ሆሣዕና

                                                                       በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

እዛ ዕለት ሻሙነይትን ናይ መወዳእታን ሰንበት ዓቢይ ጾም ኮይና «ሆሣዕና» ተባሂላ ትጽዋዕ። ሆሣዕና ማለት /ሆሻአና/ እቲ ቃል ናይ ዕብራይስጥ ኮይኑ፥ ትርጉሙ ከኣ “መድኃኒት፥ ሎሚ ኣድኅን፥ ኣቕንዓና”ዝብል እዩ። ሆሣዕና ሓንቲ ካብቶም ትሽዓተ (9) ዓበይቲ በዓላት ናይ ክርስቶስ መድኃኔ ዓለም እያ።
እዛ ሰሙን እዚእ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት ብዘይምቁራጽ ኣብ መንበረ ክብሩ ኣብ ዘባነ ኪሩቤል ፡ ቅዱስ ልዑል እናተባህለ በቶም ትጉሃት መላእኽቱ ብፍርሃትን ምንቅጥቃጥን ዝምስገን፥ ካብቶም ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ዝበሃሉ ሓደ ቅዱስ ኢሳ.6፥3። ኣብቲ ዳኅራይ ዘመን ሰዓቱ ምስ ኣኸለ ምልኣት ዘመን ምስ ኮነ ግን ፍቓዱ ኮይኑ ብዝተፈልየ ኣካሉ ሰብ ኮይኑ ኣብዛ ዓለም ዝተገልጸ፡ ኣብ ሆሣዕና ኣብ ዓባይ ኣድግን ኣብ ጻዕቢ ኣድግን ተወጢሑ ብፍጹም ትሕናን ክብርን ናብ ኢዮሩሳሌም ምእታዉ ንሕዝቡ ሰላሙ ምብሳሩ ንቤተ መቕደሱውን ምኽባሩ እንዝክረላ ክብርቲ ዕለት እያ። ነብያቱ ዘኽብር ኣምላኽ ነቲ ኣቐዲሙ «ኦ ሕዝቢ ኢየሩሳሌም፥ ብታሕጓስ ዕልል በሉ። እንሆ ንጉሥኩም ናባኹም ይመጽእ ኣሎ፥እወ መድኃኒ ዓወት ለቢሱ ብግርማ ይመጽእ ኣሎ።ግናኸ ንሱ ትሑት እዩ፥ኣብ ኣድጊ ኣብ ጻዕቢ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ።» ተባሂሉ ዝተነግረ ቃል ነቢይ ተፈጸመ ዘካ.9፥9።ተመልከት።
ምሉእ ትሕዝቶ ናይዚ ሳምንት ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ተነጊሩ ኣሎ። ኣብዞም ዚስዕቡ ምዕራፋትን ጥቕስን ምዉካስ ይከኣል። ማቴ.21፥1-17። ማር.11፥1-11። ሉቃ.19፥28-40። ዮሓ,2፥13-22፣ ዮሓ.12፥12-19።

