6. ገብርኄር

            በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ።

መኑ ውእቱ ገብርኄር ።

ምስባክ

ከመ እግበር ፈቃድከ መከርኩ አምላኪየ

ወሕግከኒ በማእከለ ከርስየ

ዜኖኩ ጽድቅከ በማኅበር ዐቢይ።

ኣምላኸይ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣

ሕግኻ'ውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ በልኩ፣

ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማኅበር ኣበሰርኩ።

    መዝ.39፣8 (40-8)

ወንጌል ማቴ.25፣14-31      ግ.ሓዋ.1፣6-9           2ጢሞ.2፣1-16       1ጴጥ.5፣1-12

ቅዳሴ. ባስልዮስ

 ኣብ ሕይወትና ጥዕና፥ ንጉዕዞ ምንቅስቓሳትና ኃይሊ፥ ንሥራሕና ኣሳልጦ ከምኡውን ፍረን በረኸትን፥ ንሠናይ ሓሳብትና ስምረት፥ ንንስሓ ዝኸውን ድማ ዕድመ ሂቡ ክሳብ እዛ መዓልትን ሰዓትን ዘብዝሓና ብረዲአቱውን ዘይተፈለየና ልዑለ ባሕርይ ቅዱስ እግዚአብሔር ይኽበር ይመስገን። ።

እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሳምንት ሻዱሻይ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም እዩ። ገብርኄር ተባሂሉ ከኣ ይጽዋዕ። ገብርኄር ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ማለት እዩ። ገብርኄር ዝብል  ቃሉ ኮነ ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ ቅዱስ ወንጌል እንረኽቦ ኮይኑ፥ እግዚአብሔር ወልድ ብዝተፈልየ ኣካሉ፥ብናይ ተወላድነት ግብሪ ስሙ ንዓና ከድኅን ሰብ ኮይኑ ኣብዛ ዓለም ምስ ተገልጸ፥ ኣብ መዋእለ ስብከቱ ካብ ዘስተምሃሮም ዓበይቲ ትምህርቲ ሓደ እዩ። ማቴ.25፥14-30። እዛ ሳምንቲ ገብርኄር ዘብላ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ክሳዕ እታ ዝመጸላ ግዜን ሰዓትን ኣብ ዝሸሞም ሹመትን ኣብ ዝሃቦም ጸጋን ጸኒዖም ብተኣማንነት ተጊሆም ክሠርሑ ዝርኸቦም ኣገልገልቱ ንዝኸፍሎ ዋጋን ንዝህቦ ክብርን እንሓስበላን ነዚ እተዘክረና ዕለትን ስለዝኾነት እዩ። ብኣንጻሩ" ኦ ገብርኃካይ"ብዝበሎ ድማ እቶም ብዝተዋህቦም ሓላፍነትን ጸጋን ዘይጸንዑ ዝተፈላለየ ዘይረብሕ ምኽንያታት ብምቕራብ ከኣ ርእሶም ከታልሉ ዝጸንሑን ተኣማንነቶም ዘጥፍኡን ኣገልገልቲ ዝበጽሖም ወቐሳ ካብዚ  ሓሊፉ’ውን ዝስዕቦም ጽኑዕ ፍርዲ እንታይ ምዃኑ እንመሃረሉ እዩ። ምሉእ ታሪኹ ከኣ ነዚ ዚስዕብ ይመስል÷

