በስም አብ ወወልድ  ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላኽ አሜን። ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን እዚ ሓጻር ጽሕፍቲ እዚኣ እዋናዊት ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ክካትዑላ  ዝረኣየ ሓውና መልሲ ክትከውን ኢሉ ዘዳለዋ እያ። "  ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን፥እንተኾነ እቲ ኣብ ሕቑፊ ኣቦ ዘሎ፥እቲ በይኑ ውሉድ ዝኾነ ኣምላኽ ገለጾ" ዮሓ.1፥18። በዚ ጥቕሲ ተላዒሎም፥ ወይ’ውን ነዚ ጥቕሲ ሒዞም ኣይኮነንዶ […]

Continue reading

ፍቅሪ  ጎሮባብትና

ፍቅሪ   ጎሮባብትና በቲ ጸላም ዝወሮሶ ፣ ወርሒ ትሃደመሉ ዝነበርት ለይቲ ከውታ፣ ሓንቲ ነጥቢ ትኾውን  ጩራ ብርሃን ካብ ሰማይ ሶሊኻ ዘይትርአ ዘነበረት መዓልቲ እዩ። ኣደይ ዘውዲ ምስ ጓል ጋለን ሄርሚላ፣ ሓጺን መውቀጢ ናይ ቡን ብምሓዝ፡ ነታ ሕላፍ ሰዓት ካብ ስራሕ ናብ ገዛ ተኣትዉ ጓለን ክጽበያ ንግዳም ይወጻ ነበራ። ኣቦይ ተስፋይ ከም ኣመሎም ነደይ ዝወዲ ከሳሉዩ እታ […]

Continue reading

ንዓኻ ዘይኮንኩ ነቲ ምስኻ ዝፍጽሞ ሓጥያት’የ ዘፍቅሮን ዝናፍቆን  ምስ መሓዛይ ሮዳስ ኣብ ስታር ባክስ ሻሂ ክንሰቲ ኣቲና ኣለና። ናይ ፍርቂ ዓመት መርመራ  ወዲእና፡ ካብቲ ንፍተነሉ ኣዳራሽ እናወጻና ናይ ኣጋጣሚ ኮይኑ ምስ ሮዳስ ፊተ-ፊት ትጓኒፍና። ዝምነዮን ዝሃርፎን ዝነበረኩ ምርኻብ’ዩ።ካብ ዘይንራኸብ ብዙኅ ሰለ ዝገበርና ፡ ምርኻብና ካባይ ንላዕሊ ዝብሃገቶ፡ዝሃረፈቶ ክተምስል ሮዳስ፡ ብሓንሳብ ቡን ንስተ ብምባል ኣብቲ ንመሃረሉ […]

Continue reading

በስመ አበ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። ምስባክ ነገሥተ ተርሴስ ወደስያት አምኃ ያበውኡ ነገሥተ ሳባ ወዐረብ ጋዳ ያመጹኡ ወይሰግዱ ሎቱ ኩሎም ነገሥተ ምድር። መዝ ,71 (72)-10። ገላ.4፣1-12።   1ይዮሓ.4፣9- ፍጻሜ     ግ.ሓዋ.13፣16-22።   ወንጌል.2፣1-21። ቅዳሴ ጎርጎርዮስ ካልእ እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድኃኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዅሉ ሕዝቢ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ   4.ምስ ሰባት ጽቡቅ ዝምድና ምፍጣር ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ ይብለና ቅዱስ መጽሐፍ ። መንፈሳዊ ሰብ ኣኽእሎ ረኺቡ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ክነብር ዓቢ ትዕድልቲ እግዚአብሔር ኣምላኽ  እዩ። ሽዑ ድሌቱ ኵሉ ተግባሩ ናይ ሰባት ጽቡቅ እምበር ሕማቅ ክርኢ ኣይደልይን እዩ። እዚ ከኣ ናብ ክብረትን ትሕትናን የብጽሖ። ውሽጣዊ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እንቋዕ ናይ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም በዓለ ሕዳር ጽዮን አብጽሓና። ምስባክ እስመ ኃረያ እግዚአብሔር ለጽዮን ወአብደራ ከም ትኩኖ ማኅደሮ ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም  መዝ.131-13 (134-14) 2ይ ቆረ.6-12, 1ይጴጥ.2፣5-11፣ ግ.ሓዋ.7፣44-45። ወንጌሌማቴ.21፣42 ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ) ነዚ ቃል ዘውሰአን ረቂቕ ዝኾነ ትንቢታዊ ቃሉ ዘመኃላለፈን እግዚአብሔር ከም ልበይ ረኸብኩ ዝበሎ ቅዱስ ዳዊት እዩ። ንሱ ኣብ መዝሙሩ “እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ፤ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ፤ ወውእቱ […]