ኣሕጽር ኣቢልና ናብ ትሕዝቶኡ ምስ እንኣቱ ድማ ከምዚ ዚስዕብ እዩ÷

ናብ ኢዮሩሳሌም ምስ ቀረቡ፥ ኣብ ደብረ ዘይቲ ናብ ዘላ ቤት ፋጌ በጽሑ። "ፋጌ" ቀራና መገዲ ማለት እዩ። ሽዑ ጐይታ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ክልተ ንቅዱስ ጴጥሮስን ንቅዱስ ዮሐንስ ልኢኹ"ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፥ብኡብኡ እስርቲ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ክትረኽቡ ኢኹም።ፈቲሕኹም ከኣ ኣምጽኡለይ። ዝኾነ ሰብ ሓደ ነገር እንተ በለኩም 'ጐይታ ይደልዮም ኣሎ'በሉ፥ ብኡብኡ ድማ ኪሰዶም እዩ"በሎም። ማቴ.21፥1-3።ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኸይዶም ከምቲ ዝተኣዘዝዎ ገበሩ። ነታ ኣድግን ነታ ዒሉን ፈቲሖም ኣምጽእሉ። ክዳውንቶም ድማ ኣብ ዝባነን ኣንበሩለን። ኪሩቤልን ሱራፌልን ጸወርተ መንበሩ ጐይታ ኣብ ልዕሊ እንስሳ ተወጥሐ።ማቴ.21፥6-7።
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እስርቲ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ፈቲሖም ከምጽእሉ ንሓዋርያቱ ምልኣኹ ኣብ ላዕሊ ከም ዝተመልከትናዮ ዝተነግረ ቃል ትንቢት ምፍጻሙ ዘርኢ ክኸውን እንከሎ። ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይ ዝበሎ ድማ፥ እተን ኣእዱግ ንኹሉ ሰብ ዝውክላ ብምዃነን "ኣዳምን ዘርኡን ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ዝፍትሓሉ፥ ካብ ፍዳ ዝወጽእሉ ጊዜ ከም ዝበጽሐ ንምግላጽ እዩ። ትርጉሙ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ኪዱ ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይ ዝበሎ ነተን ኣእዱግ ናይ ምእመናን ምሳሌ ጌይሩ እዩ። እዚ ከኣ ከምቲ ክርስቶስ ባዕሉ ነቶም ሓዋርያቱ እዩ፥«ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዘበለ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ፥ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዘበለ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።» ወይውን፥"ኃጢኣቶም ንዝኃደግኩምሎም ማለት ኃጢኣትኩም ይተኃደገልኩም ንዝበልኩምዎም ክኅደገሎም እዩ፥ንዘይኃደግኩምሎም ማለት ኣይተኃደገልኩም ንዝበልኩምዎም ግና ኣይኅደገሎምን እዩ።"ዝበሎ። ማቴ.18፥18።ዮሓ.20፥23።
ጐይታ ድሕሪ'ቲ ናይ ምድኃን ሥርሑ ምፍጻሙ ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣነ ክህነት ምሃቡ ዘመልክት ቃል እዩ። ጎዶሎ እምነቱ ዝኾኑ ተጣራተርቲ ሰባት ኃይሊ ኣምላኽ ኮነ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝብልዎ ከይፈለጡ ጓሎም ወዶም ኩላትና ካህናት ክርስቶስ ኢና ብምባል ንኹሎም ናይ ምፍታሕን ምእሳርን ሥልጣን ከም ዝተዋህቦም ጌሮም ክዛረቡ ንሰምዕ ኢና።እዚ ግን ኢኣ ኣፍልጦ ከም ዘይብሎም ዘነጽር ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ፋይዳ ዘይብሉ እዩ።ንሳቶም ጓሎም ወዶም ኩላቶም ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣን ተዋሂቡና እዩ ካብ በሉ። እቲ ዝተኣሰር መን እዩ ᎒ እቲ ዝፈትሕከ መን እዩ᎒ እስከ መረዳእታ ይሃቡና።
ሕጊ ዚሥራዕ ንኣመንቲ ምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ። እቲ ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣነ ክህነት ዝሃበ ንሓዋርያቱ ጥራሕ እዩ። ዝስዕብዎ ብዙሓት ኣመንቲ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣነ ክህነትን ክህብ እንከሎ ግን ንደቀ መዛሙርቱ ፈልዩ ጥራይ ሥልጣነት ክህነት ዝዓደሎም ።እንጌራ ኣበርኪቱ ክምግቦም ከሎ ከምኡ ኣይገበረን። ብዛዕባ እዚኸ እንታይ መረዳእታ ኣለኩም ንብሎም᎒ እዚ ግን ካብኣቶም ቅኑዕ መልሲ ንምርካብ ዘይኮነስ ስሕተቶም ንምግላጽን እቲ ሓቂ ክበርሃሎም ንምባል እዩ።
ጐይታ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ነታ ኣድግን ነታ ዒሉን ፈቲሖም ከምጽእሉ ክልእኾም እንከሎ፥" ዝኾነ ሰብ ገለ እንተ በለኩም ‹ጐይታ› ይደልዮም ኣሎ። "በሉ ኢልዎም እዩ። ፈጣሪኦም ዝኾነ ጐይታ ይደልዮም ኣሎ በሉ ማለቱ እዩ።
እዚ ከኣ ናይ ክርስቶስ ናይ ባህሪይ ኣምላኽነትን ፈጣሪነትን ዘነጽር ዓቢይ ቃል እዩ። ከምኡ ዝተዋህቦም ሥልጣን ሰማያዊ ምዃኑ ንምርዳእ ከኣ፥"ሓደ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም ኢሉ እንተ ሓተተኩም ከኣ ‹ጐይታ›ይደልይኦ ኣለዋ በልዎ በሉ በሎም። ከመይሲ ኣብ መንጎ ሰባትን ኣብ መንጉኡን ኣተዓረቕቲ መንጎኛታት ኮይኖም ንምእመናን ናብኡ ከቐርቡን ምስ ገዛእ ርእሱ ከተዓርቑን ሥልጣን ዝሃቦም ንሳቶም እዮም።
መዓርግ ኮነ ትእዛዝ ኣምላኽ ድማ ንፍቓዱ ክስዕሮ ዝኽእል ኣካል የልቦን። ስለዝኾነ ከኣ ኪዱ ከምዚ እንተደኣ ኢልኩምዎ "ብኡብኡ ኪሰዶም እዩ በለ። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ «እወ፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ገዛእ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ ብክርስቶስ ገይሩ እዩ፥ በደሎም ኣይሓዘሎምን፥ ንዓና ኸኣ መልእኽቲ ዕርቂ (ኪዱ ፈቲሕኩም ኣምጽእዎም ዝብል )ሃበና። ስለዚ ንሕና ናይ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና፥ ኣምላኽ ከኣ ብኣና ገይሩ ይዕድም ኣሎ። ኣብ ክንድ ክርስቶስ ኮይና ድማ "ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ"እናበልና ንልምነኩም ኣሎና» ዝበሎ ምእንትዚ እዩ። 2ቆሮ.5፥19-20።

ነቶም ደቀ መዛሙርቱ "ክልተ"ገይሩ ምልኣኹ ከምቲ ናይ ቤተ ክርስትያና ሊቕ ቅዱስ ጅሮም ገሊጽዎ ዘሎ ጐይታ ንሓዋርያቱ"ናብ ሕዝብን ኣሕዛብን ምልኣኹ" ዘመልክት እዩ። እታ ዓባይ ኣድጊ ናይ ሕዝቢ እስራኤል፥እታ ጻዕቢ ወይውን ዒሉ ገልገል ኣድጊ ከኣ ናይ ዘይኣመንቲ ኣሕዛብ ምሳሌ እየን። ከመይ᎒÷

v ዓባይ ኣድጊ (ዕድግት) ጽዕነት ዝለመደት እያ፥ እስራኤላውያን እውን ሕጊ ምሕላው ዝለመዱ እዮም።
v እታ ገልገል ዒሉ ወይውን ጻዕቢ ኣድጊ ድማ ጽዕነት ዘይለመደት ውልዶ እያ። ኣሕዛብ ከኣ ከምኡ ምሕላው ሕጊ ዘይለመዱ ንእምነት ሓደስቲ እዮም።
ካልእ እዘን ኣእዱግ ናይ ኦሪትን ናይ ወንጌልን ምሳሌ እየን።

