በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ። ሓምለ 5 ኣብዚ ዕለት ናይ ዝኸበሩ ቅዱሳን ኣቦታትና ሓዋርያት ናይ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ዝክረ ዕለት ሰማእትነቶም እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ወዲ ዮና ስምዖን ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተባህለ ኣብ ቤተ ሳይዳ ዓሳ ብምግፋፍ ዝዓበየ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ መዝሙሩ ኪኸውን ጸዊዑ ካብ ስምዖን ( ሻምብቆ) ናብ ጴጥሮስ ( […]
ስለምንታይ መስቀል ነኽብሮ፧ ስለምንታይ ንመስቀል ንስዕሞ፧ ካብ መሰቀልከ እንታይ ንመሃር ፧ መልሲ ናይዚ ሕቶ ብብኃሕ ዓይነት መግለጺ ክወሃብ ይከኣል እዮ። መስቀል ነኽብሮ፡ ሰንደቅ ዕላማና ሰለ ዝኾነ ነፍቅሮን ንስዕሞን።፡ መሰቅል ኃይልና፡ ጽንዓትና፡ ከምኡውን በቲ በጃ ድኃነትና ዝኾነ ደም ቤዛ ዓለም ክርስቶስ ስለ ዝተሓጸበ ነኽብሮን ንስዕሞን፡ መሰቀል ኣካላት መድኃኔ-ዓለም ዝዕረፈሉ ስለ ዝኾነ ንፍቅሮን ንስዕም................. ወዘተረፈ። ሃገራት ዓለም ሓደ ሰብ ስለ ሃገሩን ህዝቡን ዝተሰወኣሉ ቦታ(እምባ ወይ ኮነ ሜዳ) ብኽብሪ ካብቲ ካልእ ቦታታት ከም ዝሕዝኦን፡ ኣብቲ ቦታ ብምኻድ ስለ ፍቅሪ ሃገር ዝፈሰሰ ደምን ዝተኸስከሰ ኣዕጽምትን እናዘከራ ንፍቅሪ ዜጋታተን ዝተኸፈለ ዓቢ ክብሪ ከም ዝህብኦ ምስክር ዘድልዮ ኣኮነነን። ንሕናውን መስቀል ስለ ፍቅሪ ስባት ዕሽር ዝተኸፍለሉ መርገጽ እግሪ ጐይታ ዓለም ክርስቶስ ስለ ዝኾነ ነፍቅሮን ንፈትዎን። ኣብ መሰቀል ካብ ዝተወሃበና ሓደ ካብ ዓበይቲ ህያባት ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። መስቀል ክንዝክር ከለና ክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም ንስለ ደቂ ሰባት ዝተቀበሎ ጸዋተ መከራን፡ ብደመ እቲ ኵቡር ዋጋ ገንሸል ፋሲካና ነፍስና ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዝተዓደገት ይስወጠና። ኣብ መስቀል እታ ጸግዕናን እምባናን ዝኾነታ ወላዲተ ፀሐየ ጽድቅ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከም ዝተወሃበትና ንዝክር፡ በዚ ከኣ ንመስቀል ነፍቅሮን ንስዕሞን። ኣብ መሰቅል ሓደ ዓቢ መንፈሳዊ ሰነ-ምግባር ካብ ኣዴና ድንግል ማርያም ንመሃር። ንሱ ከኣ ዘየቋርጽ ትሕትና እዮ። ኣደ ብርሃን ኣደ ኣምላኽ ንክንሳ ፈጺሙ ዘይተለወጠን ዘየቋረጸን ትሕትና ነበራ። ካብ ኵሎም ደቂ ሰባት ከም ድንግል ማርያም ዝበለ ትሕትና ዘለዎ የልቦን። ልዕሊ ኵሉ ፍጥረት ክሰቅላ ዝኽእል ንኣምላኽ ናይ ምውላድ ክብሪ ክትጸውር ዘብቅዕ ትሕትና ነብበራ። ትዕቢት ንፍጽማን ዝተባህሉ እኳ ዘውድቅ ክሳብ ፍጻሜ ሕይወት ዘይገድፍ ፈተና እዮ። ብኣስካላ ቅድስና ናብ ሰማይ ብዙኃት ቅዱሳን፡ ቁሩብ ምስ ተረፎም ብትዕቢት እዮም ዝወድቁ። ክብሩን ጸግኡን ምስ በዝሐ ጠባዮ ዘይቅይር ሰብ የለን። እኳ ደኣ ሓደ ኣቦ “ ፀጋን ክብርን ኣይትሃበኒ። ጸጋን ክብርን እንተሂብካኒ ኸኣ ንዕኡ ክጸረሉ ዝኽእል ትሕትና ሃበኒ” ኢሉ ክሳዕ ምልማን በጺሑ እዮ። ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ማንም ዘይበጽሖ፡ ክበጽሖ’ውን ዘይከኣሎ ክብሪ ሒዛ ብልሳን መልእኽቲ እናተመስገንት እንከላ ንሓንቲ ሰከንድ እኳ ከም ቋሕ ሰም ዓይኒ እኳ ኣይተመክሐትን። ቅዱስ ኤፍሬም “ብትሕትና እትዛረቢ እምባ” ኢሉ ዘመስገና ንቅድስት ድንግል፡ ከም እምባ ልዕል ዝበለት ክንሳ ንርእሳ ከም ዓሚቁ ስንጭሮ ኣትሒታ “ እዚ ከምዚ ዝበለ ሰላምታ (ኣምኃ) እንታይ ኮን ይኸውን፧” ኢላ ብልባ ሓሰበት። በዚ ትሕትና ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ኸኣ ኣዚና ንድነቅ። “ ኦ ድንግል ከምዚ ዘለ ናይ ምሥጋና ሰላምታ/ኣምኃ/ ከመይ ዘይግብኣኪ፡ እቲ ዝተሓረኽዮ፡ ንፈጣሪ ሰማይ ምድርን ክትወልዲ ‘ዶ ኣይኮንክን፧ ንእሳተ መለኮት ጼርኪ፡ ሰማይ ምድርን ዘይከኣልዎ ክኢልኪ፡ ከምዚ ዝበለ ኣምኃ ከመይ ዘይግብኣኪ፧ እናበለ ከኣ የመስግና። ንኣምላኽ ካብ ትጸንስ ኣትሒዛ ልዕሊ ኵሎም ፍጠረታት ዝሰርዓ ክብሪ ረኺባ እንከላ፡ ንኻልኢት እኳ ኣይተዓበየትን። ብሠለስተ መንገዲ ማለት፡ ብሓሳብ፡ በዘራርባኣን ብግብራን ትሕትናኣ ርኢና ኢና። ሰማያዊ መልኣኽ ተዓጢቁ እናኣመስገና እንከሎ፡ እዚ” ነዚ ናይ ሰላምታ ኣምኃ ከመይ ክቕበሎ፡ እኽእል፧” ኢላ ብልባ ብልባ ብምሓሳብ(ብሕሊና) ትሕትቲ(ትሕቲ) ከም ዝኾነት ኣርኣየትና። ብኣዘራርብኣ ከኣ ቅድሚ ጽንሲ ኮነ ድሕሪኡ “ እኔኹ ኣነ፡ ውርደት ባርያኡ ርእዮ እዮ እሞ “ እናበለት ንነብሳ ጸወዓታ። ቅዱስ ያሬድ ” እንዘ አመቱ እሙ ረሰያ” ከም ዝበላ፡ እግዚአብሔር ባርይኡ እንከላ ኣዲኡ ገበራ። ንሳ ኣዲኡ እንክንሳን ንርእሳ ባርያ ገበረት። ኣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብትሕትናን ብፍጹም ፍቅርን ክሳብ ነምልኸካ ኣይትመንነናን ኣይትግደፍናን። መብኃሕቱኡ ትሕዝቶ እዚ ጽሑፍ ካብ ቃና-ዘገሊላ ትብል መጽሓፍ ናይ ዲ.ሄኖክ ኃይለ ብዲ.ኣዶኒያስ ብርሃን ዝተተርጎመት ኣብ ገጽ 37፡ 38፡ 39 ይርከብ። ኣከ
" ናይ ብፁእ ኣቦና ኤልያስ ምምጽእ ናብ ሃገር ስብከትና ክንርኢ ንግሆ ንግሆ ዓይንና ሓሲና፡ ገጽ ንገጽ ክንራኸብ ንጽበ ነይራ። ምሳዛ ክብርቲ መዓልቲ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቀልጢፉ ከራኽበና፡ ካብ ጸሎት ኣዕሪፍና ኣይንፈልጥን። ነዛ መዓልቲ ካብ ርሑቅ ኣማዓሚድና ንርእያ ነይርና። ትመጸና ከም ዘነበረት ኣይዘንጋዕናን። ኣቦና ክህልወና ቢሂግና፡ ናፍቆት ኣቦነት ንልብና ስዒርዎ። ናይቲ ዝጓስየና ኣቦ ገጹ ክንርኢ፡ ኣብ ትሕቲ […]
ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብጹዕ ኣቡነ ኤልያስ ብብጹዕ ሊቀ-ጳጳስ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራን ብሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ቀሲስ በረከት ኪዳነን ተሰንዮም ኣብ ሀገረ ስብከቶም ብሰላም በጺሖም። ኣብ ዋሽንተን ዲሲን ከባቢኡን ዝርከቡ ካህናትን መእምናን ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ኣባላት ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከትን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም […]
