ቤዛዊት ሻብዓይ ክፋል

ነታ ደብዳቤ ምስ ኣንበብዋ ዲ.በረኸት ግብረ መልሲ ናይ ዲ.መርሃዊ ካብ ገጹ ንምንባብ ናብ ዲ.መርሃዊ  ገጹ ጠመተ። ዲ.መርሃዊ ክልቲኣን ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ዝን በለ። ስምዓኒ መራ ዘይተጸበኻዮ መልሲ ኣይኮነን ደሓር ከኣ ዓይንኻ ኣንቈሕ ኣብ ቤተ ክርስቲያና ክንደይ ካብዛ ጓል ዝበልጻ ኣለዋ። ፈጺሙ ኣይርደኣንን ዘሎ ናይ ቤዛ ነገር፡ ደሓር ከኣ መልሳ እወ ወይ ኣይፋል ዝብል ብንጹር ኣብዚ ዳብዳቤ ኣየስፈረትን በለ ዲ.መርሃዊ።  በሬ፡ ንዓሻ ደርጉሓሉ ንለባም ኣምተሉ ደዩ ዝበሃል ። ብሕውነት እምበር ብኻልእ ኣይጥምተካን፡  ኣብ ዝኸድካዮ ቦታ ብቴሌፉን ወይ ብቫይበር ንራኸብ ዝብል’ዶ ኣየንበብካን። ስምዓኒ ክሳብ ሕጂ ሓዉሲ ቀልዲ ጌይረ ክዛረበካ ጸኒሐ። የኔታ ኣብርሃም እንታይ ይብሉና ኔሮም  መስለካ ንዓኻ ትመስለካ ጓል ሔዋን ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ እያ ትርከብ፡  ናይ ወዲ እሰይ (ዳዊት)  ትደግሙ እንተ ኰንኩም ከኣ ባዕላ ክትመጻኩም እያ። ሰለዚ ንስኻ ኵሉ ጾርካ ናብ እግዚአብሔር ኣረክብ፡ ናብ እግዚአብሔር ተማሕጸን። ጸላኢ ሠናይ ከምዚ ዓይነት ቡኮ እንተ ረኺቡ ደኣ መፍቶቱ።

በሬ ሓወይ እንተዩ ዓዚሙኒ  ፍጽም ኣይርደኣንን ዘሎ። ደሓር ከኣ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ወትሩ ንቤዛ ናተይ ክትክዉን ብጸሎት ይሓቶ እየ። ጸሎተይ  ግና ኣይሰመረን፡ ናይ ልበይ ድሌት ቤዛ  ኢያ፣  ክሳብ ሎሚ ግና  ድሌተይ ኣይተማልኣለይን በጃኻ ። ኣንታ መራ ስማዕሰ’ከ ክትጽሊ ከለኻ ናትካ ድሌት ናብ እግዚአብሔር ጥራዕ ዝበልካና፣ ባዕልኻ’ዶ ኣይኮንካን፣  ክትሰብከና ከለኻ ኣብ ግዜ ጸሎትና ፍቓድ ናይ እግዚአብሔር ክኾነልና ንለምን እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝያዳ ነብስና ንሱ እንታይ ከምዘድልየና ይፈልጥ እዩ።  ንሱ ዝመርጸልና እቲ ዘበለጸ ነገር ምዃኑ ዝሓበርካና። ስለዚ ቤዛ ናትካ ድሌትን ሕቶን እያ እግዚአብሔር ንሕቶኻ ክምልስ ዕድል ሃቦ። ደጊመካ ሕሰበሉ ናይ እግዚአብሔር ፍቓድ ኣባኻ ክፍጸም እንተ ደኣ ኮይኑ ናትካ ድሌታትካ ኣልምሶ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ሕይወትካ ኣቀድም። እቲ ትምህረና ምህሮ ንስኻ ክትለብሶን ክትነብሮን ኣለካ። ዲ.መርሃዊ  ካብ ዲ. በረኸት ዘይተጸበዮ  ምኽሪ ስለ ዝመጾ ከይተገረመ ኣይተረፈን። የቀንየለይ በሬ ሓወይ እዚ ዘበልካዮ ሓቂ እዩ ብጸሎትካ ደግፈኒ ኣብዛ ሰዓት ከምዚ ዓይነት ምኽሪ እዩ ዘድልየኒ  ምስ በሎ  ሕሳብ ናይቲ  ዝሰተይዎ ኮካ  ከፊሎም ተተሓሒዞም ናብ ገዝኦም ኣምርሑ።

