“ ኩሎም ሠራዊተ መላእክት ይሴብሑኪ ለዘእምቅድመ ዓለም ሀልዎትኪ ለማኅደረ ወልዱ እግዚአብሔር ኅረየኪ “

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

እንቋዕ ናይ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም በዓለ ሕዳር ጽዮን አብጽሓና።

ምስባክ

እስመ ኃረያ እግዚአብሔር ለጽዮን

ወአብደራ ከም ትኩኖ ማኅደሮ

ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም  መዝ.131-13 (134-14)

2ይ ቆረ.6-12, 1ይጴጥ.2፣5-11፣ ግ.ሓዋ.7፣44-45። ወንጌሌማቴ.21፣42

ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ)

ነዚ ቃል ዘውሰአን ረቂቕ ዝኾነ ትንቢታዊ ቃሉ ዘመኃላለፈን እግዚአብሔር ከም ልበይ ረኸብኩ ዝበሎ ቅዱስ ዳዊት እዩ። ንሱ ኣብ መዝሙሩ “እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ፤ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ፤ ወውእቱ ልዑል ሣረራ” (ሰብ ኣዴና ጽዮን ይብል። ኣብ ውሽጣውን ሰብ ተወልደ፤ እቲ ልዑል’ውን ባዕሉ ኼጽንዓ እዩ) መዝ ፹፮፥፭ (87፥5) ብምባል ብዘይናወጽ ቃለ እግዚአብሔር ነጊሩናን ብትንቢቱ ኣመሥጢሩልናን እዩ። 

ክብሪ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኩሎም ቅዱሳን አቦታት ኮነ ኣዴታት ኩሎም ብዓቅሞም ኣምስጊኖማ እዩም። ኣብቲ ምስጋናን ውዳሴን ጥዑም ከም መዓር ዘይጽገብ ስለዝኾኖም መግለጺ ቃላት ፣ መግለጺ ይስእኑላ ከምዝነበሩ ገሊጾም።

“እፎ እክል ወድሶትኪ ዘኢይክሉ ሰማያውያን ወምድራውን።”  ምስ በላ ቅዱስ ኤፍሬም። “ብከመ አለበወከ መንፈስ ቅዱስ ተናገር።” ኢላ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም መሊሳትሉ። “  ከመይ ጌረ ከመስግነኪ ይክኣለኒ ምድራውያን ጻድቃም ሰማያውያን መላእክት ከመስግኑኺ ዘይከኣሎምስ  ነዓይ ከመይ ኢሉ ይከኣለኒ ። መንፈስ ቅዱስ ከምቲ ዝገለጸልካ ተናገር።     ከም ዝበሎ ቅዱስ ኤፍሬም።

ዘመስገንዎ ዘወደስዋ ከኣ ኩሎም በረከታን በረከት ወዳ መድኃኒዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ረኺቦም እዮም።

ሊቅ አባ ጊዮርጊስ ዘጋሥጫ ኣብ መጽሐፈ ሰዓታት ኣንደምታ ( ትርጋሜ) መንፈስ ቅዱስ ገሊጽሉ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ከምዚ ይብል።

“ ኩሎም ሠራዊተ መላእክት ይሴብሑኪ ለዘእምቅድመ ዓለም ሀልዎትኪ ለማኅደረ ወልዱ እግዚአብሔር ኅረየኪ “

“ ኣብ ኅሊና ኣምላኽ ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ዝነበርኪ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሠራዊተ መላእክት ኩሎም የመስጉንኺ ። እግዚአብሔር አብ ንማኅደር ወዱ መሪጹኪ እዩ።”

ሊቅ አባ ጊዮርጊስ ዘጋሥጫ ኣብ መጽሐፈ ሰዓታት ኣንደምታ ( ትርጋሜ) ኣብ ኩሎም ናይ እግዝእትነ ማርያም ናይ መጀምርያ ክፍሊ ዝጠቀሶ እዩ። ኣብዚ ክፍሊ ብባሕርዩ ኩሉ ዝፈልጥ ዋላ ሓንቲ ነገር ዘይስወሮ ኩሉ ዝከኣሎ ናይ ባሕርይ ኣምላኽ ወልደ እግዚአብሔር ኣብ ዳሕራይ ዘመን ንሥጋ  ተዋሂዱ ንሰብ ከምዘድኅን ብናይ ባሕርይ ፍልጠቱ ቀዲሙ ይፈልጥ እዩ። ወልደ እግዚአብሔር ንሥጋ ተዋሂዱ ሰብ ዝኸውን ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጥራሕ ምዃኑን፣ ንዳኅራዊ ልደቱ ብሥጋ ኣዲኡ እሳ ከምዝኾነት ቅድመ ዓለም ብኅሊና ይፈልጣ ስለዝኾነ’ዩ ሊቅ አባ ጊዮርጊስ ዘጋሥጫ ነዚ ዝገለጾ።

