በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። "ሰላምለፅንሰትከ ወለልደትከእምከርሥ።አመ ዕሥራ ውረቡዑ ለወርኃታኅሣሥ።ተክለሃይማኖት በኩሉ ወበውስተኰሉውዱስ ።ናሁ ወጠንኩ ወዕቤ ለስብሓቲከ ሐዲስ።በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ።" መልክዐ ተክለ ሃይማኖት                                           “ ክቡር ሞቱ ለጻድቅ ብቅድመ እግዚአብሔር። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ።” መዝ.115፣6። (መዝ.116፣6)። እዚ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እግዚአብሔር ንምምስጋን ስሙ ንምቅዳስ ካብ ዝተፈጥሩ ሥነ ፍጥረታት ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ዝተፈጥሩ ቅዱሳን መላእኽቲ ክኾኑ ከለዉ፣ ኣብ ዝተፈጥሩ ኣብ መበል  ሻዱሻይ መዓልቲ ዝተፈጥሩ ሰብኣዊ ፍጥረት ኮይኖም። እዚኦም ከኣ ንምቅዳስን ርስቱ ንምውራስን ዝተፈጥሩ ፍጡራት እዮም። ካልኦት ፍጥረታት ከኣ ንኣንክሮ ንተዘክሮ ተፈጢሮም። ቅዱሳን መላእኽቲ ድማ ንእግዚአብሔር ንምምስጋን ከይተወሰኑ፣ ንሰባት […]

Continue reading

ቤዛዊት 14 ክፋል

ቤዛ ኣብ ገዝኣ ኮይና በይና መንፈሳዊ ድራማ ክትለማመድ ድሕሪ ምጽናሕ ክትዕርፍ ኣብ ዱካ ተኾርምያ ኮፍ በለት። ማዕረ ክንደይ ነቲ ዝተዋህባ ገጸ ባህራያት ከም ዝሸምደደቶ ንምርግጋጽ ነታ ናይ ድራማ ጥራዝ ገናጺላ ከትንብቦ ጀመረት። ነታ ድራማ ባዕላ ስለ ዝጸሓፈታ ነቶም ባዕላ ዝወቐሮቶም ቃላት ቀልጢፋ ኣብ ሓንጎላ ከተስፍሮም ግዜ ኣይወሰደላን። ኣብ ድሕሪት ናይቲ ጥራዛ ናይ ሳሚ ጽሕፈት ምስ […]

Continue reading

  በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ሃይማኖት፡ ኣምነ፥ ኣመነ፡ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወጸ ቃል ኢዩ። ሃይማኖት እምበኣር ናይ ነገረ መለኮት ትምህርትን ሥርዓተ ኣምልኾን፡ ሥርዓተ ኣምልኾ ምስ ትምህርት ሃይማኖትን ዘለዎ ናይ ደቂ ሰብ ኣካይዳ ዘመልክት ኢዩ። ሃይማኖት እንታይ ኢዩ᎒ ኣብ ጊዜና ብዙሓት ነዚ እምነት ዝብል ዓሚቝ ትርጉም ዝሓዘ ቃል ብግቡእ ዝተረድእዎ […]

Continue reading

ቤዛዊት 13 ክፋል

ሳሚ: ብዝዓባ ኩነታት  ጁባ( ርእሲ ከተማ ናይ ደቡብ ሱዳን)  ጽጹይ ሓበሬታ ንምርካብ ካብ ጁባ ዝመጹ  ነጋዶ እናተወከሰን እናሐተተን ሓበሬታ ኣብ ምእካብ  ተጸሚዱ ቀንዩ። ከተማ ካምፓላ ቀንዲ ሕመረት ዕዳጋ ናይ ጁባ ኢያ። ነጋዶ ካብን ናብትን ንብረት ከጓዓዕዙ በቀጻሊ ኣብቲ ዑሙር ዕዳጋ  ማእከል  ከተማ  ካምፓላ ትዕዘብ። ሳሚ፡ ካብቶም  ብቐረባ ዝፈልጦም ነጋዶ ዝኣክል ሓበሬታ ሰነቀ። ከባቢ ሰዓተ ኣርባዕተ […]

