ኒቆዲሞስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ

ሆረ ኃቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ።

ምስባክ

ሐወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኰ ለልብየ፣

አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ፣

ከመ ኢይንብብ አፋየ ግብረ ዕጓለእመሕያው።

ንልበይ ተዐዚብካዮ ብለይቲ በጺሕካዮ

መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን

ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ።

መዝ.16፣3   (17-3)

ወንጌል ዮሓ.3፣1-10      ግ.ሓ.5፣38-ፍጻሜ        ሮሜ.7፣1-19       1ይዮሓ.4፣18-ፍጻሜ

ቅዳሴ. ቅዳሴ ማርያም

እዛ ሳምንት እዚአ ሻውዓይቲ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም ኮይና፥ ኒቆዲሞስ ዚብል ስያሜ ኣለዋ።

ኒቆዲሞስ ስሙ ናይ ኣይሁድ ቃሉ ከኣ ናይ ግሪክ ኮይኑ ንሕዝቢ ዘሸነፈ ማለት እዩ። ኒቆዲሞስ ሓደ ኻብ ወገን ፈሪሳውያንን ሓለቓ ኣይሁድን ዝነበረ ኣዝዩ ምሁር ሰብ እዩ። ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ከምተን ካልኦት ሰናብቲ በዛ ሰንበት እዚኣውን መዝሙራትን ንባባትን ሠሪዑ እዩ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ዝቐርብ መዝሙራት ኮነ ንባባት÷ «ወሀሎ ኣሓዱ ብእሲ እም ፈሪሳውያን ዘስሙ ኒቆዲሞስ መልኣኮሙ ለኣይሁድ…»ዝብል ስለ ዝኾነ ከኣ ንዕኡ መዘከርታ ብስሙ"ኒቆዲሞስ" ተባሂላ ትጽዋዕ።

ትርጉም÷
     "ሓደ ካብ ፈሪሳውያን ወገን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ "። ሓለቓ ኣይሁድ ምባሉ ብመምህርነት፡ ብሃብቲ ብሹመት ሓለቓኦም ማለቱ እዩ። " ወውእቱ መጽኣ ኅበ እግዚእ ኢየሱስ ቀዲሙ ሌሊተ" ከም ዝበሎ፥ ብለይቲ ናብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እናመጸ ይመሃር ከም ዝነበረ ከኣ ይነግር። ኣቐዲሙ ዝበሎ ድሒሩ ክገንዞ መጸ ዝብል ስለ ዝኾነ እዩ። ካልእ’ውን ካብቶም ብቐትሪ ዝመጹ ቀዲሙ ብለይቲ ናብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መጸ ማለቱ እዩ። እዛ ሰንበት እዚኣ ኒቆዲሞስ ንሱ እቲ ፈሪሳውን መምህር ኣይሁድን በታ ዝነበረቶ ንእሽቶ እምነት ንሳ ጩራ ናይ ምድኃን መገዲ ኮይናቶ ናብቲ መድኃኒት ነፍሱ ዝኾነ ጐይታ መጺኡ፥ ምስኡ ንዝገበርዎ መንፈሳዊ ዝኾነ ዓሚቕ ዝርርብ እተዘንቱ ክብርትን ቅድስትን ዕለት እያ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ካልእ ብዙኅ ዓበይቲ ዝኾኑ ምሥጢራት እንመሃረላ መዓልቲውን እያ። ካብቲ ኣብ መንጎ ጐይታን ኒቆዲሞስን ዝተገብረ መንፈሳዊ ዝርርብ እቲ  ቀንድን ዝያዳ ጎሊሑ ዝርአን ከኣ እቲ መሠረታዊ ናይ ድኅነት፥ ናይ ምሥጢራት ኩሉ ድማ መጀመርታ ዝኾነ ካልኣይ ልደት ዘውህብ ብማይን መንፈስን ዝፍጸም ጥምቀት እዩ። ዮሓ.3፥3-12። ቀጺሉ ከአ ናይ ምሥጢረ ሥጋዌኡ ነገር ማለት ክርስቶስ ንሱ ፍጹም ኣምላኽ ብተዋህዶ ፍጹም ሰብ፥ ፍጹም ሰብ ድማ ከምኡ ብተዋህዶ ፍጹም ኣምላኽ ምዃኑ የረድእ ። ዮሓ.3፥13። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ሰብ ናይ ምዃኑ ዕላማ ንሱ ብዝፈልጦ ኣቐዲሙ ንነገረ ስቕለቱ ኣመልኪቱ ዝተነግረ ምሳልያዊ ታሪኽ እናጠቐሰ ይገልጸሉ። ዮሓ.3፥14-15፣ዘኁ21፥9። እዚ ኹሉ ዝኾነ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ካብ ዝተላዕለ፥ ብእኡ ንዝኣመነ ኩሉ ምእንታናን ስሌናን ምዃኑ ንምርዳእ ከኣ÷ « በቲ ሓደ ወዱ ንዝኣመነ ኹሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ኣምላኽ (እግዚአብሔር ኣቦ) ንወዱ (ንእግዚአብሔር ወልድ) በጃ ኽሳዕ ዚህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ» ክብል የስዕበሉ ። ዮሓ.3፥16-21። 
       