ንሱ’ውን እታ ጽዕነት ዝለመደት ዕድግት ናይ ኦሪት ምሳሌ ክትከውን እንከላ። እታ ገልገል ድማ ናይ ወንጌል ምሳሌ እያ ኔይራ። ትርጉሙ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ እዩ።

v እታ ዓባይ ኣድጊ(ዕድግት) ጽዕነት ዝለመደት ወይውን ምጽዓን ዝተለምደት ከምዝኾነት፥ ከምኡ ኦሪትውን ዝተለምደት ሕጊ እያ።

v ገልገል( ጻዕቢ)ኣድጊ ድማ ጽዕነት ዘይለመደት(ምጽዓን ዘይለመደት)እያ፥ ከምኡ ወንጌል ከኣ ዘይተለምደት ሕጊ እያ።

እቶም ደቀ መዛሙርቱ ከኣ ከምቲ ዝኣዘዞም ከይዶም ነታ ኣድግን ነታ ዒሉን ክዳውንቶም ኣብ ዝባነን ጎዝጉዞም ኣምጽእሉ። ሓዋርያት ኣብ ዝባን እተን ኣእዱግ ኮረሻ ዘይኮነ ምጉዝጋዞም፥ ኮረሻ ዘይምቹእ ኩርካሕ፥ ልብሲ ግን ምቹእ ጉዝጓዝ ስለ ዝኾነ እዩ። በዚ ከኣ ምችእቲ ዝኾነት ሕጊ ወንጌል ክትሰርዓልና መጺእኻ ንምባል እዮም። ሕጊ ኦሪት ብኩነኔ ሒዛ ከምዚ ግበር ከምዚ ኣይትግበር እትብል ብዙሕ መሥዋዕቲ እትሓትት ኣዝያ ኣሸጋሪትን ከባድን ሕጊ እያ ነይራ። ምስዚ ኹሉውን ካብ ናይ ዘለኣለማዊ ሞትን ፍዳን ከተድሕኖምን ከተውጽኦምን ኣይተኻእላን ነበረ። ሕጊ ወንጌል ግን «ኣቱም ኩሉኹም እትጽዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ፥ ኣነ ከዕርፈኩም እየ። ኣነ ለዋህ እየ፥ ልበይውን ትሑት እዩ፥ ኣርዑተይ ጽሩ፥ ካባይውን ተመሃሩ፥ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ከመይ ኣርዑተይ ልዙብ ፆረይ ከኣ ፈኩሽ እዩ።» እናበለት እትጽውዕ፥ ንኽትነብራ ኣዝያ ምችእቲ እያ። «ትእዛዛቱ ኸኣ ከቢድ ኣይኮንነ።»ይብል እቲ ቅዱስ ቃሉ 1ዮሓ.5፡3። ምስዚ ኹሉ ከኣ ንመንግሠተ ሰማያት እተብቅዕ ፍጽምቲ ሕጊ እያ። በዚ ምሥጢር እዮም እምበኣር ክዳውንቶም ዝጎዝጎዝሉ። 
ቀዳማይ፣ ልብሲ (ክዳን) ዕርቃንካ ይሽፍን ሕፍረት ሰብነትካ’ውን ይኽውል። በዚ ከኣ"ኦ ጐይታ ንስኻ በደልና ኣሊኻ ብምሕረትካ እትስውር ብጸጋ ልብስኻውን ንዕርቃና እትሽፍን ይቕረ ባሃሊ ኢኻ" ክብሉ እዮም። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙሓት መጽዓኛታት እናሃለዋ ንኣድጊ ምምራጹ ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ኣብ ማእከል ሕዝቢ ምርኣዩ፥ ንምንታይ እዩ እንተተባህለ᎒

ዝተነግረ ትንቢት ንምፍጻም፥ ምሳሌነቱ ከኣ ንምግላጽ እዩ። ትንቢት ኣብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ እዩ። ምሳሌኡ ከኣ በቲ ኣቐዲሙ ነብያት ዘርእይዎ ዝነበሩ ገይሩ ንምርዳእ እዩ። ንሱ ከኣ÷
ነብያት ኣበው ዘመነ መከራ እንተኾነ ጸሊም ክዳን ይኽደኑ ኣብ ፈረስ ድማ ይውጥሑ ነይሮም። ዘመነ ሰላም እንተ ኾነ ግና ጻዕዳ ተኸዲኖም፥ኣብ ኣድጊ ተወጢሖም ኣብ ማእከል ሕዝቢ ኪዞሩ ይርኣዩ ኔሮም። ናይ ሰላም ንጉሥ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንሱ ዘለዓለማዊ ሰላም ክህብ ዝመጸ ናይ ሰላም ኣምላኽ ብምዃኑ፥
ዘመነ ሰላም ኮይንልኩም እዩ ክብል ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ኣብ ማእከል ሕዝቡ ተራእየ። እቲ ቃል ትንቢት እውን «ኦ ሕዝቢ ኢየሩሳሌም፥ ብታሕጓስ ዕልል በሉ። እንሆ ንጉሥኩም ናባኹም ይመጽዕ ኣሎ፥ እወ መድኃኒ ዓወት ለቢሱ ብግርማ ይመጽእ ኣሎ። ግናኸ ንሱ ትሑት እዩ፥ ኣብ ኣድጊ ኣብ ጻዕቢ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ። እግዚአብሔር " ኣነ ንሠረገላታት ኲናት፥ ካብ እስራኤል፥ ነፍራስ ኲናት ከኣ ኻብ ኢዮሩሳሌም ከጥፍእ እየ። ቀስታት ውግእ ኪጠፍእ እዩ፥ ንጉሥኩም ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ሰላም ከም ዝኸውን ክገብር እዩ። » ዘካ.9፥9-11። ብምባል ንሱ ክርስቶስ ሰላም ዝህብ ሰላማዊ ንጉስ ምዃኑ ዝገልጽ እዩ ነይሩ።

