ጾመ ነነዌ ትንቢተ ዮናስ 2ይክፋል

ትንቢተ ዮናስ 2ይ ክፋል

ዮናስ ናብታ መርከብ ምስ ኣተወ እግዚአብሔር ድማ ናብቲ ባሕሪ ህቦብላ ንፋስ ሰደደ እታ መርከብ ክትስበር ክሳብ እትቐርብ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኮነ።

ንፋስ ንኣምላኹ ተኣዚዙ ሥርሑ ይሠርሕ ኔሩ። ካብ ኣምላኽ ዝተላእኸ መልእኽተኛ እዩ’ሞ ንጸሎት ኣንቂሕዎም። ቀዲሙ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኮነ ክሳብ እታ መርከብ ክትስበር ትቀርብ እቲ ህቦብላ ንፋስ ክግምጥላ ቀረበ። ባሕረኛታት ኩሎም ክንሰጥም ኢና ኢሎም ፈርሑ። ናብ ኣምላኾም ከኣ ኩሎም ኣእወዩ። ኩሉ ፍጥረት ብእግዚአብሔር ስለ ዝተፈጥረ ፈቓደ እግዚአብሔር ክፍጸም ምእንቲ ንፋስ ተላኢኹ መጺኡ። ንዓሳ ወሕጦ ምስ በሎ ወሓጦ፣ ትፍኣዩ ምስ በሎ ከኣ ተፍኦ።

ኣብ ትንቢተ ዮናስ ንረኽቦም ፍጥረታት ኩሎም ንፋስ፣ ፀሓይ ፣ዓሳ፣ ባሕሪ ኩሎም ንእግዚአብሔር ተኣዚዞሞ እዮም። ንእግዚአብሔር ዘይተኣዘዞ ግና ነብዩ ዮናስ ጥራሕ እዩ።

ሎሚ’ውን ካብ ፈቃደ እግዚአብሔር ዝወጻእና ንሕና ደቂ ሰባት ጥራሕ ኢና። ጸሓይ ሓደ መዓልቲ እኳ ይኣኽለኒ  ኣይወጽእን ኢየ ኢላ ኣይትፈልጥን ። ዝናብ’ውን ኣይዘንብን ኢሉ ኣይፈልጥን። ምድሪ’ውን ነቲ ተደልዩ ዝሓርሳ ተደልዩ ዘንድዳ ሰብ እምቢ ፍረ ኣይህብን ኢላ ኣይትፈልጥን። ኣይንእዘዝን ዝበልና ንሕና ሰባት ጥራሕ ኢና። እዞም ንቃተ ኅሊና ዘይብሎም ግዑዛን ፍጥረታት ንፈጣሪኦም ይእዘዙ። ካባና ንላዕሊ ከኣ ይሰምዖዎ፣ ፈቓዱውን ይፍጽሙ።

እቶም ባሕረኛታት ኣሕዛብ እዮም ። ኮይኑ ግና ኣብ ግዜ ጸገሞም ናብ ኣምላኾም ተማህሊሎም።  ኣብዚ ዘደንቅ ዓቢ ነገር ነስተውዕሎ ኣብ ግዜ ጸገሞም ንኣምላኾም ኣቐዲሞም።  ጸልዮም ብምቅጻል ምእንቲ ኽፎኽሰሎም ከኣ ነቲ ኣብ መርከብ ዝነብረ ኣቓሑ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ። ጸሎትን ምህለላን ኣብቶም ባሕረኛታት ዓቢ ቦታ ዝተዋህቦ እዩ ኔሩ።

እቲ ሓለቓ መርከብ ንዮናስ ካብ ድቃሱ ከተንሥኦ ከሎ ምናልባሽ እቲ ኣምላኽካ ከይንጠፍእ እንተ ሓሰበናስ ካብ ኣምላኽካ ተማህለል እዩ ዝበሎ እምበር ነዓ ሓግዘና ነዚ ኣቕሓ ናብ ባሕሪ ክንድርብዮ ኣይበሎም። ኣብቲ ናይ ጸገም እዋን ኩሎም ይጽልዩ ከምዝነበሩ እዩ ዝነግረና። ዘይጸለየ ዮናስ ጥራሕ እዩ ኔሩ። ድሕሪ ካብ ምድቃስ ምትንሥኡ ዋላ ከምዘይጸልየ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነገረና።

ዘደንቅ ነገር እዩ ኣብቲ ናይ ጭንቂ ሰዓት ዮናስ ንገዛእ ርእሱ ንምሕባእ ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ እታ መርከብ ወሪዱ ተገምሲሱ ከቢድ ድቃስ’ውን ደቂሱ ነበረ።

ኣብቲ እዋን ጸገም ኣሕዛብ ግንባሮም ስጋብ ዝልሓጽ ኣብራኾም ስጋብ ዝደሚ ናብ ኣምላኾም ብዓውታ እንዳተማህለሉ ከለዉ ፣ ዮናስ ግና ደቂሱ ነበረ።