ኣብ ቤተ-ክርስቲያና ድሕሪ ቅዳሴ ምውድኡ ክርስቶስ “ተንሣአ እሙታን“ ኢሉ ምስ ተኣወጀ ንቤተ-ክርስቲያን ሞባእን ገጸ በረኸትን ዝሃቡ ኣሕዋትና ስሞም እናተረቁሐ ይትወከፍ ተበሃለሎ። ምእመንናን በቲ ዝተገበረ ሞባእ ታሕጓሶም ንምግላጽ ዕልልታ ደርጉሕዎ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ መስዋዕቲ ጽድቆም ክቅበለሎምውን ጸሎት ተግብረሎም። ማክዳ፡ እዛ ሥዕሊ ናይ ቅድስት ሥላሴ መን ስኢልዋ፧ ሽም ናይቲ ዝሰኣላ ወይ ዘወፈያ ኣይሰማዕክዋን ብጣዕሚ ጽብቅቲ፡ […]
ስለምንታይ ኣብ ግዜ ሕማማት ብዘይካ ኣብ ኃሙስ ጽግቦ(ምሴታ ሓሙስ) ዝግበር ቅዳሴ ፡ እንተዘይኮይኑ ኣብ ካልእ መዓልቲ ኵሉ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ጸሎትን ካብ ወሽጢ ቤተ መቅደስ ወጻኢ ይካየድ፧ ኣብ ዘመነ ኣሪት ናይ ሓጥያት መስዋዕቲ ከቀርቡ ከሎ እቲ ዝተዳለወ መሥዋዕቲ ኃጥያት ካብ ቤት- መቅደስ ወጻኢ ኣብ ኣፍደገ እቲ መቅደስ ይሕርርዎ ነይሮም። ምኽንያቱ እቲ ዝሓርር መሥዋዕትን ሽትኡን ከይትንክዮም እሞ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን። እዛ ሰንበት መዓልቲ ስየ፡ ሥጋና ለቢሱ ንዓና ክድኅነና ዝመጸ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንግስነቱ ዝተገልጹ መዓልቲ እዮ። ጐይታ ዓለም ክርስቶስ ኣድጊ ተወጢሑ ክመጽእ ከሎ እቶም ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ሕዝቢ ክብሩን ንግስነቱ ንኽገልጹ ስየን ክዳውንቶም ኣንጺፎም መድኃኔ-ዓለም ብምዃኑ ብምምስካር ጐይትነቱ ተቀቢሎም። ንሕናውን ካብዛ ቅድስቲ መዓልቲ ሆሳዕና መድኃኔ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን። ቃል ኣምላኽ ከም ዝነግረና ጸርፊ ኃጢኣት ኢዩ፡ ንገሃነመ እሳትውን የውርድ ኢዩ። [ማቴ 5፥22] ኣሽንኳይ ወዲ ሰብ እቶም ሰፈሮም ዝኃደጉ መላእኽቲ ብዝገበርዎ ዓመጽን ክሕደትን፡ ጸርፍን ጥልመትን ዓስቢ ክፍኣቶም ምእንቲ ክረኽቡ ኣምላኽ መዓልቲ ፍርዲ ኣዳልይሎም ኣሎ። [ይሁ ቁ 6] እቶም ዝዛረብዎ ዘይፈልጡ፡ ብሕልሚ ተገሊጽልና ኢዩ እናበሉ ንሰብነቶም ዘርክሱ፡ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን። ነቢይ ማለት "ናቪ" ካብ ዝብል ቋንቋ እብራይስጥ ዝተረኽበ ኮይኑ ትርጕሙ ኸኣ ምጽዋዕ፡ ምብሳር፡ ምንጋር ማለት ዩ። እቶም ንብሉይ ኪዳን ናብ ቋንቋ ግሪክ ዝተርጐምዎ ሊቃውንት ነዚ ቃል'ዚ ክትርጒምዎ ከለው "ፕሮፌቴስ" ዝብል ትርጕም ኢዮም ሂቦሞ። ነዚ ነገር'ዚ በብሓደ ክንርእዮ እንተድኣ ፈቲና፡ "ፕሮ" ማለት ንቅድሚት ዝኸውን ወይ ንመጻኢ ዝፍጸም ክኸውን […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። ካብ ኅዳር 6 - ታኅሣሥ 6 ዘሎ 31 መዓልታት ዘመነ ኣስተምህሮ ይበሃል። ኣስተምህሮ ማለት ኸኣ 'ይቕሬታ ወይ ምሕረት' ማለት 'ዩ። - ኣብ ውሽጢ ዘመነ ኣስተምህሮ 4 ወይ 5 ሰናብት ይርከባ። ንሳተን ከኣ ፦ ሀ. ካብ 13 - 19 ኅዳር 'ቅድስት' ፡ ለ. ካብ 20 - 26 ኅዳር' ምኵራብ' […]