በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ምስባክ ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፣ ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅስት፣ወይድኅኑ ፍቁራኒከ ። ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቅ ዕላማ ሃብካዮም፣ ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ፣ ብየማነይትኻ ኣድሕን እሞ ስምዓና። መዝ. 59፣4 (60፣4)። ወንጌል. ነግህ ማቴ.8-16። ቅዳሴ ዮሓ.19፣25-28። ግ.ሓዋ.5-26-33። ያዕ.3-11። 1ይጢሞ፣5፣9-16። ቅዳሴ ፣ ዮሓንስ አፈወርቒ “ በቲ መስቀል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ብእኡ […]
ካልኣይን ናይ መወዳእታን ሕራይ ናይ ሓዱሽ ዓመት ነገርስ ብመጠኑ ርኢና፥ንሕናኸ ምስ ሓዲሽ ዓመት ኣብ ሓዲሽ ዓመት እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ክንከውን ይግባእ᎒ ሓዲሽ ዓመት ሓረስቶት ኮነ ካልኦት ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ንሕይወቶም ዝመርሑን ዘምሓድሩን ብዝሓለፈ ነገራቶም እናተማኃሩ ንዝመጽእ ውጥን መደባቶም ሠሪዖም ኣሐዱ ኢሎም ዝፍልምሉ ዕለትውን እዩ። በዚ እዋን ኩላትና ከም እንፈልጦ ገለ ገለ ሰባት ኣብ ሓዲሽ ዓመት፥ ንዝነበሮም […]
ካልኣይ ክፋልን መወዳእታን ዕድመ ንንስሓ !!! “ ንገዛእ ነብስና እንተፈሪድና እግዚአብሔር ብኣና ይሕጎስ ” አባ እንጦስ። ናይ ሰብ ኃያልነቱ (ጥንካሬኡ) ንደጋዊ ገጽታ ዝመዘን ኣይኮነን። ካብ መዓሙቕ ልቡ ዝነቐለ፣ ካብ ሓሳቡን ካብ ፈቓዱን ዝተበገሰ’ዩ እምበር። ሰብ ጌጋኡ ክሳብ ዘይኣመነ ክጣዓስ ማለት ዘበት እዩ። እዚ ከኣ ናብቲ ናይ መጀመርያ ናይ ንስሓ ደረጃ ከይበጽሕ ይዓግቶ። ናብ ንስሓ ክትበጽሕ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን። እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ማርቆስ ብሰላምን ጥዕናን ዓቂቡ ኣብጽሓና። ንዘመን ብዘመን ዚልዉጥ፥ ኣብ ዘዘመኑ ድማ ዲንቒ እጹብ ዝኾነ ህያባቱ ኣምላኻዊ ጥበባቱን ዝገልጽ ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ዘመነ ሉቃስ ናብ ዘመነ ዮሐንስ ዘሰጋገረና ስለ ኩሉ ግብሩ ይኽበር ይመስገን ኣሜን:: ምስባክ ወይትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን። “ ንገዛእ ነብስና እንተፈሪድና እግዚአብሔር ብኣና ይሕጎስ ” አባ እንጦስ። ሓዲሽ ዓመት ክበሃል ከሎ ሓዲሽ መስከረም :ሓዲሽ መዓልቲ ኣይኮነን፥ እንታይ ደኣ ሓዲሽ ናይ ምብርባርን ምንቃሕን፡ ምጽራይ፡ ናይ ቀደም ገዲፍካ ሰብነትካ ምስትኽኻል ማለት እዩ። ኮታ ብኹለንተናኻ ኣሰረ ፍኖት እግዚአብሔር ምስዓባ፡ ነፍስኻ ብንስሓ ምጽራይ ማለት እዩ። “አእትቱ እምላዕሌክሙ ግዕዘክሙ […]