  ዝሓለፈ ሓሙሻይ ሳምንት ናይ ዓቢይ ጾም ደብረ-ዘይቲ ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ፥ ከምኡ ናይቲ ዕለት መልእኽቲ’ውን እንታይ ዝብል ምዃኑ ከም ዝረኣና ዝፍለጥ እዩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ዕለት እቲ " እምበኣርከስ ጐይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ!" ድሕሪ ምባሉ" ኣስዒቡ « እቲ በብግዜኡ ምግቦም ኪህቦም ኢሉ፥ ጐይትኡ ኣብ ልዕሊ ሥድራ ቤቱ ዝሾሞ « እሙንን ለባምን ኣገልጋሊ» መን እዩ᎒ እቲ ጐይትኡ ምስ መጸ፥ ኸምዚ ክገብር ማለት በብግዜኡ ጠሚና ክብልዎ መግቦም ጸሚእና ክብልዎ ዝስተ ክህቦም፥ ሓደውን እናመኸረ፥ ናይ ነፍስ መግብን መስተን ዝኾነ ቃለ እግዚአብሔር ክምግቦም ዚረኸቦ ኣገልጋሊ ብጹእ እዩ። ኣብ ልዕሊ  ምሉእ ገንዘቡ ከም ዝሸሞ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። "ኢሉ እዩ። ከምኡ ነቲ ተኣማንነቱ ዘጥፍአ ሓላፍነቱ ዝዘንግዐ ጸግኡ’ውን ሸለል ዝበለ ኣገልጋሊ " ንገብርሀካይ" ዝምልከት ድማ፥ "እቲ እኩይ ኣገልጋሊ ግና ብልቡ ጐይታ ክድንጒይ እዩ ኢሉ፥ ነቶም ብጾቱ ኣገልገልቲ ፣ብረሃብ እዚውን ብረሃበ መግቢን ብረሃብ ትምህርቲ ቃለ እግዚአብሔርን ከጥምዮም ይጅምር። ገንዘቡ ኩሉ ብኸንቱ የባኽኖ እምበር ኣይጥቀመሉን። ምስ ሰኽራማት ድማ ይበልዕን ይሰንትን። ጐይታ ብዘይተጸበያ መዓልትን ብዘይ ፈለጣ ሰዓትን መጺኡ፥ ብዘሰቅቕ ሞት ይቐጽዖ፥ ዕድሉ ኸኣ ምስ ግቡዛት ይገብሮ፥ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን።"በለ። ማቴ.24፥45-51። እዚ ኣምላኽ ንሰባት ሃብቲ ዝህቦም ገዛእ ርእሶም ክጥቀምሉ ጥራይ ዘይኮነ "ኣሚኑ" ኣብ ልዕሊ ድኻታት’ውን ሙሻሙ ምዃኑ ዘነጽር ቃል እዩ። ከምኡ ንካህናት ኣብ ልዕሊ ነፍሳት ነፍሳት ኣብ ትሕቲ ካህናት፥ ንመማህራን ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ተመሃሮ ኣብ ትሕቲ መምህራን………ወዘተረፈ ንዝተወሃበና ናይ ኣገልግሎት ጸጋ ኣብ ልዕሊ'ቶም ተገልገልቲ ሙሻሙ ዘርኢ እዩ። ዝኾነ ኣማኒ ሰብ ዓይነቱ ደኣ ይፈላለ፥ ብኽብሪ’ውን ኮኾብ ካብ ኮኾብ ይበላለጽ እዩ ከም ዝብሎ ይበላለጽ እምበር፥ ናይ ኣገልግሎት ጸጋ ዘይተዋሃቦ ግን ፈጺሙ የልቦን። ዝተዋህበካ ጸጋ ፈሊጥካ ብተኣማንነት ተጊህካ ምሥራሕን ዘይምሥራሕን ግን ናይ ሰባት ግደ እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ወሃቢ ማለት እግዚአብሔር ድማ ብገንዘቡ ክጸባጸብ ምምጽኡ ዘይተርፍ እዩ።በታ ንጸብጻብ ዝመጽኣላ መዓልትን ሰዓትን « እቲ በብግዜኡ መግቦም ኪህቦም ኢሉ፥ ጐይትኡ ኣብ ልዕሊ ሥድራ ቤቱ ዝሾሞ « እሙንን ለባምን ኣገልጋሊ » መን እዩ᎒ ማለት ኣብ ዝተዋህቦ ጸጋ ኣብ ዝተረከቦ ሓላፍነት ጸኒዑ ብተኣማንነት ነቒሑ ዝጸንሕ ኣገልጋሊ መን እዩ᎒