Continue reading

ጾመ ነብያት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።  ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፣ ጾም ቀድሱ ፣  ጉባኤ ጸውዑ ።” ዩኤ.2፣15። እንቋዕ ናብ ጾመ ነብያት ኣብጽሓና! ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾመ ሥርየት፣ ጾመ ድኅነት፣ ጾመ መድኃኒት ይግበረልና። ዕለት ቀዳም ኅዳር 15-2011 ዓ.ም ( 11/24/18) ጀሚሩ ስጋብ ታኅሣስ 29-2011 ዓ.ም (01-07-2019) በዓለ ልደት ዝጽወም ጾም እዩ። ጾመ ነብያት ነብያት […]

Continue reading

................................... ከም ትጽድቀኒ ፈሊጠ ሕራይ ክብለካ’የ ..................................... ማዓረይ፡ ከመይ ኣለኻለ’የ። ከም ትፈልጦ ለሚን እንተ ተጾሚቁ ፡ ለሚን ይህብ ፡ ኣራንሺ እንተ-ተጾሚቁ ኣራንሺ ይህብ።ለሚን ተጾሚቁ ኣራንሺ ኣይህብን፡ ኣራንሺ እንተ-ተጾሚቂ’ውን  ለሚን ኣይህብን። ናተይ ነገር ነገርውን ካብዚ ዝፍለ ዝመለኒ ኣይኮነን ፡ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ትሕዝቶ  እንተ ዝጽመቅ ነይሩ ፡ እተን ካባኻ ዝተመሃርክውን መንፈሳውን ሞራላውን ሰነምግባር ጸረር ጸረር እናበላ […]

Continue reading

አከባብራ ዘመነ ጽጌ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዘከርታ ስደታ ንዝኾነ ዘመን፡ ምሳሌን ምሥጢርን ታሪኽን እናሰማመዐት ብፍሉይ ማኅሌት ንእትጥቀመሉ ማኅሌተ ጽጌ ጠቐስና እምበር፤ ብሓፈሻ ብሠለስተ ኣገባብ ነዚ እዋን ከምእተኽብሮ ምስትውዓል የድሊ። ንሳቶም ኸኣ ብማኅሌት፥ ብቅዳሴ፥ ብዝክር እዮም። እቲ ምሉእ ለይቲ ሰንበተ ክርስቲያን ብፍሉይ ተመስጦ ዝቕጽልን ዝቐርብን ዝማሬውን ካብ ድጓ ቅዱስ ያሬድ፥ ማኅሌተ ጽጌ ከምኡውን ሰቆቃወ ድንግል […]

Continue reading

መእተዊ  ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለት ፳፮ መስከረም ክሳብ ፭ ኅዳር ዘሎ እዋን ዘመነ ጽጌ፡ ወርኃ ጽጌ፤ ዝጽወም ጾም ጾመ ጽጌ፤ ዝቐርብ ምስጋና ድማ ማኅሌተ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዘን ዕለታት ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳን ሓላዊኣ ኣረጋዊ ዮሴፍን ከምኡውን ሰሎሜ ናብ ምድረ ግብጽ ዝተሰደዱሉን ኣብኡ ዝጸንሑሉን እዋን ይዝከር። ምኽንያት ስደት ስደት […]

Continue reading