ንምንታይ እዩ ኒቆዲሞስ ብለይቲ እናመጸ ኣብ ጐይታ ዝመሃር ዝነበረ ᎒

† ድልውነት ናይ ልቡናን ንቕሓት ኣእምሮን ካብ ቐትሪ ዝያዳ ብለይቲ ከም ዝኾነ ነቲ ቀትሪ ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ብዝበለጸ ለይቲ ብጽሞና ንምርዳእ ልቡ ስለዝፈቐደ እዩ።

† ካልእ’ውን ድኻም ናይ እምነቱ ማለት ፈጺሙ ዝኣመነ ስለ ዘይነበረ እዩ።
† ኣይሁድ ኣቐዲሞም ብክርስቶስ ዝኣመነ ንዕኡ ዝሰዓበ ንሱ እቲ ክመጽእ ዘለዎ መሲሕ ምዃኑ እውን ዝመስከረ ካብ ቤተ ጸሎቶም ከውጽእዎ ተሰማሚዖም ነበሩ እሞ፥ ንዓኣቶም ስለ ዝፈርሐ እዩ። ዮሓ.9፥22።

† "ክሳዕ ሎሚ መምህር እናተባህለ ነይሩስ ሕጂ ኣብ ኢየሱስ ይመሃር ኣሎ ከይብልዎ ውዳሴ ከንቱ ስለ ዝደለየ እዩ።

*ፍጻሜኡ ግና ናባና ዝቐንዐ መልእኽቲ ዘለዎ ኮይኑ ልበ ኣምላኽ ዝተሰምየ ቅዱስ ዳዊት "ቅድሚ ወጋሕታ መጺአ ኣእዊ ኣለኹ፥ ከም ቃልካ ኸኣ ብተስፋ እጽበ እኔኹ። ንቓልካ ኸስተንትንሲ ምሉእ ለይቲ ነቒሐ እኃድር። "ዝበሎ መዝ.119፥147-148። ብምሥጢር ንሕና ንህላውነት እግዚአብሔር እነረጋግጸላ፥ መግለጺ ክብሩ ዝኾነት፥ ምስኡ ምስ ክርስቶስ ኣምላኽና እንዘራረበላ፥ ንቅዱስ ቃሉን ህያው ሕጉን እንመሃረላ፥ መኣዲ ጽድቁ፥ ጸጋ በረኸቱ እንሳተፈላ፥ ጸሎትናን ምህልላናን መሥዋእትናን ከኣ ዝዓርገላ፥ እግዚአብሔር ዓይኑን ልቡ ኣብኣ ብምንባር ድማ ዝኃረያን ዝቐደሳን መርገጺ ናይ እግሩ ማኅደር ቤቱ ናብ ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስትያን ኣንጊህና ምኻድ ከም ዝግባእ ዘርኢ እዩ። ናብ ጐይታ መጺኡ ከኣ÷"መምህር! ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝኾነ ሰብ፥ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ክገብሮ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ ንስኻ መምህር ኮይንካ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ ንፈልጥ ኢና። "በሎ። ከም ኣምላኽነቱ ተረዲኡ ኣይኮነን። ነገር ግን ኒቆዲሞስ ንጐይታ ኣብ ዝኾነ ፍሉጥ መምህር ኣይሁዳዊ ኮነ ፈሪሳዊ ከም ዘይተምሃረ ይፈልጥ እዩ። እቲ ዝገብሮ ዝነበረ ተኣምራት ብመለኮታዊ ኃይሊ ትምህርቱውን ጥበብ ዝተመልአ ሰማያዊ እምበር ተራ ከም ዘይኮነ ድማ ኣስተውዒሉ ኣሎ። " ኣይሁድ ምልክት ይልምኑ" ከም ዝተባህለ። 1ይቆሮ1፥22። ኣብ ኣይሁድ ከኣ መንነት ናይ ኣምላኽ ወይውን ናይ ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ንምፍላጥ እቲ ቀንዲ ዝወስድዎ መለክዒ ተኣምራት እምበር ካብዚ ዝሓለፈ መስፈር ኣይነበሮምን። እምነቶም ምስ ተኣምራት ዝተተሓሓዘ እዩ ነይሩ ማለት እዩ። ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ፈሪሳውያን ኮነ ንሳቶም ንጐይታ ብዙኅ ጊዜ ምልክት ከርእዮምን ተኣምራት ክገብረሎምን ከም ዝሓተዎ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግረና። ማቴ.12፥38። ማር.8፥11። ንኒቆዲሞስ’ውን ምንም እኳ ንሱ ንእሽቶ እምነት ገይሩ ይምጻእ እዚ ባህሊ እዚ ፈጺሙ ዝገደፎ ዘይምንባሩ ግን ካብ ቃሉ ምርዳእ ዝከኣል እዩ።