  ጐይታ እዚ ድሕሪ ምባሉ ካብዚ ቀጺሉ ብዝበለጸ ንናይዚ ዕለቱ ዘጉልሕ ምሳሌ ድማ ከምዚ ዚስዕብ ክብል መሃረ÷
(መንግስተ ሰማያት ኢየሱስ ክርስቶስ) ከምቲ ኺገይሽ ዝደለየ ሰብ እሞ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሃቦም እዩ። ንነፍስ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፥ ንሓደ ኃሙሽተ መኽሊት፥ ነቲ ኻልኣይ ክልተ፥ ነቲ ሣልሳይ ድማ ሓደ መኽሊት ሂብዎም ገሸ።
እቲ ኃሙሽተ መኽሊት ዝተቐበለ ብኡብኡ ኸይዱ ነገደሉ። ኻልእ ኃሙሽተ መኽሊት ድማ ረብሐ። ከምኡ ድማ እቲ በዓል ክልተ ካልእ ክልተ ረብሐ። እቲ ሓንቲ መኽሊት ዝተቐበለ ግና ከይዱ፥ ምድሪ ኹዒቱ ወርቂ ጐይትኡ ሓብኣ። ማቴ.25፥14-18።
 ምስ ኣገልገልቱ ዝጸባጸብ ጐይታ ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት እዩ።
     ሕድሮምን ሓላፍነቶን ከረክቡ ከምኡ ጸብጻቦውን ከቕርቡ ዝቀረቡ ከኣ ኣገልገልቲ። ንሕና ማለት እዩ።
    ድሕሪ ነዊኅ እዋን ጐይታ እቶም ገላው፥ መጺኡ ምስኣቶም ኪጸባጸብ ጀመረ። እቲ ኃሙሽተ መኽሊት ዝተቐበለ "ጐይታይ" ኃሙሽተ መኽሊት ሂብካኒ፥ እንሆ ድማ ኻልእ ኃሙሽተ መኽሊት ረባሕኩ፥ እናበለ ኻልእ ኃሙሽተ መኽሊት ኣምጽአ። ጐይትኡ ድማ “ጽቡቕ” ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ፣ ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ፥ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ (ናብ መንግሥተ ሰማያት እቶ" በሎ። እቲ ክልተ መኽሊት ዝተቐበለ ድማ ቐሪቡ “ጐይታይ” ክልተ መኽሊት ሃብካኒ፥ እንሆ ኸኣ ኽልተ ኻልእ መኽሊት ረባሕኩ» በለ። ጐይትኡ ከኣ “ጽቡቕ” ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ፣ ብውሑድ (በዘን ናይ 70/80 ዕድሜኻ ኣብዛ ምድሪ) ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ (ኣብ ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወት መንግሥተ ሰማያት) ክሸመካ እየ። ናብ ሓጐስ ጐይታኻ (ናብ መንግሥተ ሰማያት)እቶ። " በሎ። ማቴ.25፥19-23። « ገብርኄር » ማለት እዚ እዩ። ናይ ገብርኄር መወዳእታ’ውን ከምኡ ከምዚ እንሰምዖ ዘሎና እዩ።
    እቲ ሓደ መኽሊት ዝተቐበለ ድማ ቐሪቡ “ ጐይታይ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ፥ ዘይበተንካዮ ድማ እትእክብ ጨካን ሰብኣይ ምዃንካ እፈልጥ እየ። ስለዚ ፈሪሀ ኸድኩ፥ ነቲ መኽሊትካ ድማ ኣብ ምድሪ ሓባእክዎ
፥ሕጂ ኸኣ እንሆ ገንዘብካ” በሎ። ተመልከቱ ንዘይተኣማንነቱን ጉድለታቱን ንቐደምት ፍጥረት ናይ ደቂ ሰባት ዝኾኑ ንኣዳምን ሄዋንን ዘይጠቐመ ብምኽንያት ክሽፍን ብምሕሳብ ኣብ ልዕሊ ጐይትኡ’ውን ዘይግብኦ ቃል ብምዝራብን መሊሱ ንዝዓብየ ጌጋ ተጋለጸ። "ጐይታይ መምርሒ ሕጊ ከይሠራዕኻ ብሥነ ልቡና ፈሊጥኩም፥ መምህር ከይመደብካ ብሥነ ፍጥረት ተመራሚርኩም ሥርሑ እትብል ጨካን ምዃንካ እፈልጥ እየ። ዓላውያን ነገሥታት ከየሳቕዩኒ፥ መናፍቓን ተኸራኺሮም ከይረትዕኒ ስለዝፈራሕኩ ብተማሃርኩዎ ትምህርቲ ኣይመሃርኩን፡ ብዝተዋህበኒ ሓላፍነት ኣይሠራሕኩን። እንሆ ድማ እቲ ዝተማሀርክዎ፥ ዝተወሃበኒ ሓላፍነት ኣብ መቓብር ኣእምሮይ  ሓባእክዎ። "ማለቱ እዩ። ከምኡ ተመሳሳሊ ንሕና ንእነቕርቦ ዘይጠቅም ምኽኒት ዝገልጽ እዩ። ይኹን እምበር ምኽንያት ሕጂ ነዚ’ውን ኣይጠቐሞን፥ እቲ ጐይትኡ ከኣ መሊሱ በሎ፣ " ኣታ ክፉእ ኃካይ ኣገልጋሊ፥ ዘይዘራእክዎ ከም ዝዓጽድ፥ ዘይበተንክዎ ከም ዝእክብ እምበኣር ትፈልጥ ኔርካ ኢኻ። ስለዚ ነቲ ገንዘበይ ኣብ ባንክ ከተእትዎ ምተገብኣካ ነይሩ ማለት ሓላፍነትካ ከተረክብ ምተገብኣካ፥ ኣነ ኸኣ መጺአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ፣ ማለት ኣነ ከኣ ወሪዶም ደይቦም ንዘገልግሉ ምሃብክዎ ነይረ። እምበኣርከስ ነቲ መኽሊት ካብኡ ኣግድፍዎ ነቲ ዓሠርተ መኽሊት ዘለዎ ሃብዎ። ምኽንያቱ ድማ ንዘለዎ ዘበለ ኹሉ ይወሃቦ፥ ይውስኽዎ’ውን፥ ንዘይብሉ ግና እቲ ዘለዎ እኳ የግድፍዎ።ነዚ ኃካይ ጊልያ ግና ኣብ ፍጹም ጸልማት ደርብይዎ፥ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ። " በሎ። ማቴ.25፥24-30። "ገብርኃካይ" እዚ እዩ። ናይዚ ኣገልጋሊ እዚ መወዳእታ ድማ ከም እንሰምዖ ዘሎና እዩ።

