ምስ ሕላናይ ይማጎት ኣለኹ፡ ከምዚ ዓይነት ታሪኽ ዝፈጸመ ሰብ እንትርፎ ብረድዮ ክሰምዖ፡ ኣብ ጋዜጣ ወይ መጽሔት ተጻሒፉ ከንብቦ ብኣካል ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ኣጋጢምኒ ኣይፈልጥን ።ኣዚ ዘለናዮ ዘመን ደቂ ሰባት ስለምታይ ንምንዝረና ከም ሓደ ዓቢ ሓጥያት ዘይንቆጽርዎ ፈጺሙ ክርደኣኒ ኣይክእል ይብል ኣለኹ ብትሕቲ መልሓሰይ። ኣወዳት ካን ኣኽሊዎም ደዩ ሓሳብቶም ከምዚ ክኸዉን ፡ምስ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትላለ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱአ አሐዱ አምላክ አሜን። ኣርምሞ ኣብዚ ዓለም ብሕይወት ከለና ካብ ንሕጎሶ መዓልትታት ንላዕሊ ብሓዘን ተዓጂበና ንሕልፎ እዋናት ይበዝሕ። ነዚ ዩ ከኣ ኣበው ኣብ ዓለም ሓጎስና ከም ቛሕታ ሰም ዓይኒ እዩ ዝብሉ ። እዚ ማለት መዓልታት ሓጎስና ኣብዛ ምድሪ ኣዝየን ሓጸርቲ እየን። እናበለ እዩ ኵሉ ጊዜ ኣብ ዕላላቱ ዝጠቅስ። ዘማርያም ዓርከይ ። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ አምላኩሰ ለአዳም። ምስባክ እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዐራተ ሕማሙ ወይመይጥ ሎቱ ኩሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ ። ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ እግዚአብሔር ይድግፎ ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ ጐይታየ በዲለካ እየ እሞ ምሐርኒ። መዝ. 40 (41)፣3-4። ወንጌል ዮሓ፣5፣1-23፣ ግ.ሓ.3፣1-1-12 ገላ.5፣1 ያዕ.5፣14 ቅዳሴ. […]
//...”ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዜብሉ ትፈልጡ ኣሎኹም “ኤፈ5፡5....// 2ይ ክፋል ናይ ደቂ ጽርግያ ሕይወት ሓደ ብሓደ ክገልጸልኪ ኣየድልየክን’ዩ ዝጠፍኣኪ ኣይመስለንን በለኒ ካብቲ ዘተቀረበ መኣዲ እናኾለሰ። እቲ ብንኡሰይ ከለኹ ድያቆን ሓወይ ዘለማመደኒ ጽን ኢላካ ናይ ምስማዕ ባህርያተይ ፡ ነዚ ናይ ባህራን ታሪኽ ብጾሞና ክሰምዕ […]
ቴዎፍሎስ ዘእስክንድርያ ወልደ እግዚአብሔር ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመልዕልተ ፍጡራንን መትሕተ ፈጣሪን ብዝኾነት ቅድስት ቅዱሳን ወላዲቱ ድንግል ማርያም ክልመን ብጣዕሚ’ዩ ደስ ዝብሎ ቅዱስ ማር ይስሓቅ ሶርያዊ ቂምታ ወይ ጽልኢ ኣብ ልቡ ከለዎ ዝጽሊ ሰብ፡ ኣብ ባሕሪ ዘሪኡ ምህርቲ ክሓፍስ ምጽባይ እዩ
ነቶም ኣብ ቦርስኦምን ኣብ ኣካሎምን ገንዘብ ዚረኸቡሎም በይኖም ገበርዎም። ነቶም ዘይረኸቡልና በይናን ገበሩና፣ ነቶም ዘይተረኽበና ዓቕልና ኣጽበቡልና ፡ ቀልጢፍኩም፣ ከክልተ ሚእቲ ዶላር እንትዘይኣምጻእኩም ወይለኹም በሉና። የብልናን እንተበልና መን ይስማዕ፡ ንዝተዛረበ መጽፋዕቲ ገንዘቡ ኮነት። ቀልጢፍኩም ተራዳዲእኩም ኣምጽኡልና ፣ ካባና ግሊል ኢሎም ተፈንተቱ። መቸም ፈቲና ከይፈተና ተኸዊላ፣ ከካብ ዘለና መዝሒቕና ኣዋጺእና ሃብናዮም። ዚዓግቡ ኣይነበሩን ግናኸ፣ ሸፋቱ ብሙዃኖም፣ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እንቛዕ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረት ኣብጽሓና። ምስባክ እስመ ትቤ ለዓለም አሐንጽ ምሕረተ በሰማይ ጸንዐ ጽድቅከ ኪዳነ ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ መዝ. 88-2 ገላ.4፣ 1-12። 2ይዮሓ.1፣4-8። ግ.ሓዋ.1፣13-15። ሉቃ.1-39-57። ቅዳሴ ዘእግዝእትነ (ጎሥዓ) ድኅነት በላዒ ሰብ ብመንጽር መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኽ በላዒ ሰብ ኣብ ተኣምረ ማርያም ካብ ዝተመዝገቡ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ ቦአ ኢየሱስ ምኵራብ አይሁድ ምስባክ እስመ ቅንዓተ ቤትከ በልዓኒ ትዕይርቶም ለእለ ይትኤየሩከ ወድቀ ላዕሌየ ወቀጻእክዋ በጾም ለነፍስየ። ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ ነሕዋተይ ጓና ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀይኩ እምበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ እዚ መጽረፊ ዀነኒ። መዝ.68- 8 (69-8) ወንጌል […]
//.....ሓቀኛ ዝተፈጸመ ታሪኽ’ዩ ። ከም ኣምላኽ ፍቃድ ኣብ ሠለስተ ክፋላት ክቅርቦ ክፍትንየ ፡ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ትምህርቲ ሰንበት መሃሪ ክኸዉን ኢለ ይግምት። ሓቀኛ መጸዊዒ ኣስማት ናይዞም ኣብዚ ታሪኽ ዘርዚረዮም ዘለኹ ምጥቃስ ኣገዳስነት ሰለ ዘይብሉ ፡ ኣብ ክንዲ ቀንዲ ኣስማቶም ተካኢ ኣስማት ባዕላይ ስም ኣዉጺሎም ኣለኹ.............ጽቡቅ ናይ ንባብ ግዜ ይምነየልኩም.// ሕጂ ኣብ ስታር ባክስ(Starbucks) ኣለኩ። […]
ንቤተ-ክርስቲያን ከም ዘይንፈልጣ ረሓቕናዮ፡ ተኸዲንካን ተመሽጥካን ኣብ ዳንኬራን ጓይላን ምምልላስ ኮይኑ ህይወትና። ሰብ ነቲ ኣብ እዋን ጸበባኡ ዝወዓለሉ ኣምላኽ እንተ ዝዝክር ክንደይ ዕድለኛ ምኾነ። ዘይርስዕ ኣምላኽ እናረሳዕናዮ ዘገርምዩ! ኣዜብ፦ ሓቕኻ… ኢኻ… ከም ዚበልኩኻ ኣብ “ዒን…” ሎሚ’ዶ ጽባሕ እናበልና ን 4(ኣርባዕተ) መዓልቲ ተቀመጥና። ለዉጢ ኣይነበረን፣ እተን ክመጹዮም ተባሂለናና ዚነበራ መዓልታት ቀሃማ፣ ሕይወት ኣማራጺ ብዘይብሉ፣ ክንቅበሎ ጀመርና። […]