ንዅሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርኁ።

በስመ አበ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ምስባክ

ነገሥተ ተርሴስ ወደስያት አምኃ ያበውኡ

ነገሥተ ሳባ ወዐረብ ጋዳ ያመጹኡ

ወይሰግዱ ሎቱ ኩሎም ነገሥተ ምድር።

መዝ ,71 (72)-10።

ገላ.4፣1-12።   1ይዮሓ.4፣9- ፍጻሜ     ግ.ሓዋ.13፣16-22።   ወንጌል.2፣1-21።

ቅዳሴ ጎርጎርዮስ ካልእ

እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድኃኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዅሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርኁ። ሉቃስ 2፥10-11

ሓጎስ ሓደ ካብ ናይ እግዚአብሔር ባህርያት እዩ።  ሓጎስ ሓደ ካብ ህያብ መንፈስ ቅዱስ እዩ። መንግሥቲ ኣምላኽ ሓጎስ እዩ።

መልኣከ እግዚአብሔር ነዞም ጓሶት መጺኡ “ንዅሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። ሉቃስ 2፥10-11” ማለቱ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትጽቢት ናይ ኩሉ ስለዝነበረ ኢዩ። 5500 ዓመት ትጽቢት ዝተገብረሉ ልደት። ናይ አበው ተስፋ ናይ ነብያት ኩሎም ትንቢት መዕረፊ ዝኾነ ልደት ኢዩ። ንሕና ክንውለድ ከለና ዘመድን ጎረቤትን ተኣኪቡ ይሕጎስ። ናይ ጐይታ ልደት ግን ካብዚ ፍሉይ ኢዩ። እቲ ባዕሉ ሓጎስን ምንጪ ሓጎስን ዝኾነ እግዚአብሔር ነቶም ብሰንኪ በደል እቲ ቀዳማይ ኣዳም ተሰዲዶም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጸላኢ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣዳምን ደቁን ናጽነት ክእውጅን ሓጎሶም ክመልስን ተወሊዱ። ወዲ ኣምላኽ ወዲ ሰብ ኮይኑ። እወ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓጎስ ኩላ ምድሪ ዝተባህለ ሎሚ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱ።

ሓጎስ ናይ ኩሉ ሰብ ብህጊን ሃረርታን ኢዩ። ሓጎስ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈት ናይ ሰብ ዘለዎ ጽልዋ ኣዝዩ ወሳኒ ኢዩ። ሰብ ብዝተፈላለየ ነገር ክሕጎስ ይኽእል ኢዩ። ዝደልዮ ምስረኸበ፡ ዝምነዮ ምስተፈጸመሉ ይሕጎስ። እዚ ሓጎስ እዚ ግን ነባሪ ሓጎስ ኣይኮነን። ማንም ሰብ ክወስዶ ዝኽእል ኢዩ። እዚ ነዞም ጓሶት ዝተነግረ ሓጎስ ግን ፍጹም ሓጎስ ኢዩ። ዘለኣለማዊ ሓጎስ ኢዩ። ሓደ ጊዜ ቅዱስ ኣጉስቲኖስ ናይ መበል 30 ዓመት ዕለተ ልደቱ ከኽብር ንዝተኣከቡ ሓቀኛ ሓጎስ እንታይ ኢዩ፧ ክብል ሓቲትዎም። ነሕቶኡ ባዕሉ ክምልስ ከሎ ሓጎስ እግዚአብሔር ኢዩ! ብምባል መሊስዎ። እወ ሓቀኛ ሓጎስ እግዚአብሔር ኢዩ። ነባሪ ሓጎስ ዝርክርብ ድማ ካብ እግዚአብሔር ጥራይ ኢዩ። ኩሉ እቲ ናብ እግዚአብሔር ዝቐረበን ዝመጸን ድማ ነዚ ሓጎስ እዚ ወናኒ ኮይኑ ይነብር።