 ካልኣይ፣ ትሕትናኡ ዘርኢ እዩ። ከመይሲ ንሱ ኣቦ ትሕትና ስለ ዝኾነ። ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ ነዚ ኣመልኪቱ፥ " ፍቕርኻ ካብ ዘባነ ኪሩቤል ኣውሪዱ ኣብ ዘባነ ኣድጊ ክትቅመጥ ገደደካ። ካብ በቶም ብዙኅ ኣዕይንትን ብዙኅ ገጽን ዘለዎም መላእኽቲ በታ ዓባስ ዝኾነት ኣድጊ ክትምስገን ፈተኻ። ኣብ ልዕሊ ጻዕቢ ተወጢሕካ ናብ ናይ ሰማይ ሠራዊት ክትከይድ ደኣ መረጽካ እምበር፥ ንኽብርኻ ኣብ ናይ ሰማይ ሠራዊት ሠረገላ ተቐሚጥካ ክትግለጽ ኣይፈተኻን። ኣብ ኣርያም እሳታውያን ዝኾኑ ኪሩቤል የመስግኑኻ፥ ኣብ ምድሪ ድማ ሕፃናት ይዝሙሩልካ። ኣብ ኣርያም ብርሃናውያን ዝኾኑ መላእኽቲ ብብርሃን ዝኾነ ክንፎም ንመንገድኻ የንጽፉልካ፥ ኣብ ምድሪ ድማ ደቀ መዛሙርትኻ ክዳውንቶም ኣብ መንገድኻ ኣንጸፉ።
ዘገርም’ዩ። ንሱ ሠማያዊ እንከሎ ንዓና ከይንዓቐ ምእንቲ ክበጽሓና ካብ ሰማያዊ ክብሩ ወረድ ፥ ብገዛእ ፍቓዱውን ሰብ ክሳዕ ምዃን በጽሐ፡ ኣብ ኣድጊ ተጸይሩ ፥ ክበጽሓና መጸ። ነቢይ ዘካርያስ ናይ መንፈስ ቅዱስ እንዚራ ሒዙ፡ ብሓጎስ ትንቢት ንምዝራብ ቀልጠፈ ፥ እንዚራኡ እናደርደረ ከኣ ጓል ጽዮን እናበለ ይጽዋዓ።» ብምባል ኣስተምህሮ ሂቡ ኣሎ።ብምሥጢር ግን ኣብ ኣድጊ ዝተወጥሐ ሰብ ሃዲሙ ካብ ሰብ ከምልጥ ከምዘይክእል፥ በዚ ድማ ብእምነት፥ ብጸሎት እንተ ደለኹምኒ ክትረኽቡኒ ኢኹም፥ እንተ ዘይደለኹምኒ ግን ዋላ ምሳኹም፥ ኣብ ቀረባኹም ይኹን ኣይትረኽቡንን ንምባል እዩ።

ሳልሳይ፣  ኣድጊ ብደቂ ሰባት ዝተናዓቐት እንስሳ ከም ዝኾነት።ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ክብሪ ቅድስናና ስኢና ንዑቓት ኮይና ንነብር ንዝነበርና ልዕል ከብል ከም ዝመጽአ ንምርዳእ፥ ኣብ ዝባን ኪሩቤል ዝቕመጥ፥ እሳታውያን መላእኽቱ ብፍርሃትን ምንቅጥቃጥን ዘመስግንዎ ኣምላኽ፥ ንሱ ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ተራእየ።

ከምቲ ዝበሎም ጐይታ ፈቲሖም ንክዳውንቶምውን ኣብ ዝባነን ጎዝጉዞም ኣምጺኦምሉ ፥ኵሉ እቲ ሕዝቢ ድማ ናይ ሰላም ንጉሥ ናይ ሰላም ኣምላኽ፥ ይትረፍ ንስኻ፥ እዛ ተወጢሕካያ ዘለኻ እንስሳ እኳ ምድሪ ክትረግጽ ኣይግብኣን እዩ ክብሉ፥ ክዳውንቶም ኣንጸፉ፥ ካልኦት’ውን ካብ ኣእዋም ጨንፈር እናሰልዑ ኣብቲ መንገዲ ይንስንሱ ነበሩ። ሎሚ እታ ንደቂ ሰባት ከድኅን ሰብ ክኾነላ፥ንሥጋኣን ነፍሳን ክወሃሃዶ ዝመረጻ፥ ቅዱስ ፍቓዱ ኾይኑ ትሽዓተ ወርሕን ኃሙሽተ መዓልትን ኣብ ማህጸና ዝጸሮቶ፥ ድኹማት ሰባት ይትረፍ ብመላእክት እትምስገን ብዓቢኡ ከኣ ባዕሉ እግዚአብሔር ዘኽበራ ልዕልቲ ክብርቲ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፥ ክትምስገን፥ክንዝምረላ ክቃወሙ ምርኣይ ክንደይ ዘሕዝን እዩ። ሓቁ ግን ይትረፍ መልዕልተ ፍጡራን መትሕተ ፈጣሪ ድንግል ማርያም፥ ከም እንርእዮ እታ ብሰባት ከም ንዕቕቲ እትፍለጥ ኣድጊ እኳ ክብሪ ተዋሂቡዋ እዩ።