እዚ ጐይታ ብምሳሌ ገይሩ ዝሃቦ ትምህርቲ ንኹሉ ኣማኒ ዝውክልን ዝምልከትን እዩ።ኣብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ እቲ ክገይሽ ዝደለየ ሰብ ተባሂሉ ዘሎ ባዕሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እቶም ኣገልገልቲ ዝበሎም ከኣ ጾታ፥ ዕድመ ከይፈለየ ንኹሉ ኣማኒ የመልክት።ጸዊዑ ገንዘቡ ሃቦም ማለት ካብ ጥምቀት ጀሚሩ ንዝተፈላለየ ኣገልግሎት ጸጋን መዓርግን ምሃቡ ዘርኢ እዩ። እቲ ዝሃቦ መኽሊት በዓል ኃሙሽተ፥ በዓል ክልተ፥ በዓል ሓደ ምዃኑ ከኣ ዋላ እኳ ንኹሉ ዝተዋህበ ናይ ኣገልግሎት ጸጋ እንተ ሃለወ ብኽብርን ዓይነትን ውህብቶ ግን ዝፈላለ  ምዃኑ ንምርዳእ እዩ።ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ “ እምበኣር በብዓይነቱ ውህበት ኣሎ፥ መንፈስ ቅዱስ ግና ሓደ ንሱ እዩ።በብዓይነቱ ኣገልግሎት ኣሎ፥ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ። በብዓይነቱ ዝኾነ ተግባራት ኣሎ፥ እቲ ኣብ ኩላቶም ኩሉ ዚገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ።” 1ቆሮ.12፥4-6። ይብል እሞ፣ ብኻልእ ወገን ከኣ " ክብሪ ጸሓይ በይኑ ክብሪ ወርኂ በይኑ፥ ክብሪ ከዋኽብቲ’ውን በይኑ እዩ፥ ብኽብርስ ኮኾብ’ውን ካብ ኮኾብ ይበልጽ እዩ።"ይብል። 1ቆሮ.15፥41)። እዚ ከኣ ነዚ ክበሃል ዝጸንሐ ዝያዳ የጉልሖ። ሰባት ካብ ኣገልግሎት ርቕሒናን ሓላፍነትና ዘንግዚዕናን እንርአ እኮ ቀንዲ ሽግሩ ዝተዋህበና ጸጋ ከም ዘሎ ፈሊጥና ይምልከተኒ እዩ ኢልካ ዘይምሥራሕን፥ ዝተፈላለየ ዘይጠቅም ሕይወት ዘይህብ ምኽንያታት ንርእስና ብምቕራብን ንነብር ስለዘሎና እዩ። ግን መጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ዕድመን ጾታን ከይበለ ኣገልጋሊ ኩሉ እዩ። ንምሳሌ ነፍሳት ዝጋስዩ ናይ መዓርገ ክህነት ኣገልግሎት ዘለዎም ኣቦታት፥ ንምኽሮም ብምስማዕ ዘገልግሉ ምእመናን ፥ ብትምህርቲ ወንጌል ዘገልግሉ መምህራን፥ ከም ሊድያ ልባቶም ከፊቶም ናብ ቅዱስ ትምህርቲ ቃል ወንጌሉ ኣእዛኖም ብምጽላው ኮፍ ኢሎም ብምምሃር ዘገልግሉ ምእመናን፥ ብመዝሙር ምስጋና ዘገልግሉ፥ ብጠቓዒት ዕልልታ ዘገልግሉ……ካልእ " ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት እያ። ካብ ቤት መቕደስ ከይወጸት ከኣ ብጾምን ጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግልነበረት።» ከም ዝተባህለ። ሉቃ.2፥36-37። ከም ሃና ጓል ፋኑኤል ብጾምን ጾሎትን ምግልጋል፥ ከምተን ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓዋርያቱን ብገንዘበን ዘገልግልኦም ብዙሓት ምስኦም ዝነበራ። ሉቃ.8፥3። ብገንዘብካ ምግልጋል፥ዘኽታማት ብምእላይን፥ ከም እኒ ፌቤን ቅዱስ መልእኽቲ ብምብጽጻሕ ዝግበር