ጐይታ ነቶም ብተኣምራቱ ኣሚኖም ዝስዕብዎ ዝነበሩ፡ ንሱ ግና ውሽጦም ስለ ዝፈለጠ ይኣመኖም ከም ዘይነበረ ድማ ተነጊሩ እዩ። ዮሓ.2፥23-25። ንኒቆዲሞስ እውን "ሰብ ካልኣይ ጊዜ እንተ ዘይተወልደ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ክርእያ ከቶ ከም ዘይክእል ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ።"ኢሉ ደኣ መለሰሉ እምበር ሓቅኻ ኣሎኻ ኣይበሎን። እዚ ቃል ካልኣይ ጊዜ እንተ ዘይተወለድካ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ምርኣይ ከም ዘይከኣል ዘመልክት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፥ ኒቆዲሞስ ካልኣይ እንተ ዘይተወለድካ ብዛዕባይ ትኽክል ዝኾነ ምስክርነት ክትህብ ኣይትኽእልን ኢኻ ወይ’ውን ዳግም ከይተወልደ ብዛዕባይ ቅኑዕ ዝኾነ ሓሳባት ክህልዎ ዝኽእል የልቦን ንምባሉ ዘርኢውን እዩ። ንሃይማኖት መንፈሳዊ ህያብ ረኺብካ፥ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ኣቲኻ፥ ብእምነት ዓይኒ ምርኣይ ምስ እትኽእል ፥ ብብሩህ ልቡናን ኣእምሮን ደኣ እምበር፥ ብኣዕይንቲ ሥጋ ምርኣይ፥ ብእዝኒ ሥጋ ምስማዕን ከም ቶማስ ሓዋርያ ብኢደ ሥጋ ምድኅሳስን ኣኻልን መሠረታዊን ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ከኣ ጐይታ "ሰብ ካልኣይ ጊዜ እንተ ዘይተወልደ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ክርእያ ከቶ ከም ዘይክእል ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ"ዝበሎ ምእንትዚ እዩ።

ካልእ’ውን "ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ክገብሮ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። " ከም ዝበሎ ኣምላኽነቱ ኣሚኑ" መምህር ክትምህር ኢልካ ካብ እግዚአብሔር አብ ኣካል ዘእም ኣካል ባሕርይ ዘእም ባሕርይ ተወሊድካ ከም ዝመጻእካ ንፈልጥ ኢና። ከመይ እግዚአብሔር አብ፥ ኣብ ህልውናኻ ዘሎ ንስኻ እንተ ዘይኮይኑ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብር ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን "ንምባሉ ዘርኢ እዩ። ጐይታ ግና ኒቆዲሞስ እዚ ትህቦ ዘሎኻ ናይ ቃል ምስክርነት ኣኻሊ ኣይኮነን"ሰብ ካልኣይ ጊዜ እንተ ዘይተወልደ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ክርእያ ከቶ ከም ዘይክእል ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ"ኢሉ ዳግም ልደት እተውህብ፥ መንፈሳዊ ዓለም እተርኢ ንምሥጢረ ጥምቀት ጠቐሰሉ። እዚ ከኣ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ከይኣተኻ፥ ምስ መንፈስ ቅዱስ ኅብረት ከይገበርካ ብዛዕባኡን፥ ስለ መንግሥቱን ጽድቁን ምፍላጥን ምርዳእን ከም ዘይከኣል ንምግላጹ ዘመልክት እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ " መንፈስ እግዚአብሔር ዘይብሉ ሰብ ነቲ ካብ መንፈስ ኣምላኽ ዚመጽእ ኣይቅበሎን እዩ፥…ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝኾነ ኸኣ ኪፈልጦ ኣይኽእልን እዩ። መንፈሳዊ ሰብ ግና ንኹሉ ይምርምር፥ እንተኾነ ንሱ ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ። »ኢሉ እዩ። 1ቆሮ2፥14-15። ብምዃኑ ከምቲ ዝተባህለ ኒቆዲሞስ ዝመጸ ብሥጋዊ ህዋሳቱ ስለ ዝነበረ ከኣ፥ሥጋዊ ልደት ዝብሎ ዘሎ መሲልዎ፥ ናይ ሥጋ ልደት ፈሊጡ ናይ መንፈስ ካልኣይ ጊዜ  ልደት ግና ከመይን ብኸመይውን ኣይፍለጠን ኣይተረድአን ነበረ እሞ" ሰብከ ምስ ኣረገ ከመይ ኢሉ ኪውለድ ይኽእል᎒ መሊሱ ናብ ከርሢ እኖኡ ኣትዩስ ኪውለድዶ ይኽእል እዩ᎒" ኢሉ እዩ። ካብዚ ቃል ብኒቆዲሞስ ወገን ዝነበረ ኣመለኻኽታ ኣብ ዝርአን ግዳማውን ኣተኩሮ ዝገበረ ምድራዊ ምንባሩ እምበር ካብዚ ሓሊፉ ኣብ መንፈሳዊ  ዓለም ዝኣተወ ከም ዘይነበረ ምርዳእ ይከኣል። እንተኾነ ጐይታ ናይ ኒቆዲሞስ ነገር ኩሉ ብቕንዕናን ሓቂ ንምፍላጥን ምዃኑ ሰለ ዝፈልጥ፥ ማዕጸኡ ኣይዓጸወሉን፥ እኳ ደኣ ካብቲ ዝነበሮ ኣብ ዝርአን ግዳማውን ምርኩስ ዝገበረ ምድራዊ ኣመለኻኽታ ኣውጺኡ  ናብ መንፈሳዊ ዓለም ንምእታው ሓቁውን ንምንጻር ከምዚ ኢሉ ምሳሌ እናጠቐሰ ገሊጽሉ እዩ።

    « ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፥ሰብ ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተወልደ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል ከቶ የልቦን። እቲ ካብ ሥጋ ዝተወልደ ሥጋ እዩ። እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ። ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም። ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፥ደሃዩ ኸኣ ትሰምዕ፥ ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ፥ እቲ ካብ መንፈስ ዝተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ»።

ምሳሌ ንሓደ ክትብሎ ዝደለኻ ነገር ዝያዳ ንጹርን ርዱእን ንምግባር ዝቐርብ ትምህርቲ እዩ። ጐይታ መብዛሕቲኡ ዝህቦ ትምህርታቱ ብምሳሌ ዝተሰነየ ምንባሩ ዝተፈልጠ ኮይኑ፥ ኣብዚውን ተመሳሳሊ ብምሳሌ ከረድኦ እንከሎ ኢና ንርእይ ዘሎና። ከም እንርእዮን እንሰምዖን ምሳሌ ኮይኑ ቀሪቡ ዘሎ ከኣ ሥጋዊ ልደትን ነፋስን እዩ። ከምዚ ገይሩ ብምሳሌ ምሥጢረ ጥምቀቱ ንምርዳእ ብግዝፊ ንሥጋዊ ልደት ብርቀት ከኣ ንነፋስ ጠቒሱ መረዳእታ ሃቦ። ክልቲኦም ከኣ ኣብ ምድሪ ማለት ምስ ሰብ ካብ ዘለው ዝቐረቡ ምሳሌ ኮይኖም ሰባት ብዝቐለለ መገዲ ብዛዕባ ካልኣይ ልደት ንእተውህብ ጥምቀት ኣፈጻጽማኣን ሥርዓታን ኽፈልጡ  ዘኽእሉ እዮም። እንተኾነ ኒቆዲሞስ ሕጂውን ምሥጢሩ ስለ ዝረቐቖ  "እዚ ደኣ ከመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣል᎒ ኢሉ ሓተቶ። ኢየሱስ ከኣ መሊሱ ከምዚ በሎ «ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፥ እዚ ነገር እዚዶ ኣይትፈልጥን᎒ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፥ እንፈልጦ ንዛረብ፥ ዝረኣናዮውን ንምስክር ኣሎና። ማለት ኣነ ይብለኩም ኣለኹ ዮሓንስ መጥምቅ’ውን ብዛዕባ እዚ  ኣቐዲሙ መስኪሩ እዩ። ማቴ.3፥11። ነዚ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ማለት ነቲ ብማይን መንፈስ ቅዱስን ዝፍጸም ናይ ካልኣይ ልደት ጥምቀት፥ ኩሉኹም ብእትፈልጥዎ ምሳኹም ብዘሎ ናይ ምድሪ ምሳሌ ብሥጋዊ ልደትን ብነፋስን ኣቕሪበልኩም ተረዲእኹም ካብ ዘይትኣምኑስ ናይ ሰማይ ነገር ማለት ነቲ መንፈሳዊ ልደት በቲ ሰማያዊ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ ኸመይ ጌርኩም ክትርድእዎን ክትኣምኑን᎒ ዕዝራ ካልዕ. 4፥1-11በሎ። እዚ ከኣ ብዛዕባ ብማይን ብመንፈስ ቅዱስን ጥምቀት ካብ ኣብራከ ሥላሴ ኣብ ማሕፀን ዮርዳኖስ ንእትውለዶ መንፈሳዊ ካልኣይ ልደት መስፈርቱ ዓቕምኻ ክሳዕ ዝፈቐደልካ ፈሊጥካ ዝተረፈ ብእምነት እተስተውዕሎን እትቕበሎን ምሥጢር ደኣ እምበር፥ ብዘይርአ ዝፍጸም ረቂቕ ብምዃኑ ጠንቂቕካ ምፍላጥ ኮነ ምምርማር ከም ዘይክኣል ንምንጋሩ ዘርኢ እዩ። ከምኡ’ውን «ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፥ እዚ ነገር እዚዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ᎒ ብዝበሎ፥ ኒቆዲሞስ በቲ ዝቐረቡ ምሳሌውን ረቒቑኒ ስለ ዝበለ ንወቐሳ እዩ።« መምህር እስራኤል ኢኻ ።» ኢሉ ከኣ ክብሩ ይገልጸሉ።
          

   ንሥጋዊ ልደት ብምሳሌ ምቕራቡ÷ 
 ነዚ ምሳሌ ዝጠቐሶ" ሰብ ካልኣይ ጊዜ እንተ ዘይተወልደ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ክርእያ ከቶ ከም ዘይክእል ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ"ድኅሪ ምባሉ እዩ።እዚ ከኣ ከምቲ ሓደ ሰብ ሥጋዊ ልደት ቅድሚ ምውላዱ ነዛ ዓለም ኮነ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ክርእይን ክፈልጥን ዘይኽእል፥ ከምኡ ሰብ ብጥምቀት ካልኣይ ጊዜ እንተ ዘይተወልደውን ንመንግሥቲ ኣምላኽ ክርእያ ስለዘይክእል ፥ ናይ መንግሥቲ ኣምላኽ ነገር’ውን  ክርዳእን ክምርምርን ከቶ ከም ዘይክእል ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ።" ንምባሉ ዘርኢ እዩ።

*  ከም መልሲ ኒቆዲሞስን ብኹላትና ከም ዝፈለጥን፥ "ሥጋዊ ልደት " ዝፍጸም ሓደ ጊዜ ጥራይ እዩ። ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ "ሰብከ ምስ ኣረገ ከመይ ኢሉ ኪውለድ ይኽእል᎒ መሊሱ ናብ ከርሢ እኖኡ ኣትዩስ ኪውለድዶ ይኽእል እዩ᎒" ዝበሎ። በዚ ድማ "ምሥጢረ ጥምቀት ሓደ ጊዜ ጥራይ ዝፍጸም ካብቶም ዘይድገሙ ምሥጢራተ ቤተ ክርስትያን ሓደ  ምዃኑ ንምግላጽ እዩ። መንፈሳዊ ልደት ካብ ሥጋዊ ልደት ዝበልጽ ምዃኑ፥ ብሥጋ ተወሊድካ ብጥምቀት ካልኣይ ጊዜ መንፈሳዊ ልደት እንተ ዘይተወለድካ ከንቱ ዘይጠቅም ብምዃኑ፥ ግድን ካልኣይ ምውላድ ከም ዘድሊ ንምርዳእ ከኣ፣ « ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፥ሰብ ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተወልደ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል ከቶ የልቦን። እቲ ካብ ሥጋ ዝተወልደ ሥጋ እዩ፥ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ። ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም። ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፥ ደሃዩ ኸኣ ትሰምዕ፥ ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ካብ መንፈስ ዝተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ። » ኢሉዎ እዩ።

       ናይ ነፋስ ምሳሌ ኣብ ጥምቀት÷
 ጐይታ ንኒቆዲሞስ « ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፥ሰብ ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተወልደ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል ከቶ የልቦን።እቲ ካብ ሥጋ ዝተወልደ ሥጋ እዩ፥ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ። ስለዚ ብጥምቀት ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ ምስ በሎ። ኒቆዲሞስ ንኣፈጻጽምኡ ዝምልከት ረቒቑኒ ስለ ዝበለ፥ ብዝቀለለ ንምርዳእ ነፋስ ጠቒሱ ኣብነት ኣቕረበሉ።እዚ ከኣ÷

 ነፋስ ረቂቕ እዩ፥ ናይ ብማይን መንፈስ ቅዱስን ዝፍጸም ናይ ካልኣይ ጊዜ መንፈሳዊ ልደት ድማ ረቂቕ እዩ። ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፥ ደሃዩ ኸኣ ትሰምዕ፥ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ፥ እቲ ካብ መንፈስ ዝተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ።» ማለት ብማይን ብመንፈስ ቅዱስን (ጥምቀት) እትረኽቦ ናይ ካልኣይ ልደት ጸጋ ድማ ከምኡ ምሥጢር ከተርጉም፥ ትንቢት ከዛርብ፥ ተኣምራት ከፈጽም፥ ቋንቋታት ከዛርብ …ደኣ ትሰምዖ እምበር ከመይ ኢሉ ከም ዝፍጸም ኣይትፈልጦን ኣይምርመርን ረቂቕ እዩ።" ንምባሉ ዘርኢ እዩ።

  ቀጺሉ ከኣ ብዛዕባ ካልኣይ ልደት እተውህብ ምሥጢረ ጥምቀት ክነግሮ ምስ ጸንሐ ምስኡ ኣተሓሒዙ፥ « ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፥ ወዲ ሰብ፥ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ሓደ እኳ የልቦን። » ምባሉኸ ንምንታይ እዩ እንተበሉ፥ ኣብዚ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ዝተባለ፥ " ኣካላዊ ቃል እዩ "፥ ነቲ ኣካላዊ ቃል ካብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ ምባሉ ከኣ፥እቲ ዝለበሶ ባሕርየ ሥጋ ምስ ባሕርየ መለኮቱ  ምስ ኣካላዊ ቃል ብተዋህዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ምዃኑ ዘመልክት ስለ ዝኾነ። ዮሓ.6፥62። ካብ ዝቐደመ ዝርርቦም ተላዒሉ ምንም እኳ ሰባት ብዓይኒ ሥጋ ተመልኪቶም ተራ ሰብ እንተ ቖጸርዎ፥ ገለውን ከም ነብያት ሓደ ብእግዚአብሔር ዝተላእከ ልኡኽ እንተገበርዎ ሎቱ ስብሐት ንሱ ግን ሰማያዊ ኣምላኽ፥ ናይ ነብያት ፈጣሪ፥ ገላጺ ምሥጢር፥ መዝገብ ኩሉ ፍልጠትን ጥበብን ምዃኑ ርእሱ ንምግላጽ። ቆላ.2፥3። ከምኡውን ኒቆዲሞስ ክመሃር ብለይቲ ናብኡ  ክመጽእ እንከሎ ምሉእ እምነት ሒዙ ስለ ዘይነበረ፥ ምልኣት እምነት ምእንቲ ክረክብ፥ እምነቱውን ምእንቲ ክጸንዓሉ ፍጹም ባሕርየ ኣምላኽነቱ ንምርዳእ እዩ።

ገና ኣብዚ ምድሪ እናሃለወ « ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፥ ወዲ ሰብ፥ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ሓደ እኳ የልቦን። »
ምባሉኸ እንተተባህለ ፥ "መለኮትነቱ ምስ ትሥብእቱ ብተዋህዶ ሓደ ምዃኑ ወይውን ሓደ ምግባሩ ዘርኢ እዩ"። ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ንዓና ንምድኃን ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ወሪዱ ክበሃል እንከሎ  ንፍጹም ትሕትናኡን ሰብ ናይ ምዃኑ ነገርን ማለት ሥጋ ናይ ምልባሱ ነገር ምዝራብና እምበር ብመለኮቱ ወሲና ኣብ ሰማይ ዘሎ ዝፋኑ ገዲፉ ናብዛ ዓለም መጺኡ ምባልና ኣይኮነን። እሱ ሙሉእ ብኩሎሄ እዩ። ኣብ ኩሉ ዝርከብ እዩ።

ከመይሲ ባሕርዩ ኮነ ህላውነቱ ስለ ዘይልወጥ።ንሱ ኣብ ኩሉ ምሉእ እዩ። ጐይታ ንሥጋና ተዋሃሂዱ ንምድኃና ኣብዛ ዓለም ምግላጹ ካብ ዙፋኑን ልዕልና ክብሩን ከይጎደለ እዩ፥ ሰብ  ብምዃኑውን በዚ ምድሪ ከይወሰኸ እዩ። ዓረገ ክንብል ከሎና ድማ ንመለኮት ናይ ምዕራግን ካብ ናብ ዝብል ባሕርይን ሃልይዎ ዘይኮነስ፥ንትሥብእቱ ዘመልክት ማለት እቲ ዝለበሶ ሥጋ ሒዝዎ ከም ዝዓረገ ብተዋህዶ ናይ ኣምላኽነት ባሕርይ ወሲዱ ብልዕልና ኣብ ዙፋን ኪሩቤል ምቕማጡ እምበር ከም  ናይ ተራ ሰብ (ዕሩቅ ብእሲ) ሥጋ ሥጋኡ ኣብዛ ምድሪ ፈሪሱ በስቢሱ ዘይምትራፉ ንምርዳእ እዩ። መዝ.16፥8-11,ግ.ሓዋ.2፥25-36።
  ሓደ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ክንፈልጦ ዝግብኣና ነገር ኣሎ÷ ናይ ሥጋ ግዝፊ ዓይኒ ብዝርእዮ ክርስቶስ ዝዓረገ ካብ ትንሣኤኡ ድኅሪ 40 መዓልቲ ደኣ ይኹን እምበር፣ ግ.ሓዋ.1፥9። ዕርገቱ ግን ኣብ ማኅጸን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እንከሎ እዩ ተፈጺሙ። ንሱ ከኣ እቲ ብርሃናዊ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣምላኻ ከም እትወልድ ምስ ኣበሠራ ንሳ ድማ ንመልእኽቱ ተቐቢላ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነኒ ብዝበለቶ ግዜ ከም ቋሕ ሰምታ ናይ ዓይኒ ቀልጢፉ ወይውን ብቕጽበት። ይኹነኒ ምስ በለት ሽዑ ከም ቋሕ ሰምታ ናይ ዓይኒ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋህዶ ሰብ ኮነ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ከኣ እቲ ዝለበሶ ሥጋ ናይ ኣምላኽነት ባሕርይን ክብርን ገንዘቡ ጌሩ ኣብ ዙፋን ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐሚጡ ምስ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ንኣምላኽነት ዝግባእ ክብርን ምስጋናን ብሓደ ቋንቋ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር  ጐይታ ሠራዊት ህላውነትካ ክብርኻ ሰማይን ምድርን ዝመልአ እዩ እናተባህለ ተመስገነ። በዚ ከኣ እቲ ኣቐዲሙ " እንሆ ኣዳም ከም ሓደ ከማና፥ ጽቡቕን ክፉእን ዚፈልጥ ኮነ።"ተባሂሉ ዝተነግረ ቃልተፈጸመ። ዘፍ.3፥22። ስለዚ ጐይታ « ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፥ወዲ ሰብ፥ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ሓደ እኳ የልቦን። »ዝበሎ ነዚ ምሥጢርን ካልእ ዘሎ ዝተረፈ ብዙኅን ንምግላጽ እዩ።

ካልእ « ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፥ ወዲ ሰብ፥ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ሓደ እኳ የልቦን። » ማለት ክርስቶስ ንሱ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረዳ ሰማያዊ ኣምላኽ እንተ ዘይኮይኑ፥ ብጀካኡ ሰማያዊ ሃብትን ሰማያዊ ፍልጠትን ባሕርየ ገንዘቡ ዝገበረን ዝኾነን ሓደ እኳ የልቦን ንምባሉ ዘርኢ እዩ።

    ኒቆዲሞስ መን እዩ᎒ ካብኡስ እንታይ ንመሃር᎒

  * ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ ኒቀዲሞስ ሓለቓነት ምስ መምህርነት፥መምህርነት ከኣ ምስ ሓለቓነት ጠርኒፉ ዝሓዘ ፈሪሳዊ ምሁር እዩ። ዮሓ. 3-1። ጐይታ’ውን ንሱ መን ምዃኑ፥ " ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ። " ክብል ገሊጽዎ ኣሎ። ዮሓ.3፥10። እዚ ከኣ ኒቆዲሞስ መምህር ኣይሁድ ጥራይ ዘይኮነ መምህር እስራኤልውን ምንባሩ ዘርኢ እዩ። ኒቆዲሞስ ምንም እኳ ንሱ ካብ ወገን'ቶም ግብሪ ኣብርሃም ከይሃለዎም ንሕና ደቂ ኣብርሃም ኢና፥ ብጽድቅን ኣፍልጦንውን መን ከማና፥ ዝመስለና የልቦን ኢሎም ዝምክሑ፥ ዘፈር ክዳውንቶም ኣንዊሖም ከኣ ኣብ እኩብ ሕዝብን ዕዳጋታትን እናዞሩ ክርኣዩ እሞ መምህር ክበሃሉ ዝደልዩ፥ኣብ ልዕሊዚ ንርእሶም ዘይፍጽምዎ ሕጊ ንሕዝቢ ግዲ ብማለት ጾር ዘኽብዱ ፈሪሳውያን  ይኹን እምበር፥
ኣብዚ ከም እንርእዮ ግን ርእሱ ፈልዩ ድኅነት ደልዩ፥
ሕይወት ንምርካብ፥ ብለይቲ ናብ መድኅን ክርስቶስ መጺኡ እዩ። ኣቐዲሙ ድኅነትን ሓቀኛ ኣምልኾን ደልዩ ልቡናኡ ዘቕንዐ ኣቦ ብዙኃን ንኣብርሃም ዝተረኽበሉ፥ሓቀኛ ህላዌኡን ባህሪኡንውን ዝገለጸሉ ኣምላከ ኣብርሃም ቅዱስ እግዚአብሔር ፣ ንኒቆዲሞስውን ንሱ  ብሥልጣነይ ሓለቓ፥ ብትምህርተይ ልዑል፥ ብትሕዝቶይ ሃብታም፥ ከምቶም ካልኦት ወገናቱ ከኣ ብግብረይ ጻድቕ እየ ከይበለ ድኅነትን ሓቀኛ ፍልጠትን ደልዩ ብልብን ፍጹም ትሕትናን ናብኡ ምስ መጸ ምስጢሩ ገሊጽሉ። እቲ ሓቀኛ መንነቱ ምእንቲ ክፈልጥ ከኣ ባህርየ ኣምላኽነቱ ብዘየጋጊ መገዲ ኣረዲኡን ኣብሪሁን ነጊርዎ እዩ። እዚ ኹሉ ከኣ ብቕንዕና ድኅነት ነፍሲ ንዝደልዩ ጽቡቕ ኣብነት እዩ፥ ንድልየቶም ቅልጡፍ መልሲ ከም ዝወሃቦም፥ ማዕጾ ክርስቶስንውን ኩሉ ጊዜ ንኹሉ ክፉት፥ ናብኡ ንዝመጸ ንምቕባል ናይ ምሕረት ኣእዳው ድማ ዝተዘርግሐ ምዃኑ ዓቢይ መረዳእታ ይህብ። ኣብ ልዕሊ እዚ ንኹሉ ብፍላይ ግና ሎሚ ኣብ  ዘመናውን ከይተረፈ ድኅነት ኮነ ፍልጠት ይምልከተና እዩ ብዘይምባል ማለት ይምልከተኒ እዩ ማለት ሓዲጎም ካብ ድኅነትን ፍልጠት ሓቅን  ርሒቖም ዝነብሩ፥ ንርእሶም ዘዕብዩ፥ ከም ሰብኣ ሰናኦር ናይ ባቢሎን ናይ ርእሶም ግምቢ ክሃንጹ ስምና ነጸውዕ ዝብሉ ይበዝሕሉ ኣብ ዘለውሉ እዋን፣ ዘፍ.11፥4። ኒቆዲሞስ ንሱ መምህር ሓለቓ እና እናሃለወ ንርእሱ ተማሃራይ ቆጺሩ ክመሃር ኢሉ ምምጽኡ፥ ኣብ ሙሉእ እስራኤል መምህር እናተባህለ ዝጽዋዕ መምህር እናበለ ናቱ ኢኣፍልጦ ንናይ ጐይታ ግን ባሕርየ መዝገብ ፍልጠቱ እናመስከረ ትሕትና ተላቢሱ ምምጽኡ ዓቢይ መርኣያን ናይ ግብሪ መምህርን እዩ።

ኒቆዲሞስ ድኅነትን ፍልጠት ሓቅን ደልዩ፥ ዝጎደሎ ክመልእ ብልቢ ናብቲ መዝገብ ኩሉ ዝኾነ ጐይታ ደኣ መጸ እምበር ፍልጡቱ ኮነ ሹሞቱ ኣየታለሎን።

በዚ ኹሉ ከኣ ብመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክምስገን በቒዑ እዩ። እቲ ቅኑዕ ዝኾነ ባሕርየ መንነቱን መሠረታዊ ዓበይቲ ዝኾኑ ናይ ድኅነት ምሥጢራቱን እውን ገሊጽሉ እዩ። ስለዚ ካብዚ ጸጋ እዚ ከይንተርፍ፥ ናይ ምድኃና ነገርውን ከንቱ ምእንቲ ከይከውንንሲ እዞም ሎሚ ፍልጠት እዛ ዓለም ኣዚኣ ኮነ ሹመታ ብሓፈሻ ብዝተፈላለየ ዝና ስም ዘሎና ነገረ እግዚአብሔር ረሲዒና፣ ካብ እግዚኣብሔርን ቃሉን ንምርሓቕ ፈጺሙ ዝምልከተናውን ዘይመስለና ዘሎና ሰባት ሕይወት ንምርካብ ናይ ኒቆዲሞስ ኣሰር ፍኖት ክንከትል ይግባእ። ንሱ ይኹን ኣብነትና። ከመይ ኒቆዲሞስ ኣቐዲሙ ዝነበረ ብቕዓቱ ኣኻሊ እንተዝኸውን ናብ ጐይታ ክመጽእ ኣይመድለዮን።
ንሕና ሎሚ ኣብዚ ዘመን ዘሎና ሰባት ልዕሊኡ ዝኾነ ክብሪ ካብኡ ዝሓለፈውን ኣፍልጦ ከም ዘይብልና ድማ ዝተፈልጠ እዩ። ኒቆዲሞስ ብዘመኑ ሃብታምውን እዩ ኔሩ፥ ሃብቱ ግን ኣየታለሎን። እኳ ደኣ ስለ ኒቆዲሞስ መጽሓፍ ታሪኽ ናይ ኣይሁድ ከም ዘመልክቶ እዚ ሰብ ኣዝዩ ሃብታም ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ንብዙኃት ኣብ ኢዮርሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ ጽጉማትን ድኻታትን ንብዙኅ ዓመታት ይረድእ ምንባሩ እዩ። ምኽንያቱ ኒቆዲሞስ ልበ ኣምላኽ ዝተሰምየ ቅዱስ ዳዊት ነቶም ኣብ ሃብቶምን ክብረቶምን ዚእመኑ ሰባት ኣመልኪቱ ዝተዛረቦ ÷

