ደብረ ዘይት 4ይ ክፋል መቐጸልታ

ዳግም (ካልኣይ) ምጽኣት ናይ ክርስቶስ ÷
   
  ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተመሊሱ ዳግም ከም ዝመጽእ ዘረድእ ጽሑፋት ኣብ ብዙኅ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ ተነጊሩ እዩ። ንምሳሌ"ሎቱ ስብሐት" ነዚ ኣመልኪቱ ባዕሉ ክዛረብ እንከሎ «ልብኹም ኣይሸበር፥ ብኣምላኽ እመኑ ብኣይ’ውን እመኑ ማለት ብናይ ባህሪይ ኣቦይ ብእግዚአብሔር አብ ፥ ብናይ ባህሪይ ሕይወተይ ብእግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ እመኑ፥ ፍጹም ኣምላኽ ንዓኻትኩም ከድኅን ፍጹም ሰብ ብዝኾንኩ ብእግዚአብሔር ወልድ ብኣይ’ውን ደኣ እመኑ እምበር ብዓይኒ ሥጋ ኣይንርእዮን ካባና ተፈልዩ ኢልኩ ኣይትሸበሩ። ኣብ ቤት ኣቦይ (ኣብ መስግሥተ ሰማያት) ብዙኅ መኃድር ኣሎ፥ መኃድር እንተ ዘይህሉ ግና ምነገርኩኹም ነይረ፥ ሕጂ ግና ሥፍራ ከዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ፥ ከይደ ሥፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ክትህልው፥ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ምሳይ ክወስደኩም እየ። »ይብል። ዮሓ.14፥1-3። ቅዱሳን መላእክትውን " ኣቱም ሰብ ገሊላ፥ ስለምንታይ ኢኹም ናብ ሰማይ ኣማዕዲኹ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘለኹም᎒ እዚ ካባኻትኩም ናብ ሰማይ ዚዓረገ ኢየሱስ፥ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ ከሎ(ብክበበ ትሥብእቱ) ዝረኣኽምዎ፥ ከምኡ ገይሩ ኸኣ (ብክበበ ትሥብእቱ ኩሉ እናረኣዮ) ኺመጽእ እዩ» ክብሉ ኣብ ግዜ ዕርገቱ ምስክርነት ሂቦምሉ እዮም። ግ.ሓዋ.1፥11። ድኅሪዚ ከኣ ካብ ሓዋርያት ጀሚሩ ብሰፊሑ ተነጊሩን ይንገርን ኣሎ። አረ እቶም ብጥንቲ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያን ኣብ ትንሣኤኡን ዕርገቱን ዳግም ምጽኣቱን ዝነበሮም ጽኑዕ እምነት ንምግላጽ ከምኡውን ዳግም ምጽኣት ናይ ክርስቶስ፥ ናይ ቤተ ክርስትያን ተስፋ ስለ ዝኾነ፥ ሰላምታ ክለዋወጡ እንከለው «ማራናታ» ይብሉ ከም ዝነበሩ ይንገር። «ማራናታ» ማለት "ክርስቶስ ተንሢኡ፥ ዓሪጉ እዩ፥ ዳግምውን ክመጽእ እዩ"ዝብል ትርጉም እዩ ዘለዎ።ካልእ ማራናታ÷  "ኦ ጎይታ! ንዓ" ማለት እዩ። 