ጦማረ ዘብጹእ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ሣልሳይ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ

 

4.ምስ ሰባት ጽቡቅ ዝምድና ምፍጣር

ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ ይብለና ቅዱስ መጽሐፍ ። መንፈሳዊ ሰብ ኣኽእሎ ረኺቡ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ክነብር ዓቢ ትዕድልቲ እግዚአብሔር ኣምላኽ  እዩ። ሽዑ ድሌቱ ኵሉ ተግባሩ ናይ ሰባት ጽቡቅ እምበር ሕማቅ ክርኢ ኣይደልይን እዩ። እዚ ከኣ ናብ ክብረትን ትሕትናን የብጽሖ። ውሽጣዊ ዕግበትን ሰላምን  ሰማያዊ በረከትን ይበዝሓሉ።

አባ ሙሴ ካብተን ዝለገሱለይ ምኽሪ ብምፍላም ክጅምሮ ጽሖፈይ ፡ ኣብ ገዳም ኣብ ዝጸናሕክሉ እዋናት ብዙሕ ግዜ ምስ አባ ሙሴ ንራኸብ እሞ ደቂቅ ዋላ ብዘይ መንፈሳዊ ጥቕሚ ክሓልፋ ስለዘይደልዩኒ ፡ ዘማርያም እዛ መጽሓፍ ትደግማ ዲኻ ዘለኻ ኩሉ ግዜ ካብ ኣብ ኢድካ ምስ ረኣኽዋ እየ በሉኒ።

እወ ኣባ ደጋጊመ የንብባ እሞ ሓድሽ ትርጉም ይኾነኒ፣ እዚ ወደይ ቃል እግዚአብሔር ንምንባቡ ብጸሎት ጀሚርካ ብጸሎት ክትውድኦ ኣለካ። ከም ዓለማዊ ምህሮ ብቀሊሉ ተንብቦ ኣይኮነን። እስኪ ጸሎት ንግበርሞ ኣንብበይ በሉኒ። ድሕሪ ጸሎት ኣነ ናብ ንባባይ ኣተኹ።

ልቢ ሰብ ንምስዓር ኵሉ ግዜ ብትሕትና ትጋህ ። ነዚ ንምግባር ኣብ ቅድሚ ሰብ ፍትው ንምዃን ምስ ኩሉ ተረዳዲእካ ምንባር ዝኽእሉ ብዙሓት መንገድታት ኣለዉ። እዚ ምግባር እንተኺኢልካ ከኣ ብፍቕሪ ናብ መንፈሳዊነት ክትመርሕ ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ከምዚ ይብል ። ምሳ. 11፣30፣ “ ፍረ ጻድቕ ኦም ሕይወት እዩ። ጥበበኛ ኸኣ ነፍሳት ይረብሕ።

ሀ. ኣብ ውሽጢ ሕይወትካ ሰባት ዝናፍቕዎ ተደላይ ነገር ይህሉዶ ፧

ለ. ንሰባት ካብኦም ዝኾነ ነገር ዘይትደሊ  ኮንካ እንተቀሪብካ  ይፈትውኻ እዮም። እሶም ዝረኸብዎ ነገራት ወይ ከኣ ምስኦም ዘሎ ነገራት ንምውሳድ ትደሊ ምዃንካ ብምግላጽ ጸላእትኻ ንክኾኑ ኣይትዓድሞም። ኣብ ከሙኡ ስምዒት ክኣትዎ ኣይትግበር። ንፍቅሪ ዝሓሰብካዮ ንጽልኢ ከይቅየር ሕውነትካ።

ሐ. ናይ ካልእ ሰብ ድኻም ብምኽኣል ብትዕግስቲ ብትሕትና ብግልጹነት ልቢን ይቕሬታን ሰዓሮ። ከምዚ ዓይነት ሰብ በይኑ ምስ ኮነ በቲ ዝገበሮ ተግባር ብርግጽ ክጠዓስን ክጽጸትን እዩ።፣

መ. ንኻልኦት ሰባት ብግቡእ ብዝገበሮዎ ጽቡቕ ሥራሕ ኣድናቆትካ ግለጽ። ነዚ ከምዝርዱኡ ግበር። ጽቡቅ ተግባራቶምን ሥርሖምን ከምትርድኦን ከም ተድንቀሎምን ክፈልጡ ግበር።