እቶም ቀቅድሚኡ ዝኸዱ ደድሕሪኡውን ዚስዕቡ ሕዝቢ ከኣ «ሆሣእና»ንወዲ ዳዊት ማለት ንወዲ ዳዊት"መድኃኒ"ኣድሕን ምባል ይግብኦ፥ እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ቡሩኽ እዩ ማለት ኣቐዲሙ እግዚአብሔር ኣቦ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስን ደብረ ታቦርን "ብእኡ ዝተሓጎስኩ ዝፈትዎ ዝወልዶ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ።" ኢሉ ናይ ወልድ ኣምላኽነት መስኪርሉ ነበረ እሞ፥ እግዚአብሔር ዝመስከረሉ፥እግዚአብሔር እየ ኢሉ ዝመጽእ ብሩኽ እዩ"።«ሆሣዕና ኣብ ኣርያም»ማለት መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ዘርሕቕ፥ በረከተ ሥጋን በረከተ ነፍስን ዚዕድል ኣብ ኣርያም ዘሎ መድኃኒት እዩ እናበሉ ዘመሩ። 
በዚ ዕለት ብዙሕ ኣምላኻዊ ኃይልታት ተራእዩን ተጌሩን እዩ እሞ። ነዚ ዝተመልከቱ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብወገኖም እውን ብዙሕ ተሓጎሱ፥ ብዓቢይ ድምጺ ከኣ ከመስግንዎ ጀመሩ። "እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ንጉሥ ማለት " እግዚኣብሔር ዝመስከረሉ፥ እግዚአብሔር እየ ኢሉ ዝመጽእ ሰማያዊ ንጉሥ ብሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ፥ ክብሪ ኣብ ኣርያም " እናበሉ ይዝምሩ ነበሩ።
ንኣምላኽነቱ ዝግባእ ምስጋና፥ ንኣምላኽነቱ ዝግባእ ክብሪ እዩ። ሉቃ.19፥37-38 ። እቶም ንበዓል ዝመጹን ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ዝነበሩን ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኢዮሩሳሌም ከም ዝመጽእ ሰሚዖም ፥ጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ተቐበልዎ። "ሆሣዕና እናበሉ’ውን ኣመስገኑ። ዮሓ.12፥12-13።
እዚ ስየ ሒዝካ ዝግበር ሓጎስካ ናይ ምግላጽ ቅዱስ ሥርዓት ኣቐዲሙ ብእስራኤል ዘሥጋ ልሙድ ዝነበረ እዩ። ንኣብነት ኣብርሃም ንይስሓቅ፥ ይስሓቅ ንያዕቆብ ኣብ ዝወለድሉ እዋን ፥ እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ምስ ወጹ፥ ዮዲት ድማ ነቲ ናይ እስራኤላውያን ጸላኢ ዝነበረ ሆሎፎኒስ ኣብ ዝቐተለቶ እዋን ሓጎሶም ንምግላጽ ኦም ስየ ሰሊዖም ንእግዚአብሔር ኣምላኾም ኣመስጊኖም እዮም። ዮዲ.15፥12 -13። ከምዚ እናበለ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሰ መጸ ። ከምዚ እንርእዮን ንሰምዖን ጐይታ ብዓቢይ ክብሪ ብፍጹም ትሕትና ናብ ኢዮሩሳሌም ክኣቱ እንከሎ፥ ምድኃና ቀሪቡ ፡ናይ ሰላምና ንጉሥ ክብሉ ካብ ኦም ስየ ሰሊዖም "ሆሣዕና" እናበሉ ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም፥ ንኣምላኽነቱ ዝግባእ ክብርን ምስጋናን ሂቦምዎ እዮም። ብኸምዚ ትውፊቱ ሓልዩ እናተተሓሓዘ ዝመጸ፡ ኣብቲ ዳኅራይ ጊዜ ድማ ብዝበለጸ ሠራዒ ሕጊ ባዕሉ ጐይታ ስለዘጽንዖ፥ እንሆ ክሳዕ ሎሚ ኣብታ ጥንታዊትን ኣብ ክርስቶስ ዝተሰረተት ሓዋርያዊትን ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስትያና ተሪፉ ብተግባር ክፍጸም ንርእዮ ኣሎና። እዛ መዓልቲ ኣብ ቤተ ክርስትያና ኣዝያ ፍልይትን ክብርትን ዕለት ብምዃና ከኣ ዓመት መጸ ኩሉ ጊዜ ኦም ስየኣ ሰሊዓ ብምልዓል "ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት፥ ሆሣዕና ነቲ እግዚአብሔር መስኪርሉ፥ እግዚአብሔር እየ ኢሉ ዝመጸ እግዚአብሔር እናበለት ተመስግንን ሓጎሳ ትገልጽን። ከም ሥርዓቱ ከኣ ብዓቢይ ክብርን ድምቀትን ተሕልፎ። እዚ ከኣ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ሥርዓታ ኮነ ንሳ እትህቦ ኣገልግሎት ኩሉ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሠረት ዘለዎ ሓቂ ምዃኑ ዘነጽር እዩ።
ብዛዕባዚ ስየ ኣልዒልካ ሓጎስካ ምግላጽን ነዚ ዕለት ኣመልኪቱን ከኣ ኣቐዲሙ ዝተነግረ ትንቢትውን ኣሎ እዩ።መዝ.118፥24-29። ረኣ። 

