ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉዕዞ ኩሉ ግዜ ኣብ መስቀል እዩ። እዚ ናይ መስቀል ጉዕዞ ድማ መሥዋእትነት ( መከራ ምቅባል) ይሓትት። ካብዚ ብምብጋስ ዝተመትሩ፣ ብመጋዝ ዝተተርተሩ፣ ኣብ እቶን ሓዊ ዝተደርበዩ ፣ ንኣናብስት ዝተዋህቡ ብሓፈሻዊ ብብዙሕ ዓይነት ፈተና ዝተፈተኑ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣለዉ። ካብዚኦም ሓዋርያት ድማ ብቀንዲ ዝጥቀሱ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን እዮም። << ንሥጋኹም ዝቀትሉ ግና ንነፍስኩም ምቅታል ዘይክእሉ ኣይትፍርሕዎም…….>> ዝብል ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል መምርሒ ብምግባር ንቤተ ክርስቲያን ኩሉ ጌሮም፣ ኩሉ ኮይኖም ናይ ሰማእትነት ጽዋእ ተቀቢሎም እዮም። ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና ኣእማድ እዮም። ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና ከኣ ዓቢ ቦታ ኣለዎም። እዚ ከኣ ዝኾነ ንቤተ ክርስቲያና ኣብ ቤተ ክርስቲያናን ዝፈጸምዎ ኣገልግሎትን ዝተቀበልዎ ሰማእትነትን እዩ። ቅዱሳት መጽሓፍቲ ከኣ እቲ ኣብነታዊ ዝኽሪ ታሪኾም ንዓና ንኣብነት ክኸወን ኣስፊሮሙልና እዮም። ታሪኾምን ፍልጠቶምን መንፈሳዊ ኣገልግሎቶምን ንዕና ከኣ ዓቢ ኣብነት እዩ። ከም እግዚአብሔር ኣምላኽ ፍቓድ ናይዞም ክልተ ቅዱሳን ኣቦታት ታሪኽ ፍልጠትን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ካብዚ ብምቅጻል ንርአ።

ምሉእ ትሕዝቶ

ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር ዝምስገነሉ ንዕኡ ዝኣምኑ ምእመናን ስርዓተ ኣምልኾኦም ዝፍጽሙሉ ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን በረከትን ንደቁ ዝዕደለሉ ቤት እዩ። ደቂ ሰብ ቤተመቅደስ ሰሪሖም ሥርዓት ብዘለዎ መንገዲ ንፈጣሪኦም ንኸመስግኑ ዝኣዘዘ ዝመሃረ ልዑለ ባህሪ እግዚአብሔር እዩ። ሰማይ ዙፋኑ ምድሪ ከአ መርገጺ እግሩ ዝኾነት ኣብ ኩሉ ዝርከብ እግዚአብሔር ነቶም ንዕኡ ዝግዝኡ ምእንቲ ክሕልዎምን ክባርኾምን ስለዝፈቀደ "ኣብ ሞንጎኹም ምእንቲ ክሓድር መቅደስ ስርሑለይ" ኢሉ ኣዚዙ። ዘጸ 25፡8 እግዚአብሔር ብዝደለዮን ብዝኣዘዞን መሰረት ኣብ ዘመናት ዝነበሩ ቅዱሳን ንእግዚአብሔር ንስሙ መሕደሪ ዝኸውን ደብተራ ኦሪት፡ መቅደስ ኦሪትን ቤተክርስቲያንን ሰሪሖም ሥርዓት ኣምልኾ ይፍጽሙ ኔሮም። እግዚአብሔር'ውን መሕደሪ ምእንቲ ክኾኖ ኣብ ዘስርሖ መቅደስ ክብሩ እንዳገለጸ ገዝኡ ምቅዳስ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቶም ብንጽህናን ብትሕትናን ኮይኖም ኣብ መሕደሪኡ የገልግሉን ይግልገሉን ዝነበሩ በረኸትን ቃልኪዳንን ሂብዎም እዩ። ንኣብነት ነቲ ናይ መራኸቢ ድንኳን እግዚአብሔር ከመይ ጌሩ ከምዝቀደሶ ሊቀ ነብያት ሙሴ" እቲ መሕደሪ ምስተተኽለ እቲ ደበና ነቲ ናይ ምስክር ድንኳን ሸፊንዎ ካብ ምሸት ጀሚሩ ከኣ ክሳዕ ንግሆ ኣብ ልዕሊ'ቲ መሕደሪ ከም ሓዊ ይመስል ነበረ።