ንቤተ ክርስትያን ናይ ምርዳእ ኣገልግሎትን……ወዘተረፈ ካብቲ ሽዱሽተ ቃላተ ወንጌል ብምፍጻም ዝግበር ኣገልግሎት ብሓጺሩ ምጥቃስ ይከኣል። ህያብ እግዚአብሔር ብዙሕ ስለዝኾነ ክንዝርዝሮ እንተበልናስ ዝከኣል ኣይኮነን። ንስፍሪ ዘይብሉ ህያባቱ ምዝርዛር’ውን ግቡእ ስለዘይኮነ ንመረዳእታ እዚ ይኣክል እዩ። ግዳ ንነፍስ ወከፍና ንፍሉይ ኣገልግሎት ዝተዋህበ ጸጋ ከም ዘሎ ግን ክንስሕቶ ዘይግባእ ሓቂ እዩ። ዝተዋህበካ ጸጋ ኣለሊኻ ምፍላጥ ንባዕሉ ጸጋ እዩ።
ታሪኽ÷ ሓደ ኣቦ እዮም ብሕይወተ ሥጋ ካብዛ ዓለም ዝፍለዩላ ሰዓት ምስ ቀረበት፥ ሰለስተ ደቂ ነበርዎም እሞ፥ ንሰለስቲኦም ጸዊዖም ክሰናበትዎም ሓሰቡ፥
ሓሲቦም ኣይተረፉን፥ ጸዊዖም ኣባታዊ ምኽርን ማዕዳን ድሕሪ ምሃብ፥ ንነፍስ ወከፎም፥ ነቲ ሓደ ዕሙኽ ኣቢሎም ሓመድ ኣብዎ፥ ንሱ’ውን ተቐበለ፥ ነቲ ካልኣይ ድማ፥ ዕሙኽ ኣቢሎም ድኹዒ ሃብዎ። ንሱ’ውን ተቐበለ። ነቲ ሣልሳይ ከኣ ከምኡ ኣልዒሎም ወርቂ ሃብዎ፥ ንሱ’ውን ተቐበለ። ድሕሪኡ ከኣ ነዚ ምስ ገብሩ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። እቶም ሰለስተ ኣሕዋት ድሕሪ  ሞት ኣብኦም ክበኣሱ ጀመሩ።መባኣሲኦም ነገር ከኣ በቲ ኣቦኦም ዝሃቦም ነበረ። ንሱ ከኣ እቲ በዓል ሓመድን፥ እቲ በዓል ድኹዕን ኩልና ደቁ እንኰለናስ ንዓና ሓመድን ድኹዕን ሂቡ ንሓውና ወርቂ ሂብዎ፥ ኣቦና ኣድልዎ ጌሩ ኢልካ ምጉርምራሞም ነበረ። በዚ ምኽንያት ከኣ ንሓዎም እንተዘይመቐልካና ኢሎም ግዲ በልዎ። ንሱ ግን ኣቦይ ዝሃበኒ ንዓይ ኢሉ እምበር ተማቐልዎ ኢሉ ኣይሃበንን። ደሓር ከኣ ኣቦና ምሳና እንከሎ ከምኡ ምበልኩም ዝምልሰልኩም ድማ ሽዑ ምሰማዕክምዎ ኢሉ መለሰሎ። እንተኾነ ክሰማምዑ ስለዘይክኣሉ፥ በቲ ቀደም ዘመን ነገር እንተደኣ ኣሎካ ከምዚ ሎሚ ብኽሲ ናብ ሕጊ ዓለም ዘይኮነ ናብ መንፈሳውያንን ዓበይትን ወለዲ እዩ ዝኽየድ ዝነበረ። ንሳቶም እዞም ሠለስተ ኣሕዋት’ውን ነገሮም ምላሽ ንምርካብ ናብ መንፈሳውያን ኣቦታት ንኺድ እዮም ተበሃሂሎም። ጉዕዞም ድማ ጀመሩ። ታሪኹ ንውሕ ኢሉ እዩ። ምሉእ ታሪኹ ብኻልእ ኣጋጣሚ ነምጽኦ ኮይኑ፥ ንሕጂ ግን ኣብ መንገዶም ንዝበጽሖምን ዝረኣይዎ ኩሉን ሓዲግና፥ ኣብቲ ዝደለይዎ ቦታ በጺሖም ካብ ዝብል ሒዝና ከነጠቓልሎ። እዞም ሰለስተ ኣሕዋት ድሕሪ ኣድካሚ ጉዕዞ ኣብቶም ዝደለይዎም ኣቦ በጽሑ።እቶም መንፈሳዊ ኣቦ ከኣ ጽቡቕ ዝኾነ መንፈሳዊ ኣቀባብላ ገበርሎም እሞ፥ ኣስዒቦም እንታይ ከም ዘምጽኦም ሓተትዎም። እቶም በዓል ሓመድን በዓል ድኹዕን ድማ፥ "እወ ኣባ ንሕና መጺእና ዘሎና ብሓደ ጉዳይ ኢና። ንሱ ከኣ ኣቦና ብሕይወተ ሥጋ ካባና ቅድሚ ምፍላዩ፥ነዚ ሓውና ወርቂ ሂቡ ንኽልቴና ግና ሓመድን ድዂዕን ብምሃብ ኣድልዎ ገበረልና፥ ንሱ ከይኣኽለና፥ ንሓውና ክመቕለና እንተሓተትናዮ ድማ ኣቢዩና። ስለዚ ኣብ መንጎና ኣቲኹም ክትዓርቁና ኢና መጺእና ዘሎና። " በልዎም። እቶም ኣቦ በቲ'ዞም ኣሕዋት ዝወሰድዎ ውሳኔ ኣድነቕዎምን ኣመስገንዎምን። መን እዩ ሎሚ ነገረይ ፍታሕ ወይውን መልሲ ክረክብ  እዩ ኢሉ ናብ መንፈሳውያንን ዓበይትን ሰባት ዝኸይድ᎒ ኣይመስለናን። ናብ ኣደባባይ ፍርዲ ዓለም ዝጎዪ፥ ናብ ሃብታማትን ሓያላትን እዛ ዓለም ዝጽጋዕ ግን ብዙሕ እዩ። ነዞም ሠለስተ ኣሕዋት ዘመስግኖም ነገር፣ ንነገሮም መልሲ ምእንቲ ክረኽቡ ናብ መንፈሳዊ ኣቦ ምኻዶም እዩ።
ድሕሪዚ እቶም ኣቦ ብርጉእ መንፈስ፥ " እዞም ደቀይ ኣቦኹም ጥበበኛ እዩ። ፈጺሙ ከኣ ኣየዳለወኩምን። ንኹልኹም ብማዕረ ሓደ ገይሩ ሂብኩም እዩ። ንስኻትኹም ግን ከተስተውዕልዎ ይግብኣኩም። ንዓኻ ንስኻ ዝወደይ በሉ፡ ንበዓል ሓመድ እዮም፥ ኣቦኻ ሓመድ ሂቡካ እዩ። ጽቡቕ ገበረ። ክፍልኻ ሕርሻ እዩ ክብል እዩ። ኪድ ጀርዲንካን ተኽልኻን ኣፍሪ፥ ዘራእትኻ’ውን ዝራእ። ካብ እተፍርዮ ክገዝእ ድማ በዓል ወርቂ ክመጸኻ እዩ። ስለዚ እዚ እንተደኣ ገይርካ ወርቂ’ውን ኣይትስእኖን ኢኻ በልዎ። ነቲ ካልኣይ ድማ፥ ንበዓል ድኹዒ ማለት እዩ፥ ዝወደይ ንዓኻኸ ድኹዒ ድዩ ሂቡካ፥ "ጽቡቕ "ገበረ። ክፍልኻ ማል (እንስሳ) እየን ክብል እዩ፥ ኪድ ማልካ ኣርብሕ። በዓል ወርቂ ድማ ካብ እንስሳታትካ ዝርከብ ውጽኢት ደልዩ ክመጻካ እዩ። እዚ እንተደኣ ጌርካ ወርቂ’ውን ኣይክትስእኖን ኢኻ በልዎ። ኣብ መወዳእታ በዓል ወርቂ መጸ። ዝወደይ ኣቦኻ ወርቂ ድዩ ሂቡካ፥ ጽቡቕ ገበረ፥ ክፍልኻ ንግዲ እዩ ክብል እዩ እዚ ዝገበረ። ኪድ ንገድ። ኣቦኹም ጥበበኛ እዩ በሉ ደጊሞም። እቲ በዓል ወርቂ’ውን ክነግድ እንተ ደኣ ኮይኑ፥ ካብ በዓል ሕርሻን ካብ በዓል ማልን ወጻኢ ስለዘይኮነሉ፥ ካብ መልሶም ብቐጥታ ነዚ ተረድአ። እዞም ሰለስተ ኣሕዋት ሕቶኦም ግቡእ መልሲ ረኺቡ ፍጹም ስለዝዓገብሉ ብልቢ ኣመስገኑ። እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎ ስለዝፈለጡን ጸግኦም ስለዘለለዩን ከኣ ባርኾቶም ተቐቢሎም ብፍጹም ደስታ ነናብ ተጸውዕሉ ዕዮ ተሰለፉ። መልሶም መልስና ይኹን ኣሜን። ሥድራ እግዚአብሔር ጸጋኻ ምፍላጥ ጸጋ እዩ ዝበልናዮ እምበኣር ነዚ እዩ። ቤተ ክርስትያና ምቕዳሕ ምሥጢራት፥ምውሓዝ ጸጋታት፥ ባሕረ ጥበባት እያ። ዓይነት ውህበቱ ደኣ ይፈላለ እምበር፥ንሓድሕዱ ተሰማሚዑ ከም ብዙሕ ነናቱ ዝኾነ ኣገልግሎት ዘለዎ ኣብ ሓደ ሰብነት ዝርከብ ኣካላት፥ ከም ታሪኽ ናይዞም ሰለስተ ኣሕዋት ዝዓዪ ጸጋታት ዝዓቢ ዘለዋ ፥ ከምዚኦም ዝበሉ ምእመናን እትውንን እትሓቁፍን ቤት ኣማኑኤል እያ። ብርግጽ ሕልፍ ሕልፍ እናበለ ኣብ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ኣይሠርሑ ኣየሥርሑ ዝመስል ናይ ዘይምስምማዕ መንፈስን ናይ ኣገልግሎት ዝሕታለን ይረአ እዩ። እቲ ቀንዲ ሽግር ናይዚ ከኣ ታሪኽ'ዞም ሰለስተ ኣሕዋት ከም ዝረኣናዮ ጸጋኻ ዘምፍላጥ ዘምጽኦ ሳዕቤን እዩ። ስለዚ መጀመርታ ክንፈልጦ ዘላና ዓይነት ጸጋና እዩ። ጸጋና ፈሊጥና ከኣ ከምዞም በዓል ኃሙሽተን በዓል ክልተን መኽሊት ኣብ ዝተዋህበና ጸጋ ኣብ ዝተቐበልናዮ ሓላፍነት ጸኒዕና እሙናት ኮይና ምርካብ የድሊ።