ጐይታ’ውን እቲ ኣነ ዝህበኩም ሰላም ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኮነን እዩ ኢሉና። ወ. ዮሐንስ 14:27። ሰብ ትምህርቲ ዝመሃር፡ ዝሠርሕ፡ ዝምርዖ ካብዚ ሓሊፉ ኣብዛ ምድሪ ክነብር ከሎ ዝገብሮ ኩሉ ሓጎስ ንኽረክብ እዩ። ብሓቂ ሰብ ክንሠርሕ ላዕልን ታሕትን ኢሉ ዓቐብን ቁልቁልን ወሪዱን ደይቡን ክነብር ግቡእ እዩ። ሥራሕ ኣብ ገነት ከሎ እግዚአብሔር ንሰብ’ውን ዝኣዘዞ እዩ። ይኹንምበር እዚ ኩሉ ምንጪ ሓጎስ ግን ኣይኮነን። ሓጎስ ዝርከብ ካብቲ ባዕሉ ሓጎስ ዝኾነ እግዚአብሔር ጥራይ ኢዩ። ፍቁራት ሥድራቤት እግዚአብሔር! ሓጎስ ክህልወኩም ትደልዩ ‘ዶ ኢለ ኣይሓተኩምን እየ። ዝሓተኩም ግን ኣለኒ ሓጎስ ኣበይ ንደልያ ኣለና፧ ሓጎስ ካብ መን ክንረኽባ ንጽዕር ኣለና፧ ሓጎስ ብከመይ ንደልያ ኣለና፧

ሓቀኛ ሓጎስ ካብ እግዚአብሔር ኢዩ ዝርከብ። ሓቀኛ ሓጎስ ዝርከባ ቦታ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ኢያ። ሓቀኛ ሓጎስ ካብ ፍጹም እምነት ኣብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኢያ ትርክብ። ንኹሉ ሕዝቢ ዝኸውን ዓብይ ሓጎስ ተባሂሉ ዝተነግረ እምበኣር ቀዳማይ ባዕሉ ጐይታ ኢዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ሓጎስ ኢዩ።

ካልኣይ ዓብይ ሓጎስ ዝተባህለ ልደቱ ኢዩ። ብልደቱ ሰማያዊ ልደት ዝሃበና ብምዃኑ፡ ልደት ጐይታ ሓጎስ ኩሉ ሰብ እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ! ንዕዉራት ብርሃኖም። ንሕሙማት መድኃኒቶም። ንጥሙያት መግቦም። ንጽሙኣት ማይ። ንዝጭነቑ ዕረፍቶም። ንሕዙናት መጸናንዒኦም። ንስዱዳን ተስፋኦም። ንዝተሸገሩ መህድኢኦም።  ንዝዓረቑ ልብሶም። ንድኻታት በረኸቶም። ንሊቃውንቲ ትሕትናኦም። ንዓያሹ ልቦናኦም። ንጓሶት ጓሰኦም። ንነገሥታት ንጉሦም። ንነብያት ትንቢቶም። ንሓዋርያት ስብከቶም። ንሰማእታት ኣኽሊሎም። ንመእምናን ተበጃዊኦም። ንዝሞቱ ዘተንሥኦም። ንመላእኽቲ ምስጋናኦም። ንቤተክርስትያን መርዓዊኣ። ንካህናት መሥዋእቶም እዩ።

ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓጎስ ኩሉ እዩ። ሓጎስ ሰብን መልእኽትን ኢዩ። ሓጎስ ሰማይን ምድርን ኢዩ። ጐይታ ኣብዛ ምድሪ ሓንሳብ ተወሊዱ ኢዩ። ሕጂ ግን ጐይታ ኣብ ልቢ ነፍስ ወከፍና ክውለድ ይደሊ ኣሎ። ኣብ ቤተልሔም ዘብረሀ ክብሪ እግዚአብሔር ሎሚ ኣብ ሕይወትና ክብርህ ብፍቕሪ ብትሕትና ምህላውና ገዛእ ርእስና ከነዳልወሉ ይደሊ ኣሎ። እቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝተወልደ ንጉሥ ሰላም ልብና ኣንጺህና ክንቀበሎ ይደሊ ኣሎ። ሰብ ጥበብ ወርቂ ዕጣን ከርበ ከምዝገበርሉ ዘይኮነስ ኣምላኽና ንሰብነትና ህያውን ቅዱስን መሥዋእቲ ብምግባር ኣምሃ ከነቕርበሉ ይደሊ ኣሎ።

 ሰብነትና ካብ መብልዕ ማል ዝበልጽ ኮይኑ ተዳልዩ ምህላዉ ሕይወትና ንፈትሽ። ፍቁራት ሥድራቤት እግዚአብሔር፡ ነዚ ሓጎስ ዝቕበል መንፈስ ሒዝና ክንቅበሎ እግዚአብሔር ይደግፈና።

እንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብጸሓና።

ቀሺ ተክለብርሃን ተመልሶ

ደብረ ብርሃን ቅድስት ማርያም ኮሎምቦስ ኦሃዮ።

  29 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም

Comments are closed.