ምሉእ ትሕዝቶ

ሎሚ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ትንሣኤ ኣኽቢርና መበል ፦ ኃምሳ መዓልቲ በጺሕና ኣለና። እዚ መዓልቲ ፣ በዓለ መንፈስቅዱስ፣ በዓለ ጰራቅሊጦስ ፣ በዓለ ኃምሳ ተባኂሉ ይጽዋዕ። ጲራቅሊጦስ ማለት በልሳነ ጽርዕ “ መጸናንዒ” ማለት እዩ። ካብ ሰለስቱ ኣካላተ ሥላሴ ሓደ ዝኾነ ንመንፈስ ቅዱስ ዝወኃብ ስያሜ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ በዓለ ኃምሳ ንቤተ ክርስቲያን ብኣሚነ ሥላሴ ኣጽኒዑ ንኹሉ ዓለም ናብ ሓቒ ንኽመርሓ ምውራድ ዘመልክት እዩ። ብተወሳኺ ሊቓውንቲ ቤተክርስቲያና ከምዝትርጉምዎ ጰራቅሊጦስ ማለት መንጽሒ ፣ ዘንጽኅ። መጽንዒ ፣ ዘጽንዕ፣ መስተፈሥሒ (ደስታ ዝኅብ) ፣ መስተሥርይ ( ንኃጢያትና ይቕረ ዝብል) ፣ ናዛዚ ( ዘረጋግእ) ፣ ከሣቲ፣ ምሥጢር ዝገልጽ ዝብል ትርጉም ይኅብ። (መጻሕፍተ ሠለስቱ ሐዲሳት፣ ገጽ ፪፻፹፫)። እዚ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጭቃ ሓጥያት ዝወደቁ ከምዘንጽሆም፣ ኣብ መንፈሳዊ ተጋደሎ ዘለዉ ኩሎም ኣብ ኩሉ መከራኦም ከምዘበርትዖምን ዘጽንዖምን፣ ንዘይተረጋግኡ ዘረጋግእ፣ ዝሓዘኑ ከምዘጸናንዖም፣ ዝደኹሙ ከምዘበርትዖም፣ ዝተከዙ ሐሴት ከምዝኅብ ዘረድእ እዩ። ሰማእታት ናብ ደም ፣ መንኮሳት ናብ ገዳም፣ ማኅበር ክርስቶስ ናብ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ልቦናኦም ኣበጋጊሱ ዝመርሕ እሱ እዩ። መንፈስ ቅዱስ። ዮሓ፣16፣12። ፲፮፥፲፪።

ምሉእ ትሕዝቶ

ቅድሚ ኵሉ ነቲ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝረኸብናዮ ጸጋን ሕይወትን ብሓጐስ ንዝክረለን ፶ መዓልትታት ኣኅሊፍና ጽባሕ በዓለ ጰራቅሊጦስ ናብ ዝኣቱ ጾመ ሐዋርያት ብምሕረቱ ኣብጸሓና፤ ኣብጸሓኩም። ከምቲ ኣቦታትና ብዘለዋ ሰማያዊ ጸጋ፡ ረብሓ ጾም ኣጸቢቖም ስለዝፈልጥዋ ብናፍቖት እዮም ዝጽበይዋ። ንሕና’ውን ትምህርቶምን ኣካይድኦምን ዘኪርና፡ ኣብዚ እዋን ጾም ምብጻሕና ዘለዋ መንፈሳዊ ጸጋን እተውህቦ ክብሪን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንዝገልጹልና መሠረት ገይርና ኢና እሞ እንቋዕ ኣብዚ ዘመነ ጾም ደጊምና ኣብጸሓና ንብል። ጾም ትምኒት ሥጋ እተጥፍእ፡ ቁስሊ ነፍሲ እተሐውይ፡ ጽሙናን ህድኣትን እትምህር፡ ካብ እንሰሳዊ ፍቓድን ግብሪን እትዕቅብ፡ ሰብ መልአክ ዘበምድር ኮይኑ ክነብር መንፈሳዊ ኃይሊ እተዕጥቖ እያ። ይኹን ደኣ እምበር ብዙኅ ረብሓ ዘለዎም ክነሱ፡ ሰባት ሸለል ካብ ዝብልዎም ዓበይቲ መንፈሳዊ መገድታት ሓደ ጾም እዩ። ኣብዚ ዘመን እዚ ብዛዕባ ጾም ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ዘድፍር ኣይኮነን፤ ንዘለዎ ጥቕሚ’ውን ዝስሕቶ የልቦን። ብኣንጻሩ ግና በቲ እግዚአብሔር ዝፈትዎ መገዲ ዝፍጽምዎ ኣዝዮም ውሑዳት ምዃኖም እሙንን ዘሕዝንን ነገር እዩ። ኣቦታትና ግና ሕገ እግዚአብሔር ተኸቲሎም ምስ ኣምላኾም ዘራኽቦም መገዲ ምዃኑ ተረዲኦም በቲ ጸባብ ዓንቀጽ ክነብሩ ርኢናዮም ኢና። ዝረኽበዎ ጸጋን ክብርን ድማ ካብ ኣዕይንትናን ኣእዛንናን ክውል ኣይኮነን። ጾም ቅንዕቲ መገዲ ምዃናውን ብኣዋጅ ምፍላጦም ንሕና ምእንቲ ክንሰምዖምን ክንስዕቦን እዩ። (ዕዝራ ፰፣፳፩) ንሕናን ጾምናን ኸ ከመይ ኣሎ፧

