ናይ ጾም ትርጉም ናይ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ሥርዓት መድብል ዝኾነ መጽሓፍ ፍትሓ ነገሥት ብዛዕባ ጾም ከምዚ ይብለና። “ ጾመሰ ተከልአተ ብእሲ እመብልዕ በጊዜ ዕውቅ በውስተ ሕግ “ ጾምሲ ብዝተፈልጠ ዕለት፣ ብዝተፈልጠ ሰዓት ንሰብ ካብ መግቢ ትኸልክሎ መኸልከሊት እያ።” ጾም ንሰብ ካብ መግቢ ክሕረም ትገብሮ። እዚ ኸኣ ኃጥያቱ ንምሥትስራይ ፣ ዋጋ ትሩፋቱ ንምብዛሕ፣ ፈትዩ ነቲ ዝተሠርዓሉ […]
“ መስቀል ኃይልነ ወፀወንነ ወሞገስነ ዝንቱ ውእቱ መስቀል። መስቀል ኃይልና ፣መስቀል ሞጎስናን ጸግዕናን እዩ። ” መዝሙረ ቅዱስ ያሬድ ዝብል ቃል ክለዓል ወይ ክዝከርን ክንገርን ከሎ ኣብ ልዕሊ ኣማኒ ክርስትያን ኣእምሮ ውሽጢ ፍሉይ ዝኾነ ስእሊ እዩ ዝቅረጽ። ኣብ ልዕሊ ዕጸ መስቀል ዝተሰቅለ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ዝገልጾ ፍቕሪ ብኣንክሮ እንተዘይኮይኑ ሓሲብና ኮነ መርሚርና ክንበጽሖ […]
እንቋዕ ናብ ብርሃን መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓና! ምስባክ ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፣ ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅስት፣ወይድኅኑ ፍቁራኒከ ። < ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቅ ዕላማ ሃብካዮም ፣ ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ፣ ብየማነይትኻ ኣድኅን እሞ ስምዓና።> መዝ. 59፣40 (60፣40)። ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ካብ ተኽብሮም ትሽዓተ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኡሳን በዓላት ሓደ ኣብ መስከረም 17 ዝኽበር በዓል መስቀል እዩ። መስቀል […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! እንቋዕ ናብ በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ሓድሽ ዓመትን ብሰላም ኣብጽሓና! ዘመነ ሉቃስ ወንጌላዊ 2011 ዓ.ም ግእዝ (2018ኣ.ፈ) ምስባክ ወይትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም ወይረውዩ አድባረ በድው። መዝ 64(65)፣11 2ይቆሮ.6፣1-11። ያዕ.5፣8-13። ግ.ሓዋ.5፣12-17። ወንጌል.ማቴ.11፣1-20። ቅዳሴ ዘሐያዋርያት (ነአኵተከ) ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ዘመነ ሰላም፣ ዘመነ ፍቕሪ፣ ዘመነ ቅሳነትን ራህዋን ዘመነ […]
ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ቀብሪ ሥነ-ሥርዓት ዝተፈጸመሉ ዕለት ካብቶም ዓሰርተ ክልተ (12) ሓዋርያት ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ሓዋርያት ምስኦም ኣይነበረን። ብተልእኾ ካብቲ ዝነበረሉ ሃገረ ስብከቱ ኣብ ደመና ተጻዒኑ ናብቲ ኣኅዋቱ ዝነበሩሉ ናብ ኢዮሩሳሌም ክመጽእ ከሎ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ካብ ዝተቐበረትሉ ዕለት ብሳልሳይ መዓልቲ ከም ወዳ፡ ዕለት ዓሰርተ ሽዱሽተ (16) ነሓሴ ተንሢኣስ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን:: " አሐደ ለከ ወአሐደ ለሙሴ ወአሐደ ለኤልያስ ንግበር ማኅደረ " ቅዱስ ጴጥሮስ ማቴ. 17፣ 1-8 " ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ድማ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጴጥሮስን ንያቆብን ንዮሓንስን ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ከም ጸሓይ ኣብርኄ ክዳኑ'ውን ከም ብርሃን ጻዕደወ። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! እንቋዕ ናብ ጾመ ፍልሰታ ብሰላም ኣብጸሓና። ካብ ዕለት ሰሉስ ነሓሰ 1-2010 ዓ.ም (ነሓሰ 7-2018) ጀሚሩ ኣብ ክልተ ሱባኤ ኮይኑ ። ኣብ ነሓሰ 16 ዕለተ ረቡዕ 2010 ዓ.ም ( ነሓሰ 22 - 2018)ኪዳነ ምሕረት ብቅዳሴ ይዛዘም። ብሩኽ ምጅማር ጾመ ፍልሰታ ይግበረልና። ፍልሰታ ማለት “ፈለሰ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን፣ ምስባክ አልቦ ነገር ወአልቦ ነቢብ ዘኢተሰምዐ ቃሎም፣ ውስተ ኵሉ ምድር ወጽአ ነገሮም፣ ወእስከ አጽናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦም። መዝ.18-4 (19-4) 2ይጢሞ.4፣1። 2ይጴጥ. 1፣1-19። ግ.ሓዋ.23-10። ሉቃ. 6-1-20። ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉዕዞ ኩሉ ግዜ ኣብ መስቀል እዩ። እዚ ናይ መስቀል ጉዕዞ ድማ መሥዋእትነት ( መከራ ምቅባል) ይሓትት። ካብዚ ብምብጋስ ዝተመትሩ፣ […]
ብሩኽ ምጅማር ጾም ይግበረልና። ካብ ግንቦት 20 2010 ዓ.ም ( May 28, 2018) ክሳብ ሓምለ 5 2010 ዓ.ም ( July 12, 2018) ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ብኣዋጅ ንኽንጸሞም ዝኣዘዘትና ኣጽማዋት ሸውዓተ እዮም። ካብዚኦም ሓደ ዝኾነ ጾመ ሓዋርያት ኣብ ዓዓመቱ ጽባሕ በዓለ ኃምሳ ሰኑይ መዓልቲ ይኣቱ። መዓልታት ጾመ ሓዋርያት ከም ዓቢይ ጾም መእተዊ ከም ኩነታቱ ዝለዋወጡ እንተዀኑ ብሓፈሽኡ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ምስባክ ዐርገ ውስተ አርያም ፄዊወከ ፄዋ ወወሀብከ ጸጋከ ለእጋለ እምሕያው እስመ ይክህዱ ከም ይኅድሩ ። መዝ.67-18 ኤፌ.4፣1-17። 1ይዮሓ.2፣1-18። ግ,ሓዋ.2;-1-14: ዮሓ.14፣1-22። ጰራቅሊጦስ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስም እዩ። ብግሪኽ ቋንቋ ኣጸናንዒ ማለት እዩ። ጰራቅሊጦስ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምትንሥኡ ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ፣ ድሕሪ ዕርገቱ ኣብ […]