…ቤቲ፣ “… ሕንቕንቕ እናበለት ኣድያም ደኣ እንድዒ፣ በጃኺ… ሕጂ ዋላ ንኽትረኽባ ኣይከኣልን ኮይኑ። ካባኺ ምስ ተፈለና ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኢና ተበጊስና ድሕሪ ናይ ሓደ መዓልቲ ጉዕዞ ኣብ ምስራጣ ምስ በጻሕና ተታሒዝና። ተኣሲርና ደላሎ ስለ ዝፈልጡ ግና ገዚኦም ኣዉጺኦምና። ኣብ ኢድ ደላሎ፣ ምስ ኣቶና፣ ንዓይ ቤተ ሰበይ ቀልጢፎም ሰዲዶምለይ፣ ንኣድያም ግና፣ እቲ ካብቲ ዘለኽዮ ዘዉጽኣ ዚያዳ […]
…ቤቲ፣ “… ሕንቕንቕ እናበለት ኣድያም ደኣ እንድዒ፣ በጃኺ… ሕጂ ዋላ ንኽትረኽባ ኣይከኣልን ኮይኑ። ካባኺ ምስ ተፈለና ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኢና ተበጊስና ድሕሪ ናይ ሓደ መዓልቲ ጉዕዞ ኣብ ምስራጣ ምስ በጻሕና ተታሒዝና። ተኣሲርና ደላሎ ስለ ዝፈልጡ ግና ገዚኦም ኣዉጺኦምና። ኣብ ኢድ ደላሎ፣ ምስ ኣቶና፣ ንዓይ ቤተ ሰበይ ቀልጢፎም ሰዲዶምለይ፣ ንኣድያም ግና፣ እቲ ካብቲ ዘለኽዮ ዘዉጽኣ ዚያዳ […]
ኣብ ቤት ማእሰርቲ፣ ካብ ንኣቱ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ቤተልሔምን ኣድያምን፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ደላሎ፣ ተሸይጠን ወጽኣ። ብድሕሪአን ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ’ቲ ካርሸሊ ተቐመጥኩ፣ መጀመርያ ክፍለያኒ ከለዋ፣ ብርግጽ ከቢድ እዩ ነይሩ፣ ኣስተማሲለ’ውን እየ። ግዜ እናነዉሐ ምስ ከደ ግና፣ ብፍላይ ዳርጋ መዓልታዊ ቃል እግዚኣብሔር ኣብ ዉሽጢ’ቲ ካርሸሊ ይወሃበና ብምንባሩ፣ ንነገራት ከም ዘለዉዎ ተቀበልክዎም። ነተን ዝነበርናኢ ገንዘብ፣ ብቑጠባ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን። ብጹእ አቡነ ሺኖዳ ኣብ ውድቀት ኣብ ፈተና ኣብ ሓዘን ኣብ ድኻም ብሓፈሻ ናይ ዓለም ኩነታት ንየማን ንጸጋም ክጻፍዑኒ ምስ ዝጅምሩ “የመንፈስ ነፃነት” ትብል ብአቡነ ሺኖዳ ዝተጻሕፈ ብዲን. ደስታ ፍጹም ዝተተርጎመት ናይ ኣምሓርኛ መጻሓፍ ብምንባብ ንነፍሰይ ምርግጋእ ይጅምር። “ኃበነ እግዚኦ አዕይንተ አእምሮ፣ ወትረ ኪያከ ይርአያ፣ ወአእዛንነሂ ቃለ ዘባሕቲትከ […]
ግዜ ከይሃቡ፣ ብቅልጡፍ ተበግሱ በሉና። ቤቲ ኣይነበረትን ኣነ፣ ኣድያም፣ ተስፋይን ሓደ ጋሻ ምሳና ዚሓደረን ግና፣ ኣብ ኢዶም ወደቕና። ዝነበርና ክዳን ቦርሳን፣ ገንዘብን ሒዝና ተበገስና፣ ቅድሚ ምድያብና ብዙሕ ለመንናዮም ዝሰምዓና ግና ኣይነበረን። መኪና ጽዒኖም ናብ ቤት ማእሰርቲ ዳጎኑና። ካልኦት ከማና ካብ ናይ ክራይ ኣባይቶምን፣ ኣብ ጐደናታት ዝተረኽቡን ወሓዙ ቤት ማእሰርቲ ብሰብ ኣዕለቕለቐት። ብዙሕ ወረ ባዕላትና ፈጠርና። […]