ገለ ካብ ትውፊትና ርኅወ ሰማይ ወርሐ ጳጒሜን ተዘክሮተ ምጽኣት ዝሕሰበሉ እዋን እዩ። ፫ተ ጳጒሜን ኸኣ ብፍሉይ ሰማያት ዝኽፈተሉ ተባሂሉ ዝእመነሉ መዓልቲ እዩ። መቸስ ሰማያት ዝዕጸወሉን ዝኸፈትሉን ማዕጾ ኣለዎ ንማለት ዘይኮነስ እግዚአብሔር ብዝፈልጦ ምሥጢር ዝግለጸሉ ስለዝኾነ እዩ። ካልእ መዓልቲ’ውን ምሥጢር ኣይግለጽን ንማለት’ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብዚ ዕለት እዚ ቅዱስ ሩፋኤል ንዝጽለዩ ጸሎታት ከም መሥዋዕተ ሠርክ ኣብ […]
(ቀዳማይ ክፋል) በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ሓደ ካብ ሊቃነ መላእክት ናይ መላእኽቲ ተፈጥሮ ካብ ሓውን ነፋስን ብምዃኑ ንተልእኾ ቅልጡፋት፤ ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ ዘይደልዩ፤ ኃይሎም ዘይደኽም፡ ተፈጥሮኦምውን ዘይዓርግ ረቂቓን ፍጥረት እዮም። ካብቲ ብዙኅ ዝኣገልግሎቶም ኸኣ እቲ ቀንዲ ንእግዚአብሔር ምምስጋን፤ ካብን ናብን እግዚአብሔርን ሰብን መልእኽቲ ምብጽጻሕ እዩ። ንእግዚአብሔር የገልግሉ፤ ንደቂ ሰባት ድማ ይራድኡ። […]
ቅድሚ ዲቁና ምቅባለይ ዝነበረ ሕይወት ወዲ ቐሺ ኢየ፡ ወዲ ሊቀ ሊቃውንት። ኣቦይ ዕድመ ልክዑ ቃለ እግዚአብሔር ክምህር’ዩ ግዜኡ ኣሕሊፍዎ። ወዲ ሰብ ክልተ ምርጫ ኣለዎ ፡እቲ ሓደ ንፈጣሪኡ እናመሰለ ዘወዲ ናይ ሰማይ ርስቲ ዘይበሊ ምዉራስ፣ እቲ ሓደ ከኣ ነቲ ገዛኢ እከይ ዝኾነ ድያብሎስ ምግልጋል እዩ። በቲ ሁዱእ ቃሉ ደቀይ ሓደራኹም ነቲ ካባኹም ረብሓ ምስ ደለበ ኣብ […]
2. ክብሪ ገዛእ ርእስኻ ምድላይ፥ ኣብዚ ኣዋን እዚ ወዲ ሰብ ንኣዚያ ንእሽቶ ዕዮ'ኳ ከይተረፈ ስምን ዝናን ከትርፈላ ላዕልን ታሕትን ዝብለሉ ናይ ፍለጡንን ረእዩንን ዘመን ምዃኑ ካብ ማንም ዝተሰወረ ኣይኮነን። "ወኩሎ ገቢረክሙ በሉ አግብርት ጽሩአን ንሕነ ( ንሕናስ ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዝግበኣና ኢና ዝገበርና በሉ) ሉቃስ 17፡10" ዝብል ናይቲ ሕያዋይ ጓሳናን ብሉጽ ኣገልጋሊና ዝኾነ […]
ምስባክ ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል። እግዚ አብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሐወክ። ወይረድኣ እግዚአብሔር ፍጽመ። መዝ.45፣4-5። ሮሜ .8፣31- ፍጻሜ ። 2ይዮሓ.፣1፣1-7። ግ,ሓዋ, 1፣12-15 ወንጌል. ማቴ.26፣-26-31። በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሰለስተ ዓመት ኣብ ቤት ኣቡኣ ፣ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ኣብ ቤተመቅደስ ፣ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ ዓመትን ንጎይትና መድኃኒና […]