ሠ. ንኹሉ ሰብ ኣኽበር ንነፍሲ ወከፍውን ትሕትና ኣርእይ ፣ ንዓበይቲ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነ ብዕድመ ነኣሽቱ ንዝኾኑ’ውን ብደረጃ ካባኻ

ሰ. ንሰባት ብተደጋጋሚ ኣይትገስጽ ።ትሕት ዝበሉ  እንተኾኑ’ውን ከምተኽብሮም ኣርእዮም።

ረ. ሰባት ንምህናጽ እምበር ንምፍራስ ኣይትሥራሕ።

ንምግሳጽውን እንተኣድልዮካ ብፍቅርን ንማንም ብዘይጎድእ መገዲ ግበሮ።  ኣብ ልዕሊኦም ወቀሳ ንምቅራብን ጸላኢ ኮንካ ንኽትርከብ ዝገብሩኻ ቃላት ወይ ተግባር ፈሊኻ ኣይተልዕል።

ሸ. ኣብ ዝኾነ እዋን ምሥዋእቲ ንምዃን ግዜኻ ንምሃብን ድሉው ኩን።  ንሰብ ዋላ ሓንቲ ክትገብሩሉ ዋላ እንተዘይከኣልካ ጥዑም ቃል፣ ፍሕሽው ገጽ ፣ ሓቐኛ ሰላምታ ሃቦ። ንኹሉ ሰብ ክትገብሮ ዝግበኣካ ነገራት ኩሉ ብዘይ ተጎላባነት ግበሮ።

ቀ. ንኹሉ ሰብ ብትሕትና ብዝተረጋግአ መንፈስን ብየዋህነትን ኰንካ ቅረብ። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብአ ገላትያ ኣብ ገላ.5፣22። ዝተዛረቦ “ እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ ፣ ሓጐስ ፣ ዕርቒ ፣ ዓቕሊ፣ ለውሃት ፣ ሕያውነት፣ እምነት ፣ ህድኣት ፣ ይኣኽለኒ ምባል እዩ። “

በ. ንሰባት ምርዳእ ጥራሕ ዘይኮነ ንሶም ንዓኻ ብጸጥታን ብጽቡቅ መንፈስ ንኽርዱእኻ ግበር። እዚ ብምግባርካ ምስኦም ብሓባር ብምርድዳእ ብፍቕርን ብሰላም ምንባር ትእኽል።

ተ. ምስ ኩሎም ኣብ ሓጎሶም ኮነ ሓዘኖም ተኻፋሊ ኩን። ሮሜ. “ ምስቶም ዚሕጎሱ ተሓጐሱ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ።”

ቸ. ልቢ ሰባት ንምጽንናዕ ኩሉ’ቲ ዝረኸብካዮ ዕድላት ተጠቀም።

ኢለ ድሕሪ ምዝዛመይ ኣባ ሙሴ ዘማርያም ወደይ ብምባል ናብ ማዕዶኦም ኣትዉ። ሪኢኻ ዝወደይ  እዚ ዝነግርካኒ ተግባር የድልዩ እዩ። ቆራጽነት ሰማዕትነት ዘእምበለ ደም፣ ግብሪ መንፈሳውነት ጾም ጸሎት ስግደት እዚኦም እንተሒዝካ ኩሉ ይከኣል እዩ። ዘመኑ ሰብ ካብ ገጽ እግዚአሔር እናረሓቀ ፍትወት ዓለም እናመቀሮ ልጓም ዘይብሉ ፈረስ እናኾነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ልቢ እግዚአብሔር ዘይወነነ ልቢ ሰብ ከመይ ጌሩ ክውንን፣ ፍቕሪ እግዚአብሔር ዘይሓዘ ከመይ ጌሩ ንካልእ ሰብ ከፍቕር ይኽእል። ክቅድም ዘለዎ  እግዚአብሔር እዩ ። ክቅድም ዘለዎ መስቀል እዩ። ድሕሪ መስቀል እምበር ቅድሚ መስቀል ክንጎይይ የብልናን።

እስኪ ከባቢና’ሞ ኣስተውዕልና ንርአ ዘማርያም ወደይ ፡ ንነፍስና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከንቁማ ከለና ፍቅርና ብምንታይ እዩ ዝምዘን፣ ብሓቂ ነፍቅሮ ዲና፧ ፍቅር ዝግለጽ ብተግባር እዩ።