ኣነ ርእሰይ ኣድነንኩ፣ ክሳዕ መዓስ ኢኺ፣ እምነትኪ እተጉድሊ “እንኪ” ሓደ መዓልቲ ክጠቕመኪ እዩ ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ ጸበል ኣረከበኒ’ሞ ጸልዩ ንኣምላኽ ክትርእይዮ. ኢሉ ሓዲጉና ኸደ። ንዓይን ንኽብሮምን ዓቢ ጽፍዒት ነበረ። ካልኣይ ክፋል ተደሪርና ክንድቅስ ተጋደምና፣ ግና ገና ከይደቀስና ብብርቱዕ ፍጥነት መብራህተን ወሊዐን ናባና ገጸን ዚሕንበባ መካይን ስለ ዝተመልከትና፣ ኲላትና እንዳ ፈራህና ክነቋምት ተንሣእና። መራሕቲ መካይን ኣጆኹም […]
ኣብቲ እዋን ሠራዊተ እግዚአብሔር ካብ ሲዖል ወጹ። ንብዙኃትውን ተራእይዎም። ናብታ ቅድስቲ ከተማውን ኣተዉ። ጐይታ ነቲ ሽፍታ ብቅዱስ ደሙ ዝተኃትመ ማኅተም ሃቦ። ናብ ገነት ኪዱ፡ እዚ ሽፍታ ይምራሕኩም፡ ንሱ ብማኅተም ደመይ ይኽፈተልኩም። ንፍርዲ ክሳዕ ዝመጽእ ድማ ኣብኡ ጽንሑ። አዳምን ደቁን ድማ ፊያታዊ ዘየማን እናመርሖም ብነፋስ ንላዕሊ ወጹ። ሠራዊተ መላእክት እናሓለውዎም ድማ ጥቓ ገነት በጽሑ። እቲ ኣብ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ ይትፌሣሕ ምስባክ ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እም ንዋም ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ። መዝ.77-65 ዓዲ. ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር ንትፈሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ ኦ እግዚኦ አድኅንሶ። መዝ.117-24። ወንጌል ዮሓ.20፣1-18 ግ.ሓ.2፣23-36 ።1ይቆረ ቆሮ.15፣20-47። 1ይጴጥ.3፣15-22። “ ኢየሱስ ከኣ ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ ። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እንቋዕ ናብ ብርሃነ ትንሣኤ ብሰላም ኣብጽሓና። ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን በዓብይ ኃይል ወሥልጣን አሰሮ ለሰይጣን አግኣዞ ለኣዳም ሰላም እምይእዜሰ ይኩን ፍስሃ ወሰላም እዚ ዕለት እዚ ተኣኪብና ክርስቶስ ካብ ሞት ዝተንሥኣሉ ጊዜ ንዝክረሉ ዕለት ኢዩ። ንሱ ካብ ሞት ዝተንሥኣሉ ጥራይ ዘይኮነ ትንሣኤና ዝኣወጀሉ፡ ኃይሊ ሞት ሓንሳብን ንሓዋሩን ዘጥፍኣሉ እዩ'ውን […]
ብነብየ ኢሣይያስ “ ነስአ ደዌነ ወፆረ ሕማምነ ” ኢሳ.53፣4-7። “ ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንስቃይና ከኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ ” ተባኂሉ ዝተነግረ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዘሕለፎ መከራን ስቃይን ስጋብ ሞት በጃ ስለ ዝዀነና እዩ። ሰሙነ ሕማማት ካብ ነግህ፣ ስድስቱ፣ ተስዓቱ ሠርክ ሌሊት ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት ብምሕሳብ ብተወሳኺ ብዙሓት ነገራት ምፍጻሞም […]