No comments yet

ጉባኤ ሃገረ ስብከት ብዓወት ተዛዚሙ

gubaehageresebket11-2መበል ፲፩ ዓመታዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ካብ ሕዳር 18-19/2016 ኣብ ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ቤተክርስቲያን ዋሽንግቶን ዲሲ ንልዕሊ 40 ኣብያተ ክርስቲያናት ወኪሎም ዝመጽኡ ካህናትን ኣባላት ሰበኻ ጉባኤን ኣብ ዝተረኽብዎ ብዓወት ተዛዚሙ። ኣብቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ወከልቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ብጹዓን ኣቦታት አቡነ ባሲልዮስን አቡነ ሉቃስን ተረኺቦም ነይሮም። ጉባኤ ዓርቢ ሰዓት 9 ቅ.ቀ ኣብ ምዱብ ሰዓት ብጸሎት ኣቦታት ተኸፊቱ። ቀጺሉ ኢትግድፈነ ዝብል ወረብ ምስ ቀረበ ብቐጥታ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ካብ ሰበኻ ጉባኤ ደብረ ሰላም ቀሪቡ።

ብመሰረት ዝተሰርዐ ኣጀንዳታት ድማ ፤ ቃል ቅዱስ ሲኖዶስን፡ ቃል ሃገረ ስብከትን ስዒቡ። ብብጹዕ አቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዝቐረበ ቃል ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ጉዳይ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብዕቱብ ይሰርሓሉ ከምዘሎን፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ቅዱስ ሲኖዶስ ናብዚ ሃገረ ስብከት ከምዝለኣኾም ገሊጾም። ጉባኤ ድማ ሱሙርን ዕዉትን ክኸውን ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም። ወከልቲ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ድማ ዓመታዊ ጸብጻቦም ኣቕሪቦም፡ ኣብ ጉዕዝኦም ንዘጋጥሞም ፈተና ድማ ምስ ወከልቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ዘትዮምሉ። ኣብ ፲ይ ዓመት ዝቖመት ሽማግለ ምስራሕ ቤተክርስቲያን ኣብ ኢዮርሳሌም ድማ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 93, 000 ዶላር ኣኪቦም ከምዘለው ብመልአከ ታቦር ቀሺ ተኽለሃይማኖት ተሓቢሩ። ካብዚ ቀጺሉ ጸብጻብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከት ብኣቦ መንበር ቀሺ ተኽለብርሃን ተመልሶ ቀሪቡ። ቤት/ት/ሰንበት ክሳብ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ምንጪ ተተካእቲ ወለዶ ከም ምዃነን መጠን ኩሎም ካህናት ደገፍን ቅኑዕ ኣመለኻኽታ ክህልዎም ኣገንዚቡ፡ ኣስዒቡ ውን ካብ ንኡስ ክፍሊ ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዝ ዲያቆን መድኃኔ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ሂቡ፡ ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዝዓብዩ ዘለው ዓቢይ ጠመተ ዘልድዮም ምዃኖም፡ በቲ ተዳልዮ ዘሎ መምሃሪ መጽሓፍ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ክምህራ ከምዘለወንን፡ ካህናትን ወለድን ድማ ዝያዳ ኩሉ ሓልፍነት ክስምዖም ከተባብዑን ከምዘለዎም ኣዘኻኺሩ። መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣስመራ ድማ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃታት ተገሊጹ፡ ናይ ሕንጻ ክፋሉ ኣብ ምዝዛም በጺሑ ኣሎ፡ መምህራን ኣብ ምምዳብን ተምሃሮ ኣብ ምምዝጋብን ከምዝርከብ ተገሊጹ፡ ዛጊት ኣስታት 200 ዝኾኑ ተምሃሮ ካብ ምሉእ ሃገር ዝተዋጽኡ መነኮሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናን ተመዝጊቦም ከምዘለው ተሓቢሩ። ነቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ሕጽረት መጻሕፍት ኮነ ካልእ መሳለጥያታት ኣብ ደገ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያናት ሓገዘን ከበርክታ ኣዘኻኺሩ። ሃገረ ስብከት ድማ ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ይሰርሓሎ ከምዘሎን ሽዱሽተ ኣባላት ትምህርቲ ሰንበት ዝሓቆፈት ኮሚተ ቆይማ ብግቡእ ትሰርሓሉ ከምዘላ'ውን ብወኪል ናይታ ኮሚተ ዲያቆን ተስፋይ ተገሊጹ። ካብኡ ቀጺሉ ምቋም ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ውን ብጉባኤ ተኣሚንሉ ጸዲቁ፡ ንትግባሬኡ ድማ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክሕበር ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

ቀዳም ውን ካብ ስብሓታተ ነግህ ጀሚሩ፡ ጉባኤ ምሉእ መዓልቲ ተኻይዱ። ኣብቲ ዝነበረ ኣጀንዳታት ድማ ኣቃውማ ሰበኻ ጉባኤታት ዝምልከት ብመምህር አባ መልከጸዲቕ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ እዚ ዝስዕብ ቀሪቡ፡ ብዘይ ኣፍልጦ ሃገረ ስብከት ዝቐውም ሰበኻ ጉባኤ ሕጋዊ ከይምዘይከውን ኣረጋጊጾም፡ ኣመሓዳሪ ቤተክርስቲያን ውን ካህን ምዃኑ ተሓቢሩ። ብዛዕባ ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ እንጠንዮስ ድማ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ጉዕዞ ሰላም፡ ቅዱስ ሲኖዶስን፡ ስምረት ገዳማትን፡ ጉባኤ ሊቃውንትን ኣብ መወዳእታ ከብጽሕዎ ኣብ ብሩህ ጉዕዞ ከምዘለው ተገሊጹ፡ ኣስዒቦም ድማ ኩሎም ደቂ ቤተክርስቲያን እዚ ሰናይ ጉዕዞ ኣብ መፈጸምታ ክበጽሕ ብጸሎት ክድግፉ ክርስቲይናዊ ግዴታ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፤ ካብ ሓሰውቲ ተዃሉ ተጠንቂቖም ብህድኣት ብትዕግስት ቤተክርስቲያኖም ክሕልው ኣዘኻኺሮም። ብሃገረ ስብከት ኣብ ዝቐረበ ንኣቃውማ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝምልከት ድማ ዝኾነ ይኹን ካህን ብሃገረ ስብከት ከም ዝምደብን፡ ንካህን ካብ ማሕድሮ ምውራድ ናይ ሃገረ ስብከት ውሳኔ ምዃኑን፡ ዝኾነ ይኹን ናብዚ ሃገረስብከት ዝመጸ ሓድሽ ካህን ወይ ዲያቆን ብመንገዲ ሰበኻ ጉባኤ ናይቲ ዘለዎ ቤተክርስቲያን ገይሩ ብጹሕፍ ንቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ከይሓበረ ብዘይ ኣፍልጦ ሃገረ ስብከት ከይቅድስ ኣዘኻኺሮም። ብዛዕባ ስውር ምንቅስቃስ ተሓድሶ ድማ ብዕቱብ ተዘትይሉ። ብሓፈሻ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ተሳትፎ ኩሎም ውሉደ ክህነትን ሰብኻ ጉባኤታትን ዕዙዝ ምንባሩ ተገሊጹ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብብጹዓን ኣቦታት ቃለ ምዕዳን ድሕሪ ምሃቦም ጉባኤ ብጸሎት ተዛዚሙ።

Comments are closed.