እንካን ንኣዲኡ ቅዱስ ዳዊት እኳ ኣብ መዝሙር 138(9)- 15። “ ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተኣለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን፣ ኣዒንትኻ ድቂ ከሎኹ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልታተይ ሓንቲ እኳ ከይነበረት ኩለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።.” ብምባል ገና ብኣካል ከይተወልደ ኹሉ ኣብ ልቢ እግዚአብሔር ዝተፈልጠ ከምዝኾነ ገሊጹ እዩ።

ነብየ ኢርምያስ’ውን ጐይታና “ ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ከይሃነጽኩኻ ፈለጥኩኻ ካብ ማሕጸን ከይወጻእኻ ከኣ ቀደስኩኻ ነህዛብ ነብይ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ በለ። “  ኤር. 1-5። ብምባል ብባሕርዩ ፈላጥ ኩሉ ዝኾነ እግዚ አብሔር ኣቀዲሙ ኩሉ ከምዝፈልጥን ነብየ ኤርምያስ ተወሊዱ ናብ ምድሪ ቅድሚ ምምጻኡ ዝረኸቦ ዝተዋህቦ ጸጋ ኩሉ ብዝፈልጥ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ዝተፈልጠ ከምዝኾነ ባዕሉ መስኪሩ እዩ።

አበው ሊቃውንቲ ልክዕ ከም ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋሥጫ ብምሥጢር ኣብሪሆም ገሊጾም እዩም። ሊቅ ቅዱስ ያሬድ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ኅሊና ኣምላኽ ተሓሲባ ከዝምነበረት ኣብ ድጓኡ ክገልጽ ከሎ

 “ ዘእንበለ ይትፈጠር ሰማይ ወምድር ወዘእንበለ ይሣረር ምድረ ገነት ሀለወት ስብሕት ቅድስት ወቡርክት ይእቲ ማርያም እንተ ተሰምየት ሰንበት ክርስትያን ጽዮን ቅድስት እሞሙ ለሰማዕት ወእኅቶሙ ለመላእክት “ “ ሓፍቲ መላእክት ኣደ ሰማእታት ቅድስት ጽዮን ናይ ክርስትያን ሰንበት ዝተበሃልኪ ዝተመስገንኪ ብንጽሕና ብድንጋሌ ዝተፈለየት ማርያም ሰማይን ምድርን ከይተፈጥሩ መሠረት ገነት ምድሪ ከይተሠረተ ኔራ እያ። “ ብምባል ብምሥጢር ኣብሪሂ ገሊጽዎ እዩ።

አባ ጽጌ ድንግልን አባ ገብረማርያም ዘደብረ ሓንታ ልክዕ ከም ቅዱስ ያሬድን አባ ጊዮርጊስ ዘጋሥጫን መንፈስ ቅዱስ ምሥጢር ብዝገለጸሎም ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ኅሊና ኣምላኽ ተሓሲባ ከምዝነበረት ክገልጹ ፣

እንበለ ትሣረር ምድረ ገነት ወሥነ ጽጌያት ያስተርኢ

በኅሊና ሥሉስ ዘሀሎ ተአምርኪ በቋዒ

ኦ መዋኢት አመ አምላክ መዋኢ

ንዒ ንዒ እምርእሰ ሳኔር ወኤርሞን ንዒ

ከመ ትንሥቲዮ ለጸላኢ ሕዝብኪ ገፋኢ”

ናይ ገነት ምድሪ ከይተመሥረተት መልክዕ ዕንባባታት ከይተረኣየ ጠቓሚ ዝኾነ ተኣምርኺ ኣብ ሓሳበ ሥላሴ ዝነብረ እዩ፣ ናይቲ ኃያል ተዓዋቲ ኣምላኽ ኣደ ዝኾንኪ ወገናትኪ ዝገፍዕ ጸላኢ ሰይጣን ከተጥፋልና ምእንቲ ካብ ሳኔር ጫፍ ንዒ”ብምባል ሓደ ግንቦት ካብ ኤያቄምን ሃናን ብሥጋ ዝተወልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኅሊና ኣምላኽ ቅድመ ዓለም ተሓሲባ ከምዝነብረት፣ ብዕምቀት ኣምሂሮምና እዩም።