Continue reading

ዘመነ ኣስተምህሮ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ብናይ ቤተ ክርስትያና  ዘመን ኣቆጻጽራ መሠረት ካብ ወርሒ ሕዳር 6 ክሳብ ታኅሳስ 13 ዘሎ እዋን ዘመን ኣስተምህሮ ይበሃል። ዘመን ኣስተምህሮ ማለት ናይ ይቅሬታ ዘመን ማለት እዩ። ዘመኑ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ደቃ ይቅሬታ ምሕረት ትሓተሉ፣ ምእመናን ስለ በደሎም ይቅሬታ ዝሓትሉ፣ ብዛዕባ እዚ ሰፊሑ ትምህርቲ ዝወሃበሉ እዋን እዩ። ኣብዚ […]

Continue reading

ቤዛዊት 12 ክፋል

ቤዛ ኩነታት ሳሚ ኣሻቂልዋ ኣይቀሰነትን  ድቃስ ዘይብላ ሓደራት። ሳሚ ንጽባሒቱ ንግሆ ጸሎት ኪዳን ከብጽሕ ከም ወትሩ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ስለ ዘይመጸ ንሻቅሎታ ዝያዳ ሓይሊ ወሰኸሉ። ከም ቆጸርኦም መሰረት ኣንጊሁ ኣብ ገዛ ኣንዳ ቤዛ ክመጽእ እኳ ተሰማሚዖም እንተነበሩ ግና ኣይከም ዝመደበቶን። ጸሎት ነግህ ድሕሪ ምፍጻሙ ቤዛ  ንማማ ኣብርሀት ምስ ሳሚ ቆጸራ ስለ ዘለዋ ክትረኽቦ ክትከይድ መዃና ሓቢራ […]

Continue reading

ቤዛዊት 11 ክፋል

ዲ.ክብሮም "እንታይ ደኣ ኣሽኪዕካና ምሳ ማማ ኣብረሀት ኣለኹ እናበልካ ካን በቃ ምስ ቤዛ ትዛወር ኣለኻ። ክገርመካ ኣነ እኳ ጠርጢረካ ኔይረ። ግና ሓዲኡ ዘይተፍሉጡና ኢኹም እዚ ምቅርራብኩም ምዓልቦ ዘይትገብሩሉ። ንስኹም መዓረፈኩም ንሕና ከኣ ካብ ሕሜታ ምተኣለና። ስለዚ በጃኹም ሒዲኡ ግበሩ እሞ ንሕና ንሕጎስ ንስኹም ከኣ ትቀስኑ"። ሳሚ "ዲያቆነይ ምስ ሓፍትኻ’ዶ ክትምርዖ ትኽእል ኢኻ፧ ግዜ እንተ ኣለካ […]

Continue reading

ቤዛዊት 10ይ ክፋል

ሳሚ ናይ ዲቁና ማዕርግ ካብ ኣቡነ ማርቆስ ተቀበለ። ቤዛ "ናይ  ዲቁና ማዕረግ   ምስ ተቀበልካ መንፈሳዊ ማዕረግካ  ንምኽባር  ሻሂ ከስትየካ" ኢላ መብጽዓ ኣትየትሉ ሰለ ዘነበረት  ቤዛ ንሳሚ ናብቲ ኣብ ጋርደን ሲቲ ዝርከብ ዝበለጸ እንዳ ሙቁር ሕብስቲ  ወሰደቶ። ሳሚ ዓይኒ መድሪ ክጥቀም ሰለ ዝደለየ ቤዛ ደስ ዝበለኪ ንኽልቴና ኣዚዚ ኢልዋ ሽንት ቤት ከደ፡ እታ ሒዝዋ ዘነበረ […]

Continue reading

ቤዛዊት 9ይ ክፋል

ቤዛ ካብ ገዛ ካብ ዘይትወጽእ ካልኣይ መዓልቲ ኮይኑ፡ ሳሚውን ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልቲ ገዝኦም ኣይተቐልቀለን ። ቤዛ ናይ ሳሚ ነገር ከሰክፋ ጀመረ። እታ ቀጻሊ “ኣብ ሕይወት ተበዳሊ እምበር በዳሊ ኣይትኹን። ኣብ ክርስትና ሕይወት ንሰባት ዕንቅፋት ከይትኸዉን ቀጻሊ ነብስኻ ሕኸኽ ፡ ንመንፈሳዊ ሕይወትካ ደጋጊምካ ምዘን“ ዝብላ ዘነብረ ቃላት እናሻዕ ኣናተመላለሰ ንኣእምርኣ ቃጨሎ። ንመን በዲለ ደየⵗ ንመን […]

Continue reading