ዲ.መርሃዊ ኣብ ገዝኡ  ምስ ኣተወ በይኑ ብሕት ኢሉ ኣብታ ዓባይ  ሳሎን ተጎዝጊዙ ኣብ ባሕሪ ሓሰብ ተሰወረ። ምኽሪ ናይ ዲ.በረኸት ንግዜኡ  ልቡ እኳ  እንተ ተንከፎ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ  ግን እቲ ምኽሪ ከም ትኪ በኒኑ ተዓዝረ። ሓሳቡን ቀልቡን ከመይ ጌይሩ ንቤዛ ኣእሚንካ ትምርዓዋ ጥራይ ኮነ። ቤዛ ክዉንና እንተ ኮይኑ እቲ ቀንዲ ኣማራጺ ርክብ ሳምን ቤዛ ከም ዝብተኽ ምግባር እዩ ኢሉ ወሰነ። ርክብ ናይ ክልቲኦም እንተ ደኣ ፈሪሱ ንቤዛ ኣብ ትሕቲኡ  ንኽቆጻጸራ ከም ዘየሸግሮ ገመተ። ጽንሕ ኢሉ ከኣ እንታይ ዓይነት እኩይ ትልሚ  እዩ እዚ ብሓቂ ንጥቅመይ ክብል  ርክብ  ንጹሃት  ሰባት ክበትኽ፣ ያእ ኣይፋለይን ካልእ ሜላ  ደኣ ክጥቀም  በለ። ኣብ መንጎ ብሓሳባት ተዋጢሩ ከሎ ከይተረድኦ ኣብቲ ዝነብሮ ሳሎን ልቡ ኣጥፊኡ ደቀሰ።

ቀጻሊ ሰሉስ መዓልቲ ሰዓት 5 ድ.ቀ  ኣኼባ ናይ ቤተ ትምህርቲ ሰንበት ኣብ እንዳ ጉባኤ ይካይድ ሰለ ዘነበረ ኵሎም ኣባላት  ክፍልታት ነቲ  ኣኼባ ክሳተፉ ኣብ ሰዓቶም ኣብ እንዳ ጉባኤ ተረኽቡ። ጉባኤ ብጸሎት ድሕሪ ምኽፋቱ ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ቢንያም ኣጀንዳ ከትሕዙ ተላበዎም። ኣቀዲሙ ግና ንሱ ዘዳለወን  ክልተ ኣጀንዳ  ኣንበበሎም። ቀደማይ  ዲ.መርሃዊ ይገይሽ ሰለ ዘሎ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ኣብ ክንድኡ ተካኢ ምግባር። ካልኣይ  ኣብ ማሕበርና ምስ ኣንጻር ጾታ ዘሎ ርክባት ኣሰካፊ እናኾነ ይመጽእ ሰለ ዘሎ ምፍትሒ ክግበረሉ፡ በፍላይ ትምህቲ ሰንበት ንሕመ ስለ ዘለና ብኸመይ ነዚ ጉዳይ ንገጥሞ  ዝብላ ኢሉ ሓበሮም። ተትሕዝዎ ኣጀንዳ እንተ ኣሎ ብብሓደ ንዛረብ ድሕሪኡ ብደቂቁ ንዛረበሎም በለ። ሳሚ ኢዱ ሓፍ ብምባል ናይ ወርሓዊ ኪዳነ ምሕረት ንገብሮም መደባት ኣብ ከመይ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ንዛተየሉ በለ። ካልኦትከ ዝኾነ ንዛራረበሉ ኣርእስቲ ኣለኩም ድዩ ኢለ  ሓተተ ። ኵሎም ስቅ ስለ ዝበሉ እሞ እዘን  ሒዘየን ዘለኹ ኣርእስቲ  ንዘራረበልን እሞ ኣብ መንጎ ዝኾነ ሓሰባት እንተ መጺኩም ሓቡሩኒ ንዝመጽእ ግዜ ነሰጋግሮ ።