ተቀዳሚ ተኸታሊ ዘይብሉ ናይ  እግዚአብሔር አብ ናይ ባሕርይ ወዱ ኣዲኡ ክትኮኖ ቡእኡ ኣቐዲማ ዝተኃረየት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብመላእክት ትምስገን እያ።

“ ኩሎም ሠራዊተ መላእክት ይሴብሑኪ ለዘእምቅድመ ዓለም ሀልዎትኪ ለማኅደረ ወልዱ እግዚአብሔር ኅረየኪ “

ብምባል ሊቁ አባ ጊዮርጊስ ዘጋሥጫ ዘምሃረና።   

ስለዚ እግዚ ብሔር ዘኽበራ ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዘኽበራ ዘመስገና በረኸትይበዝሓሉ።

ኣብዚ በዓላ ሕዳር ጽዮን  ከኣ ኩላትና ዝያዳ ክንውዳሳን ከነመስግናን ይግብኣና።

ደብረ ጽዮንን ታቦተ ጽዮንን ምሳሌኣ ዝኾኑ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣቦኣ ቅዱስ ዳዊት ከምዝትነበየላ ንኣኣ ዝፈቱን ዘኽብርን ኣዴና ጽዮን እናበለ ክጽውዓ ክነብር እዩ። ንኣኣ ዘኽብር ንርእሱ ይኸብር። ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ድማ ይውሰኸሉ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ኣብ ክንዳና ኮይኑ ንኣዴና ንኽቕበለልና ንቅዱስ ዮሐንስ እዩ መሪጽዎ። እቲ ኅሩይ ሐዋርያውን ንኣደ ኣምላኽ ዝተረከበሉ ስፍራ ንድኅነተ ዓለም ኣብ ዝመረጾ ቀራንዮ ኣብ መልዕልተ መስቀል ከሎ እዩ። ኣዴና ምእንቲ ክንብላን እቲ ትንቢት ፍጻሜ ክርከብን ድማ በቲ ሕይወት ዝህብ ቃሉ  “እንሀት ኣዴኻ” ከኣ በሎ። ዮሐ ፲፱፥፳፭።

“ዕግትዋ ለጽዮን” (ንጽዮን ክበብዋ) ኢሉ እቲ ቅዱስ ነቢይ ነቲ ሕግን ቃላትን እግዚአብሔር እተጻሕፈላ ናይ እሥራኤል እምባን መጽግዒን ንዝነበረት ታቦተ ጽዮን ሌዋውያን ካህናት ከቢቦም ውዳሴ የቕርቡላን ምስ ኣምላኽ ይራኸቡላን ከምዝነበረ፤ ሎሚውን ካህናትን ምእመናን ካብ ርሑቕን ቀረባን ተኣኪቦም ነታ ኣማናዊት ታቦተ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ብማኅሌት ብዝማሬ ብቅኔ ብቅዳሴ ብውዳሴ የኽብርዋ ኣለዉ። እቶም ንኣኣ ዘመስገኑን ዝኸበቡን እሥራኤል ዘሥጋ ካብ እግዚአብሔር በረኸትን ጸጋን ከምዝረኸቡ፤ ሎሚ ድማ ምሳሌኦም ወሲዶም ብናይ ሓዲስ ክብሪ ንኣዴና ዘኽብሩ ኵሎም ዝለዓለ ክብሪን ጸጋን ምሳታፎም እሙን ነገር እዩ። ስለዚ ድማ ደቃ ዝኾንና ኵልና፡ እምባ መጽግዒት (ጽዮን) ምዃና እንኣምን ኵልና፡ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝነግረና “ኣዴና ጽዮን” ኢልና ንዘምረላን ንወድሳን።

በረኸት ኣዴና ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

ምንጪ፡ ጦማረ ማዕዶት

መጽሐፈ ሰዓታት ኣንደምታ ( ትርጋሜ)

ብመጋቤ ሐዲስ ሮዳስ ታደሰ 

 

Comments are closed.