ዓርኩ ከይጠለም ቅድሚ ናብ ኣሜርካ ምኻዶም ጌና ወዲ 15 ከለኹ ምስ ጓል ዓርኩ ናይ ሕጸ ወራይ ብምግባር ድሕሪ ትምህርቲ ምዝዛመይ ናብ ኣስመራ መጺ’ያ ክትምርዓወኒ ምስ ሰይቲ ዓርኩ ተሰማምዑ። ኣነ ኸኣ ፍቃድ ኣቦይ ከመልእ ዘተባህልክዎ ገበረኩ። ኣሜርካ ምስ ከደት ምስ ራህዋ ብኢመይል ሓንሳብ ብተሌፎን ንራኸብ  ኔርና። ክገርመኪ መደበይን መደባን ከብድን ሕቆን’ዩ: ፈጺሙ ዘይራኸብ  ባህራይት ኣለና። ኣብ ፈይስቡክ ወይ መስንጀር ኣብ  ንራኸቡሉ ግዜ ከይተረዳዳእና  ኢና ዕላልና ንዉድእ። እዚ ጉዳይ ንባባ ሓቢረዮ። ባባ ግና ሳሚ ወደይ ሕድሪ ኣቦኣ  ሕድሪ ኣንጪዋ ከይከዉን: ምስ ተመርዓኹም  ሓዳር ምስ ገብረኩም ብኣካል ምስ ታራኸብኩም እቲ ዘየራድድኣኩም ጉዳይ ከትፈትሕዎ ኢኹም በለኒ። ሎሚ ጽባሕ ኣስመራ ክመጽእ’የ ክትብል ዳርጋ 7 ዓመት ኣቋጺሩ። ኣነ ከኣ ማይ ነፍሒ ብሲቭል ኤንጂነሬን ተመሪቀ ምስ ወዳእኩ ። ንራህዋ ከምርዖ ሐልናይ ፈጺመ ሰለ ዘተቀበሎ እቲ እቲ እንኮ መፍትሒ ሽግረይ ክኾነኒ ኢለ ዝኣመንክዎ  ናብ  ስደት ኣምራሕኩ። መቸም ሽግራካ እንተዘይ ፈታሕካዮ ምስኻ’ዩ ዝጓዓዝ ዝበሃል ሓቂ’ዩ። ባባ ሕጂዉን ኣይዕረፈን ናብ ሰደት መሳይ ሰዓበ  ንራህዋ ክመርዓዋ ኣብ እግረይ ተደፊኡ ለመነኒ። ነብሰይ ክገብረይ ኣይከኣለን  ኣቦይ ኣብ ቅድመይ ክድፋእ ፍጹም ኣይደለኹን  ኣመራጺ ናብ ቀዳመይ ዓለም ዝኸደሉ መንገዲ ወን ሰለ ዘይነብረኒ  ከይፍተኹ ሕራይ በልኩ "።

ቤዛ፡ "እሞ ናብዚ መጽያ ክትመርዓወካ እያ ማለት ደዩ፧"

ሳሚ ፡ ሓንሰብ ኣባ ኣወድእኒ ።ኣብ ከምዚ ዝርርብ ከላና ሓዊ ባባ ናብ ካናዳ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክወስደኒ ዝኽእል መገዲ ከም ዘሎ ይሕበረና ። ባባ ንሓዉ ደሓን ሕጽይቱ ክትወስዶ’ያ የብሎ። ሓወቦይ ምሳይ ከራኽበኒ ምስ ሓተቶ ፤ ምስ ሓወቦይ ዳርጋ ንፍርቂ ሰዓት የዕሊልና ኵሉ ምስ ባባ ዘጋጠመኒ ቁጽር እርይ ኣቢለ ሓደ ብሓደ ዘርዚረ የዕሊለዮ። ጸገም የለን ሳሙኤል ደሓን ናብ ካናዳ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከምጻካየ በለኒ። ኣነ ኸኣ ንባባ ኣብ  ካናዳ ምስ ሓወቦይ ክኸዉን ይሕሸኒ በልክዎ ። ባባ ብጣዕሚ ሓረቀ  ግና እዚ ዕድል ክምልጠኒ ሰለ ዘይደለየ "ደሓን ሳሚ ወደይ  ካናዳ ኪድ  ናብኡ ንሳ  ትመጸካ" በለኒ። "ደሓን ባባ ኣብኡ ምስ ኣተኹ ንዘራረበሉ" በልክዎ። ንጽባሒቱ ምስ ራህዋ በዛዓባ ርክብና ኣዒምቅና ተዘራረብና ንሳ ኣብ ቃላ ከም ዘላ ሓበረትኒ። ንራህዋ ከም ሓፍተይ እምበር ናይ ሕይወት መሪሕ ኮይና  ምሳኣ ብሓደ ክነብር  ከም ዘይደሊ ክትርደኣለይ ነገርክዋ። ንሳ ግና ቃል ናይ ወለዳ ክትዕብር ከም ዘይትደሊ ደጋጊማ ሓበረትኒ፤ድሕሪ  ሰሙን ደጊማ ትድዉለለይ እሞ "ደሓን ንስኻ ናትካ መንገዲ ሓዝ ኣነ ከኣ ናተይ መገዲ ሕዚ ኣለኹ" ንባባየይ ድማ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ከም ዝነገረቶ ሓቢርትኒ" ሕይወተይ ከምዚ ይመስል።

ቤዛ፡ ከይተረደኣ ኣፉ ኢላ ኣተንፈሰት  እቲ ኣብ ፈለማ ዕላሉ ጸምሊጉ ዝነብረ ገጻ ዕላሉ ምስ ዛዘመ ፍትሕ ትሕ በለ፤ "ብጣዕሚ መሳጢ  ታሪኽ’ዩ ዘለካ" በለቶ፤ "ክገርመካ ቀለም ዝቆጸርካ ዝተመሃርካ ኮይኑ ኣይስመዓን’ዩ ኔይሩ" ምስ በለቶ ሰሓቅ ሞተ፤በታ ዝበልዓ ዘነብረ ዶናት ተሓነቀ እሞ ካብታ ሒዛታ ዝነብረት ካቡቺኖ ክትምዑጎ ናብ ኣፉ ኣቅረበትሉ፤ ተሰሪኒቁ ሰለ ዘነበረ  ከይፈተወ ፊት ብምበል ሰለስተ ግዜ መዓጎ።

ኣብ ከምዚ ህሞት ከለዉ ዲ.ክብሮም ካብ  ርሕቁ ርእዩ ንሳሚ እንቋዕ ሓጎሰካ ክብሎ መጸ። እና ሰሐቀ ከኣ " ወዮ ቆጸራ ዳኣ ምሳ ማማ ኣብርሃት ደዩ ኔሩ ወይስ ምስ ቤዛ፧" በሎ።

ዓሰርተ ሓደ ክፋል ኣብ ዝመጽእ መዓልቲ

ሰብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ቤዛ ናቱ

Comments are closed.