እግዚአብሔር ግሩም ከምዝኾነ ነስተውዕል ፣ ንነብዩ ዮናስ ብኣሕዛብ ይግስጾ ነበረ። ብመልኣኽ ኣይኮነን፣ ብኻልእ ነብዩ’ውን ኣይኮነን ፣ ብኣሕዛብ ኔሩ እምበር።

እግዚአብሔር ንመን ብመን ክግስጽ ከምዘለዎ ይፈልጥ እዩ። እሱ ክግስጸካ ከሎ ንሕዝቡ ክግስጽ ንኣሕዛብ የተንሥኦም። ብእምነት ከምዝበለጽዎም የርእዮም።

ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣይሁዳውያን ብከናኣናዊት ሰበይቲ ገሲጽዎም። ብሳምራዊት ሰበይቲ ገሲጽዎም፣ ንፈሪሳውያን ብቀረጽቲ ገሲጽዎም።

ንነብዩ ዮናስ ከኣ ብባሕረኛታት ኣሕዛብ ክግስጾ ተሢኡ ክጽልይ ካብ ድቃሱ ኣበራቢርዎ።

ብድምጺ ማዕበል ህቦብላ ክትሥእ ኣይከኣለን። ኣብቲ እዋን ጭንቂ ደቂሱ ይሕርንኽ ኔሩ።  እግዚአብሔር ከኣ በቲ ሓለቓ መርከብ ንዮናስ ካብ ድቃሱ ኣበራበሮ።  

ንሕናኸ ካብቲ ነፍስና ኣጥፊእና ደቂስናዮ ዘላና ኣብ ናይ ኃጥያት ንእዲ (መደቀሲ) እግዚአብሔር ንመን ሊኢኹ ካብ ድቃስና የንቅሓና ይኸውን። ብዘይምፈልጦም ሰባት ፧ ቃል እግዚአብሔር ኣይፈልጡን እዮም እንብሎም ሰባት ፧ ብሕጻናት ፧ብድኻ፧ ብመናፍቃን ፧ ብኣረጋውያን ፧ እስከ ኩላትና ኣብቲ እንውዕሎን ብዓይነ ኅሊናን ንኺድ እሞ፣ ብመን ከምዝግስጸና ልቢ ኢልና ነስተውዕል። ኣምላከ ቅዱስን ዘስተውዕል ልቦና ይሃበና።

ካልእ ካብዞም ባሕረኛታት እንመሃሮ ንእግዚአብሔር ኣዝዮም ይደልይዎ ነበሩ። ዋላ እካ መን ምዃኑ እንተዘይፈለጡ ከምዘሎ ግና ይፈልጡ ነበሩ። ምኽንያቱ ንዮናስ ከተንሥእዎ ከለዉ ናብ ኣምላኽካ ተማህለል እዮም ዝበልዎ እምበር ናብ ኣምላኽና ተማህለል ኣይበልዎን። ሓቐና ኣምላኽ መን ምዃኑ ዋላ እንተዘይፈለጡ ከምዝፈተውዎ ግና ንርኢ። ብቅኑዕ መገዲ ዋላ እንተዘይኮነ ይኣምንዎ እዮም። ነዚ ከኣ እግዚአብሔር ንጹህ ኅልናኦም ርእዮ ገዛእ ርእሱ ዝተገልጸሎም።

ኣብቲ መርከብ ውሽጢ ናይ ጸሎት ሰባት ጥራሕ ዘይኮኑ ናይ እምነት ሰባት’ውን ኔሮም እዮም። ዕጫ ኣውደቑ። ንምንታይ ፧ እቲ ረኺብዎም ዘሎ መከራ ብሰሪ መን ምዃኑ እግዚአብሔር ከፍልጦም ምእንቲ።

ዋላ ናይ ኣሕዛብ ባሕረኛታይ እንተዀኑ እቲ ማዕበል ዝመጸ ብንፋስ ብለውጢ ኣየር ምኽንያት እዩ ኣይበሉን። ብናይ ሓደ ሰብ ኃጥያት ምኻኑ እዩ ፈሊጦም ። ብሰሪ መን ከም ዝረኸበና ክንፈልጥሲ ንዑ ዕጫ ነውድቕ ዝተበሃሃሉ። እታ ዕጫውን ናብ ዮናስ በጽሐት ። ኣሕዛብ እንተኾኑ እግዚአብሔር  ግና መን በደለኛ ምዃኑ ነጊርዎም።

ብጣዕሚ ዝገርም ድማ ዋላ እታ ዕጫ ናብ ዮናስ እንተወደቀት ፣ ንዓዶም ጋሻ እንተኾነ ፣ ንሳቶም እንዳጸልዩ ንሱ ኣብ ከቢድ ድቃስ ደቂሱ እንተነበረ። ብተወሳኺ ብእኡ ምኽንታይ ንብረቶም ናብ ባሕሪ ዋላ እንተተደርበየ። ህውኽ ኢሎም ግና ኣይፈረድዎን።

“ንሳቶም ግና “ ዕዮኻ እንታይ እዩ ፣ ካበይከ መጻእኻ ኣየናይ እዩ ሃገርካ፣ ኣየናይ ሕዝቢኸ ኢኻ በልዎ።”