በዚ ዕለት ብፍላይ ሕጻናትን ንኣሽቱ ቆልዑን ከምቲ ልበ ኣምላኽ ዝተሰምየ ቅዱስ ዳዊት « ብኣፍ ቆልዑን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳሎኻ።» ክብል ዝተነበዮ፥ ሰማያዊ ምሥጢር ተገሊጽሎም ባሕርየ ጐይትነቱ ፈሊጦምን ተረዲኦምን፥ ዝገርም ጸባ ጡብ ኣዲኦም ሓዲጎም «ሆሣዕና» እናበሉ ኣመስገንዎ።
ጐይታ’ውን ብዛዕባዚ ከምዚ ኢሉ ነይሩ እዩ÷ "ኦ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ እዚ ኻብ ብልህታትን መስተውዓልትን ስለዝሓባእካዮ፥ ንሕፃናት ግና ስለዝገለጽካዮ ኣመስግነካ ኣለኹ።"።
ነዚ ኣምላኽ ሰብ ናይ ምኻኑ ምሥጢር፥ ሰብ ኮይኑ’ውን ንደቂ ሰባት ዘለዓለማዊ ሰላሙ ናይ ምእዋጁን ድኅነት ናይ ምኃቡን ነገር ነዞም ሕፃናት ስለዝገለጽካሎም ማለቱ እዩ። ማቴ.11፥25። በዚ እዋን እቶም ብልህታትን መስተውዓልትን ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ካህናትን መማህራን ሕግን ግን ከም ኣምላኽነቱ ክምስገን ምስ ሰምዑ ብቑጥዓ ነደዱ። ናብ ክርስቶስ ቀሪቦምውን ትሰምዖምዶ ኣለኻ᎒ ገስፆም እባ እናበሉ ተዛረብዎ።
ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ እወ ይሰምዖም ኣለኹ ድሕሪ ምባሉ ነቲ ኣቕዲሙ ብባርያኡ ቅዱስ ዳዊት ኣቢሉ ዘዛረቦ ቃል ትንቢት ጠቒሱ "እቲ ካብ ኣፍ ቆልዑን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳሎኻ።" ዚብል’ዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም᎒ እናበለ ቅድም ንዕኦም ዝተነግረ ጽሑፍ ኣምጺኡ ኣፎም ኣትሓዞም። ሎሚ’ውን ብዙሓት ንጌጋ ዝቃልዑ፥ ነቲ ቃል ዘየንብብዎ ኮይኖም ዘይኮነስ ስለዘየስተውዕልዎን ዘይተረድኦምን እዩ። ብቓሎም ብልህታትን መስተውዓልትን ኢና ክብሉ ከኣ ከምዚ ብድንቁርኖም ይተርፉ።