ምሉእ ትሕዝቶ

እናረኣይዎ ዐረገ፡ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደመና ተቐበለቶ። ግ.ሓዋ. 1:9 ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መበል 40 መዓልቲ ዘላ ሓሙስ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ብምዝካር እትኽበር በዓል ኢያ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኃይሊ ሞት ስዒሩ ድሕሪ ምትንሥኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ን40 መዓልቲ ጸኒሑ። ኣብ መበል 40 መዓልቱ ከኣ ናብ ሰማያት ዓሪጉ። ዕርገት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝምልከት ቅዱስ ዳዊት “ኣምላኽ ብእልልታ፣ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ደየበ። መዝ 47:5” ክብል ተነብዩ ነይሩ። መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ምድሪ ክገብሮ ዘለዎ ኩሉ ምስ ፈጸመ ናብቲ ናይ ቀደም ክብሩ ናብ ናይ ቀደም ቦታኡ ዓሪጉ። ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት እናረኣይዎ ዐረገ፡ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደበና ተቐበለቶ። ንሱ ኺዐርግ ከሎ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ገጾም ኪጥምቱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ ኢየሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም። ግ.ሓዋ 1:9-11። ይብለና። ገለ ሰብ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ካብ ሓዋርያት ከምዝተፈልየ ዝመስሎም ኣይሰኣኑን ኢዮም። እዚ ግን ናይቶም ነገረ እግዚአብሔር ዘይፈልጡ ኣተሓሳስባ ኢዩ። እምበር ኣምላኽናስ ከምቲ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኹም እየ ዝበሎ ካብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያኑ ኣይተፈልየን። እኳ ደኣ መርኣያ ናይዚ ቅዱስ ማርቆስ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፥ “ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ። ጐይታ ምሳታቶም ይገብር፡ ነቲ ቓልውን ብዚስዕብ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ።” ማር.16:20።

ምሉእ ትሕዝቶ

ዓመታዊ ጉባኤ ሕብረት ቤት ትምህርት ሰንበት ሃገረ ስብከት ሕ.መ.ኣሜሪካን ካናዳን

ዜና

  • ብልኡኻት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ዝተጸወዐ ኣኼባ ተኻይዱ።

    ኣብ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ናይ ስራሕ ዑደት ዝፍጽሙ ዘለዉ ኣባላት ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ዝተጸወዐ ኣኼባ ዓርቢን ቀዳምን ካብ 26-27 ሰነ 2015 ኣብ ከተማ ፊላደልፊያ እትርከብ ቤተክርስቲያን ደብረ ግእዛን ኢየሱስ ተኻኡዱ።

  • ዝርዝር ጻብጻብ 10ይ ዓመታዊ ጉባኤ ካህናት ሃገረ ስብከት ሕ.መ.ኣሜሪካን ካናዳን

    ቀንዲ ዕላማ ዑደቶም ኣመልኪቶም፤ "ዕርቅን ሰላምን ፍቅርን ቤተ ክርስትያን ንምንዳይን ንምድልዳል" ከዝመጹ ሓቢሮም። ኣብቲ ኣቐዲሞም ናብ ኣዉሮጳን ሃገረ እስራኤልን ዝገበሩዎ ዑደት ድማ፤ ነቲ ኣብኡ ዝጸንሖም ዘይምርድዳእን ፍልልያትን ኣወጊዶም ሰላም ገይሮም ከምዝተመልሱን ገሊጾም። ናብዚ መምጽኢኦም ዉን ብተመሳሳሊ "ንዝተበተኑ ንምእካብ፤ ንዝራሓቑ ንምቕራብ፤ ንዝተባእሱ ድማ ንምዕራቕን" ከምዝኾነ ኣብ መግለጺኦም ኣብሪሆም።

  • ንኣገልገልቲ ስልጠና ተጀሚሩ።

    ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነን ንመጀመርታ ግዜ ዝተዋህበ መንፈሳዊ ኮርስ እዩ። እቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝተኻየደ መንፈሳዊ ስልጠና ንብዙሕ ሰዓታት ብሰለስተ መምህራን እናተመርሐ ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።

ምስባክ ናይ በዓላትን ሰናብትን