ቀዳመይቲ ኣጀንዳና  ምትዕርራይ ክፍልታት ክንገብር ኢና። ዲ.መርሃዊ ንክፍሊ ትምህርቲ ተጊሁ ኣገልጊልዎ ኢዩ። እግዚአብሔር ይመስገን እዚ ክፍሊ ቀጻሊ ሜላ ሰብከት እናሃበ ብዙሓት ኣብ ስብከት ዝዋፈሩ ኣባላት ኣጥርዩ ኣሎ እዚ ድማ ብናይ ዲ.መርሃዊ ጻዕሪ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ነዚ ዝሰርሖ ዘነብረ ክፍሊ ዉፉይን ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ተመክሮ ዘለዉ ተካኢ ስለ ዘድልየና  ንሳሚ ከም ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ክኸዉን ሓጺናዮ ኣለና ብወገንኩም እንታይ ትብሉ በለ ። ዳኒኤል ናይ ክፍሊ መዝሙር ጠርናፊ ምዃኑ ኢዩ ፡ ብመጀመርታ ንዲ.መራ እንቋዕ ሓጎሰካ ይብሎ። ድሒረ ድማ ነዚ ተኸፊቱ ዘሎ ናይ ክፍሊ ትምህርቲ ክፍተት ሳሚ እንተ ዝሕዞ ዝብል ሠናይ ኔይሩ፣  ነገር  ግና ንሱ ክፍሊ ትምህርቲ እንተ ሒዝዎ ክፍሊ ሥነ-ጽሑፍ ዝሽፍነልና ሰብ የለን ስለዚ ክሳብ ተካኢ ንረኽበሉ ንሳኻ ቢንያም ባዕልኻ ንዝተወሰነ ግዜ እንተ ትሕዞ ተመራጺ ይመስለኒ  በለ።

ዲ.በረኸት ትቅብል ኣቢሉ እዚ ክፍሊ ሳሚ እንተ ዝሕዞ ይሓይሽ። ሥነ-ጽሑፍ ኮነ ድራማ ንግዜኡ ቤዛ ትሕዞ ትኽእል ይመስለኒ ። እቲ ቀንዲ ዓንዲ ርእሲ ናይዚ  ማኅበርና ክፍሊ ትምህርቲ ምዃኑ ኣይንስሕቶን። ደሓር ከኣ ሳሚ ናይ ዲቁና ትምህርቲ ኣብ ምዝዛም ስለ ዝርከብ ክፍሊ ትምህርቲ ዝያዳ ብዲያቆናት  እንተ ተምርሐ  ዝጽብቅ በለ። ካልኦትዉን ነናቶም ርኢቶ ሃቡ እሞ ገሊኦም  ክፍሊ ድራማ ሳሚ ይጠርንፎ ክብሉ ከለዉ ያእ ኣይፋሉን ንክፍሊ ሥነ-ጽሑፍ እባ ይጠርንፎ  እናበሉ ተኸፋፈሉ። ቢንያም ርኢቶና ኣብ ክልተ ተገሚዑ ስለ ዘሎ ብድምጺ ምርጫ ከንጽድቆ ኢና ኢሉ ወሰነ። ሳሚ ክፍሊ ትምህርቲ  ይኹን ትብሉ ሓፍ ኣቡሉ ኢድኩም ምስ በለ 4 ሰባት ኢዶም ሓፍ ኣበሉ ስለዚ ካብ ሎሚ ጀሚርና ተካኢ ክፍሊ ትምህርቲ ሳሚ ምዃኑ ወሲና ኣለና። እዚ ወሴናዮ ዘለና  ንሰበኻ ጉባኤን ንኣቦይ ቀሽን ክንሕብር ኢና ኢሉ ክዓጽዎ ምስ ደለየ።