1ቆሮ.16፥22። ተመልከት። እዚ ከኣ ቅዱስ ዮሓንስ÷ "ኣሜን ኢየሱስ ንዓ" ምስ ዝበሎ ሓደ መልእኽቲ ዘለዎ እዩ። ራእ.22፥20። እዚ ኩሉ ከኣ ኣብ ዳግም ምጽኣት ናይ ክርስቶስ ንዘሎና ጽኑዕ እምነትን ተስፋን የርኢ። ኣብ ናይ ዘውትርን ናይ ሃማኖትን ዘሎ ጸሎትናውን "ምእንታና ምእንቲ ሰብ፥ ምእንቲ ምድኃንና ካብ ሰማያት ዝወረደ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለበሰ፥ ሰብ ኮነ። ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመን ጴንጤናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተስቕለ፥ መከራ መስቀል ተቐበለ፥ ሞተ፥ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምዉታት ተፈልዩ ተንሥአ። ብኽብሪ ናብ ሰማይ ዓረገ። ኣብ የማን ኣብኡ ተቐመጠ። ከም ብሓድሽ ንሕያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ብኽብሪ ክመጽእ እዩ። ንመንግሥቱ’ውን መወዳእታ የብሉን" ዝብል ጽኑዕ ናይ እምነትን ተስፋን ምስክርነት እዩ።" ተመሊሰ ክመጽእ እየ፥ ዳግም (ካልኣይ) ምጽኣት ወይ’ውን ከም ብሓዱሽ ክመጽእ እዩ" ዝብሉ ቃላት ቀዳማይ ምጽኣት ከም ዝነበረ የመልክቱ። ቀዳማይ ምጽኣት ናይ ክርስቶስ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብሰፊሑ ተገሊጹ ከም ዘሎ፥ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ናይ ሃይማኖት ጸሎት’ውን ንርእዮ ከም ዘለና፥ ክርስቶስ ብኣምላኻዊ ጥበቡ ብግብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብታ ዘርኢ ኣዳምን ወገን ዳዊትን ዝኾነት ሰብ ዝኾኖ፥ ሰብ ኮይኑ’ውን ንምድኃና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝተገልጾ እዩ። ሕጽር ዝበለ ቀዳማይ ምጽኣት ክርስቶስ፥ ዓለም ንምድኃን ሰብ ዝኾኖ፥ ሰብ ኮይኑ’ውን ኣብዛ ዓለም ዝገልጾ እዩ። ኣብ ካልኣይ ምጽኣቱ ግን ከምኡ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ዓለምን ኣብኣ ዘሎ ዘበለ ኹሉን ከምቲ ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው ኣምጺኡ ዝፈጠሮ ከምኡ " እስመ አልቦ ነገር ዘይሰአኖ" ንሱ ካብ ምህላው ከኣ ናብ ዘይምህላው ወሲዱ ንምሕላፍ፥ ንሕያዋንን ምዉታንን ንምፍራድ፥ ከምቲ ጓሳ ኣባጊዕ ካብ ኣጣል፥ ነፋስ ከኣ ብቕቡቕ (ገለባ) ካብ እኽሉ ዚፈላሊ፥ ከምኡ ክርስቶስ’ውን ከም ግብሮም በብወገኖም ጻድቃን ካብ ኃጥኣን፥ ኃጥኣን ካብ ጻድቃን ፈልዩ ፍርዱ ክህብ፥ ነቶም ጻድቃን ብየማኑ ማለት ኣብ ናይ ክብሪ ቦታ ከቑዉም፥ ነቶም ኅጥኣን ድማ ኣብ ጸጋሙ ማለት ኣብ ናይ ሓሳር ቦታ ከቑዉም፥ ኣብ መወዳእታ’ውን ነቶም ሠናይ ዝገበሩ ጻድቃን "ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፣ ኢሉ ድኅሪ ምምጓስ፥ እንሆ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተዳለወልኩ ሥፍራ መንግሥተ ሰማያት ንዑ ውረሱ ክብል። ነቶም ኣብ ጸጋሙ ዘሎው ብኃጢኣት ዝነብሩ ዝነበሩ ሠናይ ዘይሰርሑ ወይውን ጽድቂ ዘይብሎም ኃጥኣን ሰባት ከኣ "ይሰውረና" ኣቱም ርጉማት" ኢሉ ወቒሱ፥ ኣብ መወዳእታ’ውን ካባይ ርሓቑ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ ናይ ዘለዓለም ሓዊ (ገሃነመ እሳት) ኺዱ"ኢሉ ንምፍራድ እዩ። ማቴ.25፥31-46። ነዚ ኣመልኪቲ ቅዱስ ዮሓንስ ከምዚ ይብል÷ እቲ መልኣኽ… "እቲ ገፋዒ ይግፋዕ፥ እቲ ርኹስ ይርከስ፥ እቲ ጻድቕ ጽድቂ ይግበር፥ እቲ ቕዱስ ይቀደስ" በለኒ። ኢየሱስ ከኣ "እንሆ ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ፥ ንነፍስ ወከፍ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ዓስቢ ምሳይ ኣሎ። ኣልፋን ኦሜጋን፥ ቀዳማይን ዳኅራይን፥ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ።"» ይብል ኣሎ። ራእ.22፥10-13። ኣብዚ እቲ መልኣኽ "እቲ ገፋዒ ይግፋዕ፥ እቲ ርኹስ ይርከስ፥ እቲ ጻድቕ ጽድቂ ይግበር፥ እቲ ቕዱስ ይቀደስ" በለኒ ኢልዎ ዘሎ " እንተ ደኣ ደሊኻ ንትእዛዛት እግዚአብሔር ክትሕልዎ ትኽእል ኢኻ፥ ናጻ ስለ ዝኾንካ ኸኣ እሙን ኮይንካ ንኽትነብር ክትውስን ትኽእል ኢኻ። ንሱ ሓውን ማይን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢሩ ኣሎ፥ ኢድካ ስደድ እሞ ኣብቲ ዝደለኻዮ እለኽ (ኣእቱ)። ኣብ ቅድሚ ሰብ፥ ሕይወትን ሞትን ቀሪበን ኣለዋ፥ እቲ ዝመረጾ ኸኣ ክወሃቦ እዩ። ከመይ ጥበብ እግዚአብሔር ዓቢይ እዩ። " ከም ዝተብህለ ሲራ.15፥15-18። ንሰባት ዝተዋህበ ነጻ ፍቓድ ዘመልክት እዩ። ከምኡውን ኣብ ዘዳ,30፥11-20። ዘሎ ንመልከት።

ካልእ ክርስቶስ ኣብቲ ቀዳማይ ምጽኣቱ፥እቲ ሕያውን ቅዱስን ዝኾነ ቃሉ÷ «ክርስቶስ ብባህርዩ ኣምላኽ እኳ እንተ ኾነ፥ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት ኣይገድፍን ኢሉ ኣይተኸራኸረን። እንተኾነ ሰብ ብምዃን፥ መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፥ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ (ትሑት) ገበረ። ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳዕ ሞት፥ አረ እኳ ደኣ ክሳዕ ኣብ መስቀል ሙማት ተኣዘዘ» ከም ዝብል። ፊሊ2፥6-8፥"ሎቱ ስብሐት" ባዕሉ’ውን÷ " ከመይ ወዲ ሰብ እውን እንተኾነ ከገልግልን ንሕይወቱ ምእንቲ ብዙኃት በጃ ኪህብን ደኣ እምበር ከገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን።» ከም ዝበሎ። ማቴ.20፥28።"