ነቲ ተዋሂቡና ዘሎ ጸጋ ምዕቃብ ጥራይ ዘይኾነ ንዝበለጸ ጸጋ ካልእ ክንርብሓሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ናይ እቲ በዓል ሓደ መኽሊት እንተደኣ ሪኢና ኣይረብሓላን እምበር ነታ ሓንቲ መኽሊት ኣጥፊኡዋ ኣይብልን። እታ መኽሊት እቲኣ ግን ብዘይምኽንያት ስለዘይተዋህበቶ፥ከይተጠቐመላ ወይ’ውን ከይረብሓላ ስቕ ምስ በለ ኣግደፍዎ ማለት ተሓዲጉ እዩ። ዝተዋህቦ ናይ ኣገልግሎት ጸግኡ ዓቂቡ ማለት ከየገልገለሉ ስቕ ኢሉ ኃጢኣት ኣይኾኖንን ማለት ድማ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ላዕሊ÷ " ኣምላኽ ንሰብ ሃብቲ ዝህቦ ንርእሱ ክጥቀመሉ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ድኻታትን ዘኽታማትን ሙሻሙው’ን እዩ” " ኢልና ምንባርና ዝዝከር እዩ። በሉ ነስተውዕል፥ እዚ ሃብታም ሰብ ብሃብቱ ንድኻታት እንተዘይሓገዘ፥ ንዘኽታማት እንተዘይኣለየ፥ ምጽዋት’ውን እንተዘይሃበ ንሱ ብስስዕቲ ዝተቖማጥዐ ሰብ እዩ። "ስስዕቲ" ሓንቲ ካብቶም ዓበይቲ ኣርእስተ ኃጣውእ ምዃና ድማ ንፈልጥ ኢና። ንሱ ነቲ ብኸምኡ ጸግኡ ዘብዝሓሉ ኣምላኽውን ዝሐኸደ እዩ። ክሕደት ስስዕቲ ኃጢኣት ኣይኮነን ማለት ድማ ኣይከኣልን። ካልእ ሓደ መምህር ናይ ምምህርና ኣገልግሎት ዝወሃቦ ንሰባት ሕጊ ከስተምህር ናብ ጽድቂ ክመልስን ክመርሕን፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰባትን ምስክርነት ኮይኑ ክቐውም። ዓይነቱ ይፈላለ በዚ ቅዱስ ዕላማ ንዝመጾ ፈተና  ድማ ጸኒዑ ክቃወሞን፥ ትዕግሥቲ ጌሩ ብደስታ ክቕበሎን እዩ። ነዚ ሓላፍነትን ዝተዋህቦ ናይ ኣገልግሎት ጸጋን ሓዲጉ ምእመናን ብሃይማኖት ክደኽሙ፥ ካብ ሠናይ ሥነ ምግባር ርሒቖም ብበትሪ ክሕደት ብበትሪ ኃጢኣት ክውቅዑ ርእዩ ከም ዘይራየ ስቕ እንተበለ ግን፥ ከይምህርን ከይምስክርን ከምዚ በዓል ሓደ መኽሊት ምኽንያታት ደርዲሩ’ውን ዘይግብኦ እንተተዛረበን ከንቱ እንተ ሓሰበን።ብደም'ቶም ኣብ ልዕሊኦም ዝተሸመሎም ተሓታቲ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፥"ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝተኣመነኒ ኹሉ ኣነ ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሓደኒ ግና፥ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ።"።ማቴ.10፥32። ብዝበሎ መሠረት ብዘይምምስካሩን እሙንነቱ ብምጥፍኡን በደለኛ እዩ። ናይዚ መወዳእታ ከኣ ዕጫ ናይቲ በዓል ሓደ መኽሊት እዩ ዚኸውን። እቲ ዘይተጠቕሰ ካልእ ዓይነት ናይ ኣገልግሎት ጸጋ’ውን እንተ ደኣ ዘይተጠቕምናሉን ዘይረቢሕናሉን ተመሳሳሊ ቅጽዓት እዩ ዘለዎ። ብፍለይ ኣብዚ ዘለናሉ ዘመን ብዝተዋህበና ጸጋ ዘይኮነ ብዝመስለናን ኣብ ዘይጠቕመናን ዓውዲ ኣቲና ከነውደኽድኽ ልሙድ ተርእዮ እናኾነ እዩ። እቲ ጽሑፍ "መዓይይቲ ኣምላኽ ብምዃና ጸጋ ኣምላኽ ንኽንቱ ከይትቕበሉ ንምዕደኩም ኣሎና። "እዩ። ዝብል።2ቆሮ.6፥1። ስለዚ ኣዝዩ ጥበብን ምስትውዓልን ጽንዓትን ትዕግሥትን ዘድልዮ ዘመን ኢና ዘሎና። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግም ብግርማ መልኰቱ ብክበበ መላእክቱ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ። ዝመጽኣላ መዓልትን ሰዓትን ክፈልጣ ዝኽእል ኣካል ከምዘየልቦ ከኣ ተነጊሩና እዩ። ምምጽኡ ንነፍስ ንኹሉ ከከም ግብሩ ንምፍዳይ እዩ። እዛ ዕለት እዚኣ ከኣ ብዝበለጸ ብዛዕባ’ዚ እንሓስበላ ሳምንቲ ስለዝኾነት፥ ከምቲ ሓረስታይ ጽዒሩ ምህርቱ ዝሓፍስ፥ ነጋዳይ፣ውን ነጊዱ ትርፊ ዝረክብ፥ ንሕና’ውን ከምኡ ብዝተዋበና ጸጋ ጸኒዕና ብተኣማንነት ተጊኂና ንዕየ። ከም'ቶም በዓል ኃሙሽተን በዓል ክልተን መኽሊት ከኣ ብጐይታና ሞገስን ክብርን ክንረክብን ክወሃበናን እዩ። ከመይሲ "ሰብ ዝዘርኦ እዩ ዝዓጽድ። እቲ ንሥግኡ ከሕጉስ ኢሉ ዚዘርእ ካብ ሥጋኡ ሞት ኪዓጽድ እዩ። እቲ ንመንፈስ ከሕጉስ ኢሉ ዚዘርእ ከኣ ኻብ መንፈስ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኪዓጽድ እዩ። ሠናይ ንምግባር ኣይንሰልኪ፥ ከመይ ተስፋ እንተ ዘይቆረጽና እዋኑ ምስ በጽሐ ክንዓጽድ ኢና።" ዝብል ቃል ጽሑፍ እዩ። ገላ.6፥7-10። ስለዚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝሃበና ገንዘቡ ህያብ ናይ ኣገልግሎት ጸጋኡ ክጸባጸበና ቅድሚ ምምጽኡ ክንነቅሕ፥ ኣብ ዝተዋህበና ጸጋ ጸኒዕናን ተኣሚናን ብዕዮ ክንርከብ ይግብኣና። ቅድስት ቤተ ክርስትያና ዓመት መጸ ከምዚ ገይራ ብፍሉይ እተዘኻኽረና ልምዲ ኮይንዋ ዘይኮነስ፥ ንሕና ንዝተዋህበና ጸጋ ሸለል ብምባል ናይ ፍረ ግዜና ብኸንቱ ባኺኑ ከምቲ በዓል ሓደ መኽሊት ኮይና ከይንተርፍ "ገብርኃካይ" ከይንበሃል እሞ መወዳእታና ድማ ክፉእ ከይከውንን ንምንቕቓሕ እዩ።