ዘመና ካብ ሰማዒ ተዛራቢ ዝበዝሓሉ ፣ ካብ መኻሪ ፣ ነቃፊ ዝበዝሓልሉ፣ ነገራት ብህድኣትን ትዕግሥትን ክንዮ ኣሪሕቅካ ካብ ምርኣይ ፣ ድሩት ኣተሓሳስባ ብምሓዝ ካብ ኣፍንጫ ንኣፍ ብዘሎ እመት እናሓሰበ ዝፈርድ፣ ይሰቀል ይሰቀል ዝብል ኣንደበት ዘቐድም ንዘለፋን ጸርፍን ዝቅድም ፣ ብፍትወቱ ሥጋኡ ሲዒሩ ጾሙ ጾማ ፋሽን ኮይኑ፣ ንተኽሊ ሥጋዊ ባህጊ ይጠቅም እዩ፣ እናተባህለ ነገረ መንፈሳውነት ተረሲዑ ዓለማዊ ዓብሊልዎ ።

ጸሎቱ፡ ጸሎታ ተጋዊ ዝኾነ፣ ልበ ይሁዳ ብፍቕረ ንዋይ ዝዓወረ ሒዙ አጸደ ቤተ ክርስትያን ክረግጽ ቤተ መቅደስ ክኣቱ ድምብርጽ ዘይብሉ፣ ኣብ ቤተ ቅድስት ቤተ ክስትያን ነገረ ዓለም፣ ቋንቋ ዓለም ሕሳብ ዓለም ከልሑኽ ላዕልን ታሕን ዝብል።

ነገረ እግዚአብሔር ኣብዚ ይጽናሕ፣ ዝብል ፣ ንኸይልወጥ ዝመሓለ ክሳብ ዝመስል ደረቱ ነፊሑ ፣ ንዝናኡ ዝሙጉት ኣንነት ዘጥቅዖ፣ ማዕዝነ ፎኖቱ ዝጠፎኦ፣ ምንባር ትርጉም ዘይርድኦ ፣ ገና ካብ ድቃሱ ዘይተበራበረ፣ ስክፍታ ዝረሓቆ፣ ሚዛን ሕልናኡ ዘይስቆቆ፣ ኣብ ፍቕሪ ኣለኹ እንተበለ ፣ ብሽም ፍቕሪ ዝሽቕጥን ዝበኣስን ። እዚ ወለዶ እዚ

ኣብ ናይ መን ፍቕሪ ይኸውን ዘሎ፧

ብሓቂ ፍቅረ እግዚአብሔር ፍረ መንፈሳውነት እንታይ ምዃኑ ንኽፈልጥ ። ነዚኦም ከምዚ ዝበሉ ምእመናን ናብ ልቦም ንምምላስ መንፈሳውነት ፍቕረ እግዚአብሔር ምርዳእን ምምሃርን ተራ ኩሉ  ኣገልጋልን ምእመንን እዩ። መጀመርያ ናብ ኣበ ንስሓ ቀሪብና ብንስሓ ተሓጺብና  ንልብና ናይ እግዚአብሔር ንግበራ።

ኣነ ከይኮንኩ እሞ ዕውር ንዕውር ምምራሕ ማለት እዩ።

ድሕሪኡ ንኻልእ መንፈሳዊ ደረጃ ንበጽሖ ንበጽሖ  ዘማርያም ወደይ   ኣብ ገላትያ 5 እስከ ኣንብቦ

ካብ ድቃስና ንበራበር ፧ ዘልዓለማዊ ድቃስ ከየርከበና  ዝወደይ። ብምባል ኣባታዊ ምኽሪ ለገሱለይ። እቲ ዘንብቦ ኣነ’ውን ናብ ግብሪ ዝልወጠሉ መገዲ ዝያዳ ሃሰው ክብል ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ኣብ ድኻመይ ክድግፈኒ ቅድስቲ ጸሎትኩም ኣይትፈለየኒ ብምባል ንነብሰይ መዓስ እየ ዝወቅሳ ብልቢ እንዳበልኩ ናብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ኣምራሕኩ።

ኣምላከ ቅዱሳን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስኣብ ድኻምና ይደግፈና። ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ብሰላም ናብ ብርሃነ ልደቱ  የጽንሓና።

ይቅጽል…………………..

ሓውኻ ዘማርያም

Comments are closed.