ብፍጹም ትሕትና ምእንታናን ስሌናን ርእሱ ኣዋሪዱ ድኻ መሲሉ እምበር ከምቲ ንኣምላኽነቱ ዝግባእ ክብርን ልዕልናን ዝገልጽ ኮይኑ ኣይመጸን። ድኃር ኣብ ዳግም ምጽኣቱ ግን ብመለኮታዊ ክብሩ ምስ እልፍ ኣእላፋት ቅዱሳኑ ብዘፍርሕ ግርማ እዩ ዝመጽእ። ቅዱስ ወንጌላዊ ማቴዎስ ከም ዝበሎ ኣብ ምጽኣቱ ካብ መለኮታዊ ክብሩን ግርማኡን ዝተላዕለ ኃይልታት ሰማይን ፍጥረት ዘበለ ኩሉን ክርዕዱን ክናወጹን እዮም። ጸሓይ ኮነ ወርኂውን ብርሃነን ኣይክህባን እየን። ማቴ.24፥29-30።
  ኣብቲ ቀዳምይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ ትንክፍ ኣቢልናዮ ከም ዝነበርና፥ ናይ ክርስቶስ ምጽኣት፥ ከምቲ'ቶም ናይቲ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት (ሓሳዊ መሲሕ) ሓዋርያት ኢና ዝብሉ ሓሰውቲ መምህራን ዝብልዎ፥ "ኣብዚ  ወይ ኣብቲ ኣሎ፣ እናተባህለ ዘይኮነ፥ ከምቲ መብረቕ (ጸሓይ) ካብ ምብራቕ ወጺኡ ክሳዕ ምዕራብ ዚረአ ጐይታውን ንኹሉ ግልጽን ርዱእን ብዝኾነ መገዲ እዩ ዝመጽእ። ነዚ ዘመልክት ከኣ ጐይታ ባዕሉ÷ " ሽዑ ኸኣ ምልክት ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ክርአ እዩ፥ እንሆ ድማ ኹሎም ኣብ ዓለም ዘለው ወገናት፥ ወዲ ሰብ ብኃይልን ብዓቢይ ክብርን፥ ብደመና ሰማይ ኪመጽእ ምስ ረኣይዎ ኺበኽዩ እዮም "ኢሉ ኣሎ። ማቴ.24፥30። ኣብዚ " ምልክት" ኢልዎ ዘሎ፥ ከምቲ ክዓርግ እንከሎ እቶም ቅዱሳን መላእክቲ ዝመስከርዎ (ግ.ሓዋ.1፥11። "በክበበ ትሥብእቱ" ስለ ዝመጽእ " ምልክት ርግዘተ ጎቦኡ፥ ኣሰር ምልክት ቅንዋቱ ኣብ ሰማይ ንኹሉ ምርኣዩ ዘመልክት እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ ከኣ " እዚ ምልክት እዚ መስቀል እዩ። " ኢሉ ተርጉምዎ ኣሎ። ብምሥጢር ሓደ እዩ። እዚ ከኣ ብዘይምኽንያት ኣይኮነን፥ ነቶም ኣምላኽነቱ ከይተረድኡ ተራ ሰብ እዩ ኢሎም ብዘይምኽንያት ዝሰቐልዎ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ብዙሕ ግፍዒ ዝፈጸሙን፥ ነቶም ዘይኣምንዎ መምለኽቲ ጣዖት ኣሕዛብን፥ "ወቐሳን ብኅፍረት ተዋሒጦም ድማ ስቕ ምእንቲ ክብሉን እዩ።

ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ ከኣ÷ "ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጽእ ብኽብሪ ኣቡኡ (ብግርማ መለኮቱ) እዩ። ብመላእኽቲ ተዓጂቡ ብኃይሊን ብዓቢይ ክብርን፥ ብደመና ሰማይ ኪመጽእ ኩሎም ክርእይዎ እዮም። መስቀል ንኣይሁድ እምኒ መዕንቀፊ፥ ንኣሕዛብ ከኣ ዕሽነት እዩ። መስቀሉ ንብዘሎ ዓለም ኩሉ ክግለጽ እንከሎ ወይ’ውን ምስ ረአይዎ ከኣ ኩሎም ዓሌታት ምድሪ ዋይ ክብሉን ክበኽዩን እዮም። ኣይሁድ ብኽያት ዘስምዑ፥ እቲ ንሳቶም ሞይቱ እዩ ዝበልዎ ኢየሱስ ክርስቶስ ሕያው ኮይኑ ኣብ ቅድሚኦም ስለ ዝርእይዎ፥ ንበደሎም ክኽሕዱ ኣይኽእሉን፥ ከምኡ ኣሕዛብውን÷ ጠቢባን ኢና በሃልትን ፍላስፋታት እዛ ዓለምን ብዘቕርብዎ ከንቱ ሓሳብን  ሞገተን ስለ ዝተታለሉን ነቲ ዝተሰቕለ ጐይታ ምምላኽ ዕሽነት መሲልዎም፥ ፈጣሪ ንዝኾነ፥ ንዕኡ ጥራይ ክቐርብ ዝግባእ ክብሪ ንፍጡራን (ንጣዖታት) ብምሃቦም እዩ። " ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። ነዚ ኹሉ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ÷« እንሆ ብደመና ይመጽእ ኣሎ። ኩሎም እቶም ዝወግእዎ እውን ከይተረፉ ኺርእይዎ እዮም። ብዘለው ዓሌታት ምድሪ ድማ ብእኡ ክበኽዩ እዮም። " ክብል ብንጹር ኣቐሚጡልና እዩ። ራእ.1፥7። ካልእ እዚ ምልክት " ነቶም ዝኣምንዎን ናይ ምድኃኑ ተግባር ዝተቐበሉ ሰዓብቱን ሞገስን ክብርን " ምዃኑ’ውን ዘርኢ እዩ።
   በታ ክርስቶስ ዝመጸላ እዋን ግብሮም ክስዕቦም እዩ» ከም ዝተባህለ። ራእ.14፥13። ሰባት ብዝቐደመ ግብሮም ደኣ ይፍረዱ እምበር፥ ሽዑ ዝግበር ጣዕሳ፥ ሽዑ ዝኸውን ብኽያት ኮነ ንብዓት ከንቱ እዩ። ሰባት ግብሮም ብግልጺ ስለ ዝርእዩ፥ ከምዚ ኣብዚ ምኽንያታት እናኣምጻእካ ዝግበር ርእሰ ጥበራ፥ ሽዑ ስለዘየለ ልሳን ብስቕታ ነፍሲ ድማ ብኅፍረት ክትዋሓጥ እያ።

ኣብ ናይ ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ ቅዳሴ ዝተነግረ ከምዚ ዚስዕብ ንርአ÷

«……ኦ ጐይታ፣…ንስኻ ንጻድቃን ብየማንካ ንኃጥኣን ከኣ ብጸጋምካ ከተቑሞም ኢኻ። ነቶም ዝኃረኻዮም ድማ ብቓል ምስጋና " ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፣ ጠምየ ኣብሊዕኹምኒ፥ ጸሚአ ኣስቲኹምኒ፥ ጋሻ ኮይነውን ኣኅዲርኩምኒ፥ ዓሪቐ ኸዲንኩምኒ፥ ሓሚመ በጺሕኩምኒ፥ ተኣሲረውን መጺእኩም ርኢኹምኒ ኢኹም እሞ፥ ዓለም ከይተፈጥረ  ዝተዳለወልኩም መንግሥተ ሰማያት ክትወርሱ ንዑ። " ኢልካ ኽተሞግሶም ኢኻ።  ማቴ.25፥35-36። ብድኅሪዚ ከኣ ናብ ጸጋምካ ተመሊስካ ንኃጥኣን ብቓል ወቐሳ፥ «ኣቱም ርጉማት ጠምየ ኣየብላዕኩምንን፥ ጸሚአ ኣየስተኹምንን፥ ጋሻ ኮይነ ኣየኅደርኩምንን፥ ዓሪቐ ኣይከደንኩምንን፥ ሓሚመ ኣይበጻሕኩምንን፥ ተኣሲረ መጺእኹም ኣይሓተትኩምንን እሞ፥ ካባይ ርሓቑ። ንሰይጣንን ንሠራዊቱን ናብ ዝተዳለወ ሓዊ ኪዱ። » እናበልካ ክትቁጥዖም ኢኻ። ማቴ.25፥41-46። ሽዑ ዓመጽን