ልቢ ንበል ኣብቲ እዋን እታ መርከብ ክትስበር ቅሩብ እዩ ተሪፍዋ ኔሩ። ኣብ ናይ ሞትን ሕይወትን ከለዉ እዮም ብህድእታ ንዮናስ ዝሓትዎ ኔሮም። “ ንሱ ኸኣ ኣነ እብራዊ እየ ፣ ነቲ ባሕርን ንቁጽን ዝገበረ እግዚ አብሔር ኣምላኽ ሰማይውን እፈርሆ እየ በሎም።  ሽዑ እቶም ሰባት ንሱ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ርሒቑ ከም ዝሃደመ ባዕሉ ስለዝነገሮም ፈለጡ፣ ዓብይ ፍርሓት’ውን ፈርሑ ፣ስለምንታይ ድኣ እዚ ገበርካ ከኣ በልዎ። እቲ ባሕሪ’ውን እንዳበርትዐ ይከይድ ነበረ እሞ ንሳቶም ባሕሪ ኺሃድኣልናስ እንታይ ንግበር በልዎ። ንሱ ድማ እቲ ብርቱዕ ማዕበል ብሰረይ ከምዝበጽሓኩም እፈልጥ ኣለኹ እሞ ወሲድኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ ፣እቲ ባሕሪ ኸኣ ኺሃድኣልኩም እዩ።  “ ዮናስ. 1፣8-12።

እግዚአብሔር ንዮናስ ኣብ ቅድሚ ኣሕዛብ ከመይ ከምዝገሠጾ ብግልጺ ንርእዮ። ባዕሉ ዮናስ ንባሕረኛታት ተንቲኑ ኩሉ ገሊጽሎም፣ ንሶም ግና ዮናስ በደለኛ ኮይኑ ኩሉ ጥፍኣቱ ዋላ እንተነገሮም፣ ዋላ’ውን እቲ ማዕበል እንዳበርትዐ እንተኸደ፣ ነቲ ኩሉ ጥፍኣትን ንብረቶም ተሓታቲ እኳ እንተኾነ፣  ተሃዊኾም ክድርብይዎ ግና ኣይፈተዉን እኳ ደኣ ከድኅንዎ ይጽዕሩ ነበሩ።

ዮናስ ግና እታ እንኮ ኣማራጺ ንዕዑ ምድርባይ ምዃኑ ዋላ ደጊሙ እንተነገሮም ንምድኃኑ ግና ይጽዕሩ ነበሩ።  “ እቶም ሰባት ናብ ምድሪ ኺምለሱ ብምቕዛፍ ይጋደሉ ነበሩ። ግናኸ እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዖም ስለዝኸደ ኣይኮነሎምን።”

ዮናስ ናብ ባሕሪ ክድርበይ ፍቓደ እግዚአብሔር ስለዝኾነ ኩሉ ጻዕሮም ንምድኃኑ ክዕወት ኣይከኣለን።

ሕይወቶም ኣብ ኣፈሞት ኮላ ይጽልዮ ኔሮም ከምዚ እንዳበሉ፣ “ ዎ እግዚአብሔር ንልምነካ ኣለና። ምእንቲ ነፍሲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣይተጥፍኣና። ንስኻ እግዚአብሔር ከም ዝፈቶኻዮ ጌርካ ኢኻ እሞ ንጹህ ደም ኣብ ልዕሌና ኣይተንብር ኢሎም ናብ እግዚአብሔር ኣእወዩ።” ዮና. 1- 14። ንስኻ ዝሾምካዮ ነብዩ ኢድና ከንልዕል ኣይንደልን ኢና ፣ግና ባዕሉ ደርብዩኒ ይብለና ኣሎ ብምባል እዩ ብፍርሓት ዘእወዩ።

ሓቐኛ ዮናስ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሕዛብ ( ከም ጲላጦስ) ንጹሕ ምኻኑ መስኪሮ። ሞት ከምዘይግብኦ ተዛሪቦም ። ኣይሁድ ግና ይሰቅል፣ ይሰቀል እንዳበሉ ኣእወዩ። ደሙ ኣባናን ኣብ ደቂ ደቅናን ይኹን ይብሉ ነበሩ።

እቶም ባሕረኛታት ድሕሪ ጸሎቶም ንዮናስ ናብ ባሕሪ ደርብይዎ። እቲ ባሕሪ’ውን ካብ ምንዋጹ ሃድአ።

እቶም ባሕረኛታት ዮናስ ዝተዛረቦ ሓቒ ምዃኑ ካብቲ ባሕሪ ጸጥ ምባሉ ተዓዚቦም ኣዝዮም ፈርሑ። መሥዋእቲ ንእግዚአብሔር ሰውእሉ  መብጽዓ’ውን ተመጻብዑ። በጊዕ ወይ ዲቤላ ዘይኮነ ፣ ሓቀኛ መሥዋእቲ ምስግና፣ ልቦና ሠውእሉ።

ዮናስ ናብ ባሕሪ ተደርበየ።

ይቅጽል…….

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔርጾምና ይባርኸልና።ኣብ ኩሉ ድኻምና ይደግፈና በረከት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር::

Comments are closed.