ሳሚ ርኢቶ ኣለኒ ኣነ እዚ ትብልዎ ዘለኹም ክፍሊ ክሕዞ ዓቅሚ የብለየን። ነብሰይ ዘይመራሕኩ ንኵለን ክፍልታት ክጥርነፍ ዝኽእል  ዓቅሚ የብለይን። እዛ ዘለኽዋ ክፍሊ ብኽንደይ ሰንከልከ እየ ዝመርሓ ዘለኹ። ሓደ ሓቂ ዝተሰወረኩም ኣሎ፡ ነዚ ክፍሊ ሥነ-ጽሑፍ ኣነ ዘካይዶ ይመስለኩም ይኸዉን ከምኡ ግና ኣይኮነን  ቤዛ ቀንዲ ምንጪ ኃይሊ  ክፍሊ ሥነ-ጽሑፍ  እያ። ንሳ ትንቀሳቅሶ ከም ዘላ ክንዝንግዖ የብልናን። ቅድሚ ቤዛ ምምጻኣ  ነቅርቦ ዘነበርና ሥነ-ጽሑፍ ኮነ ድራማ ትፈለጥዎ ኢኺም ከምቲ ንደልዮ መልእኽትና ኣይነመሓላልፍን ኔርና፣ እግዚአብሔር ይመስገን ኣብዚ ሕጂ እዋን ግና ደሓን ዝኾነ መደባት ነቅርብ ኣለና። እዚ ድማ ብጻዕሪ ቤዛ ምዃኑ ክገልጸኩም ይፈቱ። ቤዛ፡ ምስ ኣስመራ ዘለዉ ማኅበራት እናተራኸበት ብፍላይ  ኣብ ማኅበራ ዝሠርሕዎ ዘነበሩ ድራማ  እናኣመጽአት ነዚ ክፍሊ ተንቀሳቅሶ ኣላ። ቢንያም ትቀብል ኣቢሉ  ሕራይ ጽቡቅ ሓበሬት ሳሚ ሓዉና። ንሕና ናይ ማኅበርና ስለ ዝኾና ማኅበርና ዝበለትና ከኣ ተኣዚዝና ንኸይድ። ስለዚ  ማኅበርና ንክፍሊ ትምህርቲ ክትጥርንፎ ስለ ዝሓጸየትካ ኵሉ ሰነዳት ካብ ዲ.መርሃዊ ተቀበሎ ኣሠራርሓ ናይ ክፍሊ ትምህርቲ ካብ ዲያቆን መርሃዊ ተወከስ በሎ። ክፍሊ ሥነ-ጽሑፍ ቤዛ ምስ ንጉሠ ኮንኩም ክትሕዝዎ ኢኹም ኢሉ ናብ ካልኣይቲ ኣጀንዳ ዘለለ።

