በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላከ አሜን። ምስባክ ፦ መዝ 64 ÷ 11-13 ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ። ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም ። ወይረውዩ አድባረ በድው ። አውደ ኣመት አሐዱ ኢልና ብግብሪ ኃጥያት ዘይኮነ ብግብሪ ጽድቂ ብስኽራን ብጓይላ ፣ዘይኮነ ብንስሓ ብዝማሬ ፣ ብስስዐ ነፍሰ ፍትወት ዘይኮነ ፣ ብምጽወታ […]
ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ሥነ-ሥርዓት ቀብሪ ዝተፈጸመሉ ዕለት ካብቶም ዓሰርተ ክልተ (12) ሓዋርያት ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ሓዋርያት ምስኦም ኣይነበረን። ብተልእኾ ካብቲ ዝነበረሉ ሃገረ ስብከቱ ኣብ ደመና ተጻዒኑ ናብቲ ኣኅዋቱ ዝነበሩሉ ናብ ኢዮሩሳሌም ክመጽእ ከሎ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ካብ ዝተቐበረትሉ ዕለት ብሳልሳይ መዓልቲ ከም ወዳ፡ ዕለት ዓሰርተ ሽዱሽተ (16) ነሓሴ ተንሢኣስ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ትንቢተ ዮናስ ሳልሳይ ክፍሊ ሰብኣ ነነዌ ስለ ዝደኃኑ ኣብ ሰማያት ዓቢ ሓጎስ ኮነ። እግዚአብሔር ብፍጥረቱ ብንስሓ ስለዝተመልሱ ተሓጊሱ። ሚእትን ዕስራን ሺሕ ሰብአ ነነዌ ብሓንቲ መዓልቲ ናብ ደምቢኦም ተመሊሶም ። ንፈጣሪኦም እግዚአብሔር ብፍጹም ንስሓን ትሕትናን ኣስሚሮሞ። መላእክተ ሰማይ ነንሕድሕዶም እንቋዕ ደስ በለና ሰብአ ነነዌ ተመሊስም እንዳበሉ ሓጎሶም […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ትንቢተ ዮናስ ካልኣይ ክፍሊ ዮናስ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ዮናስ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ንኽሞውት ግና ኣይኮነን። እግዚአብሔር ምስኡ ስለዝዀነ ንሞት ኣሕሊፉ ኣይህቦን እዩ። እግዚአብሔር ንሰብአ ነነዌ ከድኅኖም ስለዝፈተወን ንዮናስ’ውን ስለዝፈትዎ ክመወት ኣይደለየን። ብኣና ብዓይኒ ደቂ ሰባት ዮናስ እዚ ዝግብኦ ኣይኮነን ዝብል ድምዳሜ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ብዓይኒ እግዚአብሔር […]
በስመ አብወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። በብዓመቱ ቅድሚ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ብትእዝዘና መሠረት ዓብይ ጾም ምእታዉ ክልተ ሰሙን ኣቀዲማ ዘላ ሰኑይ ጀሚሩ ስጋብረቡዕ ”ጾመ ነነዌ” ብምባል ንጾሞ። ሎሚ ዓመት 2015 ዓ.ም ካብ ሰኑይ ጥሪ 29 ስጋብ የካቲት 1 (Monday, February 6- February 8 2023) ናይ ሠለስተ መዓልቲ ዝጽወም ጾም እዩ። ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ቡሩኽ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ። ሓምለ 5 ኣብዚ ዕለት ናይ ዝኸበሩ ቅዱሳን ኣቦታትና ሓዋርያት ናይ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ዝክረ ዕለት ሰማእትነቶም እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ወዲ ዮና ስምዖን ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተባህለ ኣብ ቤተ ሳይዳ ዓሳ ብምግፋፍ ዝዓበየ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ መዝሙሩ ኪኸውን ጸዊዑ ካብ ስምዖን ( ሻምብቆ) ናብ ጴጥሮስ ( […]
ስለምንታይ ኣብ ግዜ ሕማማት ብዘይካ ኣብ ኃሙስ ጽግቦ(ምሴታ ሓሙስ) ዝግበር ቅዳሴ ፡ እንተዘይኮይኑ ኣብ ካልእ መዓልቲ ኵሉ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ጸሎትን ካብ ወሽጢ ቤተ መቅደስ ወጻኢ ይካየድ፧ ኣብ ዘመነ ኣሪት ናይ ሓጥያት መስዋዕቲ ከቀርቡ ከሎ እቲ ዝተዳለወ መሥዋዕቲ ኃጥያት ካብ ቤት- መቅደስ ወጻኢ ኣብ ኣፍደገ እቲ መቅደስ ይሕርርዎ ነይሮም። ምኽንያቱ እቲ ዝሓርር መሥዋዕትን ሽትኡን ከይትንክዮም እሞ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን። እዛ ሰንበት መዓልቲ ስየ፡ ሥጋና ለቢሱ ንዓና ክድኅነና ዝመጸ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንግስነቱ ዝተገልጹ መዓልቲ እዮ። ጐይታ ዓለም ክርስቶስ ኣድጊ ተወጢሑ ክመጽእ ከሎ እቶም ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ሕዝቢ ክብሩን ንግስነቱ ንኽገልጹ ስየን ክዳውንቶም ኣንጺፎም መድኃኔ-ዓለም ብምዃኑ ብምምስካር ጐይትነቱ ተቀቢሎም። ንሕናውን ካብዛ ቅድስቲ መዓልቲ ሆሳዕና መድኃኔ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። አዘክሪ ድንግል... ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለት 26 መስከረም ክሳብ 5 ኅዳር ዘሎ እዋን ዘመነ ጽጌ፡ ወርኃ ጽጌ፤ ዝጽወም ጾም ጾመ ጽጌ፤ ዝቐርብ ምስጋና ድማ ማኅሌተ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዘን ዕለታት ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳን ሓላዊኣ ኣረጋዊ ዮሴፍን ከምኡውን ሰሎሜ ናብ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ። ꗺ ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን (ክርስቶስ ካብ ሙታን ተንሢኡ) ꗺ በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን ( ብዓቢይ ሓይልን ሥልጣንን) ꗺ አሰሮ ለሰይጣን ( ኣሲሩ ንሰይጣን) ꗺ አግአዞ ለአዳም ( ነጻ ኣውጺእዎ ንኣዳም) ꗺ ሰላም ( ሰላም) ꗺ እምእዜሰ (ካብ ሎሚ) ꗺ ኮነ ( ኮነ ) ꗺ ፍስሐ ወሰላም […]