ምትላልን ዚዛረብ ዝነበረ ኣፍን ልሳንን ኪዕጾ እዩ። ሽዑ ኃዘን ይኸውን። ግና ዘይጠቅም ኃዘን እዩ። ሽዑ ብኽያት ይኸውን፥ ግና ዘይጠቅም ብኽያት እዩ። ሽዑ ኣውያት ይኸውን። ግናኸ ዘይጠቅም ኣውያት እዩ። ሽዑ ገዓር ይኸውን፥ ግና ዘይጠቅም ገዓር እዩ። ሽዑ መወዳእታን መፈጸምታን ዘይብሉ ንብዓት ከም ማይ ክረምቲ ኪውሕዝ እዩ። መሳጢ መብራቕን ዘሰምብድ ብልጭታን ድምፂ ነጎድጓድን ኃያል መስመስታን ከኣ ናብኣቶም ኪፍኖ እዩ። ዚስይፍን ዚቖርጽን ዚፈላልን ብጽሒት ኃጥኣን እዩ። ሽዑ ምድሪ ዝተቐበለቶ ሕድሪ ክትመልስ እያ። ኣደ ኸኣ ኣውያት ጓላ እኳ ኣይክትሰምዕን እያ። ሽዑ ነፍስውን ብኹሉ ዘመን ሕይወታ ዝገበረቶ ግብራ ኺግለጽ እዩ። ሽዑ ክትምሕረናንን ይቕረ ክትብለልናን በቲ ዝበላዕናዮ ሥጋኻን በቲ ዝሰተናዮ ደምካን ንምሕጸን ኣሎና። እወ ንስኻ " ሥጋይ ዝበልዐ፥ ደመይውን ዝሰተየ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ኣለዎ። "ኢልካ ኢኻ። ዮሓ.6፥54።
 ቅዳሴያዕቆብ ዘሥሩግ ቁ.92-98።

  እዚ ቃል ኣብቲ ሽዑ ግዜ ንኸውን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሎሚ ኮይና፥ በዚ ትምህርቲ ብምውሳድ ነታ መዓልቲ ድልዋት ኮይናን ነቒሕናን ክንርከብ ዝግባኣና ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ከም እንሰምዖ እቲ ሰባት ምኽንያት ዝኹነንሉን ዝጸድቅሉን ኮይኑ ዘሎ፥ እቲ ሎሚ ብቐሊሉ ስለ እንረኽቦን ንሱ ፈቒዱ ብኸምኡ ስለ ዝኾነልናን፥ ኣነኣኢስና እንርዮ ዘሎና ወይውን ኣተኩሮ ዘይንህበሉ ፥" ንዝጠመየ ምብላዕ፥ ዝጸምአ ምስታይ፥ ጋሻ ምቕባል፥ ንሓመመ ምርኣይ፥ ንዝተኣስረ ምብጻሕ ንዘኃዘነ’ውን ምጽንናዕ ዝመሰሉ ቅዱስ ተግባራት እዮም። ካብ'ዞም ተጠቒሶም ዘለዉ ልዕሊ ዓቕሚ ደቂ ሰባት ዝኾኑ፥ ወይ’ውን ብቐሊሉ ዘይርከቡ ኮይኖም ክገብሮም ዘይኽእል የብሎምን። ኩሎም ድኻ ይኹን ሃብታም ብቐሊሉ ክረኽቦምን ክገብሮምን ዝኽእል፥ ግን ከኣ ብቐሊሉ ዘይግመት ጸጋ ዘውህቡ፥ ናብ መንግሥተ ሰማያት ከእትውና ብቕዓት ዘለዎምን እዮም። ስለዝኾነ ነፍስ ወከፍና ብዝከኣለና ካብ ዘሎና በዚ ሠናይ ሥራሕ እዚ ንጸመጽ። ብንቕሓትውን ንመላለስ። ዳግም ምጽኣት ናይ ክርስቶስ ዝተፈልጠ ኮይኑ፥ በየነይቲ መዓልትን ሰዓትን ኸም ዝመጽእ ግን ብጀካ ባዕሉ ብፍጡራን ወገን ዝተፈልጠት ኣይኮነትን። « ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ግና፥ ብዘይካ ኣቦ በይኑ፥ ናይ ሰማይ መላእኽቲ ኾኑ ወልድ ኾነ፥ ሓደ እኳ ዚፈልጣ የልቦን» ከም ዝበሎ። ማቴ.24፥36። ነታ ናይ ምጽኣቱ መዓልትን ሰዓትን ዝፈልጣ የልቦን። ክመጽእ እንከሎ ከኣ"ከም ሰራቒ "ኢሉዎ ኣሎ። ማቴ.24፥43። ሰራቒ ክሰርቕ ኢሉ ዝመጽኣሉ ክፍለ ግዜ ዚፈልጥ የልቦን። ናይ ክርስቶስ ምጽኣት’ውን ከምኡ እዩ። ንዓና ዝተገድፈ ዕዮ ግን ኣብ ዝኾነ ይኹን መዓልትን ሰዓትን ኩሉ ግዜ ነቒሕናን ድልዋት ኮይናን ክንርከብ እዩ። ጐይታ ምስዚ ኣተሓሒዙ፥ ንሕና ካብ'ቶም ብዘመነ ኖኅ" ንስሓ እተው መንገድኹም’ውን  ኣቕንዑ እንተ ዘይኮነ ካብ ኽፍኣትኩም ዝተላዕለ ብቑጥዓ እግዚአብሔር ክትጠፍኡ ኢኹም ተባሂሉ ተነጊርዎም፥ ገና እዩ ክብሉ ብዘይሓሰብዎ መዓልትን ሰዓትን መጺእዎም ዝጠፍኡ ክንመሃር መለበሚ’ውን ምእንቲ ክኾኑና ታሪኾም ከይጠቐሶ  ኣይሓለፈን። ማቴ.24፥38-39። ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ÷ እታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓትን እቲኣን ኣይትፍልጥዋ፥ ምጽኣተይ ከም ሰራቒ እዩ ኢሉ ስቕ ኣይበለን፥ ንወቕቱ ምስትውዓል ኣቐዲሙ ዝተነግረውን ደኣ ምዝካር እምበር፥ ሰባት ምጽኣቱን ኅልቀት ዓለምን ምቕራቡ ክንፈልጠሉ እንኽእል ምልክታት ብርዱእ መገዲ ነጊሩና እዩ። ምልክታት ናይ ኅልቀት ዓለም ብመጠኑ ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፍና ተመልኪትና ኣሎ። እዚ ኹሉ’ውን ቅድሚ ምምጻኡ፥ ናይ ምምጽእኡ ምልክት ዘርኢ እኳ እንተኾነ፥ ብዝበለጸ ንናይ ምጽኣቱ ነገር እንርድኣሉ ምልክት ግና ጥቕልል ዝበለ" ምሳሌኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩ። ጨንፈራ ምስ ለምለመ፥ ቆጽላውን ምስ ጠጥዐ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ነዚ ኹሉ ነገራት እዚ ምስ ረኣኹም ኣብ ኣፍ ደገ ከም ዝቀረበ ፍለጡ።" ዝበሎ እዩ። ማቴ.24፥32-33። ኦም በለስ ጨንፈራ ምስ ለምለመ፥ ቆጽላውን ምስ ጠጥዐ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም፥ ኣብ ኣፍ ደገ ዘሎ ሰብ’ውን ቀልጢፉ ዝኣቱ ከም ዝኾነ፥ ከምኡ ኸኣ ነዚ ኹሉ ነገራት እዚ ማለት ኣብዚ ምዕራፍ ተዘርዚሩ ዘሎ ምልክታት ክፍጸም ምስ ረኣኹም፥" ምጽኣተይ ኣብ ኣፍ ደገ ከም ዝበጽሐ፥ ቀልጢፉ’ውን ከም ዝፍጸም ፍለጡ።" ማለቱ እዩ።
ሕራይ እዝስ÷ " ነታ ንሱ ዝመጸላ መዓልትን ሰዓትን ብደቂ ሰባት ከይትፍለጥ ምግባሩኸ ንምንተይ እዩ᎒ እንተበሉ፥ንሰባት ጥቕሚ እዩ።

5 ክፋል   ይቕጽል ………………………

አምላከ ቅዱሳን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና ፣ ኣማላድነት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ኣይፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን.ዓምደማርያም

 

Comments are closed.