ኣብዛ ካልኣይቲ ኣጀንዳ ዘለና ሓሳባት ቅድሚ ምሃብና ዲ.በረኸት ነዛ ኣጀንዳ ስለ ዘትሓዛ ብዝያዳ ንሱ መብርሂ ክህበና ንዲያቆን በረኸት ዕድል ይህቦ። ዲ.በረከት ርኢኹም ቤተ ክርስቲያና ተዐብየሉ ኣብ ዘላ ግዜ ጻላኢ ሠናያት በወገኑ ፈተንኡ እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ። እዘን ቡሩኽት ኣሕዋትና ከም ቅዱሳን ኣንስቲ ኮንክን ተገልግላና ዘለኸን ኣብ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያና ዓቢ ተራ ኣለዎ። ኣብ ኵሉ ንገብሮ መንፈሳዊ ኮነ መዓልታዊ ንጥፈታት ክንጥንቀቅ ኣለና። ኣብ ኣስመራ እንታይ ይርኢ ኔይረ ምስለኩም እዞም ኣንዳ ኮተሌኽ ዝመሃሩ መንእሰያት ከባቢ ሰዓት 6 ድ.ቀ ኣጋ ፀሓይ ዓራርቦ  ምስ ኮነ ኣዋልድን ኣወዳትን ካብቲ ቤተ ክርስቲያኖም ይወጹ እሞ እናሰሓቁ ወጃዕ እናበሉ ተተሓሒዞም ይኸዱ። ከምዚ ዓይነት ኣከያይዳ ኣብ ቤተ ክርስቲይና ይርኣ ኣሎ እሞ እዚ ማዕልቦ ክንገብረሉ ኣለና። ኣነ መቸም ትኽ ኢልካ ምዝራብ እየ ዘፈቱ ዕፉን ብሽፉኑ ዝዓይነት ኣካያይዳ ኣይምእምኣን ኢዩ።  ደሓር ከኣ ናይ ሰባት ዕድል ከይንሰብር  ምስዘን ኣሕዋትና ዘለና ርክብና መጠኑ ዝሓለዉ  ክኸዉን ኣለዎ። ሪኢኹም  ገሊኣን ኣሕዋትና ሕጂ ንቁም ነገር ሰባት ምስ ዝደልይወን ምስ ክስቶ ስለ ትቀራረብ ስለ ዝኾነት ኢሎም ስለ ዝግምቱ  ክሓትዉን ኣይደፍሩን  ኢሉ ዘረብኡ ዓጸወ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ኩሎም በቲ ዲ.በረኸት ዝሃቦ ርእይቶ ሰሓቁ። ቤዛን ንሳሚ ቁሊሕ ኢላ ጠመተቶ ሳሚ ድማ ክምስ ኢሉ ጠመታ። ቢንያም ርእይቶ ዘለኩም ሓሳባትኩም ኣፍስሱ በለ። ኤፍሬም ኢዱ ሓፍ ኣቢሉ ኣነ እኳ ምስ ሓሳባት ዲ.በረኸት ኣይሰማማዕን እየ ። ምስ ኣሕዋትና ብሓባር ክንሠርሕ ጸገም ኣለዎ ኢለ ኣይግምትን። ምናልባት እንታይ ዓይነት ዕላላት ነዕልል፡ እንታይ ዓይነት ዘረባታት ምስ ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋትና  ንዘራረብ ኣለና ኢሉ ከይወድኣ ከሉ። ዲ.በረኸት ኣንታ ኤፍሬም ኣዉዳት ዉሒድና  ዲና ምስ ደቂ ኣንስትዮ  ዕርክነት ንፈጥር ደሓር  ሓቂ ምዝራብ ይሓይሽ ከምዛ ሓራስ ድሙ ካብ ገዛ ናብ ገዛ እናኸድና ካብ ንዕልል ርክብና ኣብ ቤት ክርስቲያን ዝተሓጸረ ዘይኮነልና። ሰለዚ ማኅበርና እዚ ጉዳይ ብዑቱብ ክሕዞ ኣለዎ በለ ።

ቤዛ ኢዳ ሓፍ ኣቢላ ክትዛረብ ንቢንያም ሓተተቶ። እዚ ዲያቆን በረኸት ዝበሎ ኣይድግፎን እየ። ሰባት ኣብ ደገ ስለ ዝተዛረቡ ኢልና ኣብ ኣገልግሎትና ምቅይያር ክንገብር ኣይርኣየንን። ቅዱስ ጳዉሎስ ከም ዝበሎ “ ንሰብ ክሕጉስ ኢለ እንተ ዘነብር ባርያ ክርስቶስ ኣይምኾንኩን" ኢሉ ሚሂሩና እዩ። ንሰባት ክንሕጉስ ክንብል መንፈሳዊ ጉዕዞ  ከነቅንን የብልናን። ንፍቅሪ ክንለብሳን ክንወድያን ኣለና። ዉዲት ሰይጣን ክንፍለጦን ክንመምዮን ንጽዓር። ስለዚ ብደገ ዘመጸና ርኢቶታት ከም ቅኑዕ ወሲድና ፍቅርና ከነዛሕትል ግቡኣ ኣይመስለን። ከምቲ ኤፍሬም ዘበሎ መንፈሳዊ ማሕንቆታት ከይገጥመና ክፍሊ ትምህርቲ ርክብ ኣንጻራዊ ጾታ ብኸመይ መንገዲ ክንዕቅቦ ንኽእል ትምህርቲ ክህበና ኣለዎ እምበር ዘረባ ሰባት ሰሚዒና፡ ስምዒት  ደቂ ማኅበርና ከይንጎድእ ንጠንቀቅ። ቤተ ክርስቲያን ኣደ ፍቅሪ እያ፡ ንሕና ድማ ካብዚ  ቅዱስ  ፍቅሪ ንቋደስ፡ ፍቅሪ ኣብ ሰባት ብነርእዮ መንፈሳዊ ሓልዮትን ምስ ሰባት ዘለና ጥዕና ዘለዎ ርክብን ኢዩ ዝግለጽ መስለኒ  ኢላ ዘረብኣ ዓጸወት።

ደጊሙ ዲ.በረኸት ምምልላስ  ይኾነና ኣሎ እምበር ኣነ ዝብል ዘለኹ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዕዮ ብሓባር ንሥርሓዮ ካብኡ ሓሊፉ ግና ኣብ ፈቀዶ ጎደናታት ወይ ገዛ ገዛ ኬድና ዕላል ኣይነብዝሕ። ንአብነት ደፊሩኒ ኣይትበልኒ እምበር ንስኺ ምስ ሳሚ ዘለኩም ምቅርራብ ዓቐኑ ዝሓለፈ ይመስለኒ።  ንቁም ነገር ንተሓሳሰብ እንተ ዀይና ነቦይ ቐሺ ሓቢርና  ግቡእ ሸነኹ ከም ነትሕዞ ንግበር  እንተዘይ ኮይኑ ግን ቀይዲ በተኽ ዝኾነ ርክቡ ድው ነብሎ ። ምስ ደቂ ኣንስትዮ ዘለና ዝምድና  ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተሓጸረ ይኹን ኢየ ዝብል ዘለኹ። ቤዛ ደጊማ ኢዳ ምስ ኣልዓለት ሳሚ ብገጹ ጌይሩ ኢዳ ከተዉርድ ሓበራ። ሮቤል ትቅብል ኣቢሉ ይቅሬታ ዲ.በረኸት ኵላትና ዘዝተረአየና ክንዛረብ ጸቡቅ ኣይኮነን። ንኣብነት ናይ ቤዛን ሳሚን ርክብ ኣብ ኣገልግሎት ዘተሓጸረ ምዃኑ ኵሉ ወዲ ማኅበር ዝፈልጦ እዩ። ሳሚ ከኣ ምስ ቤዛ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ኵለን ደቂ ማኅበርና ዘለዎ ርክብ ግሁድ ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ርእይቶ ኣብ ኣኼባ ቅድሚ ምሃብና ክልተ ግዜ ክንሓስበሉ ይግባእ። ወይ ቅድም ምስ ዝሕመ ዘሎ ሰብ እንታይ ዓይነት ርክብ ከም ዘለዎ ንወከሶ። ቤተ ክርስቲያን እንታይ ዲያ ትምህረና ሓዉካ እንተ በደለ በይኑ መዓዶ። ምስማዕ እንተ ኣበየካ ምስ ካልኣይካ ኮንካ ምኸሮ  እንተዘይ ኮይኑ ግና ንማሕበር ንገሩሉ ከም ትብል ክንርስዖ የብልናን ኢሊ ዘረብኡ ኣኽተመ።

ዲ.መርሃዊ ኵላትና ኣብዚ ኣርእስቲ ርእይቶ ኣለና ምስለኒ ደሓን ንግዜኡ ኣብዚ ጠጠዉ ነብላ። ኣብ ዝመጽእ ንቅጽላ  ብሰፊሑ ክንዘራረበላ ኢና ነዛ ኣርእስቲ ኢሉ ናብ ካልእ ኣንፈት ከይትሕዝ ስለ ዝሰግኣ ዓጸዋ። ዳርጋ መብዛሕና ግና ዝተራዳዳእናሉ  ነጥቢ ኣሎ ዕላልና መንፈሳዊ ክኽዉን ኣብ ንራኸበሉ ግዜ ብዘይካ መንፈሳዊ ዕላላት ካልእ ዘይጠቅም  ዕላላት ከነቋርጽ ንላቦ  ኢሉ ናብቲ ዝቅጽል ኣጀንዳ ክሓልፍ ንቢንያም ኣዘዞ ።

ሻምናይ   ክፋል  ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

 

Comments are closed.