ኣብዚ ቆልዑ ተባሂሎም ዘለው ደቂ ዓመትን ፍረቓን፥ ሕፃናት ዝተባህሉ ድማ ደቂ ክልተ ዓመት እዮም። እዚ ከኣ ዘደንቕ ሥራሕን ጥበብ እግዚአብሔርን እዩ። ንጥምቀት ዚምልከት ገለ ናይ እምነት ትካላት ግብሪ መንፈስ ቅዱስ ብዘይምስትውዓል መለኮታዊ ጥበብ እግዚአብሔር ከይተረድኡ ሕፃናት ክጥመቑ ዝግባእ ምስ ዓበዩ ጥራይ እዩ። " እናበሉ ይከራኸሩ እዮም። ግን ከምቲ ዝብልዎ እንተ ዝኸውን ኔሩ፥ ኣብዚ ከም እንርእዮን ንሰምዖን እቶም ናይ ክርስቶስ ኣምላኽነት ዘይተረድኡ ካብ ምምስጋኑ ንድኅሪት ዝበሉን ዘይኣመንዎን፥ እኳ ደኣ ንኽብሩ ዝተቓወሙ ሕፃናት ዘይኮነስ እቶም ዓበይትን ምሁራንን ፈላጣትን ኢና በሃልትን እዮም። ሕፃናትን ቆልዑ ግና ኣምላኽነቱ ተረዲኦም ንኣምላኽነቱ ዝግባእ ምስጋና ኣቕረብሉ። እሞ ብዘይካ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ነዞም ንኣሽቱ ሕፃናትን ቆልዑን ኣምላኽነት ክርስቶስ መን ነገሮም᎒ ከም ኣተሓሳስባ ሥጋ ተሰቢኾም ክሰምዑ ኣብ ዘይክእልሉ ክልል ዕድመ እናለውኸ ዕድሚኦም ንኸይኣምንዎ ንምንታይ ዕንቀፍቲ ዘይኮኖም ወይውን ዘይከልከሎምን᎒ እቲ ሓቂ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ባዕሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ከም ዝበሎ እግዚአብሔር ስለ ዝገለጸሎም ጥራይ እዩ። ማቴ.11፥25። ነባቤ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ነዚ ቃል ጐይታ ሒዙ መንፈስ ኣምላኹ ገሊጽሉ ብዛዕባዚ « ኣቱም ቆልዑ፥ ነቦ ስለ ዝፈለጥኩምዎ ጽሒፈልኩም ኣለኹ።»ኢሉ ኣሎ። 1ዮሐ2፥14። ጐይታ" መንገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እዩ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።" ከም ዚበሎ። ዮሐ.14፥6። ወልድ ኢልካ ኣቦ ምባል ግዲ እዩ እሞ ኣቱም ቆልዑ ብወልድ ነቦ ስለ ዝፈለጥኩምዎ ማለቱ እዩ።ስለዚ ንሕፃናት ብናኣሽትኦም እንከለው ከይጥመቑ ዝኽልክል የልቦን።ይከልከሉ እንተበሉ እኳ ከምዚ ካብዞም ፈሪሳውያንን መማህራን ሕግን ፈሊኻ ዝርኣዩ ኣይኮኑን። ሓሳብ ፈሪሳውያን ካህናትን መማህራን ሕግንን ብጐይታ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ድማ ርኢናዮ ኢና። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዋላ እኳ ዝተነግረ ትንቢት ይንገሮም፥ ዝተጻሕፈ ቃልውን ይጥቀሰሎም ንሳቶም ግና ነዚ ረጊጾም ነቶም ዘመስግንዎ ዝነበሩ ካብ ክሲ ሓሊፎም ክቃወምዎም ስለ ዚጀመሩ÷ ኣስዒቡ "እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፥ እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም እብለኩም ኣለኹ።" ኢልዎም እዩ። ሉቃ.19፥39-40። ከምቲ ዝበሎ ከኣ ኣይተረፈን ኣእማንን ኣእዋምን እናሰገዱ ኣመስጊነምዎ እዮም። ከመይሲ ንሱ ፈጣሪ ኩሉ ፍጥረታት ስለዝኾነ።
ድኅሪዚ ኹሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓብይ ክብሪ ናብ ኢዮሩሳሌም ኣተወ። ብዘላ እታ ኸተማ ኸኣ «መን እዩ እዚ᎒ »እናበለት ተናወጸትን ተደነቐትን
ማቴ.21፥10። ቀንዲ ዝተናወጽሉን ዝተደነቅሉን ምኽንያት ብናይ'ቶም ንኣሽቱ ቆልዑን ሕፃናትን ምስጋና፥ ከምኡውን ክርስቶስ ከም ፀሐይ ይበርህ ስለ ዝነበረ ካብ ድምቀት ብርሃኑ ዝተላዕለ እዩ። እዚ ፍጻሜ እዚ መጀመርታ ዘይልሙድ ተርእዮ ስለ ዝኾኖም ከኣ "እዚ መን እዩ᎒"በሉ። ሽዑ እቶም ሕዝቢ ድማ " እዚ ነቢይ ኢየሱስ፥ ብዓል ናዝሬት ናይ ገሊላ እዩ።"በሉ። ማቴ.21፥11። ጐይታ ኣብ ናዝሬት ናይ ገሊላ ምዕባዩ ዝተፈልጠ ኮይኑ፥ ነቢይ እዩ ምባሎም ግን ንዕኦም ዝመሰሎም ደኣ ተዛረቡ እምበር "ሎቱ ስብሐት" ንሱስ ናይ ነብያት ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ እዩ። በቲ ሽዑ ጊዜ ዝፈልጥዎ ካልእ ስያሜ ስለ ዘይነበረ "ነቢይ እዩ በሉ" ሓዋርያ ከይብሉ፥ ድኂሩ ዝመጸ ስያሜ እዩ። ስለ ዝኾነ ኣይሁድ ዝኾነ ኣብ መንጉኦም ሓደ ፍሉይ ተኣምር ዝገበረ እንተ ተረኽበ እዚ ነቢይ እዩ ናይ ምባል ልምዲ ኔርዎም። ምናልባት ኣምላኽ’ዶ ክብሉ ኣይምኻኣሉን᎒ ዝብል እንተሎ ክሳብ ሽዑ ኣምላኽነቱ ዝተቐበልዎ ኣይነበሩን። ምእንትዚ" ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብዚ ዝፈለጦ የልቦን፥ እንተ ዚፈልጥዎስ ነቲ ጐይታ ክብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም። "ተባሂሉ ተነጊሩ እዩ። 1ቆሮ2፥8። በቶም ብኣምላኽነቱ ዘይፈለጥዎን ዘይተቐበልዎን ሰባት ነዚ ዚመስል " ነቢይ እዩ" ዚብል ኣብ ሓያሎ ክፍሊ ንረክብ ኢና፥ እንተኾነ ናቶም ኣመለኻኽታ ዝመሰሎም ደኣ ተዛረቡ እምበር ትኽክል መንነቱ ተረዲኦም ኣይነበረን። ነዚ ከኣ" ንሽሕ ፈልጺ ዕንጸይቲ መእሠሪአን ሓደ ልሕጺ።" ከም ዚበሃል ናብ ካልእ ከየበልና ጐይታ ባዕሉ ዚበሎ እኹል ዝኾነ መረዳእታ ኣሎና። ሰባት ብኸመይ ኣመለኻኽታ ከም ዚርድእዎ መን እዩ ከም ዚብልዎን ዝፈለጠ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ፥ ነዚ መበገሲ ገይሩ ከኣ ነቲ ትኽክል ዝኾነ መንነቱ ንኹሉ ብግልጺ ክነግር ስለ ዝፈተወ፥ኣብ ሃገር ቂሳርያ ናይ ፍሊጶስ ፥ ንደቀ መዛሙርቱ "ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ?ኢሉ ሓቲትዎም እዩ። እቶም ሓዋርያቱ ድማ ሰባት ዝብልዎ ብምዝርዛር" ገሊኦም ዮሓንስ መጥምቕ፥ ገሊኦም ኤልያስ፥ ገሊኦም ኤርምያስ ወይ ድማ ሓደ ኻብ ነብያት እዩ ዚብሉ ኣለው። " ክብሉ መለስሉ። እዚ ደቀ መዛሙርቱ ይብሉኻ ኢሎም ጠቒሶምዎ ዘለው ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ዝፍለ ኣይኮነን። እቲ ቁምነገሩ ግን ከምቲ ዝብልዎ ድዩ ወይስ ኣይኮነን ዚብል እዩ እሞ፥ ከምዚ ምስ በሉ ጐይታስ እንታይ በለ᎒ ንርአ÷ ጐይታ ከኣ "ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ᎒"በሎም። ኣብዚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ከይኣመንዎ በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ፍሉይ ዝኾነ ተኣምራትን ኃይልን ግን ዝተፈላለየ ስምን መንነትን ዝህብዎ ዝነበሩን፥ ከምኡ ነቶም ንዕኡ ኣሚኖም ኹሉ ናብርኦምን ወገን ዘመዶምን ሓዲጎም ዝሰዓብዎ ኣብ ዝወዓሎ ዝውዕሉ ኣብ ዝሓደሮ ዝሓድሩ ደቀ መዛሙርቱን ኣምጺኡ ብምንጽጻር ንምርዳእና ዝደለየ ይመስል። "ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ᎒ "ምስ በሎም ፥ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ገዛእ ርእሱን ናይ ኩሎም እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣኅዋቱን ወኪል ኮይኑ ፥«ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ» ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ጐይታ"ስምዖን ወዲ ዮና፥ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር ሥጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ ብጹእ ንኡድ ክቡር ኢኻ።" በሎ።
እዚ ብዙሕ ሓተታን መብርሂ ዘይድልዮ ንጹር መልሲ እዩ ። ስለዚ መንነት ናይ ክርስቶስ ከምቲ ገሊኦም ዮሓንስ መጥምቕ፥ ገሊኦም ኤልያስ፥ ገሊኦም ኤርምያስ ወይ ድማ ሓደ ኻብ ነብያት እዩ ዚብልዎ ዘይኾነስ እቲ ሓቀኛ መንነቱ ከምዚ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሃቦ ምስክርነት ንሱ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ እዩ። እቲ ንቅዱስ ጴጥሮስ " ስምዖን ወዲ ዮና፥ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር ሥጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ ብጹእ ንኡድ ክቡር ኢኻ። "ዚበሎ ከኣ ንዕኡ ሓቅኻ ምባሉ ዘስምዕ ጥራይ ዘይኮነ፥ እቶም ገሊኦም ዮሓንስ መጥምቕ፥ ገሊኦም ኤልያስ፥ ገሊኦም ኤርምያስ ወይ ድማ ሓደ ኻብ ነብያት እዩ ዚበልዎ ካብ ሥጋን ደምን እምበር መንፈስ ኣምላኽ ገሊጽሎም ሓቁ በሪህሎም ከም ዘይኮነውን ዝገልጽ እዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ ጴጥሮስ " ኣነ እብለካ ኣለኹ፥ ጴጥሮስ ( ከውሒ፥ጽኑዕ፥ኃያል) ኢኻ ኣብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንቤተ ክርስትያነይ ክሃንጻ እየ። ኣብዛ ክርስቶስ ኣምላኽ ወዲ ሕያው ኣምላኽ እዩ እትብል ጽንዕቲ፥ ሓቀኛ እምነት ንቤተ ክርስትያነይ (ንምእመናነይ) ክሃንፃ (ክሃንጾም) ማለቱ እዩ። ብዙኅ ነውጺ ብዙኅ ፈተና ኣለዋ፥ መሠረታ ጽኑዕ እምነታ ርቱዕን ሓቀኛ ስለ ዝኾነ ግን ደጌታት ሲኦል ኣይክኅይልዋን እዮም። መርኆታት መንግሥተ ሰማያት ድማ ኽህበካ እየ፥ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ፥ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ኸኣ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ"በሎ። ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣነ ክህንነት ሃቦም። ማቴ.16፥13-19።
ናብቲ ዝቐደመ ንመለስ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብዚ ቀጺሉ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ነቶም ኣብቲ ቤተ መቕደስ ዚሸጡን ዚሻየጡን ዝነበሩ ኹሎም ሰጎጎም፥ ጠረጴዛታት መሽረፍትን መናብርቲ ሸየጥቲ ርግብ'ውን ገልበጠ። "ቤተይ ቤት ጸሎት ኪበሃል እዩ።" ዚብል ጽሑፍ ኣሎ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩምዎ እናበለ ከኣ ገሰጾም። ጎሓሉት ዝበሎም ዝኸተርዎ ኣብኡ ይሸጡ ካብቲ ንዕሽር ዝወጸ ከኣ ይሰርቁ ስለ ዝነበሩ እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይዚ ኣብ ምኩራብ ክንምልከቶ ይከኣል። ከምዚ ገይሩ ከኣ ንቤተ መቕደሱ ኣኽበረ። ሓደነቶምን ሠለስትነቶምን ንምርዳእ ኸኣ ሠለስተ ጊዜ ዞራ። እዚ ዑደት ወይውን ንቤተ መቕደስ ዝግበር ዙረት ካብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ብዝተማሃርናዮ እንሆ ንዓና ተሪፉ እዚ ሎሚ ኣብ ዓበይቲ በዓላት እንፍጽሞ ዝተቐደሰ ሥርዓት እዩ።

እንቋዕ ናብዚ ክቡር በዓል ኣብጽሓና

ኣምላከ ቅዱሳን ፡ቅዱስ እግዚአብሔር ናብዚ ዓቢይ ክብረ በዓል ዕለተ ሆሣዕና ዘብጽሓና ምስጋና ይኹኖ።

ይትባረክ አምላከ አበዊነ።

                                                                       ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                       ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                       ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን.ዓምደማርያም

 

 

 

 

 

Comments are closed.