በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እዛ መዓልቲውን ከምተን ካልኦት ናታ ዝኾነ ስያሜ ዘለዋ ኮይና ናይ ምኽሪ ዕለት ብምባል ትፍለጥ። እዚኣ ድማ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቅንኣት መንፈስን ክፉእ ሓሳብን ተላዓዒሎም ሒዞም ክቐትልዎ ንዝገበርዎ ክፉእ ምኽሪ እተዘኻኽር እያ። ማቴ.26፤1-5። ማር.14፤1-2 ። ኣይሁድ ነዚ ክፉእ ምኽሪ ዝጀመርዎ ካብ ዕለተ እሑድ ሠርክ እዩ። ብዝተፈለየ ምኽንያት ሓሳባት […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን፥ ዕለተ ሠሉስ ናይ ሕቶ መዓልቲ ብምባል ትፍለጥን ትዝከርን። እዚ ከኣ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ሕዝብን ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዘሓተትዎ ዘመልክት እዩ። ንሱ ድማ ክርስቶስ ኣቐዲሙ ነቶም ንቤተ መቕደሱ ቤተ ጸሎት፣ ቤተ መሥዋዕት ምዃኑ ዘንጊዖም ብድፍረት ናይ ንግድን ቤተ መሸጣ ጓሓሉን ጌሮምዋ ዝጸንሕዎ ካብ ገመድ ጭጉራፍ ተቲዑ […]
በስም አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላኽ አሜን። ናይዚ ኣብ ውሽጢ እዚ ሰሙነ ሕማማት ዘሎ ዕለታት ስያሜን ኣብኣቶም ዝተገብረ ፍጻሜታትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ቀጺልና ከምዚ ዝስዕብ ንመልከት÷፡ ሰኑይ ÷ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣንጽሖተ ቤተ መቅደስ ፡ ከምኡውን ርግመተ በለስ ዝተፈጸመላ ዕለት እያ ማቴ.21፥18-19። ማር.11፥11፣-1.14። ማቴ.21፥20-22። ማር. 11.20-24፡፡ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕለተ ሆሣዕና ኣብ ቢታንያ […]
በስም አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን። ብሓፈሻ ነዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወቕቲ ናይ ዓቢይ ጾም ዚምልከት ኣብ ዝሓለፈ ብመጠኑ ምጥቃስና ገለ ካብኡ እውን ኣብ ውሽጡ 55 መዓልታት፡ሸሞንተ ሰናብቲ፡ሠለስተ ድማ ምድባት ዘለዎን ዚሕዝን ምዃኑ ገሊጽና ምንባርና ይዝከር።55 መዓልታት ካብ ዘወረደ ጀሚሩ ክሳዕ ትንሣኤ ዘሎ ዕለታት ቆጺርካ ክኸውን እንከሎ፥ ሸሞንተ ሰናብቲ ከኣ ካብ ዘወረደ ክሳዕ ሆሣዕና […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እዛ ዕለት ሻሙነይትን ናይ መወዳእታን ሰንበት ዓቢይ ጾም ኮይና «ሆሣዕና» ተባሂላ ትጽዋዕ። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ኒቆዲሞስ ናይ ሕጊ ኦሪት ምሁር ዝነበረ ሰብ እዩ። 2ይ ክፋልን መወዳእታን ………………………………. ኒቆዲሞስ ናይ ሕጊ ኦሪት ምሁር ዝነበረ ሰብ እዩ። ኣብ ዮሓ. 7፥50-51። ከም ዘመልክቶ ኒቆዲሞስ፥ ምሁራነ ሕጊ ኢና ባሃልቲ ሊቃነ ካህናት ፈሪሳውያንን ኣይሁድን ንጐይታ ብዘይሕጊ ኂዞም ክፈርድዎ ብዝደለዩ ጊዜ "ሕግናኸ ንሰብ ቅድም ከይሰምዖን እቲ ዝገበሮ ኸይፈለጠንዶ ይፈርድ እዩ᎒ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ ሆረ ኃቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ። ምስባክ ሐወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኰ ለልብየ፣ አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ፣ ከመ ኢይንብብ አፋየ ግብረ ዕጓለእመሕያው። ንልበይ ተዐዚብካዮ ብለይቲ በጺሕካዮ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ። መዝ.16፣3 (17-3) ወንጌል ዮሓ.3፣1-10 ግ.ሓ.5፣38-ፍጻሜ ሮሜ.7፣1-19 1ይዮሓ.4፣18-ፍጻሜ ቅዳሴ. ቅዳሴ ማርያም እዛ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ። መኑ ውእቱ ገብርኄር ። ምስባክ ከመ እግበር ፈቃድከ መከርኩ አምላኪየ ወሕግከኒ በማእከለ ከርስየ ዜኖኩ ጽድቅከ በማኅበር ዐቢይ። ኣምላኸይ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻ'ውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ በልኩ፣ ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማኅበር ኣበሰርኩ። መዝ.39፣8 (40-8) ወንጌል ማቴ.25፣14-31 ግ.ሓዋ.1፣6-9 2ይጢሞ.2፣1-16 1ይጴጥ.5፣1-12 ቅዳሴ. ባስልዮስ […]
ሕራይ እዝስ÷ " ነታ ንሱ ዝመጸላ መዓልትን ሰዓትን ብደቂ ሰባት ከይትፍለጥ ምግባሩኸ ንምንተይ እዩ᎒ እንተባህለ፥ ንሰባት ጥቕሚ እዩ።ነጊሩ እንተ ዝነብር ነይሩ ሰባት ምጽኣቱ ኣትዩ እዩ ብዝብል ታህዋኽ ኣብ ሥጋዊ ይኹን መንፈሳዊ ካብ ዝኾነ ዓይነት ሥራሕ በኹርና ንቐቢጸ ተስፋ ምተጋለጽና፥ እዚ ታሕዋኽ ካባና ወይ’ውን ካብ'ቶም ካብ ሓቂ ከወናድቡና ዝስለፉ ሓሰውቲ ክልዓል ይኽእል። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ […]
ዳግም (ካልኣይ) ምጽኣት ናይ ክርስቶስ ÷ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተመሊሱ ዳግም ከም ዝመጽእ ዘረድእ ጽሑፋት ኣብ ብዙኅ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ ተነጊሩ እዩ። ንምሳሌ"ሎቱ ስብሐት" ነዚ ኣመልኪቱ ባዕሉ ክዛረብ እንከሎ «ልብኹም ኣይሸበር፥ ብኣምላኽ እመኑ ብኣይ’ውን እመኑ ማለት ብናይ ባህሪይ ኣቦይ ብእግዚአብሔር አብ ፥ ብናይ ባህሪይ ሕይወተይ ብእግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ […]