ዕለተ ሠሉስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን፥

ዕለተ ሠሉስ ናይ ሕቶ መዓልቲ ብምባል ትፍለጥን ትዝከርን። እዚ ከኣ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ሕዝብን ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዘሓተትዎ ዘመልክት እዩ። ንሱ ድማ ክርስቶስ ኣቐዲሙ ነቶም ንቤተ መቕደሱ ቤተ ጸሎት፣ ቤተ መሥዋዕት ምዃኑ ዘንጊዖም ብድፍረት ናይ ንግድን ቤተ መሸጣ ጓሓሉን ጌሮምዋ ዝጸንሕዎ ካብ ገመድ ጭጉራፍ ተቲዑ ብምግሳጽ ምስ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ መቕደሱ ዝገብርዎን ሒዞምዎን ዝነበሩ ዘይግባእ ነገራት ኩሉ ካብኡ ኣውጺኡ ሰጊጉዎምን  ኣርሒቕዎን ነበረ እሞ፥ ድኃር ከም ብሓዱሽ ናብ ኢዮሩሳሌም ተመሊሱ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ እናመሃረ ከሎ፥እቶም ሊቃነ ካህናትን መማህራን ሕግን ሽማግለታት ሕዝብን መጺኦም

"  በየናይ ሥልጣን እዚ ነገራት እዚ ትገብር ኣሎኻ᎒ ወይ ከኣ ነዚ ነገራት እዚ ንምግባር ሥልጣን ዝሃበካ መን እዩ᎒" ኢሎም ዝሓተትዎ እዩ።  ማር.11፥27-33።

ማቴ.21፥23-27። ሉቃ,20፥1-8። እዚ ከኣ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ ካብ ምድራውያን ነገሥታት ኣይኮነን ናይ ሌዋውያን ክህነትውን የብሉን፥ እሞ ነዚ ኩሉ ነገራት ክገብር ሥልጣን ዝሃቦ ደኣ መን እዩ᎒ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ እዩ። ክርስቶስ ብዙኅ ጊዜ ብዝተፈላለየ ንዕኦም ብዝርድኦም መገዲ እቲ ትኽክለኛ ዝኾነ መንነቱ፥ ሥልጣኑ ካበይ ምዃኑ ገሊጽሎምን ነጊርዎምን እዩ።ይኹን እምበር ንሳቶም ግን ክቕበልዎን ኣሚኖም ክስዕብዎን ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ስለ ዝኾነ ከኣ ከምዚ ኣብ ሕይወቶም ዘይትርጎም ሕቶታት የቕርቡ ነበሩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ውሽጦም ስለ ዝፈለጠ ንሕቶኦም ብሕቶ መሊሱ፣ " ኣነውን ሓንቲ ነገር ክሓተኩም መልሱለይ፥ ኣነ ኸኣ በየናይ ሥልጣን ነዚ ነገራት እዚ ከም ዝገብር ክነግረኩም እየ። ጥምቀት ናይቲ ኣቐዲሙ ክብረይ ዝገለጸ፥ ባሕርየ ኣምላኽነተይ ዝመስከረ፥ መንነተን ንምፍላጥ ኩሉ ድማ መንገዲ ዝኾነ ዮሓንስ ካብ ሰማይ ድዩ ነይሩ ወይ ካብ ሰብ᎒ መልሱለይ በሎም። ንሳቶም ከኣ ንሓድሕዶም።" ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፥ ከመይ ደኣ ዘይኣመንክምዎ ክብለና እዩ፥

ካብ ሰብዶ ክንብሎ᎒ እናበሉ ተኻትዑ። እንተኾነ ኹሎም ንዮሓንስ ብሓቂ ከም ዓቢይ ነቢይ ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ ነቲ ሕዝቢ ፈርሁ። ስለዚ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ኣይንፈልጥን " ኢሎም በለስሉ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣይፈልጥን ኣይበለን ግን" ኣነውን በየናይ ሥልጣን ነዚ ኸም ዝገብር ኣይነግረኩምን እየ። "በሎም።

ከምዚ ዝበሎም ከኣ ውሽጦም ስለ ዝፈለጠን እቲ ዘቕረበሎም ሕቶ ድማ ከም መልሲ ኮይኑውን ስለ ዝርአን እዩ። እቲ ናባና ዝቐንዐ መልእኽቱ ከኣ፥ ከምቲ ልበ ኣምላኽ ዝተሰምየ ቅዱስ ዳዊት ምኽሪ ክፉኣት ዘይሰምዕ፥ ብመንገዲ ኃጥኣን ከኣ ዘይከይድ፥ ኣብ ኣኼባ መላገጽቲ ድማ ዘይጽምበር፥ እኳ ደኣ ንሕጊ እግዚአብሔር ብምእዛዝ ዚሕጎስ፥ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን ዘስተንትኖ ሰብ ብፁዕ እዩ።"ዝበሎ መዝ.1፥1-2። ካብ ናይዞም ሊቃነ ካህናትን መማህራን ሕግን ሽማግለታት ሕዝብን ከንቱነትን ካብ ትርጉም ኣልቦ ዝኾነ ሕይወት ዘይህብ ነገራትን ምርሓቕ ከም ዝግባና እዩ።

ካልእ በዛ ዕለት ኣብ ቤተ መቅደስ ኣትዩ ነዊኅን ስፍሕ ዝበለ ትምህርትን ዝመሃረላ መዓልቲ ስለ ዝኾነት ናይ ትምህርቲ ዕለተ ተባሂላ’ውን ትጽዋዕ እያ። መልእኽታ ከኣ ካብ ሃይማኖትን ካብ ፍቕሪ እግዚአብሔር ንዝረሓቑን ዝተፈልዩን ኣስተምህሮ ሂብካ ክቐርቡ ምግባር፥ ነቶም ብሃይማኖት ዘለው ድማ ብምግባር ደሚቖም ኣብ እምነቶም ክጸንዑ ከም ዘለዎ ምምካር ከም ዝግባእ  እዩ፡፡

ዕለተ ረቡዕ፡- ……ይቕጽል……

እንበለ ደዌ ወሕማም እንበለ ጻዕር ወድካም አመ ከመ ዮም ያብጽሓነ ያብጽሕክሙ እግዚአብሔር በሰላም።

እግዚአብሔር ኣምላክ በረከቱን ረዴአቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

                                                                       ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                       ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                       ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን.ዓምደማርያም

Comments are closed.