«እቲ ንጋር ነፍሲ ዝኽፈል ዋጋ ሓዝዩ ብዙኅ እዩ፥ዝኸፈልካ እንተ ኸፈልካ እኹል ኣይኮነን። ንሓዋሩ ኺነብር፥ከይመውት እሞ ናብ መቓብር ከይወርድ ኢሉ ኺኸፍል እንተ ዝፍትን ከፊሉ ኣምኸኣሎን። ለባማት፥ ከምኡውን ዕያሹን ደናቑርን ከም ዚሞቱ ኹሉ ሰብ ዝፈልጦ እዩ፥ ኩላቶም ገንዘቦም ንኻልኦት ኃዲጎምሎም እዮም ዚኃልፉ።……ንሰብ ሃብቱ ካብ ሞት ኣየድኅኖን እዩ፥ ከም እንስሳ ክመውት እዩ።…»ዝበሎ ቃል ይፈልጥ እዩ። መዝ.49፥1-ፍጻሜ። በዚ ሕይወቱ እንተ ዘይድኃነ ፍልጠቱ ሹመቱ፥ ሃብቱን ኩሉ ክብረት ናይዛ ዓለምን ክሳዕ መቓብር ምዃኑ ድማ ኣስተውዒሉ ኣሎ። ስለዝኾነ እዩ ከኣ ፈላጥ፥

ክቡር፥ ሃብታም እየ ከይበለ ናብ ጐይታ መጺኡ ክመሃር ዝመረጸ። «ማርያምሲ ካብኣ ዘይውሰድ ሠናይ ግደ ኃርያ ኣላ»ከም ዝተባህለ፥ ሉቃ.10፥42። ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ህያው ቃሉ ከም ንምስማዕ ከም ዘሐጉሶ ኩሉ ፣ ዝያዳ ከኣ ሰሚዕና ኣብ ተግባር ክንትግብሮ ከለና ዝያዳ የሐጎሶ።

ኒቆዲሞስ ናብ ጐይታ መጺኡ ክመሃር ዝመረጸ መምህርን ሓለቓን ይኹን ንሱ ናይ ኦሪት ምሁር እምበር ናይ ወንጌል ምሁር ዘይምዃኑ ናይ እስራኤል ዘሥጋ መምህር እምበር ናይ እስራኤል ዘነፍስ መምህር ከም ዘይኮነ ነዚን ካልእን ብዙኅ ጎደልኡ ስለ ዝተረድአውን እዩ። ክብረቱውን ክብሪ ኦሪት እምበር ክብሪ ወንጌል ኣይነበረን። ፈላጥ እየ ዝብል እንተ ዘይኮኑ ሎሚ መን እዩ ብናይ ኒቆዲሞስ ቋንቋ ጎደሎ ኣሎኒ ኢሉ ጎደልኡ ንንምላእ ናብ ክርስቶስ ናብ ቅድስቲ ቤቱ ክመጽእ ፍቓደኛ ዝኾነ᎒ ጎዶሎኻ ዘይምፍላጥ ንብዙሓት ንሓደጋ ዘቃልዐ እዩ። ኣብዚ ካብ ኒቆዲሞስ እንመሃሮ ትምህርቲ እቲ ኣሎኒ እንብሎ እኳ ከም ዘይብልና ብዙኅ ክንመልኦ ዘሎና ጎደሎ ዘሎ ምዃኑ እዩ። ክርስትናውን ከይተመሃርካ ተማሂረ እትብለሉ ሕይወት ዘይኮነ ፈሊጥካ ከም ዘይፈለጥካ ንእትዓቢ ጸጋ ክትፈልጥ ምድላይ፥ ተማሂርካ’ውን ከምኡ ንእትዓቢ ጸጋ ከም ተመሃራይ ክመሃር ፍቓደኛ ዝኾነ ልቡና ምውናን እዩ። ኢሳ.50፥። ከመይሲ ብዙኅ ዝጎደለ ክትመልኦ ዝግብኣካ ነገር ስለ ዘሎ።

ኒቆዲሞስ ናይ ሕጊ ኦሪት ምሁር ዝነበረ ሰብ  እዩ።

2 ክፋል ይቅጽል ……………………………….

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ከም ቃሉ ነዚ ንምፍጻም የብቅዓና ኣሜን። ጾምና ይባርኸልና።

እግዚአብሔር ኣምላክ በረከቱን ረዴአቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

ይትባረክ አምላከ አበዊነ።

                                                                       ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                       ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                       ወለመስቀሉ ክቡር።

                                          ዲን.ዓምደማርያም

Comments are closed.