«መኑ እንጋ ገብር ምእመን ወጠቢብ ዘይሠይሞ እግዚኡ ውስተ ኩሉ ንዋዩ ከመ የሃቦሙ ሲሳዮሙ በጊዜሁ» "እቲ በብጊዜኡ መግቦም ኪህቦም ኢሉ ጐይትኡ ኣብ ልዕሊ ሥድራ ቤቱ ዝሸሞ እመንን ለባምን ኣገልጋሊ መን እዩ᎒…………መልሱ ንነፍስ ወከፍና ይምልከት።

እምበኣር ሥድራ እግዚአብሔር ኣምላከ ቅዱሳን ፍቓዱ ኮይኑ ብደሓን ኣጽኒሑ ዝቕጽል ሳምንቲ የራኽበናና እንዳበልኩ ። ንሎሚ ብሓደ ቃል ክንሰናበተኩም እቲ ቃል ከምዚ ይብል÷

   « ነቲ ናብ ክብሩን ሕያታውነቱን ዝጸውዓና ብምፍላጥና፥ መለኰታዊ ኃይሉ ኩሉ እቲ ንሕይወትን ንመንፈሳውነትን ዜድልየና ሂቡና ኣሎ። በዚ እታ ክብርትን ዓባይን ተስፋ ረኸብና። ንስኻትኩም ድማ ካብቲ ንዓለም ኣባላሽይዋ ዘሎ ትምኒት ሥጋ ወፂእኩም ተኻፈልቲ መለኰታዊ ባህሪዩ ኾንኩም። ስለዚ ብኹሉ ትግሃት እናተጋደልኩም ኣብ እምነትኩም ሕያውነት ወስኹ፥ ኣብ ሕያውነትውን ፍልጠት፥ኣብ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፥ ኣብ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፥ኣብ ዓቕሊውን መንፈሳውነት፥ኣብ መንፈሳውነት ከኣ ኅውነት፥ ኣብ ኅውነት ድማ ፍቕሪ ወስኹ። እዚ ነገር እዚ እንተ ኣለኩም፥እናማዕበለውን እንተኸደ፥ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከፍልጠኩም እዩ። ኃካያትን ዘየፍርዩንውን ኣይክትኮኑን ኢኹም። እዚ ነገር እዚ ዘይብሉ ግና፥ ኣርሒቑ ዘይርኢ ዕውር ሰብ እዩ፥  ካብቲ ናይ ቀደም ኃጢኣቱ ኸም ዝነጽሐውን ዝረስዐ እዩ።ስለዚ፥ኣቱም ኣሕዋትና፥ንጽውዓኹምን ምኅራይኩምን ከተጽንዑ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ እንተ ገበርኩምሲ ከቶ ኣይክትወድቁን ኢኹም። በዚ ድማ ናብቲ ናይ ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዓለማዊ መንግሥቲ ምእታው ብምልኣት ኪወሃበና እዩ ።»ኣሜን 2ጴጥ.1፥3-11። “ ኣኅዋተየ፥ ነፍሲ ወከፍ በቲ ዝተጸውዖ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብእኡ ይንበር።” 1ቆሮ7፥24።

     ኣምላከ ቅዱሳን ቅዱስ እግዚአብሔር ኣብ ዝተዋህበና ጸጋ ጸኒዕና ብእኡ ሣላሳ፥ ሱሳ፥ ሚእቲ ሠናይ ፈሪና፥ ናይ ክብሩን መንግሥቱን ወረስቲ ይግበረና፥ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ቅዱሳን ብረዲአቶም ኣይፈለዩና ኣሜን።

ይትባረክ አምላከ አበዊነ።

 

                                                                       ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                       ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                       ወለመስቀሉ ክቡር።
ዲን.ዓምደማርያም

Comments are closed.