በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እንቋዕ ናይ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም በዓለ ሕዳር ጽዮን አብጽሓና። ምስባክ እስመ ኃረያ እግዚአብሔር ለጽዮን ወአብደራ ከም ትኩኖ ማኅደሮ ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም መዝ.131-13 (134-14) 2ይ ቆረ.6-12, 1ይጴጥ.2፣5-11፣ ግ.ሓዋ.7፣44-45። ወንጌሌማቴ.21፣42 ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ) ነዚ ቃል ዘውሰአን ረቂቕ ዝኾነ ትንቢታዊ ቃሉ ዘመኃላለፈን እግዚአብሔር ከም ልበይ ረኸብኩ ዝበሎ ቅዱስ ዳዊት እዩ። ንሱ ኣብ መዝሙሩ “እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ፤ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ፤ ወውእቱ […]
አከባብራ ዘመነ ጽጌ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዘከርታ ስደታ ንዝኾነ ዘመን፡ ምሳሌን ምሥጢርን ታሪኽን እናሰማመዐት ብፍሉይ ማኅሌት ንእትጥቀመሉ ማኅሌተ ጽጌ ጠቐስና እምበር፤ ብሓፈሻ ብሠለስተ ኣገባብ ነዚ እዋን ከምእተኽብሮ ምስትውዓል የድሊ። ንሳቶም ኸኣ ብማኅሌት፥ ብቅዳሴ፥ ብዝክር እዮም። እቲ ምሉእ ለይቲ ሰንበተ ክርስቲያን ብፍሉይ ተመስጦ ዝቕጽልን ዝቐርብን ዝማሬውን ካብ ድጓ ቅዱስ ያሬድ፥ ማኅሌተ ጽጌ ከምኡውን ሰቆቃወ ድንግል […]
መእተዊ ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለት ፳፮ መስከረም ክሳብ ፭ ኅዳር ዘሎ እዋን ዘመነ ጽጌ፡ ወርኃ ጽጌ፤ ዝጽወም ጾም ጾመ ጽጌ፤ ዝቐርብ ምስጋና ድማ ማኅሌተ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዘን ዕለታት ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳን ሓላዊኣ ኣረጋዊ ዮሴፍን ከምኡውን ሰሎሜ ናብ ምድረ ግብጽ ዝተሰደዱሉን ኣብኡ ዝጸንሑሉን እዋን ይዝከር። ምኽንያት ስደት ስደት […]
ሰቆቃው ድንግል ‹‹አይቴ ኀለፈት እምዕያማ ማርያም ጣዕዋ ኀሴሥክዋ በቤተልሔም ወኢረከብክዋ እሴእለክሙ ሰብአ ሰገል ገሊላ እመ ርኢክዋም ንገሩኒ ዜናሃ ወአርእዩኒ ፍናዋ ኀበ ሖረት በብካይ እትልዋ” ትርጉም ፣ እሓተኩም ሰብኣ ገሊላ ፣ ማርያም ጣዕዋ ወዳ ሒዛ ካብ መሕደሪኣ ናበይ ከይዳ ? ኣብ ቤተልሔም ደልየያ ኣይረኸብኩዋን ብብኽያት ክስዕባ ዜናኣ ንገሩኒ መንገዳ ሓብሩኒ እንዳበልኩ እልምነኩም። ሓተታ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን […]
ናይ ጾም ትርጉም ናይ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ሥርዓት መድብል ዝኾነ መጽሓፍ ፍትሓ ነገሥት ብዛዕባ ጾም ከምዚ ይብለና። “ ጾመሰ ተከልአተ ብእሲ እመብልዕ በጊዜ ዕውቅ በውስተ ሕግ “ ጾምሲ ብዝተፈልጠ ዕለት፣ ብዝተፈልጠ ሰዓት ንሰብ ካብ መግቢ ትኸልክሎ መኸልከሊት እያ።” ጾም ንሰብ ካብ መግቢ ክሕረም ትገብሮ። እዚ ኸኣ ኃጥያቱ ንምሥትስራይ ፣ ዋጋ ትሩፋቱ ንምብዛሕ፣ ፈትዩ ነቲ ዝተሠርዓሉ […]
“ መስቀል ኃይልነ ወፀወንነ ወሞገስነ ዝንቱ ውእቱ መስቀል። መስቀል ኃይልና ፣መስቀል ሞጎስናን ጸግዕናን እዩ። ” መዝሙረ ቅዱስ ያሬድ ዝብል ቃል ክለዓል ወይ ክዝከርን ክንገርን ከሎ ኣብ ልዕሊ ኣማኒ ክርስትያን ኣእምሮ ውሽጢ ፍሉይ ዝኾነ ስእሊ እዩ ዝቅረጽ። ኣብ ልዕሊ ዕጸ መስቀል ዝተሰቅለ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ዝገልጾ ፍቕሪ ብኣንክሮ እንተዘይኮይኑ ሓሲብና ኮነ መርሚርና ክንበጽሖ […]
እንቋዕ ናብ ብርሃን መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓና! ምስባክ ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፣ ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅስት፣ወይድኅኑ ፍቁራኒከ ። < ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቅ ዕላማ ሃብካዮም ፣ ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ፣ ብየማነይትኻ ኣድኅን እሞ ስምዓና።> መዝ. 59፣40 (60፣40)። ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ካብ ተኽብሮም ትሽዓተ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኡሳን በዓላት ሓደ ኣብ መስከረም 17 ዝኽበር በዓል መስቀል እዩ። መስቀል […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! እንቋዕ ናብ በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ሓድሽ ዓመትን ብሰላም ኣብጽሓና! ዘመነ ሉቃስ ወንጌላዊ 2011 ዓ.ም ግእዝ (2018ኣ.ፈ) ምስባክ ወይትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም ወይረውዩ አድባረ በድው። መዝ 64(65)፣11 2ይቆሮ.6፣1-11። ያዕ.5፣8-13። ግ.ሓዋ.5፣12-17። ወንጌል.ማቴ.11፣1-20። ቅዳሴ ዘሐያዋርያት (ነአኵተከ) ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ዘመነ ሰላም፣ ዘመነ ፍቕሪ፣ ዘመነ ቅሳነትን ራህዋን ዘመነ […]
ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ቀብሪ ሥነ-ሥርዓት ዝተፈጸመሉ ዕለት ካብቶም ዓሰርተ ክልተ (12) ሓዋርያት ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ሓዋርያት ምስኦም ኣይነበረን። ብተልእኾ ካብቲ ዝነበረሉ ሃገረ ስብከቱ ኣብ ደመና ተጻዒኑ ናብቲ ኣኅዋቱ ዝነበሩሉ ናብ ኢዮሩሳሌም ክመጽእ ከሎ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ካብ ዝተቐበረትሉ ዕለት ብሳልሳይ መዓልቲ ከም ወዳ፡ ዕለት ዓሰርተ ሽዱሽተ (16) ነሓሴ ተንሢኣስ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን:: " አሐደ ለከ ወአሐደ ለሙሴ ወአሐደ ለኤልያስ ንግበር ማኅደረ " ቅዱስ ጴጥሮስ ማቴ. 17፣ 1-8 " ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ድማ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጴጥሮስን ንያቆብን ንዮሓንስን ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ከም ጸሓይ ኣብርኄ ክዳኑ'ውን ከም ብርሃን ጻዕደወ። […]